እንከይተምሃራ ባንኪ ዝወነና ሓቦኛታት ደቂ ኣንስትዮ

እንከይተምሃራ ባንኪ ዝወነና ሓቦኛታት ደቂ ኣንስትዮ

ቅድሚ 25 ዓመት ባንክ ማን ደሺ ንምጥያሽ ዝበቕዓ ህንዳውያን ደቂ ኣንስትዮ፡ ትካለን 'ናይ ደቂ ኣንስትዮ ንደቂ ኣንስትዮ' ዝብል ዕላማ ሒዙ ዝተበገሰን ንብኣማኢት ኣሽሓት ህንዳውያን ደቂ ኣንስትዮ ጸገማት ፋይናንስ ዝፈትሐ ምዃኑን ይግለጽ። ኣብቲ ፈለማ ግን ማእከላይ ባንክ እታ ሃገር “ስለዘይተምሃርክን ፍቓድ ስራሕ ኣይንህበክንን” ኢሉ ከልኪልወን ከምዝነበረ እተን መስረትቲ ተዛሪበን።