ርዋንዳ፡ ድሕሪ 30 ዓመታት 'ጄኖሳይድ' ዝተመለስኩዋ ዓደይ

ምንጪ ስእሊ, Victoria Uwonkunda
- Author, ቪክቶርያ ኡዎንኩንዳ
- Role, ቢቢሲ ኒውስ
- Reporting from, ኪጋሊ
እታ ዝተወለድኩላ ሃገር ቅድሚ 30 ዓመት ኣብ 12 ዓመት ዕድመይ’የ ገዲፈያ ወጺአ።
ኣብቲ እዋን፡ ካብቲ ኣብ 1994 ዘጋጠመ ምጽናት ዓሌት ምስ ስድራይ ሃዲምና ወጺእና።
ኣብ ኬንያን ኖርወይን ዓብየ፤ ድሕሪኡ ኣብ ለንደን ሰፊረ።
ንድሕሪት ተመሊሰ፡ እታ ሃገርን ህዝብን ሓውዮም ይዀኑ’ዶ? እናበልኩ ብዙሕ ግዜ እየ ዝሓስ።እ
ኣብዚ ዛዕባ ሰነዳዊ ምድላው ንምስራሕ ናብኡ ክኸይድ ዕድል ምስ ተዋህበኒ፡ እንታይ ከም ዝረክብ - ከምኡ'ውን ከመይ ከም ዝስምዓኒ እኳ እንተኣጨነቐኒ ኣዝየ ተሓጒሰ።
መጠንቀቕታ፦ ገለ ሰባት ኣብዚ ዛንታ ዝተኻተተ ዝርዝር ነገራት ዜጨንቕ ኰይኑ ክትረኽቡዎ ትኽእሉ ኢኹም።
ስምዒታዊ በሰላታት ናይዞም ፍጻመታት ብመልክዕ ድሕሪ ስንባደ ዝመጽእ ጸቕጢ (PTSD) እናተመላለሱኒ’የ ክነብር ጸኒሐ፤ እዚ ድማ ብዘይተጸበኽዎ መገዲ ክብገስ ይኽእል።
ልክዕ ከምቶም ካልኦት ርዋንዳውያን ኣባላት ስድራይ ስኢነ እየ።
ኣብተን 100 መዓልታት፡ 800 ሽሕ ሰባት ብዓሌት ሁቱ ተቐቲሎም፤ መብዛሕትኦም ግዳያት ዓሌት ቱትሲ ኰይኖም፡ ተቓወምቲ ፖለቲካን ተወለድቲ ሁቱን’ውን ተቐቲሎም።
ድሕሪ እቲ ምጽናት ዓሌት (ጄኖሳይድ) መብዛሕትኦም ዓሌት ቱትሲ ዘለውዎ ሓይሊ ስልጣን ምስ ሓዘ’ውን፡ ብሕነ ምፍዳይ ኣሽሓት ሁቱ ከም ዝቐተለ ይግለጽ።
ኣብ ኪጋሊ ምስ በጻሕኹ ስምዒታተይ ክተሓዋወስ ጀሚሩ።
ኣብ ጥቓይ፡ ቋንቋ ኣደይ ኪንያርዋንዳ ክዝረብ ምስምዐይ ኣሐጒሱኒ፤ ንመወዳእታ ግዜ ኣብታ ከተማ ዝነበርኩሉ ግዜ ክዝክር እንከለኹ ግን እቲ ዝነበረ ዕግርግር፣ ህድማ ህይወቶም ከድሕኑ ዝጓየዩ ዝነበሩ ሚልዮናት ሰባት፣ ብህይወት ክጸንሑ ዝቃለሱ ዝነበሩ ሰባት ቅጅል በለኒ።
ኣብቲ ዝነበረኒ ሓጺር ጻንሒት፡ መባእታዊ ቤት ትምህርተይን ለይቲ 6 ለካቲት 1994 ምስ ኣዝማደይ ድራር ንምብላዕ ኣብ መኣዲ ዝቐረብናሉ ኣብ ኪጋሊ ዝነበረ ገዛይን በጺሐ።
ኣብታ ምሸት እቲኣ፡ ነፋሪት ፕሬዝደንት ተሃሪማ ከም ዝወደቐት ሰሚዕና፤ እዚ ብቴሌፎን ዝሰማዕናዮ ነገር ክኣ ህይወትና ካብ ንቡር ናብ ዘይንቡር ዝቐየረ ኰነ።
ገዛ ወለደይ ደልየ ክረኽቦ ብዘይምኽኣለይ ሓሪቐ፤ ኣብ ኖርወይ ናብ እትነብር ኣደይ ቴሌፎን ብምድዋል ኣንፈት ክትመርሓኒ ይላቦ።
ኣብ መወዳእታ፡ ንነብሰይ ኣብ ፊት ዕጽው ገዛ ረኺበያ፤ ኣብዚ እነሕልፎ ዝነበርና ግዜን ዕላላትን ኩሎም ቅጅል ኢሎምኒ።
እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝጅመር ኣብ ሻድሻይ መዓልቱ ዝዀነ ክፋል ኪጋሊ ውሑስ ከም ዘይኰነ ንግንዘብ።
ነቲ፡ ዝተዓጽው መገዲታት እናሰንጠቐን ጐዞሞ ካብ ዝሓዙ ሚሊሻታት እናተሓብአን ዝሃድም ዝነበረ ህዝቢ ተጸንበርናዮ።
ዳርጋ ሙሉእ ኪጋሊ - ኣሽሓት ሰባት- ብእግሪ፣ ብሞተር ሳይክል፣ መካይን . . . ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ይሃድም ነይሩ።
ኣብ ጊሰኒ ናብ ዝርከብ ትውልዲ ዓዲ ስድራቤተይ ኢና ንኸይድ ነይርና፤ እዚ ኣብ ጥቓ ዶብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ዝርከብ ሕጂ ምምሕዳር ሩባቩ ተባሂሉ ዝጽዋዕ ይርከብ።
ሕጂ፡ ናብዚ ከባቢ ክኸይድ እንከለኹ ዝሃድም ሰብ ኰነ ዝተዓጽወ መገዲ የለን፤ ተዅሲ ኣይስማዕን። ጸጥ ዝበለ፣ ሰሓይ ዝበርትዖ ጽቡእ መዓልቲ እዩ ዘሎ።
እቲ በዓል ሰለስተ መደቀሲ ገዛና፡ እቲ’ኳ ኣብቲ እዋን ንሰለስተ ኣዋርሕ ኣስታት 40 ሰባት ኣዕቚቡ ዝነበረ ገዛና፡ ካብ ሓምለ 1994 ጀሚሩ ተዓጽዩ እዩ ዘሎ።
ገለ ብህይወት ዝተረፉ ስድራቤት ክኣ ረኺበ። ሽዑ ወዲ 10 ዓመት ዝነበረ ወዲ ሓትነይ ኦገስቲን ረኺበዮ፤ ጥምጥም ኢለዮ።
ሕጂ ኣቦ ኣርባዕተ ቈልዑ ኰይኑ ኣሎ፤ ግን ነቲ ኣብ እዋን ቁልዕነትና ዝገደፍናዮ ዕላላት እናልዓልና፣ ክሳብ እቲ ናብ ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ (ሽዑ ዛየር) ድሕሪ ምስጋሩን ምፍልላይናን ዝነበረ ኩሉ እናልዓልና ተጻዊትና።
“ስድራይ ብጊሰኒ ናብ ጎማ (ኣብ ዶብ ዲኣርሲ እትርከብ ከተማ) ክሰግሩ እንከለው ኣነ በይነይ እየ ተሳጊረ” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ክንደየናይ ከቢድ ከም ዝነበረ ክግምቶ’ውን ኣይኽእልን። ህጻን ቈልዓ ካብ ስድርኡ ተፈልዩ ኣብ መዓስከር ኪቡምባ ኣትዩ። ኣነ፡ ብውሑድ ክስደድ እንከለኹ ስድራይ ነይሮምኒ።
ኣብቲ ሞባይል ዘይነበረሉ ግዜ፡ ሰባት ብወረያ ወረ ሓበሬታ ናብ ስድርኡ ክበጽሕ ገይሮም፤ ብኸምዚ ተራኺቦም ንኽልተ ዓመታት ኣብገቲ መዓስከር ጸኒሖም።
“መጀመርታ ህይወት ኣዝዩ ሕማቕ ነይሩ፤ ለበዳ ሽሮኽ ነይሩ፤ ብዙሓት ይሓሙ፣ ኣሽሓት ድማ ብሰንኪ ጉድለት ጽርየት ብዝመጽኡ ሕማማትን ሕጽረት መግብን ይሓሙን ይሞቱን ነይሮም” ይብለኒ።
ኣብ ጎማ ስደተኛ ኰይነ ዝጸናሕኩለን ሒደት መዓልታት ኣዘኪሩኒ። ኣስክሬን ፎቖድኡ እዩ ዝድርበ ዝነበረ።
ኣብ ሩዋንዳ ግን ጓል 13 ዓመት ካለውዴት ሙካሩማንዚ፡ ንብርክት ዝበሉ መዓልታት ሲኣለዊ ህይወት ተሕልፍ ነይራ።
ብህይወት ምትራፋ ተኣምር እዩ። ሕጂ ጓል ደቂ ደቃ ዝርኣየት ጓል 43 ዓመት እያ።
ሓደ ካብቶም ኣብ ልዕሊኣ ዝተፈጸሙ መጥቃዕቲታት ኣብ ደቡብ ምብራቕ ርዋንዳ ኣብ እትርከብ ከተማ ንያማታ እዩ ተፈጺሙ።
ኣብቲ ኣማኢት ዕቑባ ክረኽቡ ዝተጸለልሉ ካቶሊኻዊት ቤተክርስቲያን፡ ሰባት ተቐቲሎም፤ ብጐዞሞ ተጨፍጪፎም።
“ክሃርመኒ እንከሎ ኣብ ውሽጢ ቤተክርስቲያን ነይሩ፤ እናሓረደኒ ይዝምር ነይሩ። ኣብ ገጸይ ሓሪዱኒ፤ ደም ኣብ ገጸይ ክውሕዝ እንከሎ ይፍለጠኒ። ብኸብደይ ኣብ መሬት ክድቅስ ኣዚዙኒ። ብጭማራ ክኣ ሕቘይ ወጊኡኒ። በሰላኡ ሕጂ’ውን ኣሎ” ኢላትኒ።
“በቲ ጭማራ ብሓይሊ ስለ ዝወግኣኒ ኣብኡ ገዲፉኒ ከይዱ”።
እቲ ኣብ ሕቘኣ ዝተሰኵዐ ጭማራ ምስ ኣውጽአት፡ ክዕቈበሉ’የ ናብ ዝበቶ ገዛ ጎረባይ ከይዳ።

ኣብቲ ገዛ፡ ኣብቲ እዋን፡ ወዲ 26 ዓመት ፖሊስ ምስ ዝነበረ ጂን ክላውድ ንታምባራ ገጽ ንገጽ ተራኺባ።
“ኣብ ገዛ እቲ ‘ኢንየንዚ’ ኣብዚ ተሓቢኦም ኣለው ዝበለና ሰብ እያ ተሓቢኣ ነይራ። ብኸቢድ ቈሲላን ብደም ጠልቂያን ኣብ ዓራት ከፍ ኢላ ረኺበያ። ክትመውት ኣብ መንኮባ ብጥይት ሃሪመያ። ዋላ ሓደ ሰብ ከይተርፍ መምርሒ ተዋሂቡና ነይሩ፤ ቀቲለያ ኢለ’የ ሓሲበ ነይረ” ይብል።
‘ኢንየንዚ’፡ ኣኽረርቲ ሁቱ ዓሌት ቱትሲ ንምጥቃዕ ብሚዲያን ካልእን ዝጥቀምሉ ዝነበረ ቃል ኰይኑ ድዱዓት ማለት’ዩ።
ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ግን፡ ሕጂ’ውን ካብቲ ገዛ ወጺኣ። ዕድል ገይራ ኣብ ኢድ ቁስላ ዝሕክመላ ሰብ ወዲቓ።
ንዝሓለፉ ዓመታት፡ እቶም ኣብ ልዕሊኣ መጥቃዕቲ ዘውረዱ ሰባት ኣብ ጐደናታት ምርኣይ ግን ኣዝዩ ከቢድ ነበረ።
ዝርአን ዘይርአን ቁስሊ ሒዝካ፡ ከመይ ኢልካ ትነብር?
ሙካሩማናዚን ናታምባራን ግን ክኢለሞ፤ ይቕረ ኢላቶ።
ክልቲኦም፡ ኣብ እግሪ ዳዕሮ ኰይኖም ክስሕቁ ምርኣይ ኣግሪሙለይ፤ እቲ ሰሓቘም ግን ኣብዚ ምብጻሕ ክንደየናይ ከቢድ ከም ዝነበረ ዝሓብእ ኣይኰነን።
ኣብ እዋን እቲ ጄኖሳይድ ክንደይ ዝኣክል ሰብ ቀቲልካ ትኸውን ኢለ ሓቲተዮ።
ርእሱ ጥራይ ነቕኒቑ።
ድሕሪ እቲ ጄኖሳይድ፡ ተኸሲሱ ማእሰርቲ ልዕሊ 10 ዓመታት ተፈሪዱ’ዩ።
ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣብ ክንዲ ምሕላፍ ድማ፡ ይቕሬታ ንምሕታት ሰባት ክጥሓሱን ፍቓደኛታት ክዀኑን ኣብ ዝጉስጉስ ወለንታዊ ኣገልግሎት ኣሕሊፉዎ።
ንሙካሩማናዚ ረኺቡዋ፤ ሽውዓተ ግዜ ምሓተታ ይቕረ ክትብሎ ፈቒዳ።

“ንናይ ገዛእ ርእሰይ ተግባራት ክገጥሞም ነይሩኒ፤ ሰንኪ እቲ ዝተዋህበና ትእዛዝ ጥራይ ዘይኰነ ንዝነበረኒ ተራ ሓላፍነት ክወስደሉ ነይሩኒ” ኢሉ።
ክሊኒካዊ ስነ-ኣእምሮ ኣሌክሳንደርስ ሎርዶስ፡ ውልቃዊ ሕውየት ንምጅማር ሓባራዊ ሕውየት ከም ዘድሊ ይዛረብ።
“እቲ ዓመጽ ኣዝዩ ቅርበት ዝነበሮ’ዩ፤ ጎረባብቲ ንጎረባብቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙሉ፡ ኣባላት ስድራቤት ድማ ንኣባላት ስድራ ዘጥቅዑሉ እዩ። ስለዚ ካብዚ ንላዕሊ ንመን ክትኣምን ከም እትኽእል ናይ ዘይምፍላጥ ስምዒት ኣሎ። እቲ ናይ መወዳእታ ደረጃ ሕውየት፡ መንነት ናይቲ ውጻእ መዓትን ገበነኛን ምርሳዕ ምጅማር'ዩ” ይብል።
ሙካሩማንዚ፡ ዝያዳ ንስድራቤታ ኣብ ግምት ከም ዘእተወት ትዛረብ።
“ይቕረ ከይበልኩዎ እንተሞይተ፡ እቲ ሸኸም ኣብ ልዕሊ ደቀይ’ዩ ክወርድ ኢለ ሓሲበ። እንተሞይተ እሞ እቲ ጽልኢ እንተቐጺሉ፡ እታ ንደቀይ ዝደልያ ርዋንዳ ኣይክንሃንጻን። እዚ ናብ ደቀይ ከሕልፍ ኣይደልን” ኢላ።
ብዙሓት ናይ ዕርቂ ተበግሶታት ተግባራዊ ኰይኖም’ዮም። እቲ ሓደ፡ ብክርስቲያን ዝምራሕ ፕሮጀክት ኰይኑ፡ ገበነኛታትን ግዳያትን በቲ ኣብ ማሕበረሰብ ርዋንዳ ልዑል ቦታ ዘለወን ጥሪት ከብቲ ክተሓዋወሱ ምግባር እዩ።
እዚኦም ብሓባር ጥሪቶም ክጓስዩ እንከለው፡ ብዛዕባ ዕርቅን ይቕረታን ክዘራረቡ እንከለውን፡ ብሓባር ዝሓሸ መጻኢ ክሃንጹ ይኽእሉ።
ርዋንዳ፡ እቲ ብዓሌታት ዝተኸፋፈለ ሓድነት ናብ ንቡር ንምምላስ ብዙሕ ሰጒማ’ያ፤ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዓሌት ምዝራብ ዘይሕጋዊ’ዩ።
እቲ ኣብ ሕሉፍ ዝተፈጸመ ንምድቃስ፡ ገና ዝተርፍ ነገራት ኣሎ’ዩ፤ ግን ክኣ ትስጉም ኣላ እያ።
ርዋንዳውያን፡ ኣብዚ ደረጃ ዕርቂ ንምብጻሕ 30 ዓመታት ወሲዱሎም፤ ኣነ ናብ ዓደይ ክምለስ፣ ሙካሩማንዚን ናታምባራን ዳግም ብሓባር ክነብሩ ክኽእሉ፣ ብዛዕባ ውልቃውን ሓበራውን በሰላታትና ብሓባርን ብውልቀን እንሓውየሉ ቦታ ንምርካብ’ውን ከምኡ።
ግን፡ ርዋንዳ ዋላ’ውን ኣብ ልበይ ፍንጫል ቦታ እንተሃለዋ ገዛይ ኰይና ግን ኣይትስምዓንን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







