ኣመሪካውያን ብዛዕባ ፖሊሲታት ወጻኢ ትራምፕ እንታይ ይሓስቡ?

ፕረዚደንት ፕራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ናብ ቤተ-መንግስቲ ዳግማይ ድሕሪ ምምላሱ፡ ኣብ ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ሓያሎ ውሳነታት እዩ ኣሕሊፉ።

ንግሪንላንድ ምስ ሃገሩ ክጽንብራ ምዃኑ ኣፈራሪሑ፣ ንቓዛ "ክሕዛ" መደብ ከም ዘለዎ ኣፍሊጡ፣ ንኣመሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO)ን ስምምዕ ክሊማ ፓሪስ ሕቡራት ሃገራትን ከውጽኣ ጀሚሩ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ቀንዲ ምንጪ ረድኤት መንግስቲ ንዝዀነ ወኪል ኣህጉራዊ ልምዓት ኣመሪካ (USAID) ዓጽዩዎ ኣሎ።

እዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ስጕምታት ኣመሪካውያን ከመይ ይርእዩዎም ንምፍላጥ፡ ማእከል ምርምር ፒው (Pew) ዝተባህለ ትካል ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ፡ እቶም ተራ ኣመሪካውያን ብዙሕ ከም ዘይቅበሉዎ ሓቢሩ።

ኣብ መወዳእታ መጋቢት፡ ትራምፕ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ዓለም እማመ ቀረጽ ቅድሚ ምንባሩ፡ ን3,605 ኣመሪካውያን ዳህሳስ ኣካይዱ። ካብቲ ፒው ዘካየዶ ዳህሳስ ድማ እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ነገራት ጐሊሖም ዝተራእዩ እዮም፤

ኣመሪካ ንግሪንላንድ ኰነ ቓዛ ክትሕዘን ኣለዋዶ?

ትራምፕ ንግሪንላንድ "ምጽንባር" ዝብል ዘረባኡ እናሻዕ ደጋጊሙዎ እዩ። ምክትል ፕረዚደንት ጄዲ ቫንስ'ውን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ናብ ደሴት ኣርክቲክ ኣካታዒ ዑደት ኣካዪዱ።

እንተዀነ፡ ኣብቲ ዝተኻየደ ዳህሳስ 54% ካብ'ቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት፡ ኣመሪካ ነታ መሬት ዴንማርክ ዝዀነት ግሪንላንድ ክትጽንብራ ኣለዋ ኢሎም ከም ዘይሓስቡ የመልክት።

ትራምፕ ነቲ ውጥን ብሓቂ ከተግብሮ ድዩ ኢሎም ምስ ተሓተቱ ከኣ፡ እቶም 23% ተኽእሎ ዘለዎ ኰይኑ ይስምዖም። ዝበዝሑ 34% ግን ክፍጸም ከም ዘይክእል ይገልጹ።

ብተወሳኺ፡ ኣመሪካ ንቓዛ ሒዛ ክትሃንጻ ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ። እቶም ክልተ ሚልዮን ፍልስጤማውያን ተቐማጦኣ ድማ ዳግማይ ክምለሱ መሰል ከይተዋህቦም ኣብ ካልኦት ሃገራት ክሰፍሩ ኣሚሙ። እዚ ተግባር'ዚ፡ ኣህጉራዊ ሕጊ ዝጥሕስ ኰይኑ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ "ምስ ዓሌታዊ ምጽጻይ ዝዳረግ፡" ኢሉ ከም ዝገለጾ ዝዝከር እዩ።

62% ኣመሪካውያን ንኸምዚ ዝኣመሰለ ስጕምቲ ክቃወሙ እንከለዉ፡ 15% ድማ ደገፎም ገሊጾም። ትራምፕ ካብ ዘረባ ሓሊፉ ከተግብሮ ዝኽእል እንተዀይኑ ንዝቐረበሎም ሕቶ ከኣ እቶም ዝበዝሑ 38% ዘይትግበር እማመ ገይሮም ይቘጽሩዎ።

ካርታ ግሪንላንድ

ብዛዕባ ምቍራጽ ዩኤስኤይድን ውድብ ጥዕና ዓለምን

ዝበዝሑ ካብ'ቶም ርእይቶኦም ዝሃቡ፡ ዩኤስኤይድ ክቋረጽን ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ምውጻእን ኣይቅበሉን።

ትራምፕ ንኣመሪካ ካብ ውድብ ጥዕና ዓለምን ስምምዕ ክሊማዊ ለውጢ ፓሪስን ንምውጻእ ፈጻሚ ትእዛዛት ፈሪሙን ዩኤስኤይድ ክዕጾ ምዃኑ ገሊጹን እዩ።

ኣመሪካውያን ነዚ ተግባራት'ዚ ካብ ዝፈትውዎ እቶም ዘይፈትውዎ ከም ዝበዝሑ ውጽኢት እቲ መጽናዕቲ ይሕብር። ተግባራውነቱ ግን ልዕሊ ዓቕሚ ትራምፕ ከም ዘይኰነ ይኣምኑ።

• 45% ዕማማት ዩኤስኤይድ ምቍራጽ ኣይቅበሉን (ምስ'ቶም 35% ዝተቐበሉዎ ክነጻጸር ከሎ)፣

• 46% ካብ ስምምዕ ፓሪስ ንምውጻእ ኣይሰማምዑን (32% ምስ ትራምፕ ይሰማምዑ)፣

• 52% ካብ ውድብ ጥዕና ዓለም ምውጻእ ኣይቅበሉን (32% ይሰማምዑ)።

ትራምፕ ንሩስያ ኣዝዩ ድዩ ዝድግፋ?

ትራምፕ ዳግማይ ናብ ዋይትሃውስ ድሕሪ ምምላሱ፡ ኲናት ዩክረይን ደው ንምባል ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን "ብሓባርን ብቐረባን፡" ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ። እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ጆ ባይደን ኣዝዩ ዝተፈልየ ኣቀራርባ'ዩ።

እቲ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ 43% ካብቶም መልሲ ዝሃቡ ሰባት፡ ትራምፕ ንሩስያ ኣዝዩ ዝድግፍ መሲሉ ተራእዩዎም። እዚ ኣሃዝ እዚ፡ ካብቶም ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ቅኑዕ ሚዛን ይሕዝ ኣሎ ዝበሉ 31% ዝለዓለ ቍጽሪ እዩ።

እቲ ዳህሳስ ካብ ዝካየድ ንደሓር ግና ስምዒት ትራምፕ ዝተቐየረ ይመስል። ኣብቲ መስርሕ ዘተ ብዛዕባ ዩክረይን ብፑቲን፡ "ኣዝዩ ከም ዝተቘጥዐ፡" ገሊጹ።

እዚ ከምዚ'ሉ እንከሎ፡ ርክብ ትራምፕ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር እስራኤል ቤንያሚን ነታንያሁ ኣብዚ ዓመት'ዚ እናሰጠመ መጺኡ።

ትራምፕ ንእስራኤላውያን ድዩ ንፍልስጤማውያን ዝድግፍ ዝብል ሕቶ ክምልሱ ከለዉ፡ 31% ካብቶም ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፉ፡ ንእስራኤላውያን ካብ መጠን ንላዕሊ ዝድግፍ መሲሉዎም። 29% ድማ ትራምፕ ቅኑዕ ሚዛን ዝሕዝ ዘሎ ኰይኑ ተራእዩዎም።

ካብ ክልተኦም ዝበዝሑ ግን እቶም 37% ኰይኖም፡ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ርግጸኛታት ኣይኰኑን። 3% ዝዀኑ ድማ ንፍልስጤማውያን እምብዛ ዝድግፍ ኰይኑ ተሰሚዑዎም።

ፕረዚደንት ትራምፕን ፑቲን

ሪፓብሊካውያን ንመደባት ትራምፕ ይድግፉዶ?

ማእከል ምርምር ፒው ዋላ እኳ ወገን እንተ ዘይሓዘ፡ እቶም ዳህሳስ ዝተገብረሎም ሰባት ግን ወገን ዝሓዙ እዮም።

እቲ ውጽኢት ከም ዘመልክቶ፡ መብዛሕትኦም እቶም ሪፓብሊካን ምዃኖም ዝገለጹ ወይ ናብ ሪፓብሊካን ፓርቲ ዝጽግዑ ኣብ ዝሃቡዎ መሊሲ፡ ንኣብነት፡ እቶም 64% ፕረዚደንት ትራምፕ ዩኤስኤይድ ንምቍራጽ ንዝወሰዶ ስጕምቲ ከም ዝድግፉ ይሕብሩ።

እዚ ምስቲ 9% ጥራሕ ምስቶም ተቓወምቲ ደሞክራትስ - ወይ ናብ ደሞክራስያውያን ዝጽግዑ - መልሲ ዝሃቡ ሰባት ክነጻጸር እንከሎ፡ ተመሳሳሊ ስምዒት ዝነበሮም ኰይኑ፡ ልዑል ደረጃ ምጽራድ ወይ ምትፍናን ከም ዘሎ ዘመልክት እዩ።

ብሓፈሻኡ፡ ንፖሊሲታት ወጻኢ ትራምፕ ዝድግፉ እቶም መንእሰያት ዘይኰኑ፡ ብኣብዝሓ እቶም ሽማግለታት ምዃኖም እቲ መጽናዕቲ ይሕብር።

እቲ ዳህሳስ፡ ብዛዕባ ቀረጽ ኣብ ልዕሊ ቻይና እውን ሓቲቱ። እንተዀነ፡ እቲ መጽናዕቲ ንግዳዊ ኲናት ናይዘን ክልተ ዓበይቲ ሃገራት ከይተኻረረ እንከሎ እዩ ተኻዪዱ።

ብሓፈሻ፡ ዝበዝሑ ኣመሪካውያን፡ እቲ ቀረጽ ሕማቕ ውጽኢት ክህሉዎ እዩ ይብሉ። እቶም ሪፓብሊካን ወይ ዝያዳ ናብቲ ሰልፊ ዝጽግዑ ሰባት ግን እቲ ቀረጽ ንኣመሪካ ከም ዝጠቅም ይኣምኑ።