ህይወት ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ኣብ እስራኤል እንታይ ይመስል?

ኣብ 2015 ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ሃይፋ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም (ፋይል)

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2015 ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ ሃይፋ ተቓውሞኦም ኣስሚዖም (ፋይል)

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዝተፈላለየ ምኽንያት እስራኤላውያን ኣብ መላእ ዓለም ተበታቲኖም እዮም።

ጽዮናውነት ድማ ኣብ እስራኤል ንህዝቢ ኣይሁድ ዝኸውን ውሑስ ሃገር ንምፍጣር ዝዓለመ ብምዃኑ ምትእኽኻብ ኣይሁድ ዘተባብዕ እዩ።

ስለዝዀነ ድማ ኣብ 1950 ንነፍሲ ወከፍ ኣይሁዳዊ ናይ ‘ዓልያ’ መሰል ዝህብ ሕጊ ምምላስ ኣይሁዳውያን ኣጽዲቓ።

እዚ ዝዀነ ይኹን ኣይሁድ ናብ እስራኤል ክምለስን ብቐጥታ እስራኤላዊ ዜግነት ክረክብን መሰል ኣለዎ።

እስራኤል፡ መዕቆቢ ኣይሁድ ክትከውን ጽዮናዊ ሕልሚ ነይርዋ።

ብምዃኑ ድማ ነዚ ሕልሚ ክተግህድ፡ ኣብ 1980ታትን 1990ታትን ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣይሁድ ናይ ምትእኽኻብ ስርሒታት ጀሚራ።

ሓደ ካብዚኦም ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ናብ እስራኤል ክምለሱ ምግባር እዩ ነይሩ።

ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ መን እዮም?

እሙን ጸብጻባት ብዘይምህላዉ መበቆል ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ብንጹር ንምፍላጥ ቀንዲ ብድሆ ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ።

ከም ሳዕቤኑ ድማ ንመበቆል ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ወይ ቤታ እስራኤል ዝምልከቱ ሓያሎ ክልሰ-ሓሳባት ኣለዉ።

ንብዙሕ ዘመናት ዝጸንሐ ሓደ ክልሰ-ሓሳብ ወለዶ ናይቶም ኣብ ከባቢ 950 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ንቀዳማዊ ምንሊክ ኣሰንዮም ናብ ኢትዮጵያ ዝመጹ እስራኤላውያን ምዃኖም ይገልጽ።

ካልእ ክልሰ-ሓሳብ ዘርኢ ናይቲ ዝጠፍአ እብራውያን ቀቢላ ዳን ምዃኖም ይጠቅስ።

መራሕቲ ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ብወገኖም፡ ወለዶ ናይቶም ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ካብ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ወይ ድማ ኣብ 586 ቅ.ል.ክ ቤተ መቕደስ ኣይሁድ ድሕሪ ምዕናው ናብ ግብጺ ዝሃደሙ ምዃኖም ይዛረቡ።

ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ንዘመናት ክሳዕ መበል 20 ክፍለ ዘመን ካብ ካልኦት ማሕበረሰባት ኣይሁድ ምሉእ ብምሉእ ተነጺሎም ዝጸንሑ’ኳ እንተዀኑ፡ ንብዙሕ ዘመናት ግን ኣብ ኦሪት ጸኒዖም እዮም ጸኒሖም።

መጽሓፍ ቅዱሳዊ ትርጉም ኣይሁድነት ይኽተሉ፡ ምስ ምኩራብ ኣብ ዝመሳሰሉ ህንጻታት ድማ ይጽልዩ።

ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ኣብ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ እስራኤል እናተመገቡ
መግለጺ ስእሊ, ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ኣብ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ እስራኤል እናተመገቡ

ናብ እስራኤል ብኸመይ ግዒዞም?

እስራኤል ስርሒታት ምድሓን ምጅማራ፡ ዝጸንሐ ሕልሚ ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ጋህዲ ንክኸውን ዕድል ከፊቱ።

ቀዳማይ ሚኒስተር መናሂም በጊን፡ ኣብ 1977 ናብ ስልጣን ምስ መጸ፡ ንመጀመርያ ግዜ ንኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ናብታ ሃገር ክምለሱ ኣመቻችዩ።

እዚ ድማ ኣብቲ እዋን ንጥሜት፣ ፖለቲካዊ ዕግርግርን ብኮሎኔል መንግስቱ ሃይለ ማርያም ዝምራሕ ማርክሳዊ-ለኒናዊ ስርዓት ዝፈጠሮ ተጻብኦን ንዘስግኦም ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ምላሽ ንምሃብ ዝዓለመ እዩ ነይሩ።

ኣብ 1980ታት ሞሳድ፡ ካብ ጥምየት ሃዲሞም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ሱዳን ተዓቚቦም ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ስደተኛታት ንምምላስ ዝወደቦም ምስጢራዊ ስርሒታት ኣካይዱ።

ኣብ 1984 ዝተኻየደ ስርሒት ሙሴ ጥራይ፡ ካብቶም ናብ ሱዳን ዝሃደሙ ስደተኛታት 15 ሽሕ ኣይሁድ ብነፋሪት ናብ እስራኤል ዝወሰደ ነይሩ።

ይኹን’ምበር ካብቶም ብእግሮም ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሱዳን ዝተጓዓዙ ስደተኛታት፡ ኣስታት 4 ሽሕ ሰባት ኣብ ዝጓዓዙሉ ዝነበሩ እዋን ወይ ኣብተን ድኹም ጽሬት ዝነበረን መዓስከራት ከም ዝሞቱ ይግመት።

ኣብ 1991 ጉዕዞ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ተልኣቪቭ

ምንጪ ስእሊ, AP

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1991 ጉዕዞ ካብ ኢትዮጵያ ናብ ተልኣቪቭ

ኣብ 1991 ዝተኻየደ ስርሒት ሰሎሞን ስዒቡ ድማ ተወሳኺ 20 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ናብ እስራኤል ተመሊሶም።

ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ምስተኣለየ ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ናብ እስራኤል ምምላስ ኣዝዩ ቀሊል ኰይኑ፤ ኣብ መወዳእታ 1990ታት ድማ ኣስታት 90 ሽሕ ካብ ማሕበረሰብ ቤታ እስራኤል ናብ እስራኤል ኣትዮም።

ብድሕሪኡ’ውን ኣሽሓት ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ናብ እስራኤል ምግዓዝ ቀጺሎም እዮም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን እቶም ኣብ እስራኤል ዝተወልዱ ሓዊሱ ኣስታት 160 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ኣብታ ሃገር ከም ዘለዉ ይግመት።

እንተዀነ ግን ኣብ እስራኤል ምስ በጽሑ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሕለፍዎ መከራ ዝደንገጸሎም ኣይነበረን። የግዳስ ዘስካሕክሕ ኣድልዎ፡ ዓሌትነትን እዩ ኣጋጢምዎም።

ብቕዓት ዘይብሉ ሕውስዋስ ቢሮክራስያዊ ስምዒተ-ኣልቦነት ድማ ነቲ ጸገሞም ኣጋዲድዎ።

ናብ እስራኤል ኣብ ዝጓዓዝሉ እዋን ዝሞቱ ኢትዮጵያውያን ንምዝካር ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ናብ እስራኤል ኣብ ዝጓዓዝሉ እዋን ዝሞቱ ኢትዮጵያውያን ንምዝካር ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት

ዋላ’ኳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኩነታቶም ናይ ምምሕያሽ ምልክታት እንተተራእየ፡ እቲ ሕብረተሰብ ሕዚ’ውን ምስ ልዑል ደረጃ ሽቕለት ኣልቦነት፡ ድኽነትን ኣድልዎን እናተቓለሰ ይርከብ።

ቅድሚ ዓመታት ኣባላት ማሕበረሰብ ኢትዮጵያ ኣብ እስራኤል ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ከካይዱ እንከለዉ ባህርያዊ ዘይኰኑ ዓመጻት ተራእዮም ነይሮም።

እዚ ድማ ቀጥታዊ ውጽኢት ናይቲ ንዓመታት ኣብ ልዕሊ መንግስቲን ብፍላይ ድማ ኣብ ልዕሊ ፖሊስን ዝተዋህለለ ሕርቃንን እዩ።

ሕብረተሰብ እስራኤል ኣብ ልዕሊ እቶም ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰደዱ ኣስታት 160 ሽሕ እስራኤላውያን ዜጋታትን ዘርኦምን ዘለዎ ኣተሓሕዛ፡ ብቕልጡፍን ብሱር በተኽን ናይ ምንቃሕ ጻውዒት ኮይኑ ከገልግል ነይርዎ።

ሱር ጠንቂታት እቲ ወጥሪ እንታይ እዮም?

ድሕሪ እዚ ኹሉ ዓመታት መንግስቲ እስራኤል ናብራ ማሕበረሰብ ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ኣብ ምምችቻው ከም ዝፈሸለ ሰፊሕ ኣፍልጦ ኣሎ።

መጀመርታ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከም ንጥሜት፣ ግጭትን ኣድልዎን ዝኣመሰሉ ጸገማት ተቓሊኦም’ዮም ጸኒሖም። ብድሕሪኡ ድማ መረበቶም፡ ኣዝማዶምን ፈተውቶምን ገዲፎም ናብ እስራኤል ምግዓዝ ቀሊል ኣይኰነን። ኣብ እዋን ጉዕዞ እውን ኣባላት ስድራቤቶምን ፈተውቶምን ዝሰኣኑ ኣለዉ። እንተዀነ ግን ካብ ማሕበረሰብ እስራኤል ዝረኸብዎ ርህራሄ ኣብዚ እቶ ዝበሃለል ኣይነበረን።

ኣብ መንግስቲ እስራኤል ምስ በጽሑ ምስቲ ኣብ ምውሓጥ ኣይሁዳውያን ስደተኛታት ዝሳተፍ ባህርያዊ እስራኤላውያን ዝጋጮ ኰይኑ ተረኺቡ።

መጀመርያ ኣቀባብላ ተገይሩሎም፤ መሰረታዊ ድሌታት መንበሪ፣ ክንክን ጥዕና፣ ትምህርትን ሓፈሻዊ ድሕነትን ተዋሂብዎም።

እዚ ግን ንፍሉይ ኵነታቶም ኣብ ግምት ብምእታው ዝተፈጸመ ኣይነበረን። ገና ካብ መጀመርታኡ ድማ ምስ ኣድልዎን ዓሌትነትን ክቃለሱ ጀሚሮም።

እቲ ኵነታት፡ ብዙሓት ኣይሁድነቶም እውን ከይተረፈ ኣብ ሕቶ ከእትዎ ገይርዎም’ዩ።

ነዚ ኣገባብ ካብ ዘቃልዑ ቀዳሞት ፍጻመታት ሓደ ኣብ 1990ታት ዘጋጠመ እዩ።

ሃገራዊ ባንክ ደም እስራኤል፡ ኢትዮጵያውያን እስራኤላውያን ኣብ ደሞም ኤችኣይቪ ክህሉ ይኽእል’ዩ ብዝብል ስግኣት ዝለገስዎ ደም ከም ዘወገደ ተፈሊጡ።

እዚ ድማ ኢትዮጵያውያን እስራኤላውያን ካብቶም ካልኦት ሕብረተሰብ እስራኤል ዝተገለሉ ምዃኖም መልእኽቲ ዘሕለፈ ነይሩ።

ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ፖሊስን ሰልፈኛታትን ዝተጋጨውሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ (ፋይል)

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ፖሊስን ሰልፈኛታትን ዝተጋጨውሉ ኣጋጣሚታት ኣሎ (ፋይል)

ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ምስቲ ሕብረተሰብ ክወሃሃዱ ዘይምኽኣሎም ፍሸለት ምሉእን ሓቀኛን ምውህሃድ እዩ።

ንኣብነት እስራኤላውያን ተማሃሮ ኣብ ዝመሃሩለን ኣብያተ ትምርቲ ዝመሃሩ ኢትዮጵያውያን እስራኤላውያን ሒደት እዮም። መብዛሕትኦም ኣብተን ብበዝሒ ኢትዮጵያውያን ዝርከቡለን ኣብያተ ትምህርቲ እዮም ዝመሃሩ።

ካብኡ ዝገደደ ድማ ውጽኢቶም ካብቲ ሓፈሻዊ ህዝቢ ኣዝዩ ዝተሓተ’ዩ፡ እዚ ድማ ኣካዳሚያዊ ዓወት ከይረኽቡ መንገዲ ዝዓጹ’ዩ።

መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን እስራኤላውያን ኣብቲ ጉዳይ ሽቕለት ኣልቦነትን ዋሕዲ ህዝባዊ ጸጋታትን ዝቃለስ ዘሎ ሕብረተሰብ እዮም ክነብሩ ተገይሮም።

እዚ ድማ ንኽውሃሃዱ ዝያዳ ጸገምን ምስቲ ኣብኡ ዝጸንሐ ሕብረተሰብ ዝያዳ ምትፍናን ይፈጥር።

ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ኣብ እስራኤል ካብ ዘለዉ ኣይሁድ ብዝለዓለ መጠን ብድኽነት ይሳቐዩ።

ኣብ መንገዲ ፖሊስ ደው ኣቢሉ ክፍትሾም፣ ክሕዞምን ክኣስሮምን ዝያዳ ተኽእሎ ኣሎ።

ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ሰባት ኣብ እስራኤል ሓድሽ ኣነባብራ’ዩ ዘጋጥሞም

ምንጪ ስእሊ, REUTERS

መግለጺ ስእሊ, ካብ ኢትዮጵያ ዝመጹ ሰባት ኣብ እስራኤል ሓድሽ ኣነባብራ’ዩ ዘጋጥሞም

ቅድሚ ሒደት ኣዋርሕ፡ እስራኤላውያን መምህራን ብዋትስኣፕ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ ተማሃሮ ዓሌታዊ ትሕዝቶ ዘለዎም መልእኽቲታት ክለኣኣኹ ብኢትዮጵያዊ መበቆል ዘለዋ ተማሃሪት ብቪድዮ ተቐሪጹ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ ነይሩ።

ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰልፈኛታት፡ መንግስቲ ኣብታ ብዕጥቃዊ ግጭት ሰላም ዝሰኣነት ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣይሁዳውያን ናብታ ሃገር ከምጽኦም ምሕታቶም ይዝከር።

ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ኣይሁድ፡ እቶም ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኣዝማዶም ዘይመጹሉ ምኽንያት ብሰንኪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ጸለምቲ ሰባት ዝረአ ዓሌትነት ከም ዝዀነ ይኣምኑ። መንግስቲ እስራኤል ግን ነዚ ኣበሃህላ ነጺግዎ’ዩ።

ይኹን’ምበር ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያውያን እስራኤላውያንን ፖሊስን ግጭት ክፈጥር ዝጸንሐ፡ እዚ ዑደት ኣድልዎ፣ ዓሌታዊነት፣ ድኽነት፣ ተስፋ ምቑራጽን ጥሕሰት ሕጊን ምዃኑ ብዙሓት ይኣምኑ።