'ዱስልዮን'፡ ሩስያ ንትካል ጉግል ዝቐጽዖ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ መጠን ገንዘብ

ኣርማ ጉግል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቤት ትምህርቲ ይዅን ንግዲ ዝጸሓፍኩሞ ወይ ዘንበብኩምዎ ዝለዓለ ቍጽሪ እንታይ'ዩ? ሚልዮን? ሚልዮን? ትሪልዮን? ወይ ኳድሪልዮን?

ናይ ቍጽሪ (ሕሳብ) መምህራንና ዝፈልጥዎ እንተ ነይሮም'ውን ግብራዊ ኣብ ዘይኰነ ኣሃዝ ግዚኦም ንዘይምጥፋእ ካብ ትሪልዮን ተመሊሶም ክዀኑ ይኽእሉ'ዮም . . . ኣብ ጐደና ዝኽሪ ንድሕሪት ክንመልሰኩም ኢልና ዘይኰንናስ፡ ተሰሚዑ ዘይፈልጥ ዜና ብምዃኑ'ዩ. . .መንግስታዊ ቍምነገር'ዩ. . .።

ትካል ጉግል 20,000,000,000,000,000,000,000,000,000,000,000 ዶላር ክኸፍል ብሩስያ መቕጻዕቲ ተወሲንሉ ኣሎ።

ጽሒፍኩሞ፡ ርኢኹሞ ወይ ሰሚዕኩሞ ዘይክትኰኑ ትኽእሉ፡ ግን እቲ ኣሃዝ ‘ክልተ ዱሲልዮን ወይ 110 ትሪልዮን እዩ።

እቲ ሓደ ካብ ዝሃብተሙ ኩባንያታት ዓለም ዝዀኑ ጉግል ኣስታት ክልተ ትሪልዮን ዶላር ጥራይ'ዩ ዝግመት።

እቲ ውሳነ፡ እቲ ትካል ንማዕከናት ዜና ሩስያ ካብ ዩቱብ ብምእጋዱ ዝተወስደ’ዩ።

ቢቢሲ ዝተወከሶ ጉግል ዛጊት ብዛዕባ’ቲ ውሳነ ብወግዒ ርእይቶ ኣይሃበን።

ኣገልግሎት ዜና ሩስያ፡ ታስ፡ ከምዝበሎ፡ መጠን ናይቲ ገንዘብ ክሳብ ክንድኡ ክበጽሕ ዝኸኣለ ብቐጻሊ ይውስኽ ብምህላዉ'ዩ።

ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ዝተሓተተ ኣፈኛ ክረምሊን ዲሚትሪ ፐስኮቭ ነቲ ኣሃዝ ከድምጾ’ውን ከምዘይክኣለ ተኣሚኑ።

ተሰሚዑ ዘይፈልጥ መቕጻዕቲ

ማዕከናት ዜና ሩስያ ከምዝጸብጸብኦ፡ እቲ ንጉግል ተሰሊዑ ዘሎ መቕጻዕቲ ምስ ምእጋድ 17 መደበራት ተለቪዢን ሩስያ ኣብ ዩቱብ ዝተሓሓዝ እዩ።

እቲ ኣብ 2020 ዝፈለመ ጉዳይ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኲናት ብምእዋጃ'ውን ተጋዲዱ'ዩ።

ዝበዝሓያ ትካላት ምዕራብ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝወሓዘ እገዳታት ካብታ ሃገር ክወጻ ተገዲደን እየን።

ማዕከናት ዜና ሩስያ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ከይሰርሓ ምእጋደን'ውን፡ ሞስኮ ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክትወስድ ተገዲዳ'ያ።

ኣብ 2022፡ መሻርኽቲ ጉግል ብምዃን ኣብ ሩስያ ኣብ ከም ምውዕዋዕ ዝበሉ ንጥፈታት ዝተዋፈረ ትካል ምሉእ ብምሉእ ኣብ ክሳራ ከምዝኣተወ ኣዊጁ ነይሩ።

እንተዀነ ካልእ ፍርያት ጉግል ኣብታ ሃገር ከምዘይተኣገደ ይግለጽ።

ኣብ መንጐ እቲ ኣመሪካዊ ትካልን ሩስያን ንነዊሕ ዝቐጸለ ምስሕሓብ ጸኒሑ'ዩ።

ኣብ 2021፡ 'ሮስኮምናድዞር' ዝተባህለ በዓልመዚ ምቍጽጻር ትካላት ሚድያ፡ ጉግል ን'ኣር-ቲ፡ ስፑትኒክ ዝርከብዎም መንግስታውያን ማዕከናት ዜና ካብ ዩቱብ ምእጋዱ ነቒፉ ነይሩ።

"ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ተቓውሞ" ደጊፉ ዝብል ክሲ'ውን ቀሪብሉ ነይሩ።

ናጽነት ፕረስ ኣብ ሩስያ ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ከምዘየሎን፡ ናጻ ማዕከናት ዜና ዝተፈላለየ እገዳታት ከምዝግበረለንን ይፍለጥ።