ኣብ ኖርወይ ግዳይ 'ዓሌትነት' ዝዀነት ኢትዮጵያዊት ጓለንስተይቲ

ታሚማ ኒብራስ ጁሃር

ምንጪ ስእሊ, SM

ኣብ ኖርወይ ብ'ዓሌታዊ ድራኸ' ታሚማ ኒብራስ ጁሃር ንዝተባህለት ኢትዮጵያዊት ጓለንስተይቲ 'ብኻራ ወጊኡ ቀቲልዋ' ተባሂሉ ዝተጠርጠረ መንእሰይ ብ ግብረሽበራ ክኽሰስ ከምዝዀነ ተሓቢሩ።

እቲ ነታ ጓል 34 ዓመት ኢትዮጵያዊት ሰራሕተኛ 'ማሕበራዊ ጉዳያት' [ሶሻል ወርከር] ብተደጋጋሚ ብኻራ ድሕሪ ምውግኡ ዝቐተለ ውልቀሰብ፡ ኣብ ቀይዲ ከምዘሎ'ውን ተፈሊጡ።

ታሚማ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ናብ ሰንበት ኣብ ዘውግሓ ለይቲ፡ ኣብቲ እትሰርሓሉ ዝነበረት ማእከል በቲ መንእሰይ ብኻራ ከምዝተቐትለት ንሰብ መዚ ጠቒሱ ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ሓቢሩ።

ንሳ፡ተቓላዕቲ ንዝዀኑ መንእሰያት ናብ ሕብረተሰብ ንኽጽንበሩ ኣብ ዝነጥፍ ትካል ማሕበራዊ ድሕነት ትሰርሕ ዝነበረት ኰይና፡ እቲ ተጠርጣሪ ኣብቲ ማእከል ዝነብር ኖርወጃዊ ምዃኑ እውን ተፈሊጡ'ሎ።

ኣብቲ ኣብ ኦስሎ ዝርከብ፡ ካምፐን ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝርከብ ትካል በይና ኣብ ስራሕ ኣብ ዝነበረትሉ እዩ እቲ ሓደጋ ወሪዱዋ።

እቲ ኣብቲ ማእከል ዝነብር ዝነበረ፡ ዝበዝሕ ዕድመኡ ኣብ ኖርወይ ዘሕለፈ ተወላዲ ጀርመን፡ ድሕሪ'ቲ ፍጻመ ኣብ ከተማ ኦስሎ ከምዝተታሕዘን፡ ነቲ ቅትለት ከምዝፈጸሞ ከም ዝኣመነን ፖሊስ ገሊጹ።

እታ ግዳይ ኣብ ሓያሎ ቦታታት ብኻራ ከምዝተወግአት እውን ይግለጽ።

እቲ ጥርጡር ብምኽንያት ሕጊ ሚድያ እታ ሃገር ስሙ ኣይተገልጸን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፖሊስ ወሲኹ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ጥርጡር ዝቐረበ ክሲ፡ ገበን ግብረሽበራ ብምሕዋስ ከምዝሰፍሐ ሓቢሩ።

እቲ መንእሰይ "ኣብ እዋን መርመራ ንኻልኦት ሰባት ክጎድእ" እውን ሃቐነ ከምዝነበሮ ምክትል ዓቃቢ ሕጊ ፊሊፕ ግሪን ኣረዲኡ።

"ኣብዚ ደረጃ'ዚ ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ሕብረተሰብ ራዕዲ ከለዓዕል ከም ዝሃቀነ ንኣምን፡ በዚ ምኽንያት ድማ ኢና መርመራ ግብረሽበራ ንኸፍት ዘለና" ኢሉ።

ብመሰረት እቲ ዓቃቢ ሕጊ፡ እቲ ጥርጡር "ኣንጻር ማሕበረሰብ ኣስላም ዝቐንዐ ጽልኢ ዝመልኦ ዘረባታት ተሰሚዑ።"

ምስዚ ብዝተኣሳሰር፡ ማዕከናት ዜና ኖርወይ፡ እቲ ጥርጡር ኣብ ሓደ መስጊድ መጥቃዕቲ ክገብር መደብ ከም ዝነበሮ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣኽበርቲ ሕጊ ግን ነዚ ክሲ ኣየረጋገጹን።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል-ኖርወይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ኣብዚ ሰሙን መወዳእታ ሓደ መሪር ሓቂ ተዘኻኺሩና፤ ጽልእን ኣኽራርነትን ህይወት ይወስድ ኣሎ፤ ቅትለት ናይታ ንኻልኦት እናሓገዘት ህይወታ ዝሰኣነት ታሚማ ኣዝዩ ዘሕዝን'ዩ" ኢሉ።

ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ "ንድሕነት፡ ምክብባርን ማዕርነትን ደው ምባል ናይ ሓባር ሓላፍነትና እዩ" ብምባል ኣብ ሓዘን ንዝርከቡ ቤተሰባ፡ ፈተውታን መሳርሕታን ጽንዓት ይሃብኩም -ኢሉ።

ንስድራቤት እታ ግዳይ ዝውክል ጠበቓ፡ "ጓልናን ሓፍትናን ብምስኣንና ኣብ ዓሚቝ ሓዘን፡ ስንባደን ዘይምእማንን ኢና ዘለና" ከምዝበለ፡ ሓያሎ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እቲ ኣብ ኦስሎ ዝተኻየደ መጋባእያ ንህዝብን መራኸቢ ብዙሃንን ዕጹው ኰይኑ፡ "ሚድያታት ኣብ ዝርከባሉ እዋን እንታይ ክዛረብ ከምዝኽእል" ስግኣት ከምዝሓደሮም፡ እቲ ዓቃቢ ሕጊ ገሊጹ።

ሰብመዚ ኖርወይ፡ ነቲ ሰብ ኣኽራሪ መልእኽቲ ንኸይዝርግሕ ክድርትዎ ይጽዕሩ ከምዘለዉ ይግለጽ።

ፖሊስን ትካል ስለያ ኖርወይ ፒኤስቲን፡ እቲ ወዲ 18 ዓመት ኣካል "የማናዊ ኣኽራሪ" ምዃኑ ጸብጺቦም።

ታሚማ ኒብራስ፡ ኣብ 1983 ኣብ ኢትዮጵያ ተወሊዳ ኣብ ዕድመ ንእስነታ ናብ ኖርወይ ከምዝመጸት ኣብ ኦስሎ ዝመደበሩ ጠበቓ ኣኔት ስክጀርቨን ኦርንክቨር ብስም ስድራኣ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ መግለጺ፡ እታ ግዳይ ኣብ ኦስሎ ሜትሮፖሊታን ዩኒቨርሲቲ ተማሂራ ምስ ህጻናትን መንእሰያትን ከምዝሰርሐትን፡ ኣብ ጉዳያት ማዕርነትን ዓሌትነትን ትዅረት ትገብር ከምዝነበረትን የረድእ።

እቲ መግለጺ ብተወሳኺ፡ ስድራኣ ንቅትለት ጓሎም ግቡእ ፍትሒ ክረኽቡ ከምዝደልዩ ገሊጹ።

ከንቲባ ከተማ ኦስሎ ዝርከቦም ብዙሓት ሰባት ነቲ ቅትለት ኰኒኖምዎ እዮም።

ኣብ ኖርወይ ከምዚ ዓይነት ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ክፍጸም እዚ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን።

ቅድሚ ሕጂ ሓያሎ መጥቃዕትታት ኣኽረርቲ ተኻይዱ እዩ።

ኣብ 2011፡ የማናዊ ኣኽራሪ ኣንደርስ ቤህሪንግ ብሬቪክ ኣብ ኦስሎ ኣብ ኣፍደገ ህንጻ ሓደ ቤት ዕዮ-መንግስቲ ብዝተፈንጀረ ቦምባ መኪና 77 ሰባት ምቕታሉ ይዝከር።

ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ድማ፡ ፊሊፕ ማንሻውስ ዝተባህለ ሰብኣይ ኣብ ወሰን ከተማ ኦስሎ ኣብ ዝርከብ መስጊድ ተዅሲ ከፊቱ ነይሩ።

ብዙሓት ሰባት ነቲ መጥቃዕቲ ክፍሽልዎ ብምኽኣሎም ግን ዝዀነ ሰብ ኣይተጐድአን። እንተዀነ፡ እቲ ሰብኣይ ነቲ መስጊድ ቅድሚ ምጥቅዑ፡ ንፍርቂ ኤስያዊት ሓፍቱ ቀቲልዋ እዩ።

ክልቲኦም ገበነኛታት ን21 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዶም።