ኢትዮ ቴሌኮም፡ ሲም ካርድ ንዘለዎ ሰብ ዕድል ልቓሕ ይፈጥር

ምንጪ ስእሊ, ETHIO TELECOM
ቅድሚ 14 ኣዋርሕ ኣብ ኣገልግሎት ዝወዓለ 'ቴሌብር' ዝተሰምየ ስርዓት ገንዘብ ሞባይል - ኢትዮ ቴሌኮም፡ ምስ ቍጠባን ልቓሕን ዝዛመድ ኣገልግሎት ምሃብ ጀሚሩ ኣሎ።
ዋና ኣካያዲት ስራሕ ኢትዮ ቴሌኮም ፍረህይወት ታምሩ፡ እቶም ሓደስቲ ኣገልግሎታት ኣብ ስርዓት ፋይናንስ ዘይተጠቓለለ 60 ሚእታዊት ሕብረተሰብ ተጠቃሚ ንምግባር ዘኽእል እዩ ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።
ድጐማ ነዳዲን ክፍሊት ግብርን ሓዊሱ፡ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ ንምልእኣኽ፡ ክፍሊት ዕድጊን ኣገልግሎትን ንምፍጻም፡ ከምኡ’ውን ካብ ሃገራት ወጻኢ ገንዘብ ንምቕባል ዝውዕል ዝነበረ ቴሌብር ኣብዚ እዋን፡ ‘መላ’፡ ‘እንደ ኪሴ’’ን ‘ሳንዱቕ’ን ዝተበሃሉ ኣገልግሎታት ወግዓዊ ገይሩ'ሎ።
ኢትዮ ቴሌኮም ዓማዊል ቴሌብር ገንዘብ ክቝጥቡን ክልቅሑን ዘኽእል ሓደስቲ ኣገልግሎታት ንምጅማር፡ ንልዕሊ 14 ኣዋርሕ ደንጕዩ’ዩ።
ወይዘሮ ፍረህይወት፡ “ዝተዋህበና ፍቓድ ንዕኡ ስለዘየፍቅደልና ኢና ደንጕና። ስለዚ ብቴሌ ብር ካልኦት ኣግልግሎታት እናሃብና ካብ ሃገራዊ ባንክ ፍቓድ ንምርካብ ዘኽእል ስርሓት ከነካይድ ጸኒሕና” ኢላ።
እቶም ኣገልግሎታት ከ እንታይ’ዮም?
ልቓሕን ቍጠባን ቴሌብር
ኣብዚ ቀረባ እዋን ብቴሌብር ዝጀመሩ ሰለስተ ኣገልግሎታት፡ ተጠቀምቲ ብዘይ ዋሕስን ትሕጃን ንኽልቅሑ ወይ ንኽቝጥቡ ዘኽእሉ’ዮም ትብል እታ ሓላፊት።
‘ሳንዱቕ’
እዚ ኣገልግሎት ዓማዊል ንዝቝጥብዎ ገንዘብ ወለድ ዝኸፈለሉን ካብ ወለድ ነጻ ዝዀነ ኣማራጺታትን ዝሓዘ እዩ።
እቲ ወለድ ዝኽፈለሉ ቍጠባ በብመዓልቱ ዝቕመርን ዓማዊል መዓልታዊ ዝረኸብዎ መጠንን ዘመልክት እዩ።
‘እንደ ኪሴ’
ዓማዊል ቴሌብር፡ ዕድጊ እናፈፀሙ ገንዘብ ምስ ዝውሕዶም፡ እቲ ዝጐደሎም ገንዘብ ዝረኽቡሉ ስርዓት እዩ። ካብዚ ብተወሳኺ ዓማዊል ናይ ከም ማይ ኤሌክትሪክን ክፍሊት በቲ ስርዓት ኣቢሎም ክኸፍሉ የኽእል።
እዚ ኣሰራርሓ ዓማዊል ዝጐደሎም መጠን ገንዘብ ክሳብ ክልተ ሽሕ ብር ዝሽፍን እዩ።
‘መላ’

ምንጪ ስእሊ, ETHIO TELECOM
ቴሌብር መላ፡ ዓማዊል ኣገልግሎት ልቓሕ ዝረኽቡሉ ኰይኑ፡ ውልቀሰባትን ትካላት ንግድን ዘካተተ’ዩ።
ውልቀ ሰባት ኣብ ወርሒ ክሳብ 10 ሽሕ፡ ትካላት ንግዲ ከኣ ክሳብ 100 ሽሕ ክልቅሑ ዝኽእሉ ኰይኖም፡ ኣብ ሰሙን ወይ ብወርሒ ዝመልስሉ ኣሰራርሓ ዝሓዘ እዩ።
ንትካላት ንግዲ ድማ፡ ክሳብ 3፡ 6 ን 9 ን ወርሒ ዝመልስሉ ኣሰራርሓ ተዘርጊሑ’ሎ።
ቴሌብር መላ፡ “ንመካየዲ ስራሕ ከምኡ'ውን ሓድሽ ሓሳብ ሃልይዎም ናብ ንግዲ ክኣትዉ ንዝደልዩ ሰባት፡ ኣብ ግምት ብምእታው ዝቐረበ’ዩ” ትብል።
መላ፡ እንደ ኪሴን ሳንዱቕን ብዝተባህሉ ኣገልግሎታት ቴሌብር፡ ኣብ መጀመርታ ዓመት ወርሓዊ ብማእከላይ ካብ 3 ክሳብ 4 ሚልዮን ዓማዊል ንምግልጋልን፡ ካብ 19.5 ክሳብ 20 ቢልዮን ብር ንምንቅስቓስ ከምዝተለመ እታ ሓላፊት ተዛሪባ።
ካብዚኦም፡ እቲ ዓቢይ ብፅሒት ዝወስድ መላ ኰይኑ 9.8 ቢልዮን ብር ይሽፍን።
ክፍሊት 6.4 ቢሊዮን ብር ብኣገልግሎት እንደ ኪሴ፡ 3.3 ቢልዮን ብር ድማ ብሳንዱቕ ዝጠቓለል እዩ።
ደጋጊሞም ልቓሕ ንዝወስዱ ዓማዊል ወሲኽካ፡ ኣብ ዓመት ን 108 ሚልዮን ዓማዊል ከገልግል ከምዝተለመ ድማ ኣረዲኣ።
እቶም ኣገልግሎታት ኣብ ዝተጀመሩሉ ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት ልቓሕ ወሲዶም ዝመልሱን ዝቝጥቡን ዓማዊል ከምዘለዉ ዝገለፀት እታ ዋና ኣካያዲት ስራሕ ወ/ሮ ፍረህይወት፡ ተስፋ ዝህቡን ‘ዝገርሙን’ ን ኵነታት ከምዘለዉ ኣረዲኣ።
ብቴሌብር መላ ዝወሃብ ልቓሕ ዋሕስ ወይ ትሕጃ ከምዘይሕተተሉ ኸኣ ሓቢራ።
ልቓሕ ብዘይ ዋሕስ? ከመይ?
ፋይናንሳዊ ትካላት፡ ንዘለቅሕዎ ገንዘብ ዋሕስ ወይ ትሕጃ ምሕታት ልሙድ መስርሖም እዩ።
ካብዚ ኣሰራርሓ ብኣንፃሩ ብቴሌብር ዝቐርቡ ልቓሓት ዋሕስ ኣይሕተተሎምን።
እንተዀነ እቲ ስርዓት ብዝንቀሳቐሰሉ ሰብ-ሰርሖ ብልሒ [Artificial intelligence] ኣቢሉ ናይ ዓማዊል ኣታውን ወፃእን ምንቅስቓስ ገንዘብ ብምርኣይ መጠን ልቓሕ ይፈቅድ።
እዚ ስርዓት፡ ዓሚል ዝገብሮ ምዝውዋር ገንዘብ ብምርኣይ፡ ብዝተፈላለዩ ደረጃታት ዝግለጽ ነጥቢ ዝህብ ኰይኑ፡ ልቓሕ ንዝመልሱ ዓማዊል ከኣ ዝሓሸ ልቓሕ ምርካብ ዝከኣለሉ ዕድል ይህብ።
እዚ ኣገልግሎት ብቴሌብር ሞባይል መተግበሪ ወይ ብሓጺር ቁፅሪ #127# ኣቢሉ ዝቐርብ ኰይኑ፡ ኵሎም ሲምካርድ ኢትዮ ቴሌኮም ዘለዎም ዓማዊል ኣብ ቴሌብር ዘለዎም መጠን ዝውውር ገንዘብ መሰረት ብምግባር ልቓሕ ዝህብ እዩ።
እዞም ኣገልግሎታት ንምጅማር ዘኽእል መጽናዕቲ ከም ዝተኻየደ እትገልጽ እታ ኣካያዲት ስራሕ፡ ልክዕ ከምቲ ካልእ ኣገልግሎት ፋይናንስ ስግኣት ክህሉ ከም ዝኽእል ኣብ ግምት ክኣቱ ከም ዝተግብረ ተዛሪባ።
ብተወሳኺ እዚ ኣገልግሎት ባህሊ እታ ሃገር ኣብ ግምት ዘእተወ’ዩ ትብል።
“ኵሉ ዓሚል ኣይመልስን ክንብል ኣይንኽእልን፤ . . . ልቓሕ ወሲዱ ኣይመለሰን ክብሃል ዘይደሊ ሰፊሕ ክፋል ሕብረተሰብ ኣሎና። እዚ ከም ብልጫ ኢና ንወስዶ። . . . ሓደ ግዜ ልቓሕ ኣይመለሰን ማለት ከኣ ኣብ ዝቕፅል ኣይወስድን ማለት'ዩ። ስለዚ ሓደ ግዜ ክልተ ሽሕ ብር ተለቂሓ ምጥፋእ ድዩ ዝሓይሽ ወይስ ኣብ ዓመት ክልተ ወይ ሰለስተ ግዜ ክልተ ሽሕ፡ ኣርባዕተ ሽሕ ብር ልቓሕ ምውሳድ? እቲ ሕብረተሰብ እዚ ኢና ነረድኦ ዘለና” ትብል።
ኣብ ኣፈጻጽማ ጸገም ከጋጥም ይኽእል እዩ ብዝብል ስግኣት፡ ነቲ ውጥን ተግባራዊ ካብ ምግባር ንድሕሪት ኣይንብልን እትብል ፍረህይወት፡ “60 ሚእታዊት ክፋል ሕብረተሰብ ኣገልግሎት ኣብ ዘይረኽበሉ ሃገር ሓደጋ [ሪስክ] ኣሎ ኢልና፡ ጸገም ገንዘብ ንምፍታሕ ዓቢይ ዓቕሚ ዝዀነ ነገር ዘይምጅማር ግቡእ እዩ ኢልና ኣይንሓስብን” ኢላ።
ነዚ ብኣግባቡ ተጠቒሞም፡ ናብራኦም፡ ህይወቶምን መነባብሮ ስድራኦምን ክቕይሩ ዝኽእሉ ሚልዮናት ስለዘለው፡ ናታቶም ዕድል ኣይነበላሽዎን ትብል።
ጕዕዞ 14 ኣዋርሕ ቴሌ ብር
ቴሌብር፡ ኣገልግሎት ምሃብ ካብ ዝጅምር ሓደ ዓመትን ክልተ ወርሕን ዘቝጸረ ኰይኑ፡ 22.2 ሚልዮን ዓማዊል ከም ዘፍረየ እታ ፈጻሚት ስራሕ ተዛሪባ።
በዚ፡ ዝውውር ገንዘብ 34.1 ቢሊዮን ብር ከም ዝተኻየደን፡ ካብዚ እቲ 18 ሚእታዊት ገንዘብ ዝኣተወን ዝወጽአን ኰይኑ 40 ሚእታዊት ድማ ሰዓት ኣየር ንምምላእ ዝወዓለ እዩ።
እቲ ዝተረፈ ብጽሒት፡ ገንዘብ ምልእኣኽ፡ ኣገልግሎት ክፍሊትን ዕድጊትን ምፍጻም ይሕዝ።
ኣገልግሎት ማይ፡ ኤሌክትሪክን ካልኦት ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ምስ ዝህቡ ትካላት መንግስቲ፡ ምስ13 ባንክታትን 22 ሽሕ ትካላት ንግድን ክተኣሳሰር ዝተገብረ ኰይኑ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ልዕሊ 79 ሽሕ ወኪላት ከም ዘለውዎ ወ/ሮ ፍረህይወት ታምሩ ትዛረብ።
“እዚ ኣብ ሓጺር እዋን ክነዐውት ክኢልና ኢና፤ ከም ዓቢይ ዓወት ክኣ ንርእዮ” ትብል።
ክሳብ ሕጂ፡ ቴሌብር “ስርዓት ክፍሊት ከሳልጥ ዝፀንሐ” ኰይኑ፡ እዚ ስርዓት ፋይናንስ ዘይበጽሖም ሰባት ተጠቀምቲ ምግባር ቀዳምነት ሂቦም ከም ዝሰርሑ’ውን ኣመልኪታ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







