ኢትዮጵያዊ ዝርከቦም ጥርጡራት ግብረሽበራ ይድለዩ ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, MINISTRY OF INTERIOR/X
ኣብ ኬንያ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ወደባዊት ከተማ ላሙ ኣብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ኢድ ኣለዎም ናይ ዝተበሃሉ 35 ጥርጡራት ግብረሽበራ መንነቶምን ኣሳእሎምን ዕላዊ ተገይሩ።
እቲ ኬንያ ዘውጽአቶ ዝርዝር ጥርጡራት፡ ካብቶም ዝድለዩ ዘለዉ መብዛሕትኦም ዜጋታት እታ ሃገር ምዃኖም የመልክት።
ይኹን’ምብር ዜጋታት ኢትዮጵያ፣ ታንዛንያ፣ ጀርመንን እንግሊዝን'ውን ከም ዝርከብዎም ተፈሊጡ ኣሎ።
ሓደ ካብቶም ኣስማቶም ዝተገልጸ ጥርጡራት ኢትዮጵያዊ ከም ዝዀነ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ንሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኬንያ ብምጥቃስ ዘውጽኦ ጸብጻብ ይሕብር።
እቲ ኢትዮጵያዊ ጥርጡር ጃንጋሌ ሁቴይባ ብዝብል ዝጽዋዕ ውልቀሰብ’ዩ።
እቶም ጥርጡራት ኣብ ዝተፈላለዩ ጽርግያታት እታ ሃገር ነታጒ ብምቕባርን ኣብ መንገዲ ላሙ-ዊቱ-ጋርሶን ድማ ሰላማውያን ሰባት ብምቕታልን ከም ዝተጠርጠሩ’ዩ ተገሊጹ።
ብኣቆጻጽራ ኤውሮጳ 2020 ኣብ ላሙ ኣብ ዝርከብ ማንዳ ቤይ ወተሃደራዊ መዓስከር ኣሜሪካ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ እውን ከም ዝተጠርጠሩ ተፈሊጡ’ሎ።
ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኬንያ፡ እቶም ጥርጡራት "ዕጡቓትን ሓደገኛታትን" ምዃኖም’ዩ ዝገልጽ።
ኣባላት ናይቲ "ኣብ ዞባ ላሙን ከባቢ ቦኒን ህይወት ሰባት ዝቐተለ መጥቃዕቲ ዝወደበን ዝመርሐን" ጉጅለ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣልሸባብ ምዃኖም’ውን ወሲኹ ጠቒሱ።
ሚኒስተር ኪቱረ ኪንዲኪ፡ “እቶም ጥርጡራት ናብ ዝቐረበ መደበር ፖሊስ ከይዶም ኢዶም ክህቡ ንሓትት ኣለና” ከም ዝበለ ሲቲዘን ቲቪ ጸብጺቡ።
ኢዶም እንተዘይሂቦም ድማ ሓይልታት ጸጥታ ደልዮም ከም ዝረኽብዎምን “ዝግብኦም” ከም ዝረኸቡን እቲ ሚኒስተር ሓቢሩ።

ምንጪ ስእሊ, MINISTRY OF INTERIOR/X
መንግስቲ ኬንያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቶም ገበነኛታትን ተሓባበርቶምን ኣብ ቀይዲ ንምእታው ኩሉ ኣድላዪ ስጉምቲ ክውሰድ’ዩ ኢሉ።
ብተወሳኺ ሃለዋት እቶም ጥርጡራት ዝምልከት ሓበሬታ ንዘቕርቡ ሰባት መጠኑ ዘይተገልጸ ግን ከኣ ዓቢ ሽልማት ከም ዝወሃቦም ኣመልኪቱ።
ኣብ ቀረባ እዋናት ኣብ ኬንያ ብዝተፈጸሙ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲታት ሓያሎ ሲቪላትን ኣባላት ጸጥታን ተቐቲሎም’ዮም።
ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ድማ ኣል-ሸባብ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕን ገማግም ባሕርን ኬንያ ዝፍጽሞም መጥቃዕቲታት ኣሐይሉ’ሎ።
ኣል-ሸባብ ምስ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ሶማልያ ኣንጻር እቲ ጉጅለ ዓቢ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ ይካይድ ከም ዘሎ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







