መሸጣ ኣጽዋር: ኣመሪካ ልዕሊ 2 ቢልየን ዶላር ዝግመታ ወተሃደራውያን ነፈርቲ ንግብጺ ክትሸጠላ'ያ

ወተሃደራውያን ነፈርቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ንግብጺ ናይ ወተሃደራዊ መጓዝያ ነፈርቲ ክሽየጠላ ፈቒዱ፡፡

ግብጺ ካብ ኣመሪካ ክትገዝኦ ዝሓተተቶ 12 ወተሃደራዊ ነፈርቲ ኮይነን ዋገአን ድማ ልዕሊ ክልተ ቢልየን ዶላር ከምዝኾነ ተገሊጹ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣመሪካ 300 ሚልዮን ዶላር ዋገኦም ናይ ኣየር መከላኸሊ ራዳራትን ካልኦት ወተሃደራዊ መገልገሊታትን ንግብጺ ሸይጣትላ ኣላ፡፡

እዚ ወተሃደራዊ መሳርሒታት ንግብጺ ክሽየጠላ ብመንግስቲ ኣመሪካ ፍቓድ ዝረኸበ፡ ምምሕዳር ባይደን ብዛዕባ ኣብ ግብጺ ዘሎ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ነቐፌታ ድሕሪ ምቕራቡ ምዃኑ ግና ኣዘራራቢ ኮይኑ ኣሎ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ኣብታ ሃገር ምስ ዘሎ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ብዝተኣሳሰር፡ መንግስቲ ኣመሪካ ንግብጺ ክህቦ መዲብዎ ዝነበረ ናይ 130 ሚልዮን ወተሃደራዊ ሓገዝ ደው ከምዘበሎ ዝዝከር እዩ፡፡

ምኽንያት ናይቲ ውሳነ ድማ ግብጺ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ክተመሓይሽ ዘይምኽኣላ ከምዝኾነ ሰበስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ ገሊጾም ነይሮም፡፡

ግብጺ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ካብ ዘለዋ መሓዙት ኣመሪካ ብቐዳምነት እትጥቀስ ኮይና፡ በቢዓመቱ ብሚልዮናት ዝቑጸር ወታሃደራዊ ሓገዝ ካብ ኣመሪካ ትረክብ፡፡

ነቲ ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ስዒቡ ናብ መሪሕነት ዝመጸ ፕረዚደንት ዓብዱል ፈታሕ ኣልሲሲ፡ እቲ ዝመርሖ መንግስቲ ብጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክንቀፍ ጸኒሑ እዩ፡፡

ኣብታ ሃገር ዘሎ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰል ክዕረ ክትሓትትን ጸቕጢ ክትገብርን ዝጸንሐት ኣመሪካ ብወገና፡ እትህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ ንግዚኡ ደው ከምዘበለቶ ገሊጻ ነይራ፡፡

ግብጺ ኣብቲ ዞባ ድልዱል ወተሃደራዊ ሓይሊ ካብ ዘለወን ሃገራት ሓንቲ ኮይና፡ በብእዋኑ ሰራዊታ ንምዝማን ጻዕሪታት ክትገብር ጸኒሓ ኣላ፡፡

ብመንጽር ወተሃደራውን ጸጥታውን ጉዳያት እንትረአ፡ ግብጺ ኣብታ ጎረቤታ ዝኾነት ሊብያ እትድግፎ ሓይሊ ናብ ስልጣን ንምምጻእ እትሕግዝ ዘላ ኮይና ምስ ሱዳን ድማ ዋዒኡ በብእዋኑ ዝለዋወጥ ናይ ዶብ ይግበኣኒ ምስሕሓብ ኣለዋ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ምስታ ብዶብ ዘይትራኸባ ኢትዮጵያ፡ ብምኽንያት እታ ምብራቕ ኣፍሪቃዊት ሃገር እትሃንጾ ዘላ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ወጥሪ አትያ ምህላዋ ይፍለጥ፡፡