ድሕሪ ሚእቲ ዓመት ናብ ኣድራሻኣ ዝበጽሐት ደብዳበ

ብ1916 ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተላእከት ደብዳበ

ምንጪ ስእሊ, FINLAY GLEN

ኣብ 1916 ካብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተላእከት ደብዳበ ልዕሊ ሓደ ዘመን ደንጉያ ናብ ኣድራሻኣ በጺሓ።

እቲ ስእሊ ንጉስ ጆርጅ ሓምሻይ ዘለዎ ናይ ሓደ ፓውንድ ቴምብር ዝዓለቦን ፖስታ፡ ድሕሪ ሓደ ሚእቲ ዓመት እዩ ናብቲ ኣብ መንገዲ ሃምሌት፡ ቤተ መንግስቲ ክሪስታል ዝርከብ መንበሪ ገዛ ግሌን ፊንሊ መጺኡ።

"እዛ ደብዳበ ከመይ ኢላ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ክትድንጉይ ከምዝኸኣላት ገሪሙናን ተደናጊርናን" ይብል ነቲ ደብዳበ ዝተቐበለ ግሌን።

ሮያል ሜይል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "እዛ ደብዳበ እንታይ ከም ዘጋጠማ ርግጸኛታት ኣይኮናን" ኢሉ።

እታ ደብዳበ ዝተላእከት፡ ኣቦ እታ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝመተት ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ ንጉስ ጆርጅ ሓምሻይ፡ ኣብ ዝፋን ኣብ ዝነበረሉን ቀዳማይ ኲናት ዓለም ኣብ ዝካየደሉን እዋን እዩ።

ብመሰረት ሕገ-ደንቢ ፖስታ እታ ሃገር፡ ሓደ ሰብ ብስሙ ዘይተጻሕፈ ደብዳበ ምኽፋት ገበን'ኳ እንተኾነ፡ እቲ ንልዕሊ ሓደ ዘመን ዝደናጐየ ደብዳበ ኣብ ኣድራሻ ገዝኡ ዝረኸቦ ግሌን ግን ክኸፍቶ ወሲኑ።

"እዚ ብምግባረይ ገበን ፈጺመ እንተኾይነ፡ ይቕሬታ ምሕታት ጥራይ'የ ዝኽእል" ይብል ወዲ 27 ዓመት ዳይረክተር ትያትር ግሌን።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰለስተ ወርሒ እትሕተም መጽሔት ናይቲ ከባቢ ታሪኽ ኣሰናዳኢ ኖርውድ ኦክስፎርድ፡ እታ ደብዳበ በቲ ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ዝተፈላለየ ዓውድታት ፍሉጣት ዝነበሩ ሰባት ከም ዝተጽሓፈት ገሊጹ።

"እታ ደብዳበ ብዛዕባ ነቲ ኣብ 1800ታት ብላዕለዎት ደርቢ ተፈታዊ ዝነበረ ህዝብን ታሪኽን እዚ ከባቢ ፍሉይ ትኹረት ትህብ" ይብል።

እቲ ነታ ደብዳበ ዝተቐበለ ግለን፡ ስድራቤት ናይቲ ላኣኺ ወይ ተቐባሊ እንተሃልዮም፡ መሳጢ ቁንጣሮ ታሪኽ ስድራቤቶም ስለ ዝኾነ ክሓቱዎ ከም ዝኽእሉ ብንጹር ገሊጹ።

እታ ደብዳበ ድሕሪ ልዕሊ ሓደ ዘመን ከምዝመጸት ንመጀመርያ ግዜ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ሳውዝ ለንደን ፕረስ ተዘርጊሑ።

ወሃቢ ቃል ኣገልግሎት ፖስታ ሮያል ሜይል፡ "ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ኣዝዩ ሳሕቲ እዩ ዘጋጥም፡ እንተኾነ ግን እዚ ብኸመይ ከም ዘጋጠመ ርግጸኛታት ኣይኮናን" ኢሉ።

"ብዛዕባ ታሪኽ እዛ ብ1916 ዝተላእከት ደብዳበ ብህዝቢ ዘልዓላ ሕቶ'ውን ንርዳእ ኢና፡ ምኽንያቱ እንታይ ምዃኑ ክንገልጽ ግን ተወሳኺ ሓበሬታ የድልና" ኢሉ።