ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክብረወሰን እንግሊዝ ብዝሰበረ ዋጋ ናብ ሊቨርፑል ተጸንቢሩ

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ብ125 ሚልዮን ፓውንድ ናብ ሊቨርፑል ክጽንበር ምስ ኒውካስል ኣብ ስምምዕ ከም ዝተበጽሐ ንቢቢሲ ቅርበት ዘለዎም ምንጪታት ሓቢሮም።

እዚ ኤርትራዊ ሽወደናዊ ኣጥቅዓይ ኣብታ ክለብ ዘጽንሖ ናይ ሽዱሽተ ዓመት ውዕል ቅድሚ ምፍራሙ፡ ሎሚ ሰኑይ ሕክምናዊ መርመራ ከካይድ እዩ።

ኣሌክሳንደር ኣብ ታሪኽ ፕረምየርሊግ እንግሊዝ ዝኸበረ ተጻዋታይ ኰይኑ ኣሎ። ዛጊት ኣብ ክራማት 2023 ካብ ብራይተን ናብ ቸልሲ ብ115 ሚልዮን ፓውንድ ዝተሰጋገረ ሞይስ ካይሰዶ እዩ ዝኸበረ ተጻዋታይ ኰይኑ ጸኒሑ።

ሊቨርፑል ነዚ ኣጥቃዓይ ንምፍራም ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ 110 ሚልዮን ፓውንድ እኳ እንተ ቀረበት፡ ብኒውካስል ግን ተነጺጉ እዩ።

ኣሌክሳንደር ምርጫኡ ናብዛ ዝሓለፈ ዓመት ሻምፕዮና ክለባት እንግሊዝ ዝዀነት ጋንታ ብምግባሩ፡ መስርሕ ምስግጋር ተጻወትቲ ናብ ኣጋ ምዕጻው ክሳዕ ዝበጽሕ ቀንዲ ዛዕባ ኰይኑ እዩ ጸኒሑ።

ኣብዚ ወቕቲ ምስግጋር ተጻወትቲ ከም ጉዳይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ገይሩ ኣተኵሮ ዝተዋህቦ የሎን።

ኢሳቕ ኣብ ዝበለጸት ጋንታ ፕረምየሊግ ተመሪጹ ክንሱ ኣብቲ ምዕዳል ሽልማት ኣይተረኽበን። ናብቲ ኣጋጣሚ ንምንታይ ከም ዘይከይድ ኣብ ኢስታግራም ኣብ ዝለጠፎ ጽሑፍ ድማ ንመጀመርታ ግዜኡ ኣፉ ከፊቱ።

"ካልኦት እናተዛረቡ ንነዊሕ እዋን ስቕ'የ ኢለ፡" ኢሉ።

"እዚ ስቕታ፡ ሰባት ነቲ ኣብ ዕጽው ማዕጾ ዝተዘርበ ስምምዕ [ምስ ኒውካስል] ከይፈለጡ ዘዝመስሎም ክዛረቡ ደሪኹዎም'ዩ፣ እቲ ሓቂ ግን ኣቐዲሙ ቃል ተኣትዩለይ ነይሩ እዩ። እታ ጋንታ ናይ ነዊሕ እዋን መደባተይ ትፈልጥ'ያ። እዚ ጠለባት ሕጂ ከም ዝመጽአ ገይርካ ምቕራቡ ግን ጓል-መንገዲ ዝፈጥር'ዩ፡" ኢሉ።

"ቃል ምስ ተዓጽፈን እምነት ምስ ጠፍአን እቲ ርክብ ክቕጽል ኣይክእልን'ዩ። እቲ ንዓይ ኣጋጢምኒ ዘሎ፡ እቲ ምልዋጥ ናይ ሓሳብ፡ ረብሓ ካልኦት እናሓለወ ንምንታይ ረብሓይ ዘይሕልወለይ?" ክብል ገሊጹ።

ኒውካስል ብወገና፡ ብመግለጺ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ከም ዝተቘጥዐት ብምግላጽ፡ "መልሲ ኣብ ምሃብ ግሉጻት ኢና ዘለና። ኣሌክሳንደር ምሳና ዘለዎ ውዕል ኣይወድአን፡ ኣብዚ ወቕቲ ካብ ጋንታ ክወጽእ ዘፍቕድ ውዕል ከኣ ዝዀነ ብዓልመዚ እዛ ክለብና ቃል ኣይኣተወሉን፡" ኢላ።

"ዝበለጹ ተጻወትትና ክንሕዞም ኢና ንደሊ፣ እንተዀነ እቶም ተጻወትቲ'ውን ናቶም ድሌት ስለ ዘለዎም ንቓሎም ንሰምዖ ኢና። ኣሌክሳንደርን ወከልቱን ንረብሓ ወይ ድሌት ኒውካስል፡ ደገፍቲ ኒውካስልን እታ ጋንታን'ውን ኣብ ግምት ከእትውዎ ኣለዎም።"

ኒውካስል ንኒክ ዎልተማደ ካብ ስቱትጋርድ ንኽብረወሰን ዕድጊ ናይታ ጋንታ ብዝሰበረ 69 ሚልዮን ፓውንድ ድሕሪ ምፍራማ፡ ንምውጻእ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ማዕጾ ዘርሑ ምዃኑ እዩ ክግለጽ ቀንዩ።

ሊቨርፑል ኣብዚ ናይ ምስግጋር ወቕቲ ንኻልኣይ ግዜኣ እያ ንኽብረወሰን ዋጋ ምስግጋር ተጻወትቲ ናይታ ክለብ ትሰብሮ ዘላ። ኣቐዲማ ንፍሎርያን ዊርትዝ ካብ ባየር ለቨርኩሰን ከም ዘፈረመት ይፍለጥ።

ናይዚ ወቕቲ ምስግጋር ተጻወተቲ 1 መስከረም ክዕጾ እዩ።

ኣሌክሳንደር፡ ካብ ኤይኣይከይ (AIK) ክሳብ ኒውካስል

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ማልያ ዶርቱመንድ ለቢሱ ኩዕሶ እናዀብኰበ፡ ኣንጻር መጋጥምቱ ብማልያኡ እናሰሃቦ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ 21 መስከረም 2016 ኣብ መንጎ ጁጋርደንን ኤይኣይከይን ኣብ ዝተኻየደ ጸወታ፡ ንኣሌክሳንደር ዘይትርሳዕ ጸወታ እያ ነይራ።

ኣብ ቀዳማይ እብረ ናይቲ ግጥም፡ ኮተቴ ተጻዋታይ ናይ ኤይኣይከይ ሸቶ ምስ ኣመዝገበ ናብቶም ነግራማት ምዃኖም ዝንገረሎም ደገፍቲ እታ ጋንታ ከይዱ ኣእዳዉ ብምዝርጋሕ ሓጐሱ ገለጸ።

ኣብ ካልኣይ እብረ'ውን ኩዕሶ ብርእሱ ብምህራም ሸቶ ኣመዝገበ፣ ደገፍቲ ናይታ ጋንታ ብሓጐስ ተሰራሰሩ።

እዚ ኮተቴ ኣሌክሳንደር ጠዓመ ኢሳቕ እዩ። (ቀንዲ ስሙ ኣሌክሳንደርን ክኸውን ከሎ፡ ኢሳቕ ኣቦሓጎኡ እዩ)

ገና ወዲ 16 ዓመቱ ኣብ ዝነበረሉ፡ ኣብ ታሪኽ ሽወደናዊት ክለብ AIK [ኤኣኬ] እቲ ዝነኣሰ ኣመዝጋቢ ሸቶ ኰይኑ።

ነታ ሳልሰይቲ ሸቶ ዝመዝገበ ናይጀርያዊ ቺነዱ ኦባሲ፡ "ኣሌክሳንደር ዓቢይ መጻኢ ኣለዎ። ነገራት ጽቡቕ እንተ ከይድሉ፡ ሓድሽ ዛላታን ኢብራሂሞቪች ናይ ሽወደን ክኸውን እዩ፡" ክብል ገለጾ።

ንኣሌክሳንደር ካብ ወዲ 10 ክሳዕ 13 ዓመት እንከሎ ዘሰልጠኖ ኖሆም ግደይ፡ "ፍሉይ ምትእስሳር'ዩ ዘለና፣ ምኽንያቱ፡ ክልተና ብመበቈልና ኤርትራውያን ኢና፡" ይብል።

"ወለዲ ኣሌክሳንደር ኣብ 1980ታት'ዮም ብሰንኪ'ቲ ዝነበረ ነዊሕ ኲናት ናብ ስቶኮልም መጺኦም። ንሱ ድማ ከም ሽወደናዊ ኰይኑ ዓብዩ፣ እንተዀነ፡ ወትሩ ምስ ባህሊ ኤርትራ ጥቡቕ ምትእስሳር ኣለዎ።

"ኤርትራውያን ሕቡናት፡ ብርቱዓትን ፈተውቲ ሃገሮምን'ዮም፡ እዚ ድሕረ-ባይታ'ዚ ድማ ኣብ ኣሌክሳንደር ጽልዋ ነይርዎ። ኣቦኡ፡ ጠዓመ፡ መምህር'ዩ፡ ኣሌክሳንደር ድማ ካብ ስድርኡ ብዙሕ ፍቕርን ደገፍን ረኺቡ'ዩ።

"ርግጸኛ`የ፡ እዚ ፍሉይ ውህደት/ሕውስዋስ ባህልታት ናይ ኤርትራን ሽወደንን ድማ ፍሉይ ዝዀነ ተጻዋታይ ፈጢሩ`ሎ፡" ክብል ገሊጹ።

ንመግለጺ ኖሆም ባዕሉ ኣሌክሳንደር ምስ ኣላን ሽረር ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ኣረጋጊጹዎ እዩ።

"ኣብ ሽወደን እኳ እንተ ዓበኹ፡ ኣብኡ ዓቢይ ናይ ኤርትራ ማሕበረኮም ኣሎ። ኣብ ማእከሉ ድማ እየ ተዀስኲሰ ዓብየ፡" ክብል ምስ ፍሉጥ ተጻዋታይ ኒውካስልን ፕረምየር ሊግን ዝነበረ ኣላን ሽረር ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ።

ድሕሪ ሒደት ኣዋርሕ - ኣብ ጥሪ 2017፡ ኣሌክሳንደር ናብ ሪያል ማድሪድ ክጽንበር ምስ ተቓረበ ማዕከናት ዜና ስጳኛ ምስ ስም ዛላታን ኣተሓሒዘን ክገልጽኦ ጀመራ።

እንተዀነ፡ ኣሌክሳንደር ናብ ማድሪድ ዘይኰነ ናብ ጀርመናዊት ክለብ ቦርሲያ ዶርትመንድ'ዩ ከይዱ። ኣብ ጀርመን ኣብ ዘካየዶ ፈላማይ ቃለመሕትት፡ ንምንታይ ካብ ሪያል ማድሪድ ንዶርቱመንድ ከም ዝመረጸ ከምዚ ክብል ገሊጹ፡ "ገለ ዕድመታት ቀሪቡለይ ነይሩ፣ እንተዀነ ዶርትመንድ እታ ከም ንእሽቶ ተጻዋታይ ክዓብየላ ዝኽእል ቦታ ኰይና ተራእያትኒ።"

ይዅን'ምበር፡ ኣብታ ጋንታ ዝነበሮ ግዜ ከምቲ ዝደለዮን ትጽቢት ዝተገብረሉን ክኸውን ኣይከኣለን።

ጋዜጠኛ ስፖክስ ጆሸን ቲትማን፡ ኣሌክሳንደር ኣብታ ጋንታ ዘይምድማቑ፡ "ክሳዕ ሕጂ ዘይተገልጸ ምስጢር እዩ፡" ይብል። "ኣሌክሳንደር ኣብታ ንንኣሽቱ ተጻወትቲ ዕድል ብምሃብ ኣዝያ ዝተፈልጠት ክለብ ዕድል ዘይረኸበሉ ምኽንያት ክፈልጥ ዝኽእል ሰብ የሎን፡" ክብል ድማ ይውስኽ።

ኣሌክሳንደር በቲ ኵነታት ሕጉስ እኳ እንተ ዘይነበረ፡ ክዛረብ ግን ኣይመረጸን። ድሕሪ ሰብ እናተረፈ ኣበርቲዑ ልምምዱ ይሰርሕ ነይሩ።

መወዳእታኡ ኣብ 2019 ናብ ሪያል ሶሸይዳድ ተሰጋጊሩ። ስሙ ድማ ዳግማይ ክለዓል ጀሚሩ።

ክሳዕ 2022 ኣብታ ጋንታ ኣብ ዝጸንሓሉ፡ ኣብ ፈለማ እግሩ ሸቶ ኣመዝጊቡን ኣብታ ጋንታ ወሳኒ ቦታ ሒዙን። ኣብ 2020 ዋንጫ ደል ረይ ክትወስድ ድማ ዓቢይ ኣስተዋጽኦ ገይሩ።

ኣብ ፕሮፌሽናል ጕዕዞኡ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ 2021 ኣትሪክ ሰሪሑ።

ብ26 ነሓሰ 2022 ክብረወሰን ምስግጋር ተጻወትቲ ኒውካስል ብዝዀነ መጠን ገንዘብ ናብ ፕረምየርሊግ ዓዲ እንግሊዝ ተሰጋጊሩ።

ኣብዛ ጋንታ ኣብ ዝጸንሓሉ ሰለስተ ናይ ጸወታ ወቕቲታት ኣብ ዘካየዶ 113 ጸወታታት ብጠቕላላ 65 ሸቶታት ኣመዝጊቡ። ኣብቲ ካልኣይ ወቕቲ ብመስበርቲ ካብ ብዙሕ ጸወታታት በዂሩ እዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወቕቲ ብጠቕላላ 35 ሸቶታት ከመዝግብ እንከሎ፡ ኣብ ፕረምየርሊግ 42 ጸወታታት ኣብ ዘካየደሉ 27 ሸቶታት ብምምዝጋብ ደሚቑ።

እታ ን70 ዓመታት ብጽምኢ ዋንጫ ቃዕ ኢላ ዝነበረት ክለብ ካራቦኣ ካፕ ንኽትዕወት ድማ ወሳኒ ተራ ተጻዊቱ።