ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ ቅትለት ከም ትምርምር ገሊጻ

ምንጪ ስእሊ, SOCIAL MEDIA
ኢትዮጵያ፡ ሓለውቲ ዶባት ስዑዲ ዓረብ ጃምላዊ ቅትለት ስደተኛታት ይፍጽሙ ኣለዉ ዝብል ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ጸብጻባት ክትምርምር ምዃና ገሊጻ።
እቲ ጸብጻብ ሓለውቲ ስዑዲ ዓረብ ካብ የመን ናብታ ንግስነት ዝሰገሩ ልዕሊ 650 ሰባት ካብ መጀመርታ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ብጠበንጃን ነታጒን ተጠቒሞም ከም ዝቐተሉ እዩ ዝገልጽ።
እቲ መርመራ ምስ ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ ብሓባር ከም ዝካየድ እውን ተገሊጹ ኣሎ።
"እቲ ትራጀዲ ብዘየገድስ" ኢትዮጵያን ስዑዲ ዓረብን ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ጽቡቕ ዝምድና ከም ዘለወን ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፡ መሰረት ዘይብሎም ግምታት ከይወሃቡ ተማሕጺኑ።
እንተዀነ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ግዳያት ኣጋጢሙ ብዛዕባ ዝተበሃለ ነገር ዝዀነ ሓዘን ኣይገለጸን።
ሂዩማን ራይትስ ዎች ‘ተኹሲ ኣዝኒቦምልና’ ብዝብል ኣርእስቲ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ኣብቲ ጽንኩር ሰሜናዊ ዶብ የመንን ስዑዲ ዓረብን፡ ብፖሊስን ወተሃደራትን ስዑዲ ዓረብ ብጥይት ከም ዝተሃርሙን ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብነታጒ ዒላማ ከም ዝተገብሩ ዝገልጹ ስደተኛታት ምስክርነት ዝሓዘ እዩ።
ሕቡራት ሃገራት ቅድሚ ሕጂ ምስ ናይ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዝመሳሰል ክስታት ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።
ሓደ ስሙ ዘይተጠቕሰ በዓል ስልጣን መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ፡ እቲ ምስቶም ዝደሓኑ ሰባት ኣብ ዝተገብረ ቃለ መሕትት ዝተመርኮሰ ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ካብ እሙናት ምንጭታት ዝተረኸበ ከም ዘይኰነ ገሊጹ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ "ብዛዕባ እዚ ክስታት ስክፍታና ምስ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ኣልዒልና ኣለና" ብምባል ስዑዲ ዓረብ ብዛዕባ እቲ ቅትለት "ዕሙቕ ዝበለን ግሉጽን መርመራ" ከተካይድ ከም ዘለዋ ሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ናብ መንግስቲ ሳዑዲ ዓረብ ኣብ ዝጸሓፍዎ ደብዳበ "ስርዓታዊ ቅዲ ዝመስል ሰፊሕን ማእለያ ዘይብሉን ስግረ-ዶባዊ ቅትለት፡ ብመዳፍዕን ብሓይልታት ጸጥታ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝትኩስ ንኣሽቱ ኣጽዋርን ብምጥቃም ዝፍጸም እዩ" ክብሉ ብሓይልታት ጸጥታ ስዑዲ ዓረብ ዝተፈጸመ ሰፊሕ ቅትለት ንመጀመርያ ግዜ ኣጉሊሖም እዮም።
መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ነቲ ክስታት ብዕቱብ ከምዝወስዶ እኳ እንተገለጸ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ግን እቲ ቅትለት ስርዓታዊ ወይ ሰፊሕ ምዃኑ ምግላጹ ብትሪ ነጺግዎ።
መንግስቲ፡ "ብመሰረት እቲ ዝተረኽበ ውሱን ሓበሬታ፡ ኣብ ውሽጢ እታ ሃገር ዝርከቡ ሰበስልጣን ነቲ ክስታት ዘረጋግጽ መረደእታ ወይ መርትዖ ኣይረኸቡን" ክብል እዩ መሊሱ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ ዝተፈላለዩ ስደተኛታት ኣዘራሪቡ ነይሩ።
እቶም ስደተኛታት፡ ኣብታ ብነዳዲ ሃብታም ዝዀነት ሃገር፡ ስራሕ ንምድላይ ዶብ ክሰግሩ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ኢትዮጵያውያን፡ ኣብ’ቲ ናይ ለይቲ ጉዕዞ ዝረእዩዎ ቅትለታት ተዛሪቦም እዮም።
ሓደ ካብዚኦም፡ ወዲ 21 ዓመት ሙስጣፋ ሱፍያ መሓመድ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እቲ ተኹሲ ብዘይ ዕረፍቲ እዩ ዝቕጽል" ምባሉ ይዝከር።
ንሱ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሓምለ፡ 45 ዝኾኑ ስደተኛታት ዝነበራ ጉጅለኡ ዶብ ሰጊሮም ክሓልፉ ኣብ ዝፈተኑሉ እዋን ብዙሓት ከም ዝተቐተሉ እዩ ዝሕብር።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ‘ሚክስድ ማይግሬሽን’ ዝተባህለ ዓለማዊ መርበብ መጽናዕቲ’ውን ምስቶም ዝደሓኑ ሰባት ዝገበሮ ቃለ መሕትት መሰረት ብምግባር፡ ኣብቲ ዶብ ብዝተፈጸመ ቅትለት ተወሳኺ ክስታት ኣሕቲሙ ነይሩ።
እቲ ጸብጻባ ኣብ መላእ’ቲ መገዲ፡ ፋሕ ዝበሉ ዝመሽመሹ ሬሳታት ከምዘለውን፡ ዝተትሓዙ ስደተኛታት ኣበየነይቲ እግሮም ክውቅዑ ከም ዝደልዩ፡ ብሓለውቲ ዶብ ስዑዲ ዓረብ ከምዝሕተቱን ይገልጽ።
ክሳብ ሕጂ እቲ ኣዝዩ ዝዓሞቐ ጸብጻብ ግን እቲ ቅድሚ ሒደት መዓልታት ሂዩማን ራይትስ ዎች ዘውጽኦ እዩ፤ ብዙሓት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ጸብጻባትን ሳተላይት ምስልታትን ናይቶም ቅትለታት ዝተፈጸመሎም መሳገሪ ነጥብታት ከምኡ'ውን ግዝያዊ መቓብር ቦታታትን የጠቓልል።
ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች ክሳብ ሰነ ናይዚ ዓመት ዘጋጠሙ ፍጻመታት ዝሽፍን እዩ።
ይኹን’ምበር፡ ቢቢሲ እቲ ቅትለት ይቕጽል ከም ዘሎ ዘርኢ መርትዖታት ኣቃሊዑ እዩ።
ኣብ ሰሜናዊት ከተማ ሳዓዳ፡ ቢቢሲ ዝረኣዮ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ኣብ ዶብ ዝተጎድኡ ስደተኛታት ናብ ሓደ ሆስፒታል ክኣትዉ የርኢ። ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝርከብ መቓብር፡ ስነስርዓት ቀብሪ ይካየድ ነይሩ።
ቢቢሲ ብዛዕባ’ቶም ብጸብጻባት ዝቐረቡ ክስታት ርእይቶ ንምርካብ ንመንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ዘቕረቦ መልሲ ከም ዘይረኸበ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







