'መዓስ ኢኻ ትምለስ?' - ንዘመናት ዝተዓፈኑ ደብዳበታት ፍቕሪ

ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ ደቂ ኣንስትዮ ስጳኛ ናብ ደቂ ተባዕትዮ ሞሮኮ ተጻሒፎም ግን ከኣ ናብ'ቶም ዝምልከቶም ከይበፅሑ ተዓፊኖም ዝተረፉ ደብዳቤታት ፍቕሪ ነቲ ኣብ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ዝነበረ 'ታሪኽ ክልከላ ፍቕራዊ ርካባት' ዘቃልዑ እዮም።
"መዓስ ኢኻ ናብ ስጳኛ ክትምለስ?" እቲ ድምጸት ተስፋ ምቑራጽ ዘለዎ ልመና ኣብቲ ገጽ ብጥንቃቐ ዝተጸሓፈ ኮይኑ ንካርሜላ ክሳብ ክንደይ ኣገዳሲ ምንባሩ ዘርኢ ምልክት’ዩ።
"ንካልኦት ደቂ ኣንስትዮ ከምዘይትጥምት ንገረኒ" ትብል ኣብቲ ብ1944 ካብ ግራናዳ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ።
ግን ከኣ እቲ እዘን ቃላት ዝተጸሓፋሉ ውልቀሰብ ከንብበን ኣይተዓደለን። ካርሜላ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ ፍቕሪ ናብቲ ኣብ ሞሮኮ ዝርከብ ዝተሓሰበሉ ቦታ ኣይበጽሐን።
ኣብ ክንድኡ ኣብ መንጎ እቲ ስጳኛውያን ደቂ ኣንስትዮን ሞሮካውያን ደቂ ተባዕትዮን ዝተፀሓሓፍዎም ብኣማኢት ዝቑጸሩ ፍቕራዊ መልእኽትታት ተዓፊኖም ዝተዓቖሩሉ ማህደር መዛግብቲ እዩ ተሓቢኡ ተሪፉ።
ካብ 1930ታት ክሳብ 1950ታት ኣብ ዝነበረ ዝተታሕዙ ኮይኖም ክልኩል ንዝነበረ ፍቕራዊ ርክብ ንምግላጽ ዝተጸሓፉ እዮም።
መግዛእታዊ ሰበስልጣን ናይቲ ኣብ ሞሮኮ ዝነበረ ስጳኛዊ ምምሕዳር ነቶም ፍቕራዊ መልእኽቲ ዝሓዙ ፖስታታት ብስርዓት እናተኸታተሉ ይጨውይዎም ነበሩ።
እቶም ፖስታታት ብፍቕሪ ዝተቐብአ ቃላት ዝመልኡ እዮም። "ኣነ ብኣኻ ፅልልቲ እየ... " ትብል ሓንቲ ካብ ቫለንሽያ ደብዳበ ዝጸሓፈት ሰበይቲ።
ገሊኡ ፖስታ ስእልታት’ውን ዝሓዘ እዩ። እቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ኣፍቀርተን እንታይ ከም ዝመስላ ንክርእይወን ዝለኣኽኦም ዓሰርተታት ስእልታት ኣብ ውሽጢ ፖስታታት ኣሎ።
ሓንቲ ካብኣተን ብሽክለታ እናዘወረት ትረአ።
ኣብቲ እዋን ኩሎም ብጥንቃቐ ኣብ ዓብዪ ፖስታ ተዓሺጎም ዝተቐመጡ ኮይኖም ብድሕሪኡ ተረሲዖም ተሪፎም።
ምሁራት ጆሴፕ ሉይስማቴዮ ዲስተንን ኒቨስ ሙሪኤል ጋርስያን፡ ነቲ ደብዳበታት ረኺቦም ክሳብ ዝሕተሙዎ፡ ሓመድ ተኸዲኖም ንነዊሕ እዋናት ጸኒሑ።
ኣብ ነፍሲ ወከፍ ደብዳቤ ንዝምድና ዝምልከት ውቁብ መልእኽቲ ካብ ምስፋሩ ብተወሳኺ ብዛዕባ እቶም ፍቕራዊ ርክባት ዘጋጠሞም ዓፈና እውን የመልክቱ።
ሰበስልጣን ስጳኛ እቶም ዝምድናታት ንኸይሰምሩ ዝከኣሎም ኩሉ እዮም ፈቲኖም።
ሓደ ኣብ 1937 ዝወፀአ መምርሒ "ከም ሓፈሻዊ ሕጊ፡ ኣብ መንጎ ወተሃደራት ሞሮኮ ምስ ደቂ ኣንስትዮ ስጳኛ ዝግበር መርዓ ክኽልከል ኣለዎ" ክብል ይድንግግ።
ስጳኛ ካብ 1912 ጀሚራ ገለ ክፋል ሞሮኮ ሕቶ ዋንነት ብምልዓል ክትቆፃፀር ምንቅስቓስ ኣብ ዝገበረትሉ እዋን፡ ገለ ማሕበረሰብ ነዚ ብምቅዋም ነዊሕን ደማዊን ኲናት ተኻይዱ።
ሰራዊት ስጳኛ ከኣ ዓብደልክሪም ኣል-ካታቢ ብዝመርሖም ሓይልታት ተደምሲሱ።
መንግስቲ ስጳኛ ነዚ ብድሆ ንምስጋር ኣብ ሞሮኮ ዝነበረ ቁጽሪ ሰራዊቱ ክውስኽ ገይሩ። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሞሮካውያን ከኣ ናብ ሰራዊቱ መልሚሉ።

ኣብ 1930ታት ከኣ ካብ ገማግም ባሕሪ ኣትላንቲክ ዳርጋ ክሳብ ዶብ ኣልጀርያ ብኣንፈት ምብራቕ ብስጳኛ ክመሓደር ጀመረ።
ኣብ 1936 ጀነራል ፍራንሲስኮ ፍራንኮ ኣብዚ ግዝኣት ካብ ዝነበሩ ወተሃደራዊ መዓስከራት ብምብጋስ ኣንጻር ሪፓብሊካን መንግስቲ መጥቃዕቲ ዕልዋ ብምኽፋቱ ኲናት ሓድሕድ ስጳኛ ተወሊዑ።
እቲ ኲናት እናቐጸለ ምስ ከደ እቶም ናብ ሰራዊት ስጳኛ ዝተፀምበሩ ሞሮካውያን እውን ክሳተፉ ግድን ኮነ።
ኣብ ርእሲ እቶም ወተሃደራት ድማ ተማሃሮ፣ ነጋዶን ካልኦት ሰራሕተኛታትን እውን ተጸንቢሮምዎም።
በዚ ኩነታት ዝኣተዉ እቶም ሞሮካውያን ኣብ መላእ ስጳኛ ኣብ ከተማታት ከምኡ’ውን ኣብ ርሑቕ ገጠራት ክነብሩ ጀሚሮም።
ሞሮካውያን ደቂ ተባዕትዮ ከኣ ኣብ ዝኸድዎ ቦታ ምስ ስጳኛውያን ደቂ ኣንስትዮ ይራኸቡ ነይሮም።
ሰላማንካ ኣብ እተበሃለት ግዝኣት ሓንቲ ኮንቻ እትበሃል ሰበይቲ ምስ ናሳር ዝተባህለ ኣብ ከባቢኣ ዓስኪሩ ዝነበረ ሞሮካዊ ወተሃደር ተራኸበት።
ኣዝያ ስለዘፍቀረቶ ድማ ምስኡ ንክትምርዖ ፍቓድ ክትሓትት ብ1938 ናብ ሓለፍቱ ደብዳበ ጸሓፈት።
ግን ከኣ ከምዚ ዓይነት ርክብ ፍጹም ብሰበስልጣን መግዛእቲ ስጳኛ ዝተኣገደ እዩ ነይሩ።
ሽዑ እቶም ሓላፍቲ ንኮንቻ ከም ኣረጊት "መልክዕ ዘይብላ፤ ከም ጉማረ ገጃፍን ቀርፋፍን" ክብሉ ኣናሸውዋ።
ኣፍቃሪኣ ናሳር ኣብኣ ድልየት ዘርኣየሉ ምኽንያት ድማ 'ኮንቻ ገዛ ስለ እትውንን' ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣረ ኣሕዲሮም፡
ብርግጽ ስርዓት ፍራንኮ ኣብ ተኣማንነት ወተሃደራት ሞሮኮ ዕጉብ ስለዝነበረ ከምዚ ዓይነት ዝምድናታት ብግልጺ ዘይሕጋዊ ክገብሮ ኣይመረጸን። የግዳስ ብተግባር ዘይከኣል ንምግባር ብዙሕ ኣማራጺ መገድታት’ዩ ኣማዕቢሉ።
ንኣብነት ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ንሓደ ሞሮካዊ ኣፍቃሪኣ ክትጽሕፈሉ እንተ ተረኺባ ናብ ሞሮኮ ከይትኣቱ ይእግዱዋ ነይሮም።
መብዛሕትኡ ግዜ ድማ ነቲ ሞሮካዊ ሰብኣይ ናብ ስጳኛ ከይኣቱ ይእግድዎ ነበሩ። በዚ መገዲ ኣቢሎም ርክቦም ዘይከኣል ይገብርዎ።
ኣብ 1948 ካርሜን ዝተብሃለት ውልቀሰብ ካብ ዛራጎዛ ናብ ኣብ ሞሮኮ ዝነብር ኣፍቃሪኣ ዓብደሰላም ዝተጻሕፈት ደብዳበ ትተሓዝ።
ሽዑ ሰበስልጣን ከተማ ተቶዋን ንኽልቲኦም ካብ ዘለውዎ ሸነኽ ከይሰግሩ ኣጊዶምዎም።
መንግስቲ ፍራንኮ ንምንቅስቓስ ደቂ ኣንስትዮ ብትሪ ዝቆጻጸርን ካብ ስራሕ ዝድርተንን እዩ ነይሩ።
ንነብሱ ከም ተሓላቒ ካቶሊክነት ካብ ምርኣዩ ብተወሳኺ ኣስላም ደቂ ተባዕትዮ ዝተመርዓዋ ደቂ ኣንስትዮ "ካብ እምነት ከም ዝጠፍኣ" ኮይነን ይቑፀራ ነይረን።
ስጳኛ መግዛእታዊ ምሕደራኣ ተዓቂቡ ንኽቕጽል ካብ ሞሮኮ ከም እትበልጽ ኮይና ክትረአ ነይርዋ።
መንግስቲ ሓዳር ማለት ጓል ኣንስተይቲ ብወዲ ተባዕታይ ምግዛእ ምዃኑ ይኣምን ስለዝነበረ ከኣ ኣብ ሞንጎ ስጳኛዊትን ሞሮኮኣውን ኣብ ዝፍጸም ሓዳር፡ እቲ ሞሮካዊ ወዲ ተባዕታይ ልዕልና ከምዝሓዘ ኮይኑ ከይውሰድ ይስጋእ።
ብኣንጻሩ፡ ኣብ መንጎ ስጳኛውያን ደቂ ተባዕትዮን ሞሮካውያን ደቂ ኣንስትዮን ዝነበረ ዝምድናታት ክንድዚ ዝኣክል ሰፊሕ ምጽራይን ክትትል ዝግበረሉ ኣይነበረን።

መብዛሕቲኦም ኣብቲ እዋን ዝተጸሓፉ ፍቕራዊ ደብዳቤታት ናብቲ ዝተሓሰበ ቦታ በጺሖም ኣይፈልጡን።
ጸሓፍቲ ናይቶም ደብዳበታት ከኣ ናብቲ ማህደር መዛግብቲ ክኣትዉ ደልዮም ስለዘይፀሓፍዎም ኣብ ልዕሊ ብሕትውና (‘ፕራይቨሲ’) ከም ዝተፈጸመ ጥሕሰት’ዩ ዝቑፀር።
ሞሮኮ ኣብ 1956 ናጻ ምስ ወጸት እቲ ኣብ ከተማ ተቶዋን ዝነበረ መግዛእታዊ ምሕደራ ብምፍራሱ መብዛሕትኡ ማህደራቱ ተረሲዑ ጸኒሑ።
መብዛሕትኦም ኣብቲ ንመግዛእታዊ ስጳኛ ኣብ ኣፍሪቃ ዝምልከት ታሪኽ ዝተሰነደሉ ኣብ ጥቓ ከተማ ማድሪድ
ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ከተማ ኣልካላ ደ ሄናረስ ኣትዮም ዝተረስዑ እዮም።
ኣብ ቀረባ እዋን ገለ ካብቶም ደብዳቤታት እንተተሓተሙ እኳ፡ ዝበዝሕ ዛንታታተን ግን ብዕምቆት ዝፍለጥ
ኣይኮነን።
እዚ ንነዊሕ እዋን ዝተረሰዐ ማህደር ኩሉ ምስጢራቱ ገና ኣይተቐለዐን ዘሎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







