መጻኢ ኣሌክሳንዳር ኢሳቕ ብዝምልከት ኣሰልጣኒ ኤዲ ሃው እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ካብ ደቂ ጋንትኡ ርሒቑ እዩ ልምምድ ክገብር ጸኒሑ። እዚ ዝዀን ዘሎ ድማ ኣሰልጣኒ ኒውካስል ኤዲ ሆው "ኣብዚ እዋን'ዚ ምስታ ጕጅለ ክንሓውሶ ከም ዘይንኽእል ንጹር'ዩ፡" ድሕሪ ምባሉ'ዩ።
ሊቨርፑል ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ነቲ ኣጥቃዓይ ብ110 ሚልዮን ፓውንድ ክትዕድግ ሕቶ ኣቕሪባ'ኳ እንተነበረት፡ ኒውካስል ግን ነዚ ሕቶ ነጺጋቶ'ያ።
ሽወደናዊ ዓለምለኻዊ ተጻዋታይ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ብወገኑ ኣማራጺታቱ ክድህስስ ከም ዝደሊ ኣመልኪቱ እዩ።
ኣሰልጣኒ ኒውካስል ኤዲ ሆው ግን፡ ወነንቲ እታ ክለብ ንኢሳቕ ከም ዘይሽየጥ ምሕባሮም ከም ዘይፈልጥ እዩ ዝገልጽ።
"ኣነ ዘይተሳተፈሎም ኵሉ ግዜ ዝካየዱ ዘተታት ኣለዉ፡" ኢሉ።
ኒውካስል ትማሊ ቀዳም ኣንጻር ኣትለቲኮ ማድሪድ ኣብ ዘካየደቶ ምሕዝነታዊ ግጥም 2 ብ 0 እያ ተረቲዓ።
ድሕሪ እቲ ጸወታ እቲ ኣሰልጣኒ "ኵሉ ነገር ይከኣል እዩ" ኢሉ።
"ብዙሕ ግዜ ምሳና ውዕሊ ከምዘለዎ ተዛሪበ እየ። ተጻዋታይና'ዩ። መጻኢኡ ዝውሰን ድማ በታ ክለብ'ዩ።"
"እንታይ ከም ዝፍጠር ኣይፈልጥን። ብርግጽ ኣነ ዝደልዮ ነገር ኣሎ። ዝበለጸትን ዝሓየለትን ጋንታ እየ ዝደሊ፡ እንተዀነ ግን ብሓቂ ነዛ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ክጻወቱ ዝደልዩ ተጻወትቲ'ውን እየ ዝደሊ።"
ኢሳቕ ኣብ ሰለፉ ብዘጋጠሞ "ቀሊል መጉዳእቲ" እታ ክለብ ኣብ እተካይዶም ቅድመ ዓመተ ስፖርት ውድድራት ኣይተሳተፈን።
እንተዀነ፡ እቲ ወዲ 25 ዓመት ተጻዋታይ ግን ንበይኑ ልምምድ ከካይድ ጸኒሑ እዩ።
ኣሰልጣኒ ሆው ኣቐዲሙ ዝዀነ ተጻዋታይ "ሕማቕ ክዋሳእን ምስታ ጉጅለ ከም ንቡር ክስልጥንን" ትጽቢት ክገብር ከምዘይክእል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እንተዀነ ኢሳቅ "ኣብዚ ዓመት ክጻወት" ከም ዝደልዮ ብንጹር ኣመልኪቱ።
እዚ ንኽኸውን ድማ እንታይ ክቕየር ከም ዘለዎ ተሓቲቱ።
"እዚ ኣነ ዝምልሶ ኣይኰነን፤ እዚ ንሱ [ኢሳቕ] ዝምልሶ ሕቶ'ዩ።"







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







