ፑቲን፡ 'ንሩስያ እንተ ኣኽቢርኩማ ድሕሪ ዩክረይን ኲናት ኣይክህሉን' ኢሉ

ምንጪ ስእሊ, Alexander NEMENOV/AFP
ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ሩስያ ብኽብሪ እንተ ተታሒዛ ድሕሪ ዩክረይን ኲናታት ከም ዘይህሉ ገሊጹ። ሞስኮ ንሃገራት ኤውሮጳ ከተጥቅዕ መደብ ኣለዋ ዝብል ድማ "ዕሽነት" እዩ ኢሉ።
ኣስታት 4፡30 ሰዓት ዝወሰደ ብተለቪዥን ኣብ ዝተመሓላለፈ ሕቶን መልስን፡ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ስቲቭ ሮዘንበርግ ሓድሽ፡ "ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒታት፡" ክህሉ ድዩ ዝብል ሕቶ ንፑቲን ኣቕሪቡ።
"ልክዕ ከምቲ ወትሩ ናትኩም ድልየታት ከነኽብር እንፍትኖ፡ ብኣኽብሮት እንተ ሒዝኩምና፡ ረብሓና እንተ ኣኽቢርኩም፡ ዝዀነ [ወተሃደራዊ] ስርሒታት ኣይክህሉን'ዩ፡" ኢሉ።
እዚ ዘረባኡ ምስቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዝሃቦ ርእይቶ ዝሰማማዕ ኰይኑ፡ ሩስያ ናብ ኲናት ክትኣቱ መደብ ከም ዘይብላ፡ ኤውሮጳ እንተ ደልያ ግን "ኣብዚ ሕጂ እዋን" ሩስያ ድልውቲ ከም ዘላ ገሊጹ።
"ከምቲ ኔቶ ብምብራቕ ንምስፍሕፋሕ ዘታለልኩምና እንተ ዘይኣታሊልኩምና፡" ዝብል ቅድመ-ዅነት ወሲኹ ኣአንፊቱ።
ፑቲን፡ ኔቶ ቅድሚ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት ንናይ ሽዑ መራሒ ሶቭየት ሚካኤል ጎርባቾቭ፡ ኣብ 1990 ምዕራባውያን ዝኣተውዎ መብጽዓ ዓጺፎም ክብል ካብ ነዊሕ እዋን ክኸስስ ጸኒሑ'ዩ። ድሒሩ ጎርባቾቭ፡ ዝዀነ ቃል ኣይተኣትወን ክብል ነጺግዎ።
ኣብቲ ፑቲን ዓመታዊ መደብ ሕቶን መልስን ዝህበሉ "ቀጥታዊ መስመር"፡ ካብ ህዝብን ካብ መላእ ሩስያ ዝመጽኡ ጋዜጠኛታትን ዝተኣከቡ ሕቶታት ዝቐረበሉ ኰይኑ፡ ፑቲን ንክሪሚያ ሓዊሱ ዝተጐበጠ ከባቢታት ዩክረይን ዘጠቓለለ ዓቢይ ካርታ ሩስያ ብድሕሪኡ ይርአ ነይሩ።
መንግስታዊ ተለቪዥን ሩስያ፡ ልዕሊ ሰለስተ ሚልዮን ሕቶታት ከም ዝቐረቡ ገሊጻ።
ዋላ'ኳ ብዓቢዩ ምውህሃድ ዝተገብረሉ እንተዀነ፡ ምቍራጽ ኢንተርነትን ትሑት ጽሬት ዘለዎ መስመር ማይን ሓዊሱ ገለ ካብ ህዝቢ ዝቐረቡ ነቐፌታዊ ርእይቶታት ኣብ ዓቢይ ስክሪን ተራእዮም።
ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ምቍራጽ ሞባይል ኢንተርነት፡ መጥቃዕቲ ድሮናት ዩክረይን ዘስዓቡዎ እዩ ተባሂሉ።
ፑቲን ብተወሳኺ ነቲ ብሰንኪ ናህሪ ዋጋታት፡ ምንቍልቋል ዕብየት ከምኡ'ውን ቫት ካብ 20 ናብ 22% ምውሳኹ ኣመልኪቶም ንዝቐረቡ ሕቶታት መልሲ ሂቡ። ሓደ ነቲ ፕረዚደንት ኣብ ዝተነበበ መልእኽቲ፡ "ኣብ ኵሉ ነገር ዝረአ ዘሎ ሕሉፍ ወሰኽ ዋጋታት ደው ይበል!" ዝብል ነይሩ።
ፑቲን ኣብ ዝዛረበሉ ዝነበረ እዋን ድማ ማእከላይ ባንክ ሩስያ ወለድ ናብ 16% ከም ዘውርዶ ኣፍሊጡ።
ጉዳይ ኲናት ዩክረይን ብዝምልከት ድማ ፑቲን ነቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት "ብሰላም" ንምቍራጽ "ድሉው" ምዃኑ እኳ እንተ ገለጸ፡ ክገብሮ ዝኽእል ሕድገታት ዝምልከት ግን ብዙሕ ኣየአንፈተን።

ምንጪ ስእሊ, EPA
ኣብ ሰነ 2024 ኣብ ዘስምዖ መደረ ሕጂ'ውን ብምድጋም፡ ሓይልታት ዩክረይን ካብተን ሩስያ ብኸፊል ዝሓዘተን ኣርባዕተ ዞባታት ክወጽኡን ኪቭ ናብ ኔቶ ንምጽንባር እትገብሮ ጻዕሪ ክትገድፍን ጠሊቡ።
ካብ ቀንዲ ጠለባት ሩስያ ምቍጽጻር ምብራቓዊ ዶንባስ ዩክረይን ኰይኑ፡ እዚ ኣስታት 23% ናይቲ ሩስያ ክትሕዞ ዘይከኣለት ዞባ ዶኔትስክ ሓዊሱ እዩ።
ፑቲን ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዩክረይን ምዕባለታት ድሕረ-ግንባር ይገብሩ ከም ዘለዉ ብምምጓት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ኣብ ኩፒያንስክ ናብ ቅድመ-ግንባር ዝገበሮ ምብጻሕ ኣላጊጽሉ።
ፑቲን ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ሓድሽ ምርጫ ኣብቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ከም ኣካል ናይቲ ነቲ ግጭት ደው ንምባል ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ዘቕረቦ ናይ ሰላም እማመታት ክካተት ጠሊቡ።
ፑቲን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ድምጺ ምሃብ ኣብ ዝካየደሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ዩክረይን መጥቃዕቲ ቦምባ ምፍጻም ደው ከብሎ ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣገልግሎት ጸጥታ ዩክረይን ኤስቢዩ፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ልዕሊ ዝነበረት ታንከር ነዳዲ ሩስያ ከም ዝሃረመ ብዓርቢ ገሊጹ። ፑቲን ግን እዚ ኪቭ ዝደለየቶ ውጽኢት ከም ዘየምጽእን ንሰደድ ሩስያ ከም ዘየዐንቅፍን ገሊጹ።
መብዛሕትኦም ካብ ማዕከናት ዜና ሩስያ ይዅን ካብ ህዝቢ ዝቐረቡ ሕቶታት ንፑቲን ዝብድሁ'ኳ እንተ ዘይነበሩ፡ ንኽልተ ምዕራባውያን ጋዜጠኛታት - ኬር ሲሞንስ ኤንቢሲን ቢቢሲ ስቲቭ ሮዘንበርግን - ሕቶ ከቕርቡ ተፈቒዱሎም።
ሲሞንስ ፑቲን ነቲ ናይ ትራምፕ ውጥን ሰላም እንተ ነጺጉዎ ንሞት ዩክረይናውያንን ሩስያውያንን ተሓታቲ ኰይኑ ክስምዓካ ድዩ ዝብል ሕቶ ምስ ሓተተ፡ ፑቲን ነቲ ፕረዚደንት ኣመሪካ ኲናት ንምቍራጽ ንዝገብሮ ዘሎ "ቅኑዕ" ጻዕሪ ብምባል ንኢዱ።
እንተዀነ፡ ምዕራባውያን እምበር ሩስያ ኣይኰነትን ኣብ ስምምዕ ከይብጻሕ ትዓግት ዘላ ኢሉ።
"እታ ኩዕሶ ኣብ ኢድ ምዕራባውያን ተቓወምትና እያ ዘላ፤ ብቐንዱ መራሕቲ ስርዓት ኪቭ፡ ኣብዚ ጉዳይ እዚ ድማ ቅድሚ ኵሉን ልዕሊ ኵሉን ኤውሮጳውያን መወልቶም እያ ዘላ፡" ኢሉ።
ትራምፕ ኣብ ስምምዕ ሰላም ክብጻሕ ካብ ዝዀነ እዋን ንላዕሊ ከም ዝቐረበ ይገልጽ።
ልኡኽ ዩክረይን ብዓርቢ ኣብ ሚያሚ ምስ ልኡኽ ትራምፕ ስቲቭ ዊትኮፍን ወዲ ሓሙ ትራምፕ ጃረድ ኩሽነርን ዝርርብ ኣካይዱ እዩ። ሰበስልጣን ጀርመን፡ ፈረንሳን እንግሊዝን እውን ተረኺቦም።
ልኡኽ ክረምሊን ኪሪል ድሚትሪየቭ እውን ኣብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ኣብ ሚያሚ ክርከብ ትጽቢት ከም ዝግበር ጸብጻባት ይሕብሩ።
ፑቲን ንኣሰናዳኢ ሩስያ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ምሳኻትኩም ክንሰርሕ ድሉዋት ኢና - ምስ ዓባይ ብሪጣንያን ምስ ኤውሮጳን ብሓፈሻ፤ ከምኡ'ውን ምስ ኣመሪካ፡ ግን ከኣ ከም ማዕረ፡ ኣብ ነንሕድሕድና ብምክብባር፡" ኢሉ።
"ጸጥታ ማእከላይን ነዊሕን ግዜ ሩስያ እንተ ተረጋጊጹ፡ ነዚ ተጻብኦታት ብቕልጡፍ ደው ከነብሎ ድሉዋት ኢና፡ ምሳኹም ክንተሓባበር ድማ ቅሩባት ኢና።"
ነቲ ብለካቲት 2022 ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸሞ ምሉእ ወራር ዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መልሲ ድማ ኤውሮጳውያን፡ "ብኢድ ዩክረይናውያን ኒዮ-ናዚ ኣንጻርና ኲናት ትገብሩ ኣለኹም፡" ክብል ከሲሱ።
ሩስያ ንኔቶ ከተጥቅዕ ሒደት ዓመታት ጥራይ ከም ዝተረፋ ትካላት ስለያ ኤውሮጳ ኣጠንቂቖም።
ሓላፊ ኪዳን ምክልኻል ምዕራባውያን ማርክ ርተ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሩስያ ድሮ ሕቡእ ወፍሪ ተጋድዶ ከም ዘላን ምዕራባውያን ንውግእ ክዳለዉ ከም ዘለዎምን ገሊጹ ነይሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







