ቅትለት ጆን ኤፍ ኬነዲ ዝምልከቱ ኣሽሓት ፋይላት ተዘርጊሖም

ጆን ኤፍ ኬነዲ ኣብ 1963 ናብ ዳላስ ቴክሳስ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ብስናይፐር ብጥይት ተቐቲሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ጆን ኤፍ ኬነዲ ኣብ 1963 ናብ ዳላስ ቴክሳስ ኣብ ዝገበሮ ዑደት ብስናይፐር ብጥይት ተቐቲሉ

ዋይት ሃውስ ብዛዕባ ቅትለት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆን ኤፍ ኬነዲ ዝምልከቱ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰነዳት ንመጀመርታ ግዜ ምሉእ ብምሉእ ዕላዊ ክዀኑ ኣዚዙ።

ኣስታት 13,173 ፋይላት ብኢንተርነት ድሕሪ ምዝርጋሖም፡ ዋይት ሃውስ ልዕሊ 97 ሚእታዊ ካብቲ እኽብካብ መዛግብቲ ወጺኦም ሕጂ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝዀኑ ገሊጹ።

ካብቶም ሰነዳት ዝዀነ ዓቢ ዝቃላዕ ሚስጥር ክህሉ ትጽቢት እንተዘይሃለወ’ኳ፡ ተመራመርቲ ታሪኽ ግን ብዛዕባ እቲ ቅትለት ዝያዳ ክፈልጡ ተስፋ ይገብሩ።

ኬነዲ ብ22 ሕዳር 1963 ኣብ ዳላስ ቴክሳስ ኣብ ዝገበሮ ዑደት እዩ ብጥይት ተቐቲሉ።

ኣብ 1992 ዝወጸ ሕጊ፡ መንግስቲ ኵሉ ሰነዳት ናይቲ ቅትለት ክሳብ ጥቅምቲ 2017 ዕላዊ ክገብር ይጠልብ ነይሩ።

ትማሊ ሓሙስ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ነቲ ዕላዊ ክኸውን ፍቓድ ዝህብ ፈጻሚ ትእዛዝ ኣውጺኡ።

እንተዀነ ገለ ፋይላት፡ "ክልለዩ ዝኽእሉ ጉድኣት" ከይፍጠሩ ንምክልኻል ክሳብ ሰነ 2023 ናብ ህዝቢ ከምዘይቀርቡ እቲ ፕረዚደንት ሓቢሩ።

ሃገራዊ ማህደር ኣሜሪካ፡ 515 ሰነዳት ምሉእ ብምሉእ ተዓቂቦም ከምዝጸንሑን ካልኦት 2,545 ሰነዳት ድማ ብኸፊል ዕላዊ ከምዝግበሩን ገሊጹ።

ኣብ 1964 ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ኮሚሽን ዋረን ብዝብል ዝጽዋዕ መርመራ፡ ኬነዲ ብሊ ሃርቪ ኦስዋልድ ዝተባህለ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሕብረት ሶቭየት ዝነብር ዝነበረ ኣሜሪካዊ ዜጋ ከምዝተቐትለን፣ እቲ ቀታሊ በይኑ ዝፈጸሞ ከምዝዀነን ረኺቡ እዩ። ሊሃርቪ ኦስዋልድ ንኽልተ መዓልቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምጽንሑ ኣብ ትሕቲ መሬት ዋና ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ዳላስ ተቐቲሉ።

ሞት ጄኤፍኬ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝቐጸለ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባት ፈጢሩ'ኳ እንተነበረ፡ ብሓሙስ ግን ሲኣይኤ፡ እቲ ትካል ስለያ ኣሜሪካ ንኦስዋልድ "ኣዋፊሩ" ከምዘይፈልጥን ብዛዕባኡ ዝምልከት ሓበሬታ ድማ ካብ መርመርቲ ኣሜሪካ ከምዘይሓብአን ገሊጹ።

ንነዊሕ እዋን ምሁራት ጄኤፍኬን ክልሰ-ሓሳባውያንን፡ እቶም ሕጂ ዝወጹ ሰነዳት፡ ኦስዋልድ ኣብ ጥቅምቲ 1963 ምስ ሓደ መኮነን ሶቭየት ኬጂቢ ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ኣብ ዝተራኸበሉ እዋን ዝነበሮ ንጥፈታት ዝምልከት ዝያዳ ሓበሬታ ከቃልዑ ተስፋ ገይሮም ኣለዉ።

ሲኣይኤ ኣብ መግለጺኡ፡ እቲ ትካል ምስቲ ኦስዋልድ ናብ ከተማ ሜክሲኮ ዝገበሮ ጕዕዞ ዝተኣሳሰር ኵሉ ሓበሬታ ቅድሚ ሕጂ ከምዝዘርገሐ ብምግላጽ፡ "ኣብቶም ኣብ 2022 ዝተዘርግሑ [ሰነዳት] ብዛዕባ እዚ ኣርእስቲ ሓድሽ ሓበሬታ የለን" ኢሉ።

ሊ ሃርቪ ኦስዋልድ

ምንጪ ስእሊ, AFP/GETTY

መግለጺ ስእሊ, ሊ ሃርቪ ኦስዋልድ

እቶም ፋይላት ንኽዝርግሕ ንመንግስቲ ዝኸሰሰ ንመኽሰብ ዘይሰርሕ ትካል ሜሪ ፈረል ፋውንዴሽን ክከውን እንከሎ ኣብቲ ትካል ዝሰርሑ ተመራመርቲ፡ ሲኣይኤ ብዛዕባ ኦስዋልድ ኣብ ሜክሲኮ ዝነበሮ ግዜ ሓበሬታ ይሓብእ ከምዘሎ ገሊጾም።

እቲ ፋውንዴሽን ገለ መዛግብቲ ሲኣይኤ ናብ ሃገራዊ ማህደር ቀሪቦም ከምዘይፈልጡን፡ ስለዚ ድማ ኣካል ናይቲ ሕጂ ዝተዘርግሐ ብዙሕ ሰነዳት ከምዘይኰኑን ገሊጹ።

ሓደ ሓድሽ ዝተጋህደ ሰነድ ከምዘመልክቶ ፕረዚደንት ሜክሲኮን ካልኦት ሰበስልጣናት መንግስቲ ሜክሲኮን ከይፈለጡ፡ ኣሜሪካ ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝርከብ ኤምባሲ ሶቭየት መቕረጺ ድምጺ ክትዝርግሕ ሓጊዙ ነይሩ።

እዚ ቍንጣሮ ሓበሬታ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝተዘርግሐ ፋይል ተኣልዩ ተሓቢኡ ከምዝጸንሐ ኣሜሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ፡ ሲቢኤስ ኒውስ ጸብጺቡ።

ዋይት ሃውስ፡ ምዝርጋሕ እቶም ፋይላት፡ ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ቅትለት ዝካየድ ዘሎ መርመራ ዝያዳ ርድኢት ክህልዎ ከምዝሕግዝ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ባይደን ኣብ ትእዛዙ፡ "ትካላት ነቲ ቅድሚ ሕጂ ብዝተጓደለ መልክዕ ዝተዘርግሐ ዳርጋ 16 ሽሕ መዛግብቲ ንምግምጋም ኵለመዳያዊ ጻዕሪ ከምዝገበረን ልዕሊ 70 ሚእታዊት ካብቶም መዛግብቲ ሕጂ ምሉእ ብምሉእ ክዝርግሑ ከምዝኽእሉን ወሲነን" ክብል ጽሒፉ።

ድሕሪ ሓደ ሰዓት እቲ ቅትለት ካብ ሻድሻይ ደርቢ መኽዘን መጻሕፍቲ ዝተሳእለ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ ሓደ ሰዓት እቲ ቅትለት ካብ ሻድሻይ ደርቢ መኽዘን መጻሕፍቲ ዝተሳእለ ስእሊ

ምምሕዳር ትራምፕ ኣብ ውሽጢ ፕረዚደንትነቱ ኣሽሓት ገጻት'ኳ እንተዘርግሐ፡ ብመሰረት ሃገራዊ ድሕነት ግን ካልኦት ገጻት ከይዝርጋሕ ከልኪሉ እዩ - ዋላ'ኳ እቲ ኣብ 1992 ዝወጸ ሕጊ፡ ኵሉ እቲ ሓበሬታ ክሳብ 2017 ክዝርጋሕ እንተገደደ።

ባይደን ኣብ ጥቅምቲ 2021 ኣስታት 1500 ሰነዳት ዘርጊሑ'ኳ እንተነበረ፡ ነቶም ካልኦት ግን ተዓሺጎም ከምዝጸንሑ ገሊጹ ነይሩ ገሊጹ።

ሪፖርተር ኒውዮርክ ታይምስ ነበርን ብዛዕባ ቅትለት ኬነዲ መጽሓፍ ዝጸሓፈን ፊሊፕ ሸኖን፡ እቶም ሓደስቲ ፋይላት፡ መንግስቲ ብዛዕባ ዕላማ ኦስዋልድ ፈሊጡ ክኸውን ይኽእል ድዩ ዝብል ሓበሬታ ክህቡ ከምዝኽእሉ ይዛረብ።

ንሱ፡ "ኣብዞም ሰነዳት፡ ካልኦት ሰባት ቅድሚ ቅትለት ኬነዲ፡ ሊ ሃርቪ ኦስዋልድ ሓደጋ ምዃኑ ይፈልጡ ከምዝነበሩን ነቲ ፕረዚደንት ንምቕታል ዝሓሰቦ ብግልጺ ተዛሪቡ ክኸውን ከምዝኽእልን ዝሕብር ሓበሬታ ክህሉ ከምዝኽእል እጥርጥር" ክብል ንቢቢሲ ኒውስ ሓቢሩ።

"ትካላት መንግስቲ፡ ሲኣይኤን ኤፍ.ቢ.ኣይን፡ እዚ ሰብኣይ ንፕረዚደንት ኬነዲ ሓደጋ ከምዝነበረ ገለ ስሚዒት ኣለዎም ድዩ፡ በቲ ሓበሬታ ስጕምቲ እንተዝወስዱ ድማ ነቲ ፕረዚደንት ከድሕንዎ ይኽእሉ ነይሮም ድዮም? ዝበል እቲ ወትሩ ዝነበረ ሕቶ እዩ።"

ጆን ኤፍ ኬነዲ እንታይ እዩ ኣጋጢምዎ?

መበል 35 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆን ኤፍ ኬነዲ ብ22 ሕዳር 1963፡ ከፋት ብዘለዋ ሊሞዚን መኪና እናተጓዕዘ ብጥይት ተቐቲሉ።

ኣብ ቅድሚ እቲ ፕረዚደንት ኮፍ ኢሉ ዝነበረ ኣመሓዳሪ ቴክሳስ ጆን ኮናሊ ቆሲሉ'ኳ እንተነበረ ብህይወት ተሪፉ።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ፖሊስ ዳላስ ጀይ ዲ ቲፒት እውን ተቐቲሉ። ድሕሪኡ ነዊሕ ከይጸንሐ ሊ ሃርቪ ኦስዋልድ ተኣሲሩ።

ኣብ ውሽጢ 12 ሰዓታት ድማ ብቕትለት ፕረዚደንት ኬነዲን ጄዲ ቲፒትን ተኸሲሱ።

ብ24 ሕዳር፡ ኦስዋልድ ኣብ ትሕቲ መሬት ክፍሊ ፖሊስ ዳላስ ብጃክ ሩቢ ዝተባህለ ወናኒ ሓደ ናይት ክለብ ብጥይት ተቐቲሉ። እቲ ተዅሲ ብቐጥታ ብተለቪዥን ዝተቐረጸ ነይሩ።

ሩቢ ንኦስዋልድ ብምቕታሉ ንሞት ተፈሪዱ። ይግባይ ኢሉ’ኳ እንተነበረ፡ ቅድሚ ዳግማይ ፍርዲ ግን ብሕማም መንሽሮ ኣብ 1967 ሞይቱ።

እቲ ወግዓዊ መግለጺ እንታይ ይብል?

ኬነዲ ምስ ተቐተለ ድሕሪ ሓደ ሰሙን፡ ፕረዚደንት ሊንደን ቢ ጆንሰን ነቲ ጉዳይ ዝምርምር ኮሚሽን ኣቝሙ።

እቲ ኣብ መስከረም 1964 ዝተሓትመ ጸብጻብ ኮሚሽን ዋረን ከምዚ ይብል፤

  • እቲ ተዅሲ ካብ መስኮት ሻድሻይ ደርቢ ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ኵርናዕ ዝርከብ መኽዘን መጽሓፍቲ ቤት ትምህርቲ ቴክሳስ እዩ ተተኲሱ፡
  • ነተን ተዅሲ ዝተኮሰ ሊ ሃርቪ ኦስዋልድ እዩ፡
  • "ሊ ሃርቪ ኦስዋልድ ይዅን ጃክ ሩቢ ኣካል ዝዀነ ውሽጣዊ ይዅን ናይ ወጻኢ ውዲት ምዃኖም ዝሕብር መርትዖ” ኣይነበረን።

ካልኦት መርመራታት እውን ተገይሮም እዮም፥

  • ኣብ 1968 ኣርባዕተ ሓካይም ዝሓቘፈ ፓነል "ንሕክምናዊ መደምደምታ ኮሚሽን ዋረን ደጊፉ"
  • ኣብ 1975 ኮሚሽን ሮክፈለር "ዝዀነ ይዅን ተሳትፎ ሲኣይኤ ዝሕብር ተኣማንነት ዘለዎ መርትዖ" ኣይረኸበን፡
  • ኣብ 1979፡ ምሩጽ ኮሚተ ቅትለት ባይቶ ብዓቢኡ ንኮሚሽን ዋረን ደጊፉ - እንተዀነ "ክልተ ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኬነዲ ናይ ምትኳሶም ልዑል ተኽእሎ" ከምዘሎ ገሊጹ።

ካልኦት ክልሰ-ሓሳባት እንታይ ይብሉ?

ኣብ መበል 11 ዓመት ዕድሚኣ ነቲ ቅትለት ዝረኣየት ቶኒ ግሎቨር፡ ካልኣይ ተኳሲ ክህሉ ይኽእል እዩ ኢላ ትሓስብ።

ገለ ሰባት እቲ "ካልእ" ዕጡቕ ካብቲ ሊሞዚን ናይቲ ፕረዚደንት ትሓልፈሉ ዝነበረ "ሳዕሪ ዝበዝሖ ጎቦ" ከምዝተኮሰ ይኣምኑ።

ቶኒ፡ እቲ ካልኣይ ተኳሲ - እንተነይሩ - ኣብቲ ካልእ ሸነኽ ጽርግያ ክኸውን ይኽእል ነይሩ ኢላ ትሓስብ።

"ብመጠኑ ቁምነገር ዘለዎ መርትዖታት ኣሎ" ትብል። "ገለ ልክዕነት ኣለዎ።"

ጀፈርሰን ሞርሊ ሪፖርተር ዋሽንግተን ፖስት ነበር ኰይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ቅትለት ሓያሎ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ'ዩ።

"ብዛዕባ ውዲታዊ ክልሰ ሓሳብ ጽሒፈ ኣይፈልጥን" ይብል። "ብዛዕባ እቲ ቅትለት ሓድሽ ሓቅታት እየ ዝሕብር።"

ንሱ፡ ኦስዋልድ ንጄኤፍኬ ከም ዝቐተሎ ዝጠራጠር ይመስል። እቲ ተዅሲ ካብ ብድሕሪት ንላዕሊ ካብ ቅድሚ ኬነዲ ዝመጸ ክኸውን ዝያዳ ተኽእሎ ከምዘሎ ይዛረብ።

"ብድሕሪት ብጥይት እንተተሃሪምካ ርእስኻ ናብቲ ጥይት ዝመጽኣሉ ሸነኽ ይኸይድ ዝብል ክልሰ-ሓሳብ ከምዘሎ እፈልጥ እየ። ግን ትሑት ተኽእሎ ከምዘለዎ ርዱእ እዩ" ይብል።

"እዚ ርግጸኛ ካብ ቅድሚት ዝተተኮሰት ጥይት ይመስል።"

ነቲ ኬነዲ ብጥይት ዝተሃርመሉ ቦታ ዝሕብር ጻዕዳ መስቀል

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ነቲ ኬነዲ ብጥይት ዝተሃርመሉ ቦታ ዝሕብር ጻዕዳ መስቀል
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሞርሊ ነቲ ወግዓዊ ዛንታ ዝጠራጠረሉ ካልእ ምኽንያታት ኣለዎ።

ድሕሪ ምእሳሩ ኣብ ምዕጕርቲ ኦስዋልድ ዝተገብረ ሓደ ሰብ ሽጉጥ ከምዝተኮሰ ንምፍላጥ ዝግበር ‘ፓራፊን’ ዝበሃል መርመራ፡ ኦስዋልድ ሽጉጥ ከምዘይተኮሰ ዝሕብር እዩ (ተኣማንነት ናይቲ መርመራ ሕቶ ኣልዒሉ እዩ)።

እቲ ብመኪና ናይቲ ፕረዚደንት ዝጓዓዝ ዝነበረ ኣመሓዳሪ ቴክሳስ፡ ጆን ኮናሊ ከም ኬነዲ ብተመሳሳሊ ጥይት ከምዘይተሃርመ ዝገለጸ ክኸውን’ከሎ እዚ ድማ ምስ ውጽኢት ኮሚሽን ዋረን ዝጻረር እዩ።

ሞርሊ ድማ ካልኦት ክፋላት ናይቲ ወግዓዊ መግለጺ ስኒት ከምዘይብሎም ይሓስብ።

"እቲ ወግዓዊ ዛንታ - እቲ ብዛዕባኡ ዝፈልጥ ሰብ ዘይነበረ፡ ካበይ ከምዝመጸ ዘይፍለጥ፡ ኦስዋልድ ዝበሃል ሰብ ነይሩ፡ ንሱ ነቲ ፕረዚደንት ብጥይት ቀቲሉ ዝብል እንፈልጦ ዛንታ - ክንዮ ርትዓዊ ጥርጣረ፡ ሓሶት'ዩ" ይብል።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቦስተን ደራስን ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰርን ዝዀነ ቶማስ ዌለን ግን፡ ኦስዋልድ ንጄኤፍኬ ብጥይት ከምዝቐተሎ ይኣምን።

"ኣነ ጥራይ ዘይኮንኩ'ውን ብሓፈሻ፡ ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ እቲ ቀታሊ ንሱ ምዃኑ ይኣምኑ። እቲ ዓቢ ሕቶ - ኣብ ዝሰፍሐ ውዲት ተሳቲፉ ድዩ?" ዝብል ከምዝኾነ ይገልጽ።

ኮሚሽን ዋረን ኦስዋልድ በይኑ ከምዝፈጸሞ'ኳ እንተገለጸ፡ ኣብ 1959 ናብ ሕብረት ሶቭየት ከምዝተጓዕዘ፡ ዜግነት ሶቭየት ሓቲቱ ከምዘይረኸበን ክሳብ 1962 ኣብኡ ከምዝነበረን ግን ይጠቅስ።

እቲ ኮሚሽን ብተወሳኺ እቲ ንርእሱ ማርክሳዊ ኢሉ ዝጽውዕ ኦስዋልድ፡ ንኬነዲ ብጥይት ቅድሚ ምቕታሉ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ኣብ መስከረም 1963 ኣብ ከተማ ሜክሲኮ ናብ ዝርከብ ኤምባሲታት ኩባን ሩስያን ከምዝበጽሐ ፈሊጡ እዩ።

ዋለን፡ "ኦስዋልድ ቅድሚ እቲ ቅትለት ሰሙናት ኣብ ከተማ ሜክሲኮ እንታይ ይገብር ነይሩ? ምስ ሰበስልጣን ስለያ ኩባን ሶቭየትን ተራኺቡ ድዩ? [ነቲ ቕትለት ንኽፍጽም] ፈቒዶምሉ ድዮም?" ዝብሉ ሕቶታት የልዕል።

"ብርግጽ ፊደል ካስትሮ (ቀዳማይ ሚኒስተር ኩባ፡ ሽዑ ፕረዚደንት) ንፕረዚደንት ኬነዲ ንምቕታል ድራኸ ነይርዎ። ንሕና - መንግስቲ ኣሜሪካ - ክንቀትሎ ንፍትን ነይረና።"