ኣብ ትሕቲ ጽላል ሓድነት ኣብ ብሪጣንያ ዝተኻየደ ፈስቲቫል 'ቢሊና ሻማ' ከመይ ነበረ?

ጽንብል ብሊና-ሻማ

ምንጪ ስእሊ, Blina Shama UK

ጸሓይ ከተማ ሊድስ መዓልታዊ ውዕሎኣ ዛዚማ ከተዕርፍ እንከላ ኣብ ሓደ ሰፊሕ ኣዳራሽ ግን ካልእ ብርሃን ይደምቕ ነይሩ።

ድምጺ ናይታ ካብ ጓይላ ብሄረ ብሊን ዘይትፍለ 'ፋም-ፋም' (ሃርሞኒካ) ኣብቲ ኣደራሽ የቃልሕ፤ እቶም ብባህላዊ ስልማት 'ሳርዳት'ን 'ተላል'ን ዝተዓጀቡ ነጋድያን ነቲ ምትእኽኻብ ፍሉይ ድምቀት ሂቦሞ ነይሮም።

ብሓጺሩ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ 'ፈስቲቫል ቢሊና ሻማ'፣ ካብ ተራ ድግስን ምዝንጋዕን ንላዕሊ፡ ነቲ ኣብ ማእከል ኤርትራዊ ዲያስፖራ ንዝረአ ፖለቲካዊ መርገጽታት ዝፈጠሮ ምፍልላይ ኣብ ምፍዋስ ተራ ክህልዎ ዝኽእል ኣጋጣሚ ተባሂሉ ይግለጽ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ታሪኽ ኤርትራውያን ስደትን ምብትታንን እዩ ተዓብሊሉ ጸኒሑ።

ብሰንኪ ኣብታ ሃገር ዘሎ ማሕበረ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላውን፡ ኣማኢት ኣሽሓት መንእሰያት ካብታ ዝፈትውዋ ሃገሮም ተሰዲዶም እዮም። እቲ ዋሕዚ ስደት ከኣ ንብዙሓት ዓድታት ኤርትራ ኣብ ጽምዋ፣ ንስድራቤታት ድማ ኣብ ናፍቖት ኣውዲቑ እዩ።

ፌስቲቫል 'ቢሊና ሻማ'

እቲ ስደት ዘስዓቦ በሰላ ግን ኣብቲ ጂኦግራፍያዊ ርሕቐት ጥራይ ዝውሰን ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ግን እቲ ኣብ ስነ-ኣእምሮኣዊን ማሕበራውን ሃጓፍ ዝርአ በሰላ እዩ።

ካብቲ ዝዓበኻሉ ባህሊ፡ ካብቲ ናይ ሓባር መኣዲ፡ ካብቲ ናይ ቀዳመ ሰናብቲ ናይ ቡንን ሻህን መኣዲ ዕላል፡ ካብቲ ናይ መርዓን ንግደትን ጓይላ ተነጺልካ ኣብ ዓዲ ጓና ምንባር ናይ ገዛእ ርእሱ ጸቕጢ ኣለዎ።

ኣብ ርእሲኡ፡ እቲ ኣብ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ዲያስፖራ ዘሎ ፖለቲካዊ ፍልልያት ከም ኣብ ቍስሊ ጨው ምንስሳን ኣቐንዛዊ እዩ።

እቲ ኣብ መንጎ ደገፍትን ተቓወምትን መንግስትን ክረአ ዝጸንሐ ጎንጺ፡ ንማሕበራዊ ምትእኽኻባት ኣልሚሱዎ እዩ ጸኒሑ።

እቶም ብኣጻምእ ሰሃራ ሓቢሮም ዝተሰዱ መጓዕዝቲ ከይተረፉ፡ ኣብ ኣፍደገ በዓላት ዳሰትን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያን ክጋጨው ምርኣይ ልቢ ዝሰብር እዩ።

እቲ ጽቡቕ ነገር ግን ኣብ ቀብሪ ይዅን መርዓ ብሓባር ይሓዝኑን ይሕጐሱን።

እዚ ድማ ነቲ ብስደት ዝተፈጥረ ፖለቲካ ዘንቀሎ ተነጽሎ ቅሩብ የህድኦ።

እቲ ኣብ ወጻኢ ዝተወልደ ወለዶ ድማ ኣብ መንጎ ክልተ ዓለማት ተሸኺሉ፣ ንባህልን ቋንቋን ወለዱ ንምዕቃብ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ፡ በዚ ናይ ዓበይቲ ፍልልይ ይዕንቀፍ።

ጽላል ሓድነት፦ 'ቢሊና ሻማ'

ፌስቲቫል 'ቢሊና ሻማ'

ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ሃዋህው ኣብ ከተማ ሊድስ ዝተገብረ ምትእኽኻብ ድማ ሓደ ተስፋ ዝህብ ኣጋጣሚ ምዃኑ ብዙሓት ካብ ተሳተፍቲ ይገልጹ።

'ፌስቲቫል ቢሊና ሻማ'፡ ነዚ ሓጹር ብምፍራስ ነቶም ዝተፈላለየ ፖለቲካዊ ኣረኣእያ ዘለዎም፡ "ደገፍቲ መንግስቲ" ይኹኑ "ተቓወምቲ"፣ ኣመንቲ ክርስትና ይዅኑ እስልምና፣ ኣብ ሓደ መድረኽ ሓቢሮም ክበልዑን ክስዕስዑን ምርኣይ፡ እቲ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ዘሎ ናይ ፖለቲካ ምትፍናን ዕድመ ክህልዎ ከምዘይክእል ተስፋ ዝህብ ምዃኑ፡ ወደብቲ ናይቲ ፈስቲቫል ይገልጹ።

ሓደ ካብ ኣዳለውቲ እቲ ጽምብል፡ ዓብደልቓድር ዓብደላ፡ "ኣብዚ ፈስቲቫል ተጋቢእና ዘለና ኣስላምና ክርስትያንና፡ በዛ 'ቢሊና ሻማ' ጌርና ከም ሓደ ሕብረተሰብ ዕላማና ክንወቅዕ ኢና ብምትእኽኻብ ሓጎስና ወሰን የብሉን!" ክብል ነቲ ኵነታት ገሊጽዎ።

እዚ ናይ ሓባር ድግስ፡ ብ26 ሓምለ ቅድሚ ቀትሪ ብስፖርታዊ ንጥፈታት እዩ ተጀሚሩ።

ኣብ ሓደ ልሙዕ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ፡ ብዕድመኦም ዝተወደቡ ጋንታታት - ካብ ህጻናት ክሳብ ዓበይቲ - ተራኺቦም።

ኣብቲ ኣጋጣሚ ገሊኦም ካብ ኤርትራ ዝመጹ መንእሰያት ስደተኛታት ምስቶም ኣብ ደገ ዝተወልዱ መዛንኦም ክጻወቱ ምርኣይ ባህታ ዝህብ ነይሩ።

"እቲ ቀንዲ፡ ዕላማ ኵዕሶ እግሪ ዘይኮነስ፡ ነቲ ሕውነትን ሓድሕዳዊ ፍቕርን ንምምዕባልን እዩ" ይብል ኣሮን ሃብተስላሰ፣ ሓደ ካብቶም ንስፖርታዊ ንጥፈታት ዘወሃህዱ።

ቢሊና ሻማ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ቀንዲ ዕላማ እቲ ፈስቲቫል፡ ኣብ ወጻኢ ዝተወልዱ ህጻናት ምስ ቋንቋኦምን ባህሎምን ክላለዩን ነዚ ውርሻ እዚ ናብ ዝቕጽል ወለዶ ከሰጋግሩን እዩ።

ምስ ምሉእ ስድራ ቤቱ ካብ ማንቸስተር ዝመጽአ ፓስተር ፍጹም ክፍሎም እቲ ቀንዲ ናብኡ ዘምጽኦ ጉዳይ ኤርትራዊ ባህላዊ ክብርታት ንምዕቃብን ያታን ልምድን ብሄረ ብሊን ንምምሕላፍ ምዃኑ ይገልጽ።

ኣብቲ ምትእኽኻብ፡ ክልተ 10 ዓመት ዘይመልኡ ህጻናት ደቁ፡ ብበትሪ ዝወቀበ ምሉእ ባህላዊ ልብሲ ተኸዲኖም፣ "ላዅ፣ ሌጛ፡ ሴዃ፣ ሰጃ...." ክብሉ ብቋንቋ ብሊን ክቖጽሩ ምስማዕ እቲ ዝተተኽለ ተኽሊ ሱር ይሰድድ ከምዘሎ ዘበስር እዩ፡ ይብሉ ወለዲ።

እቲ ድምጺ ናይ ሓደ ኣብ ስደት ኰይኑ ባህሉ ክዕቅብ ዝቃለስ ዘሎ ሕብረተሰብ እዩ።

ምድሪ ምስ መሰየ እቲ ድግስ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ ዓረገ። እቲ ወናም ድምጻዊ ቋንቋ ብሊን፡ ሃብታት ዘርእዝጊ በቲ ፍሉጥ መሳጢ ዜማታቱ ንተሳተፍቲ ኣዘናጊዑዎም።

ኣብቲ መድረኽ ዝነበረት ብ'ሕጋግ' ዝተሰለመት ባህላዊት ኣጕዶ/ትኵል/ (ገዛ ብሊን) ድማ፣ ንገሊኦም ኣብ ወስበንሱሪኽ፡ ጀንገሬን፡ ኣሸራ ወይ ሽናራ ዘለዉ ኰይኑ ከምዝስመዐም ጌራቶም።

ኣብ ማእከል ጓይላ፡ ወዶም ጓሎም፡ ኣወዳት ዘዘውትርዎ ዘመናዊ ፋሽን 'ኣፍሮ' ምስቲ ባህላዊ ዓቢ ጐተና ተመሳሲሉሎም፣ በትሮም ዓቲሮም ክዘሉን ሰቐጥቀጥ ክብሉን፣ ንሓንቲ ለይቲ እውን ትዅን እቲ ስደት ዘምጽኦ ናፍቖት ዘረስዕ'ዩ ነይሩ።

እቲ ጓይላ፡ ናይ ሓጎስ ጥራይ ዘይኮነስ ንባህላዊ ትንሳኤ ብሄረ ብሌን ዘጕልሕ እውን እዩ።

በቲ 'ግረጥ፡ ሻላት፡ ተላል' ተባሂሉ ዝፍለጥ ስልማትን ዝተፈላለየ ድሙቕ ሕብርታት ዘለዎ ኣልባሳትን ዝወቀባ ደቂኣንስትዮ ብሊን ዓዲ-እንግሊዝ'ውን ነቲ ጽንብል ኮሊዐንዮ ኣምስየን።

ከምቲ ልሙድ ባህሊ ብሊን ድማ ኣብ ማእከል ዕሙር ጓይላ ነቲ ንድግስ ተባሂሉ ብወሓለታት ዝሰርሐ ሸሊለን የማን-ጸጋም ዘው እናበላ፡ ቀልቢ ተሳተፍቲ ናብ ሃገሮምን ዓድታቶምን መሊሰንኦ።

ኣብቲ ጽምብል ዝተሳተፉ ኣባላት ባይቶ ምምሕዳር ከተማ ሊድስ እውን ነቲ ፌስቲቫል ኣድናቘቶም ገሊጾም። ከንቲባ እታ ከተማ ነበር ኣስጋር ካሃን፡ "ሎሚ ምሸት ምስዞም ኤርትራውያን ማሕበረሰብ ክንጽንብል ብምምጻእና ኣዚና ንሕበን" ክብል ኣድናቖቱ ገሊጹ።

"ባህሎም ዝረስዑ ሕብረተሰባት በሪሶም'ዮም፣ ስለዚ ነዞም ናእሽቱ ባህልና ከነውርሶም ኣለና" ብምባል ንኣገዳስነት እቲ ምትእኽካብ ኣስሚርሉ።

ካልእ ኣባል ባይቶ ምምሕዳር ዝዀነት ንከለ ማናካ ብወገና፡ "እቲ ሙዚቃ፡ ባህሊ፡ ሳዕስዒትን መግቢን ዘገርም'ዩ ነይሩ" ብምባል፡ "ባህሊ ኤርትራ ኣብ ብሪጣንያ ክደምቕ ምርኣይ ዘሕጕስ'ዩ" ኢላ።

ፍልስፍና 'ቢሊና ሻማ'

ፌስቲቫል 'ቢሊና ሻማ'

'ቢሊና ሻማ' ብቋንቋ ብሊን 'ጽላል ብሊን' ማለት እዩ።

እዚ ማሕበር'ዚ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብመንግስቲ ብሪጣንያ ኣፍልጦ ዝረኸበ ኰይኑ፡ ቀንዲ ዕላማኡ ባህልን ቋንቋን ብሄረ ብሊን ምዕቃብን ምምዕባልን እዩ።

እቲ ጽላል፡ ፖለቲካዊ ጸግዕን ሃይማኖታዊ ፍልልይን ዘይብሉ ንዅሉ ዘጠቓልል ምዃኑ እቶም ኣዳለውቲ ይገልጹ።

"ሕብረተሰብ ተወሃሂዱ እንተሰሪሑ ጥራይ እዩ ሽግሩ ክፈትሕ ዝኽእል" ይብል ዶ/ር ህያብ ዮውሃንስ፣ ሓደ ካብ መስረትቲ እቲ ማሕበር።

"ናይ ነዊሕ ጠመተና፡ ማእከል ባህሊ ምምስራት ከምኡ'ውን ቋንቋ ብዲጂታል ሰኒድና ክንምህር እዩ ዕላማና" ብምባል ናይ ትምህርቲ ፕሮጀክትታት ከምዘለውዎም ገሊጹ።

ኣብርሄ ዘምክኤል'ውን ብወገኑ፡ ''ብሊና ሻማ ነቶም ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዘለና ብኸመይ ብሓንሳብ ኢድ ንኢድ ተታሓሒዝና ኣብ ትሕቲ ሓደ ጽላል ባህልናን ቋንቋናን ኣብ ምዕቃብ ዝሕግዝ'ዩ" ይብል።

ኣብ ማሕበረሰብ ብሊን "ሰርገል ገቢለትድ/ዳበርና" ዝብል (ምዕባለ ሓፋሽ) ዝትርጎም ፍልስፍና ይተኣሳሰር እዩ።

እዚ ማለት፡ ምዕባለ ሓደ ሕብረተሰብ ኣብ ሓባራዊ ገስጋስ ዝተመርኰሰ ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

እዚ ኣብ ሊድስ ዝተራእየ ናይ ሓድነት መንፈስ፡ ብኻልኦት ማሕበረሰባት'ውን ይድገም ኣሎ።

ድሮ'ኳ ኣብ ስዊዘርላንድ ተመሳሳሊ ፈስቲቫል ናይ ብሄረ ትግረ ከምዝተኻየደ ሓበሬታ ኣሎ።

ኣብ ዓዲ ኢንግሊዝ ድማ እቲ ዝቕጽል ፈስቲቫል ቢሊና-ሻማ ኣብ ከተማ ማንቸስተር ከምዝካየድ ተፈሊጡ'ሎ።

እዚ ከኣ ነቲ "ሰርገል ገባይለትድ" ዝብል ናይ ብሊን ፍልስፍና፡ ብግብሪ ይትርጎም ምህላዉ ዘመልክት ምዃኑ ካብቶም ወደብቲ ይገልጹ።