ኣብ ከተማ መቐለ ኣገልግሎት መብራህቲ ጀሚሩ

ርእሰ ከተማ ትግራይ ከተማ መቐለ

ምንጪ ስእሊ, DT

ኣብ ርእሰ ከተማ ትግራይ መቐለ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ንፈለማ እዋን ኣገልግሎት ከም ዝጀመረ ተገሊጹ።

እቲ ኣገልግሎት ኣብ መቐለ ምሉእ ብምሉእ ከምዝጀመረ ምንጭታት ቢቢሲ ካብታ ከተማ ገሊጾም።

ነባሪ እታ ከተማ፡ “ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ መቐለ ኣብ ኵሉ ቦታታት መብራህቲ ጀሚሩ ኣሎ” ክብል ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ድሕሪ'ቲ ኣብ ፈለማ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኲናት፡ ኣብ ትግራይ መብራህቲ፡ ተሌፎን፡ ባንክን ካልኦት መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ተቛሪጾም ከም ዘለዉ ይፍለጥ።

ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ፡ ካብ ኣላማጣ መኾኒ ዝተዘርገሐ በዓል 230 ኪሎ ቮልት ብዝተገበረሉ ጽገና፡ ካብቲ ሃገራዊ መርበብ ምክፍፋል ጸዓት (ግሪድ) ተቛሪጹ ዝጸንሐ ሓይሊ ኤሌክትሪክ መቐለ ናብ ንቡር ከም ዝተመለሰ ሓቢሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብቲ ዝሓለፈ 02 ሕዳር 2022 ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ታሪኻዊ ስምምዕ ሰላም ከምዝኸተሙ ይፍለጥ።

ገለ ካብቲ ስምምዕ፡ ሰብ መዚ መንግስቲ ፈደራል መሰረታዊ ኣገልግሎታትን ሰብኣዊ ሓገዛትን ክጅምሩ ዝብል ይርከቦ።

ኣብታ ክልል ሰብኣዊ ረዲኤት ክኣቱ ጀሚሩ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ። እንተዀነ፡ እቲ ዝኣቱ ዘሎ ረዲኤት ገና እኹል ከምዘይኮነ ይግለጽ።

ኣብ ሽረን ከባቢኣን ኣገልግሎት ቴሌኮሙኒኬሽን ኣብ ቀረባ እዋን ንኽጅምር ይሰርሕ ምህላዉ፤ ናብቲ ከባቢ ዝተላእኹ ሰብሞያ ናይ ፈተነ ስርሓት የካይዱ ከምዘለዉ ኢትዮ-ቴሌኮም ንቢቢሲ ሓቢሩ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ሰባት'ውን ንስድራቤቶም ብተሌፎን ከም ዘዘራረብዎም ሓቢሮም እዮም።

እቲ ንኽልተ ዓመት ዝቐፀለ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ መሻርኽቱ ሰራዊት ኤርትራን፡ ፍሉይ ሓይሊን ምልሻ ኣምሓራን ብልፍንቲ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዘካየድዎ ደማዊ ኵናት፡ ጠንቂ ሞት ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰባት፡ ጥምየት፡ ምምዝባልን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ከምዝዀነ ይፍለጥ።