ደቅኹም ዘልዕልዎም ሕቶታት የሰልክይኹም’ዶ?

ደቅኹም ከም መርማሪ ገበን ሕቶ ምሕታት የብዝሑ’ዶ?
ብፍላይ ካብ 14 ወርሒ ክሳብ 5 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ኣብ ሰዓት ብማእከላይ ገምጋም 107 ሕቶታት ከምዝሓቱ መጽናዕታት የመልክቱ! እዚ ማለት ኣብ ሓንቲ ደቒቕ ኣስታት ክልተ ሕቶ ማለት እዩ።
ብሰንኪ’ዚ ንደቆም ምላሽ ምሃብ ዝስልክዮም ወለዲ ሒደት ኣይኰኑን።
ይኹን’ምበር ህጻናት ብዛዕባ እዛ ዓለም ግንዛበ ከማዕብልሉ ዝሕግዞም ሓደ መንገዲ ሕቶ ምሕታት እዩ - ‘ስለምንታይ?’
'ስለምንታይ እዚ ዀይኑ?' ‘ስለምንታይ እዚ ዘይኰነ?’... ስለምንታይ... ስለምንታይ... ስለምንታይ?
‘ስለምንታይ?’ ኢሎም ብዝሓተቱ መጠን፡ ብዛዕባ’ቲ ዝተገደስሉ ነገራት ዝያዳ መልሲ ይረኽቡ።
ክኢላ ክሊኒካዊ ስነ-ኣእምሮ ሊንዳ ብሌር፡ ህጻናት ስለምንታይ ብዙሕ ሕቶ ከምዝሓቱ ዝያዳ ሓበሬታ ትህብ።
ህጻናት ስለምንታይ ‘ስለምንታይ?’ ኢሎም ይሓቱ?
ሊንዳ ከምትብሎ፡ ህጻናት ሓንጎሎም እናማዕበለን ብዛዕባ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ዓለም ዝያዳ ሓበሬታ እናረኸቡን ክኸዱ እንከለዉ፡ ‘ስለምንታይ?’ ዝብሉ ሕቶታት ምሕታት ይጅምሩ።
“ኣብ ከባቢ 2 ዓመትን ፈረቓን ዕድሚኦም፡ ኣብ ሓንጎሎም ኵሉ ዓይነት ምትእስሳር ይፍጠር ኣሎ - ብፍላይ ድማ ነገራት ዝጉጀልሉ ኣገባብ፡ ከምኡ’ውን ሓደ ነገር ምፍጻሙ ናብ ካልእ ነገር ብኸመይ ከምዘምርሕ ዘሎ ምትእስሳር ክግንዘቡ ይደልዩ” ትብል።
ዝርእይዎም ነገራት ብኸመይ ምስ ነንሕድሕዶም ከምዝተኣሳሰሩ ክርድኡ ምስ ጀመሩ፡ ከምዚ ንዝኣመሰለ ፍልጠት ዝያዳ ጽምኢ ይሓድሮም።
ነዊሕ ከይጸንሑ ኣብ ከባቢኦም ንዘለዉ ዓበይቲ ሰባት ብምሕታት እዚ ጽምኢ ከርውዩ ከምዝኽእል ይግንዘቡ።
ሽዑ ወለዲ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ 3 ክሳብ 4 ዓመት ዝዕድሚኦም ህጻናት ዋሕዚ ‘ስለምንታይ?’ ዝብሉ ሕቶታት ክሰምዑ ይጅምሩ።
“ንቕሓቶምን ርእሰ ተኣማንነቶምን ዝያዳ እናወሰኸ ምስ ዝኸይድ፡ ዝያዳ ክድህስሱን ዝያዳ ክፈልጡን ይብህጉ። ድሕሪኡ ዳርጋ ካብቲ ክርድእዎ ዝኽእሉ ንላዕሊ ብዝቐልጠፈ ሕቶታት የብዝሑ” ክትብል እታ ክኢላ ክሊኒካዊ ስነ-ኣእምሮ ተብርህ።
ኣብ ምትእስሳር ነገራት ዝህሉ ዘይርጉጽነት እዩ ናብ ‘ስለምንታይ?’ ዝብል ሕቶታት ከምዝመርሖም ሊንዳ ትገልጽ።
“ሓደ ነገር ሃንደበት ብኸመይ ህልዉ ከምዝዝዀነ፡ ወይ እቶም ኣብ ከባቢኦም ዘለዉ ነገራት ብኸመይ ከምዝፈላለዩ ከይተረድኦም ክተርፍ እንከሎ ‘ስለምንታይ?’ ኢሎም ይሓቱ። ንኣብነት፡ ኣብ ስድራቤቶም ዘሎ ከልቢ ሓጺር ጸጕሪ ስለዘለዎ ጥራይ ኣኽላባት ሓጺር ጸጕሪ ዘለዎም ይመስሎም፡ ድሕሪኡ ግና ነዊሕ ጸጕሪ ዘለዎ ከልቢ ክርእዩ እንከለዉ ሕቶ የልዕሉ።”

እዚ ክልተ ምኽንያታት ኣለዎ ትብል ሊንዳ።
“መጀመርታ ወለዶም ብዛዕባ ዓለምን ኣብ ውሽጣ ዝፍጸሙ ነገራትን ከረድእዎምን ከነጽሩሎም ይደልዩ፤ እዚ ምእንቲ ብዛዕባ ዓለምን ዝፍጸሙ ነገራትን ክግምቱ እዩ። ልክዕ ከም ዓበይቲ ሰባት፡ ህጻናት እንታይ ከምዝፍጠር ርግጸኛ እንተዘይኰይኖም ይፈርሑ’ዮም።”
እቲ ካልእ ምኽንያት ድማ፡ ዝሕጐሱሉን ዝግደሱሉን ነገር ንወለዶም ከካፍሉ ስለዝደልዩ እዩ። እዚ፡ ኣገደስቲን ፍቑራትን ከምዝዀኑ ክስምዖም ይገብር።
“ሓደ ዝግደሱሉ ነገር ንወለዶም ብምክፋል፡ ዋጋ ከምዘለዎም ይስምዖም፡ እዚ ድማ ንርእሰ-ምትእምማኖም እውን ዘዕብይ’ዩ።”
“እዚ ምስ ኣቓልቦ ወለዲ ምጥላብ ሓደ ኣይኰነን። ነቲ ዝፈትውዎ ነገር ንወለዲ ከካፍሉ እዮም ዝሓቱ ዘለዉ።”
ወለዲ ምስ ደቆም ኣብ ዝምስጦም ነገር ትኹረት ገይሮም ብዛዕባኡ ክዘራረቡ እንከለዉ፡ ህጻናት ብንጥፈት ክመሃሩ ስለ ዝደልዩ፡ ብዛዕባ’ቲ ወለዲ ዝብልዎ ነገር ተገዲሶም ናይ ምስማዕን ተኽእሎኦም ኣዝዩ ዝለዓለ’ዩ።
“እዚ ዕድመ ንወለዲ ብሓቂ ጽቡቕ ዕድል’ዩ ዝፈጥር። ምዝራብ ኣብዘይኽእልሉ እዋን፡ ብሓቂ ብዛዕባ እንታይ ክፈልጡ ከምዝደልዩ ምግማት ኣጸጋሚ’ዩ። ምሕታት ምስ ጀመሩ ግን ወለዲ ብዛዕባ ትምህርትን ርኽበትን ክሕጎሱ ዝገሮም ሓያል መሳርሒ እዮም ዝረኽቡ ዘለዉ።”

ብኸመይ ንምልሰሎም
ሓደ ካብቲ ‘ስለምንታይ?’ ዝብል ሕቶ ንምምላስ ዝሕግዝ ውሕሉል መገዲ፡ ነቲ ሕቶ መሊስካ ነቶም ህጻናት ምሕታት እዩ ትብል ሊንዳ።
ወለዲ፡ ‘ንምንታይ ይመስለካ/ኪ?’ ክሓቱ ተተባብዕ።
እቲ ዝህብዎ መልሲ፡ ብሓቂ እንታይ ክፈልጡ ከምዝደልዩ ንምርዳእ ዝሓሸ ዕድል ዝህብ’ዩ።
ከም ኣብነት ‘ዝናብ እንታይ’ዩ?’ ዝብል ሕቶ ንውሰድ።
ህጻናት ብዛዕባ እንታይነት ዝናብ ክፈልጡ ዝሓቱሉ ምኽንያት ወለዲ ፈጺሞም ዘይግምትዎ ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ። “መብዛሕትኡ ግዜ ድማ እንታይ ክፈልጡ ከምዝደለዩ ከይተረደኣና ካብ ኣረኣእያና ተበጊስና መልሲ ንህቦም” ትብል ሊንዳ።
“ምናልባት እቲ ብሓቂ ክፈልጥዎ ዝደልዩ ቃል ብቓሉ ዝናብ እንታይ እዩ ዝብል ዘይክኸውን ይኽእል። ምናልባት ዝናብ ክዘንብ ከሎ እንታይ ክኽደኑ ከምዝግባእ ክፈልጡ ደልዮም ክዀኑ ይኽእሉ። ወይ ድማ ኣብ ዝናብ ክጎዩ ዝፍቀደሎም እንተዀይኑ ንምፍላጥ ክኸውን ይኽእል።”
“ስለምንታይ ዝናብ ዝዘንብ ይመስለካ/ኪ?” ኢልና እንተሓቲትናዮም ግን ካብ መልሶም ብሓቂ እንታይ ዓይነት ሓበሬታ ከምዝደልዩ ምርዳእ ይከኣል’ዩ።
ብዛዕባ’ቲ ክፈልጥዎ ዝደልይዎ ነገር ብቕልጡፍ መልሲ ብዝረኸቡ መጠን፡ እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ዝመስል ‘ስለምንታይ?’ ዝብል ሕቶታት’ውን ብቕልጡፍ ይውዳእ።

“መብዛሕትኡ ግዜ ዝያዳ ሕቶታት ዝሓቱሉ ምኽንያት፡ ወለዲ ብሓቂ እቲ ክፈልጥዎ ዝደልዩ ነገር እንታይ ምዃኑ ስለዘይተረድኡ’ዩ። ወለዲ ድሌት ደቆም ተረዲኦም እቲ ዝደለይዎ መልሲ እንተሂቦምዎም ግን ሕቶኦም ደው የብሉ’ዮም። ስለዚ ግቡእ መልሲ ክረኽቡ ኣገዳሲ’ዩ።”
እዚ ኣገባብ’ዚ ካልእ ረብሓ’ውን ኣለዎ። ‘ንምንታይ ይመስለካ/ኪ?’ ኢልካ መሊስካ ምሕታት፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ዓለም ክፈልጡን መሃዝቲ ክዀኑን የተባብዖም።
“ወለዲ ‘ከምዚ ዝመስለኒ...’ ኢሎም ቅድሚ ምምላሶም፡ ‘ብዛዕቡ ሓሲበ ኣይፈልጥን፡ ዓቢ ሓሳብ’ዩ’ እንተይለምዎም’ውን ብናእዳ ርእሰ-ምትእምማን ከማዕብሉ ይግዝዎም’ዮም” ትብል’ታ ክኢላ።
ወለዲ ‘ንምንታይ ይመስለካ/ኪ?’ ኢሎም ምስ ሓተቱ፡ ‘ኣይፈልጥን’ ዝብል መልሲ እንተረኺቦም ወይ’ውን ደቆም ፈጺሞም እንተዘይመሊሶም’ከ?
ኣብ ከምዚ ኵነታት ወለዲ፡ ብዛዕባ’ቲ ደቆም ክፈልጥዎ ዝደልዩ ነገር ዝበለጸ ግምት ብምውሳድ ብዝተኻእለ መጠን ኣነጺሮም ክገልጽሎም ሊንዳ ትምዕድ።

ሕቶ ደቅና ክንምልስ እንተዘይክኢልና’ኸ?
ወለዲ መልሲ ናይቲ ዝተሓተትዎ ሕቶ ዘይምፍላጦም ነውሪ ከምዘይኰነ ሊንዳ ተጉልሕ።
‘ብሓቂ ስለምንታይ ኣብ ሰማይ ብዙሓት ከዋኽብቲ ከምዘለዉ ኣይፈልጥን’ ወይ ‘ስለምንታይ ዝናብ ከምዝዘንብ ኣይተረደኣንን’ ኢልካ መልሲ ምሃብ እቲ ዝሓሸ ኣገባብ’ዩ።
ብድሕሪኡ ‘መልሱ ብሓባር ዘይንእልሽ?’ ብምባል ብሓባር ጻዕሪ ምግባር።
እዚ ድማ “ንዅሉ ነገር ዝፈልጥ ሰብ ከምዘየለ” ክግንዘቡ ዝገበር እዩ። ወለዲ ምስ ደቆም ክፈልጡ ብምጽዓር ድማ ሞዴል/ኣርኣያ ይዀንዎም ኣለዉ።
ወለዲ እዚ ክገብሩ እንከለዉ “ሓደ ኻብቲ ዝኽእልዎዎም ዓበይቲ ህያባት ይህብዎም ኣለዉ” ትብል ክኢላ ክሊኒካዊ ስነ-ኣእምሮ ሊንዳ ብሌር።
“እዚ ኸኣ ኣብ ምሉእ ዕድሚኦም ትምህርቲ ንኽቕጽሉ ምትብባዕ እዩ።”




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







