ወርቂ ስኒ ፓትሪስ ሉሙምባ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፓትሪስ ሉሙምባ ብ1961 እዩ ተረሺኑ። እቲ ተቐቢሩሉ ዝነበረ መቓብር ተዃዒቱ ሬሳኡ ምስ ወጸ፡ ተቘራሪፁ ኣብ መወዳእታ ኸኣ ብኣሲድ ከም ዝሓቅቕ እዩ ተገይሩ። ካብ ኣካላቱ ዘተረፈት ከኣ ሓንቲ ወርቂ ስኑ ጥራይ እያ።
ኣብዚ ኣቃትላ ሉሙምባ ዝሳተፍ ዝነበረ ኮሚሽነር ፖሊስ ቤልጂየም ጀራርድ ሶት፡ ወርቂ ስኒን ክልተ ኣጻብዕትን ሉሙምባ ከም ዘትረፈ ይዛረብ። ኰይኑ ግን፡ ብዘይካ እታ ወርቂ ስኒ እቲ ካልእ ኣይጸንሐን።
ኣብዚ ትማሊ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝተዳለወ ስነስርዓት ከኣ፡ ስድራ ፓትሪስ ሉሙምባ ነታ ወርቂ ስኒ ተረኪቦምዋ ኣለው።
ጀራርድ ሶት ንኣካላት ፓትሪስ ምውሳዱ ንባህርያት ናይቶም ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኣውሮጳ ዝነበሩ ሰበስልጣን ዘንጸባርቕ እዩ። ቤልጅየም ከም ጸላኢ ትርእዮ ዝነበረ ሰብ ናይ መወዳእታ መዋረዲ ገይራ እያ ተጠቒማትሉ።
ኣብ 1999 [ኣ.ኣ.] ኣብ ዝተሰርሐ ዶክመንታሪ ፊልም፡ ጀራርድ ሶት ንኣካላት ፓትሪስ ዝወሰደሉ ምኽንያት “ከም ሽልማት ሃድን" ሓሲቡ ከም ዝዀነ ተዛሪቡ ነይሩ። ትርጕሙ ከኣ ፓትሪስ ትሕቲ ሰብ ተቘጺሩ ይርአ ከም ዝነበረ ዘመላኽት እዩ።
እዚ ፍጻመ፡ ጓል ፓትሪስ ሉሙምባ፡ እዞም ፈጸምቲ ሰባት ብዛዕባ ምዃኖም ክትሓትት ይገበራ።
“ክንደይ ዝኣክል ጽልኣት እንተሃልዩካ ኢኻ ከምኡ ትገበር?” ትብል።
“ኣካላት ወዲ ሰብ ምውሳድ ንናዚ ዘዘኻኽር ኣንጻር ሰብኣውነት ዝፍፀም ገበን እዩ።” ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, JELLE VERMEERSCH
ፓትሪስ ሉሙምባ ገና ወዲ 34 ዓመት እንከሎ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ባይቶ ናይታ ሓዳስ ነጻ ሃገር መሪሑ እዩ።
ኣብ 1960 ንጉስ ቤልጅየም ዝነበረ ባውዱይን ቅድመኡ ዝነበረ ንጉስ ሊዮፖልድ ዳግማይ፡ ንኢዱ ነታ ሃገር ‘ክትስልጥን’ ዝገበረ እዩ ክብል ተዛሪቡ።
ነታ ሽዑ ነጻ ሃገረ ኮንጐ ተባሂላ ትፍለጥ ዝነበረት ሃገር፡ ከም ንብረቱ ከምዝገዝኣን ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ከምዝተቐትሉን ብጭካነ ከምዝተገፍዑን ዝገልጽ ሓሳብ ግን ኣይተዛረበን።
ሉሙምባ ግን ሰጋእ መጋእ ኣይበለን። ኣብቲ ወግዓዊ ፕሮግራም መደረ ብዛዕባ እቲ ኮንጐኣውያን ዘሕለፍዎ ዓመጽን ውርደትን ተዛሪቡ። ኣብ መደምደምታኡ ብጣቕዒትን ኣድናቘትን ተዓጂቡ፡ "ብሓይሊ ዘሰከሙና ዘዋርድ ባርነት" ክብል ነቲ ዝነበረ ስርዓት ገሊጽዎ።
ቅድመኡ ኣፍሪቃውያን ኣብ ቅድሚ ኣውሮጳውያን ከምዚ ደፊሮም ክዛረቡ ተሰሚዑ ኣይፍለጥን። ፓትሪስ ሉሙምባ ንሰበስልጣን ቤልጅየም ከም ዘዋረደ ተገይሩ ተራእዩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ገለ ሰባት ሉሙምባ ባዕሉ ንባዕሉ ትእዛዝ ሞት ከምዝፈረመ ገይሮም ይርእይዎ። ቅትለት ሉሙምባ ግን ኣብ ዓመአቱ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ኣብ እተገብረ ውዲት፣ ከምኡ'ውን ቤልጅየም ግዝኣታ ክትቆፃፀር ብዝነበራ ባህጊ እዩ ተፈፂሙ።
ሉሙምባ ናብ ሕብረት ሶቭየት ስለዘዘንበለ፡ ኣሜሪካውያን ንኽቕተል ውዲት ኣለሙ። ሓደ ብሪጣንያዊ በዓል ስልጣን ከኣ ንዕኡ ምቕታል ኣማራፂ ከም ዝዀነ ዝገልጽ መዘኻኸሪ ጽሒፉ ነይሩ።
ይዅን እምበር ሉሙምባ ዝተዋረደሉን ዝተቐተለሉን መገዲ፡ ውልቃዊ ምኽንያት ዘለዎ ይመስል።
ምሉእ ብምሉእ ኣካላቱን መረዳእታታት ክጠፍእ ምግባርን ንሉሙምባ ካብ ተዘክሮ ንምድምሳስን ዝተገብር ጻዕሪ እዩ ዝመስል። ፈጺሙ ከም ዘይነበረ ንምኽሓድ፡ ምቕባሩ ጥራይ እኹል ኣይነበረን።
ይዅን እምበር ሉሙምባ ክሳብ ሎሚ ኣይተረስዐን።
ወርቂ ስኒ ሉሙምባ ንኽምለስ ኣብ እተገብረ ወፍሪ፡ ቀንዲ መራሒት ዝዀነት ጓሉ ጁልያና ነታ ስኒ ክትቅበል ናብ ብራስልስ ተጓዒዛ።
ኣብታ ስድራ ቤት ሕሳስ ልደን እንኮ ጓልን ስለ ዝዀነት፡ ምስ ኣቦኣ ኣዝያ ትቀራረብ ነይራ። ተዘክሮታት ቍልዕነታ ክትዝክር እንከላ ብውዕዉዕ ስምዒት ፍሽኽ ትብል።
ጁልያና ኣቦኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ክኸውን እንከሎ ዕድመኣ ገና ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት እያ ነይራ። ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ኣትያ ኮፍ ትብል። "ኣቦይ ክሰርሕ ከሎ ኮፍ ኢለ ይጥምቶ ነይረ፣ ንዓይ ባባይ እዩ ነይሩ፡" ትብል።
ኣቦኣ ምእንቲ ኮንጐ ስለ ዝሞተ ናይታ ሃገር ምዃኑ እያ ትፈልጥ። ብዛዕባ ክብረት ኣፍሪቃዊ ሰብ ዘለዎ ስነምግባራዊ ስርዓታትን እምነታትን'ውን ከምኡ እዩ።"
ነታ ኣብ ቤልጅየም ዘላ ስኒ ሉሙምባ ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐ ንምምላስ ምሳልያዊ ምዃኑ ትሕብር። “ናብታ ደሙ ዘፈሰሰላ ሃገሩ ክምለስ ኣለዎ።"
እታ ስኒ ኣብ ዙርያ እታ ሃገር ከም እትዘውር ምስተገበረት፡ ኣብታ ርእሲ ክተማ ክትቅበር እያ።
ይዅን እምበር ብዛዕባ ቕትለቱ ሰበስልጣን ስቕታ ብምምራጾም፡ ስድራቤት ሉሙምባ ንዓመታት ዝኣክል እንታይ ከም ዘጋጠሞ ብንፁር ኣይፈልጡን ነይሮም።
ሉሙምባ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ክሳብ ግዳይ ቅትለት ንክኸውን ዝወሰዶ ግዜ ሸውዓተ ወርሒ ጥራይ እዩ ነይሩ።
ድሕሪ ናጽነት ነዊሕ ከይፀንሐት እታ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ካታንጋ እትርከብ ብማዕድን ሃብታም ዝዀነት ኣውራጃ፡ ካብታ ሃገር ከምትትፍለ ምስ ገለጸት፡ እታ ሃገር ኣብ ቅልውላው ወዲቓ።
ኣብ ውሽጢ እዚ ቅልውላው ፖለቲካ ዜጋታት ቤልጅየም ድሕነት ንምርግጋጽ ብዝብል ናብቲ ከባቢ ዝኣተዉ ወተሃደራት ቤልጅየም ንምምሕዳር ካታንጋ ድጋፍ ክገብሩ ጀሚሮም።
እቲ ፕረዚደንት ንሉሙምባ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተርነቱ ምስ ኣሰናበቶ፡ ድሕሪ ሓደ ሰሙን ኮሎኔል ጆሴፍ ሞቡቱ ስልጣን ሒዙ።
ኣብ 1960 ሉሙምባ ኣብ ገዛኡ ተኣሲሩ፣ ኣምሊጡ እንተነበረ’ውን ንኻልኣይ ግዜ ተታሒዙ ኣብ ምዕራብ እታ ሃገር ክቕመጥ ተገይሩ።
ኣብኡ ምንባሩ ግን ዘይምርግጋእ ከም ዘስዕብ ስለዝተገመተ፡ መንግስቲ ቤልጅየም ናብ ካታንጋ ንኽዛወር የተባብዕ ነይሩ። ብ16 ጥሪ 1961 ድማ ናብ ካታንጋ ተዛዊሩ።
'ኣሰሩ ኣይተረፈን'
ኣብ መወዳእታ ብ17 ጥሪ ምስ ክልተ ደገፍቱ ንኽርሸን ተወሲኑ።
ኣብዚ ግዜ እዩ ኮሚሽነር ፖሊስ ቤልጂየም ጀራርድ ሶት ዝመጽእ። እቶም ሬሳታት ክርከቡ ስለ ዝኽእሉ "ሓንሳእን ንሓዋሩን ከም ዝጠፍእ ንምግባር! ዝዀነ ይዅን ኣሰር ከይተርፍ" ከም ዝተወሰነ ደ ዊት ኣብ ዝጸሓፎ፡ ‘ዚ ኣሳሲነሽን ኦፍ ሉሙምባ’ ዘርእስታ መጽሓፍ ዝቐረበ ምስክርነት ይሕብር።
ጀራርድ ሶት፡ መጋዝ፡ ሰልፊሪክ ኣሲድ፡ ማስኬራ ገጽን ዊስኪን ሒዙ ጕጅለኡ እናመርሐ ነቶም ሬሳታት ከጥፍእ ጀሚሩ። ደሓር ክገልፆ እንከሎ እቲ ከይዲ ጕዕዞ፡ "ናብ መዓሙቝ ገሃነም" ከም ዝነበረ ይዛረብ።
ኣብቲ ቅትለት ከም ዝተሳተፈን ስኒ ልሙምባ ምስኡ ከምዘላን ግን ብወግዒ ዝተዛረበ፡ ድሕሪ 40 ዓመታት ኣብ 1999 እዩ። ነተን ኣጻብዕቲ ሉምምባ ግን ከም ዘጥፈአን ገሊጹ።
ጁልያና፡ ካብ ኣካል ኣቦኣ ዝተረፈ ክፋል ከምዘሎ ምስ ሰምዐት ዕረፍቲ ተሰሚዕዋ እዩ።
"እንታይ ከም ዝተሰምዓኒ ምርዳእ ቀሊል እዩ፡" ትብል ብስምዒት ተዋሒጣ።
ጀራርድ ሶት ነታ ስኒ ንምርኢት የቕርባ ኣየቕርባ ኣይፍለጥን፣ ግን እታ ስኒ ምስ ስድራኡ እያ ጸኒሓ።
ኣብ 2016፡ መበል 55 ዓመት ዝክረ ቅትለት ሉሙምባ፡ ሰሙን ክተርፎ እንከሎ፡ ጋድሊቭ ዝተባህለት ጓል ጀራርድ፡ ሶት ሁሞ ምስ ዝተበሃለ መጽሔት ቤልጅየም ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ እቲ “ምስኪን ኣቦኣ” ብዝገበሮ ነገር ከመይ ከም ዝተሳቐየን ሰበ ስልጣን ቤልጂየም ነቲ ትእዛዝ ብምሃቦም ድማ ንስድራኣ ይቕረታ ክሓቱ ከም ዘለዎምን ተዛሪባ። ወሲኻ’ውን ኣቦኣ ካብ ዘቐመጦም ዝተወሰኑ ነገራት ሕጂ’ውን ከም ዘለዉን፡ ካብዚኦም ሓንቲ ድማ እታ ስኒ ሉሙምባ ከም ዝዀነትን ሓቢራ።

ምንጪ ስእሊ, JELLE VERMEERSCH
ብድሕሪኡ ብፖሊስ ቤልጅም ተታሒዛ ምስ ጸንሐት፡ ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ቤት ፍርዲ፡ እታ ስኒ ንስድራ ሉሙምባ ንኽትወሃብ ወሲኑ።
ነታ ስኒ ንምምላስ ኣብ ዝተገብረ ወፍሪጽ ጁልያና ንንጉስ ፊሊፕ ልቢ ዝትንክፍ ደብዳበ ፅሒፋትሉ ነይራ።
"ድሕሪ እቲ ዘስካሕክሕ ቅትለቱ፡ ሬሳኡ ዘልኣለማዊ ዕረፍቲ ዝገብረሉ መዕቈቢ ክንዲ ዝረክብ፡ ንምንታይ ንዘልኣለም ኰለል እትብል ነፍሲ ኰይና ክትቕጽል ይፍረዶ?" ኢላ ሓቲታ።
እዛ ስኑ ምስ ተመልሰት፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝነበረ ፓትሪስ ሉሙምባ ኣብ ኪንሻሳ ፍሉይ መቓብር ተገይሩሉ ዘልዓለማዊ ዕረፍቲ ክረክብ እዩ።
"ብባህልና፡ ዝሞተ ሰብ ክንቀብር እዩ ደስ ዝብለና” ይብል ምሁር ታሪኽን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር እታ ሃገርን ዝዀነ ጆርጅስ ንዞንጎላ-ንታላያ።
"ንስድራኡን ንህዝቢ ኮንጎን እዚ ዕረፍቲ ዝህብ እዩ፡ ምኽንያቱ ሉሙምባ ጅግናና ስለዝዀነ ግቡእ ስርዓተ ቐብሪ ክንገብረሉ ደስ ይብለና።"
ዋላ'ኳ ቐብሪ እንተ ተገብረ፡ እቲ ዝሓለፈ ነገር ግን ክሕሰበሉ የድሊ።
እቲ ንብዙሕ ዓመታት ዝነበረ ዕላዊ ስቕታ ዝሰበረት፡ ብደ ዊት ዝተጻሕፈት መጽሓፍ፡ ኣብ 1999 "ሓቀኛ ኵነታት እቲ ቅትለትን…ከምኡ’ውን ተሳትፎ ፖለቲከኛታት ቤልጅየም እንታይ ከምዝነበረን" ዘረጋግጽ ምርመራ ዝገብር ባይቶ ንኽቐውም ክተለዓዕል ክኢላ እያ።
‘ታሪኽና ክንፈልጥ የድሊ’
እቲ ሽዑ ዝነበረ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቤልጅየም ሉዊስ ሚሸል ንስድራ ሉሙምባን ንህዝቢ ኮንጐን “ይቕረታ” ኢሉ "ዓሚቝን ቅኑዕን" ጣዕሳ ከም ዝስምዖ ገሊፁ ነይሩ።
ፕሮፌስር ንዞንጎላ-ንታላያ ቤልጅየም ኣብ ቅትለት ሉሙምባ ዝነበራ ግደ ተቐቢላ እያ ኢሉ ከምዘይኣምን ንቢቢሲ ገሊጹ እዩ። “ቤልጅየም ከም ዝገበርዎ ንዝፈልጥዎ ነገር ሓላፍነት ኣይወሰደትን፣ ዘዕግብ ኣይኮነን።”
ኣኽበርቲ ሕጊ ቤልጅየም ነቲ ጉዳይ ከም ገበን ኲናት እዮም ዝርእይዎ። ካብቶም ዝተጠርጠሩ 12 ሰባት እቶም 10 ድማ ሞይቶም እዮም፣ እቲ ምርመራ ግን ዝሑል ኣካይዳ እዩ ዘለዎ።
እታ ስኒ ሉሙምባ ምምላሶም ኣብ መንጐ ቤልጅየምን ዲሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐን ኣብቲ ጉዳይ ዕርቂ ንኽፍፅማ ዘበራትዕ መስርሕ እዩ።
“ሓደ ስጕምቲ እዩ - ንቕድሚት ድማ ክንከይድ ኣለና፡” ትብል ጓል ሉሙምባ።
እንተዀነ፡ ዝተወሰኑ ብጾቱ'ውን ኣብቲ ቕትለት ስለዝተሳተፉ፡ ብወገን ኮንጐ'ውን ክሕሰበሉ ዘለዎ ጉዳይ ከምዘሎ ትገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







