ልዕሊ ዓቐን ስደተኛታት ኣብ ዝፀዓነት ጃልባ ሰለስተ ኣሓት ሞይተን ተረኺበን

ሬሳ ግዳያት

ምንጪ ስእሊ, RESQSHIP

መግለጺ ስእሊ, ሬሳ እተን ሰለስተ ኣሓት ናብ ደቡብ ጣልያን ላምፔዱሳ ተወሲዱ

ሰለስተ ሱዳናውያን ኣሓት ብሓንቲ ልዕሊ ዓቐን ዝፀዓነት ንእሽተይ ጃልባ ስደተኛታት፡ ብማእከላይ [መዲትራንያን] ባሕሪ ናብ ኢጣልያ ኣብ ዝሰግራሉ ዝነበራ እዋን ሞይተን ከም ዝተረኸባ ትካል ገባሪ ሰናይ ጀርመን ብሰንበት ኣፍሊጡ።

እተን ካብታ ብኲናት ዝተሃሰየት ሱዳን ዝተበገሳ ሰለስተ ኣሓት ዕድመአን 9፣ 11 ን 17 እዩ።

ከም ሓበሬታ ትካል ስደተኛታት ዓለም፡ ካብ 2014 ንደሓር ንሓደገኛ መስመር ባሕሪ መድትራንያን ኣቋሪጾም ክሰግሩ ካብ ዝፈተኑ ልዕሊ 30 ሽሕ ስደተኛታት ሞይቶም እዮም።

ምስ ጀርመናዊ ትካል ገባሪ ሰናይ RESQSHIP ዝሰርሑ ወለንተኛታት፡ ካብታ ኣብ ሰሜናዊ ሊብያ ኣብ ዝርከብ ኣህጉራዊ ማያት ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝነበረት ጃልባ ብዓርቢ ምሸት ናብ ቀዳም ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ህይወት 65 ስደተኛታት ድሕሪ ምድሓኖም እዮም፡ ሬሳ እተን ሰለስተ ኣሓት ረኺቦም።

ካልእ ራብዓይ ሰብ ድማ ደሃዩ ከም ዝተስኣነ እቲ ጀርመናዊ ትካል ገባሪ ሰናይ ሓቢሩ።

ወላዲትን ሓውን እተን ግዳያት ካብ መንጐ እቶም ውጻእ መዓት ኰይኖም፡ ብቀዳም ናብ ደሴት ላምፔዱሳ - ኢጣልያ ክኣትዉ ከምዝተገብረ ተፈሊጡ።

እታ ቀጠልያ ዝሕብራ ንእሽቶ ጃልባ፡ ካብ ምዕራብ ሊብያ ዙዋራ ዝተብሃለት ከተማ፡ ብዓርቢ ንግሆ እያ ተበጊሳ።

ካብቶም ኣብ ድሕነት ዝተዋፈሩ ወለንተኛታት ሓንቲ ዝዀነት ባርባራ ሳቶረ፡ "እታ ጃልባ ልዕሊ ዓቐን ስደተኛታት ሒዛ ብኽፋል ድማ እናነፈሰትን'ያ ነይራ። ህልም ዝበለ ጸልማትን 1. 5 ሜትር ማዕበልን ነይሩ። እታ ጃልባ ድማ ንሰዓታት ብማይ መሊኣ" ብምባል፡ ንኣሶሽየትድ ፕረስ ሓቢራ።

"ሓንቲ ሰበይቲ ክተእዊ ሰሚዐ፡ ሓደ ሰብኣይ ድማ ኢዱ ናብቲ ማይ የመልክት ነይሩ። ጸልማት ምዃኑን እቲ ኵነታት ኣየርን ነቲ ምድሓን ህይወት ኣዝዩ ሓደገኛ ገይርዎ" ኢላ።

እታ ሰራሕተኛ ህይወት ኣድሕን፡ ወላዲት እተን ሰለስተ ኣሓት በዚ ህሞት ብዓሚቝ ስንባደ ተዋሒጣ፡ ኣብታ መርከብ ህይወት ኣድሕን ኣብ ጐድኒ ሬሳ ደቃ ኰፍ ከም ዝበለትን፡ ካልኦት ኣዝማድ ነቲ ጕጅለ ጻዕዳ ጨርቂ ብምሕታት ነቲ ሬሳታት ከም ዝጠቕለልዎን ተዛሪባ።

ነፍሰጾር ኣደታትን ብዙሓት ህጻናትን፡ ካብ መንጎ እቶም ውጻእ መዓት ከም ዝዀኑ ድማ ገሊጻ።

ኣርባዕቲኦም ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ የድልዮም ስለ ዝነበረ ምስ ስድራኦም ናብ መርከብ ሓለዋ ባሕሪ ኢጣልያ ከምዝሰግሩ ተገይሩ።

እቶም ዝደሓኑ ስደተኛታት ካብ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ማሊን ኣይቮሪኮስትን ዝመጽኡ ከም ዝዀኑ ድማ እታ ሰራሕተኛ ህይወት ኣድሕን ወሲኻ ገሊጻ።

ኣብ ባሕሪ መዲትራንያን ህይወት ዘድሕን ካልእ ጕጅለ ድማ፡ ኣብ ሓንቲ ጃልባ ስደተኛታት ልዕሊ 50 ሰባት ከም ዘድሓነ ኣፍሊጡ።

እንተዀነ ስደተኛታት ሒዛ ኣብ ሓደጋ ዝበረት ካልእ ጃልባ፡ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ደው ብምባላ፡ ክረድኣ ከም ዘይከኣለ ሓቢሩ።

ብዙሓት ኢትዮጵያውያን፡ ኤርትራውያን፡ ሱዳናውያንን ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን ካብተን ብኲናት፡ ግዱድ ዕስክርና፡ ዘይርጉእ ፖለቲካዊ ኵነታትን ድኽነትን ዝተሃሰያ ሃገራቶም ብምህዳም፡ ካብ ሊብያ ተበጊሶም ነዚ ሓደገኛ መስመር ኣቋሪጾም ናብ ኣውሮጳ ክኣትዉ ይፍትኑ።

ከም ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብዚ ዓመት ጥራይ ካብ ሃገራት ሰሜን ኣፍሪቃ ዝተበገሱ ስደተኛታት ማእከላይ ባሕሪ ንምስጋር ዝፈተኑ 700 ስደተኛታት ሞይቶም።