ኤርትራውያን ንምንታይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ኒውካስል ክጸንሕ ይደልዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ናብ ኒውካስል ዩናትይድ ድሕሪ ምጽንባሩ፡ ኣብ ዓወት እታ ክለብ ወሳኒ ቦታ'ኳ እንተ ሓዘ፡ ኣብታ ከተማ እናሰሰነ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ኤርትራዊ ሕብረተሰብ ግን ጽልዋኡ ክንዮው ኩዕሶ ዝኸደ እዩ።
ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ኤርትራውያን፡ ወዲ ዓዶም ኣብ ዓቢይ ዓለማዊ መድረኽ ኩዕሶ እግሪ ተዓዊቱ ክርእዩ እንከለዉ እምበረ-መጠን ዘነቓቕሕ እዩ።
ኣብ ነፍስወከፍ ናይ ገዛውቲ ፓርክታትን መሰልጠኒ ማእከላትን ሓደ ፍሉይ ተርእዮ ይኽሰት ኣሎ። ኤርትራውያን መንእሰያት ብዓወት ኣጥቃዓይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተደሪኾም ብሓድሽ ተስፋ ማልያኦም ይለብሱ ኣለዉ።
ኤርትራዊ ዝመበቈሉ ወዲ 13 ዓመት ቈልዓ፡ "ብሳላ ኣሌክሳንደር ንኹዕሶ እግሪ ፈትየዮ ኣለኹ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ፣ "ኣብዚ ክጻወት ክርእዮ ከለኹ እሕበን - ከማይ እዩ።"
ኣቦ ሰለስተ ቈልዑ ያቆብ ኣካለ፡ ሓደ ካብ ደቁ ነቲ ንሽወደን ወኪሉ ዝጻወት ብመበቈሉ ግን ኤርትራዊ ዝዀነ ኣጥቃዓይ ብኸመይ ከም ዝርእዮ ሓሳቡ ኣካፊሉ።
"ኣሌክሳንደር ኣብ ኒውካስል ንዝርከቡ ደቅና ዓቢይ ድርኺት ኰይኑዎም'ዩ፡" ኢሉ።
"እንተ ጽዒርካ ኣብ ዝዀነ ደረጃ ክብጻሕ ከም ዝከኣል ክኣምኑ ክኢሎም ኣለዉ። [ንኢሳቕ] ሓደ ከምኦም ገይሮም እዮም ዝርእዩዎ።"
እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ነሓሰ 2022 ኣብታ ክለብ ካብ ዝጽንበር ንደሓር ኣብ 109 ጸወታታት 62 ሸቶታት ዘመዝገበ ዕጹብ-ድንቂ ኣጥቃዓይ፡ ደጊም ማልያ ኒውካስል ወድዩ ዘይክጻወት ይኽእል እዩ ዝብል ስክፍታታት ኣሎ።
ኣብ ፈለማ ናይዚ ወርሒ፡ ነዚ ወዲ 25 ዓመት ተጻዋታይ ካብ ሻምፕዮና ፕረምየር ሊግ ዝሓለፈ ዓመት ዝዀነት ሊቨርፑል ጻውዒት ቀሪብሉ ኣሎ። በዚ ዝተላዕለ ድማ ካብታ ጋንታ ተፈልዩ ንበይኑ ልምምድ ይገብር ኣሎ።
ኣሰልጣኒ ኒውካስል ኤዲ ሃው፡ "ኵሉ ተኽእሎታት፡" ከም ዘሎ ደኣ ይግለጽ እምበር፡ ቢቢሲ ስፖርት ኢሳቕ ነታ ጋንታ ክሓድጋ ከም ዝቘረጸ እዩ ዝርዳእ።
ግምታት ንተስፋ ጓዛ ይገብር
End of YouTube post
ኒውካስል ኣብ ግንቦት ናብ ሻምፕዮንስ ሊግ ከም ዝሓለፈት ከተረጋግጽ ከላ፡ ኣብ ደገፍታ - እንተላይ ኤርትራውያን - እምብዛ ሓጐስ ዓሲሉ ነይሩ።
እንተዀነ፡ ነዛ ኣብ ኤውሮጳ ተሃራፊት ዋንጫ ንምዕታር ንእትገብሮ ውድድር ደበንገረ ገይሩዎ ኣሎ፣ ዋላ'ኳ ሊቨርፑል ምእንቲ ከይትምንጥላ 201 ሚልዮን ዶላር ልዑል መልቀቒ ዋጋ ኣንቢራትሉ እንተሃለወት።
በዚ ከይኰነ ኣይተርፍን፡ ሊቨርፑል ንኣጥቃዓይ ሁጎ ኤኪቲከ ንምምጻእ ናብ ኣይንትራኽት ፍራንክፈርት ገጻ ኣቕኒዓ ዝወድኣትሉ። ይዅን'ምበር፡ ንኢሳቕ ኣብ ጓጓኣ ንምእታው ተስፋ ዝቘረጸት ኣይትመስልን።
እቲ ዘቕረበቶ 147.5 ሚልዮን ዶላር ብኒውካስል ተነጺጉ እዩ። ንዳርዊን ኑነዝ ናብ ስዑድያዊት ክለብ ኣል-ሂላል ብምሻጥ ድማ ኣታዊኣ ክዓቢ ገይራ ኣላ።
ሊቨርፑል ንኢሳቕ ኣብ ዝዓለፈ ዓመት ኣብ ዌምብሊ ኣብ ዝተኻየደ ፍጻመ ዋንጫ ካራባኦ፡ ኣንጻራ መዐወቲት ሸቶ ድሕሪ ምምዝጋቡ ዓይና ኣውዲቓትሉ ክትከውን ትኽእል እያ። እታ ሸቶ ንኒውካስል ድሕሪ 70 ዓመታት ንፈለማ እዋን ዋንጫ ክትዓትር ኣብቂዓታ።
ኣብ መወዳእታ ሓምለ፡ እታ ጋንታ ንቕድመ-መዳለዊ ዓመተ-ስፖርት ናብ እስያ ኣብ ዝገበረቶ ዑደት ምስኣ ሓቢሩ ኣብ ዘይተጓዓዘላ ዕለት፡ ካብታ ጋንታ ክወጽእ ከም ዝደሊ ሓቢሩዋ።
እቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ዓዲ እንግሊዝ ዝነብሩ ኤርትራውያን ግና ምስታ ጋንታ ክጸንሕ እዩ ድላዮም።
'ኣምባሳደር' ኤርትራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሌክሳንደር ኣብ ርእሰ-ኸተማ ሽወደን ስቶክሆልም ደኣ ይወለድ እምበር፡ ብመበቈል ትውልዱ ከም ዝሕበን ተዛሪቡ እዩ።
"ኣብ ሽወደን እኳ እንተ ዓበኹ፡ ኣብኡ ዓቢይ ናይ ኤርትራ ማሕበረኮም ኣሎ። ኣብ ማእከሉ ድማ እየ ተዀስኲሰ ዓብየ፡" ክብል ምስ ፍሉጥ ተጻዋታይ ኒውካስልን ፕረምየር ሊግን ዝነበረ ኣላን ሽረር ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት ገሊጹ።
ኣሌክሳንደር ካብታ መበቈሉ ዝዀነት ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ሃገር፡ ንፈለማ እዋን ብኸምዚ ደረጃ ዝደመቐ ተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ እዩ። ሓያሎ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻእን ዝርከቡ ኤርትራውያን ድማ ከም ኣምባሳደር ሃገሮም እዮም ዝርእዩዎ።
ተጻዋታይን ኣሰልጣኒ ሃገራዊት ጋንታ መንእሰያትን ኤርትራ ዝነበረ ተቐማጢ ኒውካስል መሓሪ እስቲፋኖስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ክንዲ ናይ ኢሳቕ ደረጃ ዘለዎ ተጻዋታይ ናብዚ ምምጽኡ ጽቡቕ ኣብነት እዩ፡" ኢሉ።
"ተቐማጦ እዚ ከባቢ ብዛዕባ ኤርትራ ሒደት ኣፍልጦ እዩ ነይሩዎም። ኢሳቕ ምስ መጽአ ግን ብዙሓት ካብኦም ኣበይ ከም እትርከብን ባህሊ ኤርትራን ክፈልጡ ክኢሎም።"
እስቲፋኖስ፡ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ መንእሰያት ኩዕሶ እግሪ ንኽጻወቱ ኣነቓቒሑዎም ከም ዘሎን ድሮ ገለ ካብኦም ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኰነ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ኣካዳሚታት ይስልጥኑ ከም ዘለዉን ይዛረብ።
ኤርትራ ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዝነበራ ደረጃ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናኣንቈልቈለ ክኸይድ ጸኒሑ። ፊፋ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነታ ሃገራዊት ጋንታ ካብ ዝርዝር ደረጃታት ከም ዝኣለያ ይፍለጥ።
ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ እቶም ተጻወትቲ ካብ ሃገሮም ወጺኦም ክጻወቱ ሳሕቲ ዕድል ኣብ ዝረኽብሉ፡ ብዛዕባ ምህዳሞም እዩ ኣርእስተ-ዜና ክኸውን ጸኒሑ።
ኣብ ኒውካስልን ከባቢኣን ዝነብሩ ኤርትራውያን ንኢሳቕ ምድጋፍ ከም ግቡኦም ገይሮም ይወስዱዎ። ኒውካስል ኣብ እትጻወተሉ እዋን ከኣ እታ ቀይሕ፡ ቀጠልያ፡ ሰማያዊ ከምኡ'ውን ኣብ ማእከላ ብጫ ኣውሊዕ ዘለዋ ባንዴራኦም ምርኣይ ልሙድ ኰይኑ እዩ።
"ኢሳቕ ልክዕ ከምቶም ፍሉጣት ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ብንያም ግርማይን ዳኒኤል ተኽለሃይማኖትን ኣምባሳደር ኤርትራ'ዩ፡" ይብል ኣካለ።
"ኵላትና ብእኡ ንሕበን። ኣብ መጻወቲ ጫማኡ ከይተረፈ ኣብታ ሓንቲ እግሩ [ባንዴራ] ሽወደን፡ ኣብታ ካልኣይቲ ድማ ናይ ኤርትራ እዩ ዝገብር።"
ምልላይ ባህሊ ኤርትራ

ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንኒውካስል ኣብ ሜዳ ብዘበርክተላ ወሳኒ ግደ ጽቡቕ ክትስጕም ከኽእላ ከሎ፡ ንደገፍታ ድማ ብዛዕባ መበቈል ሃገሩ ክድህስሱ ደሪኹዎም እዩ።
በረኸት ክፍሉ ኣብ ጥቓ ፓርክ ቅዱስ ያዕቆብ - ስታድዩም እታ ክለብ - ምስ ካልኣዩ ኰይኑ ዝውንኖ ፍሉጥ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን መግቢ ዝቕርብ ቤትመግቢ ኣለዎ። ብሕልፊ፡ ኢሳቕ ዋንጫ ካራባኦ ኣብ ዝዓተረሉ እዋን ነታ ቤትመግቢ ኣሰንዩ ዝተሳእሎ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሕሪ ምልጣፉ፡ ስራሖም ጽቡቕ ከም ዝኸደ ይገልጽ።
ሓያሎ ተቐማጦ ኒውካስል መግቢ ኤርትራውያን - ብሕልፊ እንጀራ - ንምጥዓም ናብቲ ቤትመግቢ በጺሖም እዮም።
ኮሜድያንን ፖድካስተርን ኣንት ያንግ ንቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ንሱ [ኢሳቕ] ንብዙሓት ተጻወትቲ ናብኡ ወሲዱ ከም ዝጋብዞም ሰሚዐ፡" ኢሉ።
"ቅድሚ ሕጂ መግቢ ኤርትራውያን በሊዐ ኣይፈልጥን እየ፣ ክጥዕሞ ክኸይድ እየ።"
"እቲ ኣብ ኢንስታግራም ዝተለጠፈ ርእየዮ ኣለኹ፣ ግሩም ይመስል።"
ኣብዚ ግዜ'ዚ ደገፍቲ ኢሳቕ፡ ኣብ ኒውካስል ክጸንሕን ኣርካን ናይዛ ክለብ ኰይኑ ሓወልቲ ክቘመሉን ኵቱር ድላይ ኣለዎም።
"ሓደ መዓልቲ ኣብ ጐድኒ ሓወልቲ ቦቢ ሮብሰንን ኣላን ሸረርን ዝኣመሰሉ ሓወልቲ ክስራሓሉ'ዩ፡" ይብል ሓደ ደጋፊ።
እንተዀነ፡ ኣብ ኒውካስልን ካልኦት ካባቢታትን ዝርከቡ ደገፍቲ፡ መጻኢ ናይዚ ኣጥቃዓይ ብኸመይ ከም ዝፍታሕ ሓርቢቱዎም ብስክፍታ ይጽበዩ ኣለዉ።
ዋጋ ኣሌክሳንደር ንብዙሓት ኣዝዩ ክቡር ክኸውን ይኽእል፣ ንመንእሰያት ኤርትራ ግን ዋጋኡ ብገንዘብ ክዕቀን ኣይክእልን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







