ሱዳንን ግብጽን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካዪደን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሱዳንን ግብጽን ሓበራዊ ወተሃደራዊ ልምምዳት ከምዘካየዳ ሚኒስትሪ ምክልኻል ግብጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ልምምዳት ሓይሊ ባሕሪ ክልቲአን ሃገራት፡ ንሓያለ መዓልታት ዝጸንሐ'ዩ።
እቲ ወተሃደራዊ ልምምድ ንማያዊ ጸጥታን ድሕነትን ቀይሕ ባሕሪ ከምኡ'ውን ንክልቲአን ሃገራት ከጋጥመን ንዝኽልን ስግኣት ንምክልኻል ዝዓለመ ምዃኑ ሰራዊት ግብጺ ሓቢሩ።
"ሰራዊት ግብጺ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ምስ ኣሓትን መሓዙትን ሃገራት ወተሃደራዊ ምትሕግጋዝ ንምድንፋዕ ብዘዳለዎ ውጥን መሰረት" እቲ ልምምዳት ከምዝተኻየደ ሚኒስትሪ ምክልኻል ግብጺ ጠቒሱ።
ምንቅሰቓስ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ጸረ-ሽበራን ናይ ሓባር ጸላእቲን ምምካት'ውን ገለ ካብቶም ዕላማታት ናይቶም ልምምዳት'ዮም።
ሱዳንን ግብጽን ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንነዊሕ እዋን ዝጸንሐ ወተሃደራዊ ምሕዝነት ከምዘለወን ይንገር።
ክልቲአን ሃገራት፡ ብሰንኪ ዝዛዘም ዘሎ ግድብ ህዳሰ ምስ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምስሕሓበን ወተሃደራዊ ምትሕጋጋዘን ንምሕያል ዝተፈላለየ ስምምዓት ምግባረን ይፍለጥ። እዚ ድማ ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቓልቦ ብዙሓት ወገናት ዝስሕብ'ዩ።
እቲ ህንጸቱ ንልዕሊ 10 ዓመት ዝቕጽል ዘሎ ግድብ፡ ነቲ ክበጽሐን ዝጸንሐ መጠን ማይ ክጉድል'ዩ ብምባል ሕድገታት ክግበረለን ሱዳንን ግብጽን ክጠልባ ምጽንሐን ይዝከር።
ኣብዚ ቀረባ ዓመታት፡ ክልቲአን ሃገራት ወተሃደራዊ ልምምዳት ምክያደን ንገለ ኢትዮጵውያን ስክፍታ ክፈጥር ጸኒሑ'ሎ።
ኣብ መንጎ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ዶባዊ ምስሕሓባት ቅድሚ ሒደት ዓመታት ናብ ወተሃደራዊ ግጭት ኣምሪሑ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







