ኣቡለይላ፡ ዛንታ ጀነራል ጐርደን፡ ብሓዲስ - ብዓይኒ ሱዳናውያን ትጸዊ

ጀነራል ጐርደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ህብብቲ ደራሲትን ተዓዋቲት ሽልማትን ዝዀነት ሱዳናዊት ለይላ ኣቡለይላ፡ ዛንታ ናይቲ ‘ጐርደን በዓል ኻርቱም’ [Gordon of Khartoum] እናተባህለ ዝፍለጥ ስሙይ እንግሊዛዊ ጀነራል፡ ኣብ ሓድሽ መጽሓፋ ብዓይኒ ሱዳናውያን ጸውያቶ ከም ዘላ ይግለጽ።

ጀነራል ጐርደን፡ ኣዛዚ ሰራዊት እንግሊዝ ኣብ ሱዳን ዝነበረ ኰይኑ፡ ብወተሃደራት ናይቲ ኣብ መወዳእታ መበል 19 ክፍለ ኣብ ሱዳን መራሒ ሃይማኖት ዝነበረ ማህዲ ዝተቐትለ እዩ።

እታ ሱዳናዊት ጸሓፊት - ለይላ- ከኣ፡ ኣብታ ‘ሪቨር ስፕሪት’ እትብል ሓዳስ ልበ-ወለዳ ዛንታኡ ካብቲ ቅድሚ ሕጂ ክዝንተዎ ዝጸንሐ ብዝተፈልየ ኣዘንትያቶ’ላ።

እታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ’ቲ ዛንታኡ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽን ፊልምታት ሆሊዉድን ኣብ መላእ ዓለም ዝተዘግሐ ጐርደን በዓል ኻርቱም፡ ሱዳናዊ ኣመለኻኽታ ትህብ እያ። ጐርደን ዛንታኡ ብኣጠማምታ እንግሊዛውያን ጥራይ ክጽወየሉ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ከም ሓደ ጅግና ብኽብሪ ክዝከር ዝጸንሐ’ውን እዩ።

ጀነራል ቻርለስ ጐርደን ብ1885 ብሓይልታት ሱዳን ብዝተገብረ ከበባ፡ ንኻርቱም እናተኸላኸለ’ዩ ተቐቲሉ።

ኣቡለይላ፡ እታ ብ1966 ዝተሰርሐት፡ ቻርልተን ሄስቶን ከም ጀነራል ጐርደን፡ ሎረንስ ኦሊቨር ድማ ከም ማህዲ ዝተዋስኣላ ፊልም ኻርቱም፡ ብዘይቅኑዕ ሓበሬታት ዝመልአት ምንባራ እያ ትምጕት።

“እቲ እንኮ ቅኑዕ ዝመስል ነገር እቲ ኣጽዋር ጥራይ’ዩ... ኣብ ኻርቱም’ውን ኣይተቐድሐትን” ክትብል ንመደብ ኒውስደይ ቢቢሲ ገሊጻ።

"ስለዚ ነቲ ዛንታ ዳግማይ ክጸውዮን፡ ፍጻመታት ብዓይኒ ሱዳን ከመይ ከም ዝረኣዩን ከቕርቦ ደልየ።"

ዛንታ ጀነራል ጐርደን ሓደ ካብ መሰረታዊ ዛንታታት ንሃገረ ሱዳን ምዃኑ እታ ጸሓፊት ትገልጽ።

ሱዳን፡ ንመብዛሕትኡ ክፋል መበል 19 ክፍለ ዘመን ብግዝኣት ኦቶማን ቱርኪ ትመሓደር ነይራ፤ ድሕሪኡ፡ ካብ መጀመርታ ክሳብ መፋርቕ መበል 20 ክፍለ ዘመን፡ ክሳብ’ቲ ነጻ ዝወጽኣትሉ 1956፡ ኣብ ትሕቲ ሓባራዊ ምሕደራ እንግሊዝን ግብጽን ነይራ።

“ማህዲ ዝገበሮ፡ ንሱዳናውያን ዳርጋ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ሓደ ኣስሚርዎም። በዚ ኸኣ፡ ኣንጻር ወጻእተኛታት - ግብጻውያን ይዅኑ ኦቶማን ወይ እንግሊዛውያን ሓድነት ተሰሚዕዎም” ትብል።

ኣብዛ ሓድስ ልበወለድ ለይላ፡ ደቂ ኣንስትዮ ከም ነርሳት፡ ሸየጥትን ከሸንትን ሰለይቲን ተራ ብምሓዝ ሕመረት ‘ቲ ዛንታ ኰይነን ቀሪበን ኣለዋ።

ደቀንስትዮ ሱዳን፡ "ኣብ ታሪኽ ኣብ እግረ ጽሑፍ ወይ ፈጺመን ኣይጥቀሳን፤ እንተዀነ ንሳተን ኣካል ሰራዊት እየን ነይረን... ኣዝዩ ንጡፍ ተራ ይጻወታ ነይረን፡ ነዚ ተራ ደቀንስትዮ ምድህሳስ ድማ መሳጢ ነይሩ፡" ብምባል ለይላ ኣቡለይላ ብዛዕባ መጽሓፋ ትዛረብ።

ለይላ ኣቡለይላ፡ ኣብ 1964 ኣብ ካይሮ ግብጺ ዝተወልደት ሱዳናዊት ደራሲት ኰይና፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኣበርዲን ስኮትላንድ እትነብር፡ ንኣፍሪቃውያን ጸሓፍቲ ዝወሃብ ኣህጉራዊ ሽልማት ‘ካን’ ዝተሸለመት ፍልጥቲ ጸሓፊት እያ።