ኢትዮጵያ ጅምላ ምስጓግ ኤርትራውያን ደው ከተብል ጻውዒት ቀሪቡ

ሓንቲ ካብ ተመለስቲ

ምንጪ ስእሊ, UNHCR/PETTERIK WIGGERS

መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኤርትራውያ ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ምጥራዝ "ብህጹጽ ደው ከብል" ክኢላት ሕቡራት ሃገራት ጸዊዖም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰነ፡ ኣማኢት ኤርትራውያን ካብ ኢትዮጵያ ተሰጒጎም ናብ ሃገሮም ከምዝተመልሱ ይዝከር።

እቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ፍሉይ ተኸታታሊ ኵነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ መሓመድ ባቢከር ዝርከቦም ላዕለዎት ክኢላታት ብሓሙስ ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ "ጃምላዊ ምስጓግ ብዓለምለኻዊ ሕጊ ክልኩል እዩ" ክብሉ ገሊጾም።

"ክበጽሖም ብዛዕባ ዝኽእል ሓደጋ ስቅያት፡ ግዱድ ምስዋርን ዝርከብዎም ምግሃስ መሰላት ብውልቂን ውድዓዊ ኣገባብን ከይተገብረ፡ ስደተኛታት፡ ሓተትቲ ዕቑባን መጻእተኛታትን ምጥራዝ ግዱድ ምስጓግ'ዩ።"

"እቲ ዝተኻየደ ጃምላዊ ምስጓግ፡ ስድራቤታት ከምዝበታተና ምግባሩን፡ ወለዲ ናብ ኤርትራ ከምዝምለሱ ምስተገደዱ ደቆም ኣብ ኢትዮጵያም ዝተረፉሉ ኵነታት ከምዝተፈጥረ ዝገልጹ ጸብጻባት ኣለዉ" ኢሎም።

ኣብቲ እዋን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ “ትሕቲ ዕድመ ዝርከብዎም ኣስታት 200 ዝግመቱ ኤርትራውያን ብግዴታ ናብ ኤርትራ ምምላሶም” ከምዘሻቐሎ ምግላጹ ይዝከር።

ትካል ኣገልግሎት ጉዳይ ስደተኛታትን ተመለስትን ኢትዮጵያ ግን “ኵሎም እቶም ተመለስቲ ምዝጉባት ስደተኛታት ወይ ሓተትቲ ዕቝባ ኣይኰኑን” ክብል ገሊጹ ነይሩ።

ቅድሚ ሕጂ ብሓይሊ ናብ ሃገሮም ዝተመልሱ ኤርትራውያን፡ ስቅያት፡ ግዱድ ምስዋር፡ ሕማቕ ኣተሓሕዛን ማእሰርቲን ከምዘጋጥሞም፡ ኣጻራዪ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ከምዝሰነዶ ዘዘኻኸሩ እቶም ክኢላታት፡ ሃለዋት ናይዞም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተመልሱ ከምዘይተረጋገጸ ገሊጾም።

"ሰብመዚ ኤርትራ ብዛዕባ ሃለዋት እቶም [ካብ ኢትዮጵያ ዝተመለሱ] ሓበሬታ ክህብን፡ ምስ ስድራቤቶም፡ ጠበቓታትን ምስደለይዎ ሰብ ከምዝራኸቡ ክገብርን ንምሕጸን።"

ሰበስልጣን ኤርትራ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝቐርብ ክስታት ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክነጽግዎ ምጽንሖም ይፍለጥ።

ብዛዕባ እቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ'ውን፡ ኣብ ልዕሊኦም ካብ ሕጊ ወጻኢን ብዘይክስን ንነዊሕ እዋን ዝፍጸም ዘሎ ምድጓግን ዝገልጹ ጸብጻባት ከምዘሻቐሎም ሓቢሮም።

"ሰብመዚ፡ ብፍላይ ንኤርትራውያን ዒላማ ዝገብርዎም ዘለዉ'ዮም ዝመስሉ፡ እዚ ድማ ምስ ኣድልዎ ዝዳረግ'ዩ።"

ኣስታት 200,000 ኤርትራውያን ኣብ መዓስከራት ዝደተኛታትን ከተማታትን ኢትዮጵያ ከምዝጸንሑ ጸብጻባት ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ልዕሊ 20 ዓመታት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ከምዝወጹ ይፍለጥ።