ታህዋጽ በረራ እንታይ'ዩ? ስለምንታይከ የጋጥም?

ነፋሪት
መግለጺ ስእሊ, ነፋሪት

ኣብዚ ሰሙን፡ ካብ ለንደን ናብ ሲንጋፖር ኣብ ዝነበረ በረራ ብዘጋጠመ ከቢድ ታህዋጽ ሓደ ሰብ ክመውት እንከሎ፡ ካልኦት ብዙሓት ቈሲሎም።

እታ ነፋሪት፡ ድሕሪ ዘጋጠማ ሃንደበታዊ ታህዋጽ፡ ኣብ ውሽጣ ዝነበሩ ተሳፈርትን ኣቑሑን ምግልታዕ ኣጋጢሙዎም።

ብሰንኩ፡ እታ ነፋሪት ኣብ ታይላንድ ክትዓልብ ተገዲዳ።

ንምዃኑ፡ ታህዋጽ በረራ እንታይ'ዩ? ስለ ምንታይከ የጋጥም?

ብተደጋጋሚ ጕዕዞ ነፋሪት ንዝገብሩ ሰባት፡ ነፋሪት ታህዋጽ ከጋጥማ እንከሎ ዝስምዖም ሃንደበታዊ ምንቅጥቃጥ ኣይጠፍኦምን'ዩ።

እዚ፡ ነታ ነፋሪት ከንቀሳቕሳን ኣብ ቍመታ ሃንደበታዊ ለውጢ ከስዕብን ይኽእል።

መብዛሕትኡ ዕግርግር ዝብል ታህዋጽ ላዕልን ታሕትን ዝብል ንፋስ ዘለዎ ጽዑቕ ደበና ክህሉ እንከሎ ዘጋጥም ምዃኑ፡ ተንታኒ ኵነታት ኣየር ቢቢሲ ኦፊሰር ሓይሊ ኣየር ሮያል ነበር ሳይሞን ኪንግ ይዛረብ።

መብዛሕትኡ እዚ ማእከላይ'ዩ።

ዓበይቲ ደበናታት ክህልው እንከለው ግን - ነጐዳ ዘለዎም ጽዑቕ ደመና- እቲ ታህዋጽ ዝመልኦ ምንቅስቓስ ኣየር ማእከላይ ወይ ኣዝዩ ከቢድ ታህዋጽ ከስዕብ ይኽእል።

ካልእ፡ "ንጹር ኣየር" ዝተባህለ ዓይነት ታህዋጽ ኣየር ኣሎ።

እዚ ከምቲ ስሙ ዝሕብሮ ደበና ዘይብሉን ክርአ ዘይክእልን’ዩ።

እዚ ንምፍላጡ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ስለ ዝዀነ ዝያዳ ጸገም ኣለዎ።

ከምዚ ዓይነት ታህዋጽ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ብተለምዶ ኣብ 40 ሽሕ ክሳብ 60 ሽሕ ጫማ ዝርከብ ቅልጡፍ ጕዕዞ ነፋሪት ከም ዘጋጥም ምሁር ኣቪየሽንን ኣብራርን ጋይ ግራተን ይዛረብ።

ኣብ መንጐ እቲ ኣብ 'ጀት ስትሪም' ዘሎ ኣየርን ኣብ ከባቢኡ ዘሎ ኣየርን ብቐሊሉ ናይ 100 ሜትሮ ኣብ ሰዓት ናይ ፍጥነት ፍልልይ ክህልወካ ከም ዝኽእል ይዛረብ።

ኣብ ዙርያ እቲ ጀት ስትሪም ኣብ መንጐ እቲ ዝሓሰረን ዝቐልጠፈን ኣየር ዝፍጠር ፍሕፍሕ ክኣ ታህዋጽ የስዕብ። እዚ ወትሩ ዘጋጥም ኰይኑ፡ ከተወግዶ ዝክኣል ኣይኰነን።

ንኣብነት ካብ ኣውሮጳ ናብ ሰሜን ኣመሪካ ትበርር እንተሃሊኻ፡ ነዚ ምሉእ ብምሉእ ክትከላኸለሉ ኣጸጋሚ እዩ ይብል ግራተን።

እዚ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ከቢድ ታህዋጽ ከስዕብ ከም ዝኽእል ይዛረብ።