ብትግራይ ዝጥለቡ ቀንዲ ማሕበራዊ ኣገልግሎታት እንታይ እዮም?

ኣብ ትግራይ ካብ ዝተፈናቐሉ ሓደ ዝኾኑ ወላዲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ዝለሓመ ን21 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት፡ ብኣሽሓት ኣብ ዝቑጸሩ ሰላማውያን ሞትን ኣካላዊ መጉዳእትን ኣኸቲሉ፣ መሰረተ-ልምዓት (ትሕተ-ቅርፂን ኣዕንዩ፡ ንሚልዮናት ሰባት ኣፈናቒሉ ብዙሓት ደቂ ኣንስትዮ እውን ግዳይ ፆታዊ መጥቃዕትን ዓመጽን ኰይነን።

ነቲ ኲናት ብሰላማዊ ኣገባብ ንምፍታሕ ሓያሎ ጻዕርታት ክካየድ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ኬንያ፡ ናይሮቢ ቀጥታዊ ዝርርብ ክካየድ ትፅቢት ይግበር።

ኣማኻሪ ጕዳያት ድሕነት ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን፡ ብ 28 ሓምለ 2022 ምስ ዲፕሎማሰኛታትን ኣምባሳደራትን ዘተ ከምዘካየዱ ብምሕባር ናብ መቐለ ክኸዱ ከም ዝተፈቐደሎም ኣብ ትዊተር ኣፍሊጡ ነይሩ።

"እቲ ዘተ ብዘይ ዝዀነ ቅድመ ኵነት ክጅመር ይግባእ፡" ዝበለ ሬድዋን፡ መንግስቲ ፈደራል እቲ ዘተ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምእዘን ድልየት ከምዘለዎ ገሊጹ።

ብኣንፃሩ፡ ኣቦ ወንበር ህወሓትን መራሒ ክልል ትግራይን ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል፡ ምዕራብ ትግራይ ናብቲ ቅድሚ ኵናት ምጅማሩ ዝነበሮ ምምሕዳር ክምለስ፡ እቲ ብሰንኪ ኲናት ተቛሪጹ ዘሎ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ክምለሱን፡ ሰብኣዊ ረድኤት ብዘይገደብ ናብ ህዝቢ ክቐርብን ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

ንምዃኑ እቶም ናብ ንቡር ክምለሱ ዝሕተቱ ዘለዉ ኣገልግሎታት እንታይ እዮም?

ኣብ ከመይ ዝበለ ደረጃ’ኸ ይርከቡ? ንዝብል ሕቶ ንምምላሽ ነዞም ዝስዕቡ ሓሙሽተ መሰረታውያን ነገራት ክንድህስስ ኢና።

1. ኣገልግሎት ባንኪ

ሰባት ኣብ ኣፍደገ ባንኪ መስርዕ ሒዞም

ኣብ ኢትዮጵያ ብመንግስትን ብሕትን ዝውነኑ ልዕሊ 15 ባንክታትን ልዕሊ 6,000 ሽሕ ጨንፈራትን ከም ዘለውዎም ይግለፅ።

እተን ባንክታት ኣብ ትግራይ እውን ጨናፍር ኣለወአን። ቅድሚ ኵናት ከኣ ስሩዕ ኣገልግሎት ይህባ ነይረን።

ሃለዋት ናይተን ባንክታት ኣብ ትግራይ ንዘሎ ህዝቢ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ካብ ምሃብ ብተወሳኺ ባህሊ ምዕቛር ከማዕብል ሓጊዘንኦ እየን።

ካብ ትካላት ክሳብ ውልቀ-ሰባት ዝዓቑርዎ ገንዘብ ድማ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ዝለዓለ ብፅሒት ኣለዎ።

ድሕሪ ምጅማር ኲናት ግን ብቕልጡፍ ክቋረፁ ካብ ዝተገበሩ ኣገልግሎታት እቲ ሓደ ባንኪ እዩ ነይሩ።

ናይ ኢንተርኔት ምቁራጽን ትግራይ ኣብ ትሕቲ ዘይእዉጅ ዕፅዋ ምእታዋን ስዒቡ ሰባት ዝዓቖርዎ ገንዘብ ኮነ ካብ ቤተሰብ ዝለኣኸሎም ገንዘብ ብምውፃእ ኣብ እዋን ጸገሞም ክጥቀሙ ኣይከኣሉን።

“ምስ ገንዘብና ንጠሚ ኣለና፤ ኣብ ባንኪ ዝዓቖርናዮ ገንዘብ ክንሓምም ከለና ክበጽሓልና ኣይከኣለን” ዝብሉ ቅሬታታት ኣብ ትግራይ ብስፍሓት ይስምዑ።

መራሕቲ ትግራይ ነቲ ጸገም ብዝተወሰነ መልክዑ ንምቅላል ብዝብል ኣብቲ ክልል ዝርከቡ ገለ ባንክታት ብዝኸኣልዎ ዓቕሚ ኣገልግሎት ክህቡ መምርሒ ካብ ምሃብ ብተወሳኺ፡ ኣማኢት ኣሽሓት ኣብ ገዝኦም ዝሓዙ ውልቀ ሰባት ኮኑ ትካላት ናብ ባንኪ ክመልስዎ ፃውዒት ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ መምርሒ ብዝተወሰነ መልክዑ ነቲ ጸገም ኣብ ምቅላል ብፅሒት’ኳ እንተነበሮ፡ ሰባት ኣብ ባንኪ ካብ ዘለዎም መጠን ገንዘብ ወርሓዊ ከውፅእዎ ዝፍቀደሎም ግን ኣዝዩ ዝተሓተን ንመሰረታዊ ጠለባቶም ከማልአሎም ከምዘይክእልን ንቢቢሲ ገሊፆም ነይሮም።

2. ኣገልግሎት መራኸቢታት (ስልክን ኢንተርኔትን)

ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ስልኪ ተቛሪጹ ብምህላዩ፡ ሰባት ናብ መዋስንቲ ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ወጺኦም ኔትዎርክ ስልኪ ዝኽብሉ ዕድል ኣብ ምፍታን ነዊሕ ግዜ የሕልፉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት መራኸቢ (ስልኪ፡ ኢንተርነትን ካልእን) ብምቍራጹ፡ ካብቶም ኣብ ውሽጢ ትግራይ ዘለዉ ስድራኦም ዝዀነ ደሃይ ክረኽቡ ብዘይምኽኣሎም፡ ከቢድ ጭንቀትን ስነ ልቦናዊ ፀቕጥን ፈጢሩሎም ከም ዘሎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዝነብሩ ዘለው ተጋሩ ንቢቢሲ ተዛሪቦም ነይሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ "ንህዝቢ ትግራይ ናይደ ፅሞና ግዜ ንምሃብ" ብዝብል ሰራዊቱ ከም ዘውጽአ ዝገለፀሉ፤ ሓይልታት ትግራይ ድማ፡ "ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዓወት ብምርካብ" ንመቐለ ዝተቘፃፀሩሉ እዋን ኣብ ወርሒ ሰነ ምንባሩ ይዝከር።

ካብቲ እዋን ጀሚሩ ድማ እቲ ንዝተወሰነ እዋን ተመሊሱ ዝነበረ ኣገልግሎታት ስልኪ ኣብ ትግራይ እንደገና ተቛሪፁ።

ኣገልግሎት ኢንተርነት ግን ካብ ጽባሕ ምጅማር እቲ ኲናት ኣትሒዙ ከም ዝተቛረጸ ይዝከር።

እዚ ናይ ስልክን ኢንተርኔትን ምቁራፅ፡ ሰባት ንከይራኸቡ ዕድል ካብ ምዕፃዉ ሓሊፉ፡ እቲ ኣብ ትግራይ ተፈጺሙ ዝብሃል ዓመጽን ገበናት ኲናትን ከይቃላዕ ከምዝገትአ ብዙሓት ተዓዘብቲ ይገልፁ።

መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ንኣገልግሎት ህዝቢ ዝተዘርግሑ መሰረተ ልምዓት ኣብ እዋን ኲናት በብወገኖም ከምዘዕነውዎ ይኽሰሱ።

ብኣንፃሩ መራሕቲ ትግራይ “መንግስቲ ፌደራል ኮነ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዕፅዋ ብምፍፃም ንኹሎም ሜላታት መራኸቢ ዓፅዩ” ክብሉ ይኸሱ። ምምላስ እዚ ኣገልግሎት ድማ ናብ ድርድር ዘይኣቱ ጉዳይ ከም ዝዀነ ብተደጋጋሚ ክዛረቡ ይስምዑ።

ኣብዚ እዋን ኣብ ትግራይ ብፍላይ ኣብ ከተማ መቐለ ዘለዉ ሰባት፡ ነቶም ኣብ ገለ ትካላት ዘለዋ ናይ ሳተላይት ስልክን ኢንተርኔትን እናተጠቐሙ ንኣብ ደገ ዝርከቡ ቤተሰቦምን መቕርቦምን ናይ ድምፂ መልእኽቲ ብምልኣኽ ክራኸቡ ይፍትኑ ምህላዎም ይፍለጥ።

ነዚ ዕድል ዝረኽቡ ግን ኣዝዮም ውሑዳትን ኣብተን ሳተላይት ስልኪ ወይ ኢንተርኔት ዘለወን ትካላት ምስ ዝሰርሑ ሰባት ፍልጠትን ሌላን ዘለዎምን ጥራሕ እዮም።

ቀይሕ መስቀል እውን ንሓንቲ ደቒቓ ጥራሕ ናይ ስልኪ ደወል ኣገልግሎት ብምሃብ ስድራ ቤታት ንክራኸቡ ይጽዕር ከምዘሎ ይፍለጥ።

ካብኡ ሓሊፉ ግን ሰባት ሓበሬታ ንምርካብ ኮነ ምስቶም ካብ ትግራይ ወፃኢ ዝርከቡ ቤተሰቦም ንምርኻብ ነቶም ናይ ድምፂ መልእኽቲ ዘበፃፅሑ ውልቀሰባት ገንዘብ ዝኸፍሉሉ ኩነታት ከም ዘሎ እውን ዝገልፁ ኣለዉ።

ገለ ሰባት ድማ ነዊሕ ርሕቐት ብእግሮም ተጓዒዞም ናብ ወሰናስን ዓፋር ወይ ኣምሓራ እናተጸግዑ ኣብተን ክልላትን ብዘሎ ኔትዎርክ ተጠቒሞም ምስ ቤተሰቦም ከም ዝራኸቡ ቢቢሲ ከረጋግፅ ኪኢሉ’ሎ።

3. ኣገልግሎት መብራህቲ (ኤለክትሪክ)

ናይ ኤለክትሪክ መከፋፈሊ ጣብያ

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIAN ELECTRIC POWER

ኣብ ኢትዮጵያ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ካብ ዘመንጭዉ ግድባት ዲጋ ተከዘ ሓደ እዩ።

እዚ መመንጨዊ ሓይሊ ግን ኣብ ትግራይ ስለዘሎ ንትግራይ ዝሽፍነሉ ኣሰራርሓ የለን።

ምኽንያቱ ኣብ ምሉእ ኢትዮጵያ ዘለዉ ኤለክትሪክ ዘመንጭዉ ግድባት እቲ ፀዓት ብቐጥታ ናብ ሓደ ማእከል እዩ ዝውሕዝ።

ብድሕሪኡ እዩ ካብቲ ማእከል ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ሃገር ዝዝርጋሕ።

ስለዚ ቅድሚ ምጅማር ኲናት ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ትግራይ’ውን ብመሰረት እቲ ፌደራላዊ መስርሕ ዝብጽሓ ሓይሊ ክትጥቀም ምፅንሓ ይፍለጥ።

ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ፌደራልን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ግጭት ምስ ኣጋጠመ ግን እዚ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ’ዩ ተቛሪጹ እዩ።

ብምቁራጽ እዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን ክካሰሱ እዮም ተራእዮም። ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ “ሓይልታት ትግራይ ንመስመራት ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣዕንዮም” ዝብል ክሲ ክቐረብ ከሎ፤ ካብ ትግራይ ድማ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ንትግራይ መብራህቲ ከልኪሉ” ክብሃል ይስማዕ።

ብዓል መዚ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2021 ኣብ ምሉእ ክልል ትግራይ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከምዝተቛረጸ ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ድማ ኲናት ካብ ዝጅመር ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ጠንቂ ናይቲ ምቁራጽ ድማ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ'ቲ ካብ ኣላማጣ-መኾኒ-መቐለ ዝተዘርግሐ መስመር መጥቃዕቲ ስለዝፈጸሙ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ሽዑ መልሲ ዘይሃቡ መራሕቲ ትግራይ ብወገኖም ብሓፈሻ ኣብቲ ክልል ንዘጋጠመ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክ ንመንግስቲ ፌደራል እዮም ተሓታቲ ዝገብሩዎ።

ካብ በረኻታት ተመሊሶም ናብ መቐለ ምስ ኣተዉ ድማ ነቲ ካብ ተከዘ ዝምንጩ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣብ ትግራይ ከምዝውዕል ከምዝገበሩዎ ይግለፅ።

ከምኡ ድሕሪ ምግባሮም ድሮናትን ነፈርትን ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ እቲ ግድብ መጥቃዕቲ ብምፍጻመን ምቁራፅ ኣገልግሎት ከምዘጋጠመ እውን ዝሓበሩሉ እዋን ምንባሩ ይዝከር።

እዚ ነንሓድሕዶም ናይ ምክሳስ ኩነታት ኣፅኒሕና ናብቲ ሳዕቤናቱ ክንምለስ ከለና ግን ብቐንዱ ኣብተን ኣገልግሎት ዝህባ መንግስታውን ውልቃውን ትካላት ከቢድ ናይ ስራሕ ምትዕንቓፍ ፈጢሩ እዩ።

እቲ ምቁራጽ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ዜጋታት ኣብ ፀልማት ከምዝነብሩ ኣብ ርእሲ ምግባር “ነቲ ብረድኤት ዝቐርበልና እኽሊ ኣጥሒንናን ሰንኪትናን ክንምገብ እኳ ኣይከኣልናን” ዝብሉ ጥርዓናት ብወገን ትግራይ ይስምዑ።

4. ኣገልግሎት መጓዓዝያ

ከተማ መቐለ

ትግራይ ናብ ኩሉ ኣንፈታት ኢትዮጵያ ንዝግበሩ መገሻታት እትጥቀመሎም ዓይነታት መጓዓዝያን ብቐንዱ መካይንን ነፈርትን እዮም።

ካብ ትግራይ ተበጊሶም ንክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ሰጊሮም ዝሓልፉ ሰፋሕቲ ጽርግያታት ናብ ኩሉ ከባብታት እታ ሃገር ይዝርግሑ።

ኣብ ከተማ መቐለ ካብ ዝርከብ ዓለምለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ኣሉላ ኣባ ነጋ ከምኡ’ውን ኣክሱም - ሃፀይ ዮሃንስ ራብዓይ፤ ሽረ - ሜጀር ጀነራል ሓየሎም ኣርኣያን ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ሑመራን ዝብገሳ ነፈርቲ ንህዝቢ ትግራይ ሰፊሕ ናይ መጓዓዝያ ኣገልግሎት ይህባ ነይረን።

እዚ ኩነታት ቅድሚ ምጅማር ኲናት’ዩ ነይሩ። ብድሕሪ ምጅማር ኲናት ግን እዞም ናይ መሬትን ኣየርን ኣገልግሎታት መጓዓዝያ ተቛሪጹ።

በዚ ምኽንያት ብዙሓት ካብ ትግራይ ወጻኢ ዝነብሩ ግን ድማ ቅድሚ ምዕፃው ኣብኡ ዝነበሩ ናብ ዝመፅኡሉ ክምለሱ ኣይከኣሉን። እቶም ንዝተፈላለዩ ዋኒናቶም ካብ ትግራይ ወጺኦም ዝፀንሑ’ውን ክኣትዉ ኣይከኣሉን።

ሰባት ካብን ናብን ዝገብርዎ መገሻታት ጥራሕ ዘይኮነስ እቲ ኣብ ትግራይ ፈርዩ ናብ ካልእ ኣብታ ሃገር ዝርከብ ዕዳጋ ዝበፅሕ ምህርቲ ከምኡ ድማ ካብ ካልእ ከባቢ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ሸቐጣ ሸቐጥ ምጉዕዓዝ ኣይተኻእለን።

ከም ውፅኢት እዚ ምቁራጽ ኣገልግሎት መጓዓዝያ፡ መሰረታዊ ዝበሃሉ ሸቐጣትን ፍርያትን ናብቲ ኣብ ጸገም ዘሎ ህዝቢ ትግራይ ካብ ዘይምቕራቡ ብተወሳኺ፡ ንዘለዎም ከቢድን ሕዱርን ሕማማት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኮነ ካብ ናብ ደገ ክኸዱ ዝደልዩ ሰባት እውን ዕድል ዓጽዩ ኣሎ።

ኲናት ተወሊዑ ኣዋርሕ ምስተቖጸሩን መራሕቲ ትግራይ ናብ በረኻታት ወጺኦም መንግስቲ ፌደራል ዘጣየሾ ግዚያዊ ምምሕዳር ምስኣተወን ንሓፂር እዋን ናይ ነፈርቲ ከምኡ’ውን መኻይን ምንቅስቓስ ተጀሚሩ ምንባሩ’ውን ዝርሳዕ ኣይኮነን።

እዚ ግን ብሰንኪ መሊሱ ዝተጓሃሃረ ኲናት ነዊሕ ክቕጽል ኣይከኣለን።

5. ሰብኣዊ ረድኤት

ሓገዝ ዝፀዓና መኻይን

ምንጪ ስእሊ, ICRC ETH

እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ን20 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ሓድሕዳዊ ኵናት ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ከቢድ ሰብኣዊ ሃስያታት ኣውሪዱ ይርከብ።

ዓለም ለኻዊ ገበርቲ ሰናይ ትካላት ኣብ ትግራይ ዝርከቡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ሻቕሎቶም ክገልጹ ጸኒሖም’ዮም።

ድሕሪ’ቲ ኲናት፡ ኣብ ውሽጢ ትግራይ ልዕሊ 2 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም፡ ኣስታት 63 ሽሕ ድማ ናብ ሱዳን ተሰዲዶም።

ኣብቲ ክልል ልዕሊ 4.5 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮምን መዓልታዊ ልዕሊ 100 ናይ ረድኤት መኻይን ናብ ትግራይ ክኣትዋ ከምዘለወንን ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ክሕብሩ ፀኒሖም’ዮም።

ኣብዚ እዋን ኣብታ ኣብ ሙሉእ ዕፅዋ ትርከብ ትግራይ 6.3 ሚልየን ህዝቢ ህፁፅ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዘድልዮ ብዝተፈላለዩ ትካላት ረድኤት ክግለጽ እንከሎ፤ ሕቡራት ሃገራትድማ ' ብፈደራላዊ መንግስቲ ዕላዊ ዘይኮነ ዕፅዋ ተኣዊጁ' ከምዘሎ እዩ ዝኸስስ።

ሕቡራት ሃገራት ኮነ ዝተፈላለዩ ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ነቲ ህዝቢ ክበጽሑ ከም ዘይከኣሉን መንግስቲ ምቹእ ኩነታት ክፈጥርን ድማ ይፅውዑ።

መራሕቲ ፌደራልን ትግራይን ናብ ትግራይ ክበፅሕ ኣብ ዝግባእ ረድኤት ብዝፍጠር ምትእጉጓል ንሓድሕዶም ይካሰሱ።

ብወገን ትግራይ ‘መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታቱን ናብ ትግራይ ረድኤት ከይኣትው ይኽልክሉ ኣለዉ’ ዝብል ክሲ ክስማዕ ከሎ፤ መንግስቲ ፌደራል ብወገኑ ‘ሓይልታት ትግራይ ናብ ህዝቢ ትግራይ ረድኤት ከይበፅሕ መገዲ ይዓፅዉ ኣለዉ’ ክብል ፀኒሑ’ሎ።

ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝተቖፃፀርዎም ከባብታት ዓፋር ድሕሪ ምስሓቦም ናብ ትግራይ ብዝሓሸ ኩነታት ረድኤት ክኣቱ ከምዝጀመረ ይንገር ኣሎ።

እንተኾነ እቲ ናብ ትግራይ ዝኣቱ ዘሎ ረድኤት ብሰንኪ ሕፅረት ነዳዲ ኣብ መቐለ ጥራሕ ይኽዘን ከምዘሎ ዝሕብሩ ኣካላት እቲ ካብ መቐለ ወጻኢ ዝርከብ ህዝቢ ትግራይ ኣብ እዋኑ ሓገዝ እኽሊ ይቐርበሉ ከምዘየለ ይገልጹ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ መደብ ምግቢ ዓለም ኣድሪያን ቫንዳክናብ፡ ሕፅረት ነዳዲ ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ካልእ በዳሂ ጉዳይ ምዃኑ እዩ ዝገልጽ

ኣብ መላእ ሃገር ሕፅረት ነዳዲ ከምዘሎ ብምዝኽኻር፡ ብፍላይ ኣብ ትግራይ ድማ’ቲ ሕፅረት ኣብ ምክፍፋል ሰብኣዊ ሓገዝ ኣሉታዊ ፅልዋ የሕድር ከምዘሎ እውን ሓቢሩ ነይሩ።

"ቀረብ ነዳዲ ኣብታ ሃገር ይመሓየሽ ኣሎ፤ ኣብ ትግራይ ወርሓዊ ዘድሊ 2 ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ፡ ከመይ ጌርና ከም ነብፅሕ ምስ ሰበስልጣን ንሰርሕ ኣለና” ይብል።

ተስፋ ዝተገበረሉ መገሻ

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር (ፀጋም)፣ ከምኡ’ውን ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣኒታ ወይበር (ማእኸል) ምስ ዶክተር ደብረፅዮን (የማን)

ምንጪ ስእሊ, DW INTERNATIONAL

ፍሉያት ልኡኻት ኣመሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ከምኡ’ውን ተወከልቲ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዲፕሎማሰኛታት ገለ ሃገራትን ምስ መራሒቲ ትግራይ ንምዝታይ ብ2 ሓምለ 2022 ናብ ከተማ መቐለ ከምዝበጽሑ ይፍለጥ።

ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ማይክ ሃመር፣ ከምኡ’ውን ፍልይቲ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮጳ ኣኒታ ወይበር ካብ ቶም ናብታ ከተማ ዑደት ዘካየዱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ኮይኖም ምስ ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤልን ላዕለዎት ኣመራርሓ ትግራይን ዘትዮም።

ብክልቲኦም ወገናት [መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን] ንዘተ ሰላም ቅሩብነት ምርኣዮም ብምንኣድ፡ ኣብ ትግራይ ተቛሪፆም ዘለዉ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ብቕልጡፍ ናብ ንቡር ክምለሱ ፀዊዖም።

ፕረዚደንት ትግራይ ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል በቶም ናብ መቐለ ዑደት ዘካየዱ ፍሉያት ልኡኻት ማሕበረሰብ ዓለም ኣቢሉ ናብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ደብዳበ ልኢኹ’ሎ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ድሕሪ እቲ ዑደት ኣብ ዘውጸኦ ሓበራዊ መግለጺ፡ መራሒ ትግራይ ዝለኣኾ ደብዳበ፡ ኣብቲ ክልል መሰረተ ልምዓት እቶም ዝተቛረጹ ኣግልግሎት ንምዕራይ ንዝደልዩ ኣካላት ሙሉእ ውሕስነት ድሕነት ንምሃብ ዘረጋግጽ ምዃኑ ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ መግለጺ፡ ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ቀረባት ንምጅማር ዝኾነ ዕንቅፋት ክህሉ ከምዘይግባእ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካን ኣውሮጳን ጸዊዑ።