መሲ ኣንጻር ምባፐ - 'ኣብ ታሪኽ ዋንጫ ዓለም ጐባልል' እንመን ነይሮም?

ኣርጀንቲና ሰንበት ኣብ ፍጻመ ዋንጫ ዓለም ምስ ፈረንሳ ክትገጥም እያ።
ሊዮነል መሲን ኪልያን ምባፐን ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሩ ኣብ ቐጠር ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውድድር ዋንጫ ዓለም ንሃገራቶም ኣነቓቒሖም እዮም።
ስለዚ መሲ ቅድሚ ሕጂ ዘምለጦ ዋንጫ ዓለም ኣልዒሉ እዚ ውድድር 'ዋንጫ ዓለም መሲ' ተባሂሉ ክዝከር'ዶ ይኸውን?
ወይስ ምባፐ ነታ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ሩስያ ዝተዓወተት ፈረንሳ ናብ ተኸታታሊ ዓወታት ክምርሓ ይኸውን?
ቢቢሲ ስፖርት ኣብ ዝሓለፉ ውድድራት ኣብ ዓወታት ሃገሮም ዓቢ ኣበርክቶ ዝነበሮም ካልኦት ሽዱሽተ ተጻወትቲ የቕርብ።
ፔለ፡ ብራዚል – 1958
ብራዚል ኣብ 1958 ኣብ ሽወደን ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ክትጻወት እንከላ፡ ፔለ ወዲ 17 ዓመት ጥራይ እዩ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን ብራዚል ንመጀመርታ ግዜ ኣብዚ ውድድር ክትዕወት ትጽዕር ነይራ።
ኣብ መኽፈቲ ክልተ ጸወታታት ሃገሩ ዘይተሳተፈ እቲ ኣጥቃዓይ፡ ብድሕሪኡ ኣብ ልዕሊ ሕብረት ሶቭየት 2 ብ 0 ኣብ ዝተመዝገበ ዓወት ኣድናቘት ረኺቡ፤ ኣብ ርብዒ ፍጻመ ድማ ብራዚል ንዌልስ 1 ብ 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ጸወታ እንኮ ሸቶ ኣመዝጊቡ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ፔለ ደው ዘብሎ ኣይተረኸበን። ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ንፈረንሳ 5 ብ 2 ኣብ ዝሰዓረትሉ ጸወታ ሃትሪክ ኣመዝጊቡ።
ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ድማ ንሽወደን 5 ብ 2 ኣብ ዝሰዓረትሉ ጸወታ ተወሳኺ ክልተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ እዩ።
እዚኣ ንፔለ ካብ ሰለስተ ውድድራት ዋንጫ ዓለም እታ ቀዳመይቲ ነይራ። ኣብ 1962 ብሰንኪ መስበርቲ ኣብ መኽፈቲ ክልተ ጸወታታት ጥራይ ተሳቲፉ።
ኣብ 1970 ግን ኣብ ዝበለጸ ብቕዓቱ ስለዝነበረ፡ ብራዚል ኣብታ ኣብ ፍጻመ ጸወታ ንኢጣልያ 4 ብ 1 ዝተዓወተትሉ ጸወታ ዘመዝገባ ቀዳመይቲ ሸቶ ወሲኽካ ኣርባዕተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ።
ማሪዮ ኬምፐስ፡ ኣርጀንቲና – 1978
ኣርጀንቲና ክልተ ግዜ ዋንጫ ዓለም ክትዕወት ከላ፡ ኣብ ክልቲኡ ኣጋጣሚታት ሓደ ተጻዋታይ ኣብ ዓወታ ዓቢ ተራ ነይርዎ፤ ማርዮ ኬምፐስ። ኣብ 1978 ኣብ ኣርጀንቲና ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማሪዮ ነጊሱ እዩ።
እዚ ኣጥቃዓይ ቫለንሽያ ኣብ ክልተ ተኸታተልቲ ዓመታት ኣብ ላሊጋ ዝለዓለ ኣመዝጋቢ ሸቶ ብምዃን፡ ናብዚ ውድድር ዝኣተወ ኰይኑ፡ ኣብታ ሃገር ዘይጻወት እንኮ ተጻዋታይ ኣርጀንቲና ነይሩ።
ኬምፐስ ኣብ ቀዳማይ ናይ ምድብ ጸወታታት ሸቶ ከመዝግብ ኣይከኣለን፣ ኣብ ካልኣይ ዙር ግን ኣርጀንቲና ንፖላንድ 2 ብ 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ግጥም ንኽልቲአን ሸቶታት ንሱ'ዩ ኣመዝጊቡወን።
ኣርጀንቲና ኣንጻር ፔሩ 6 ብ 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ ግጥም ድማ ቀዳመይቲን ሳልሰይትን ሸቶታት ኣመዝጊቡ።
በዚ ድማ ሃገሩ ናብ ፍጻመ ጸወታ ኣእትይዋ፤ ኬምፐስ፡ ሃገሩ ኣብ ቦነስ-ኣየርስ ንሆላንድ 3 ብ 1 ኣብ ዝሰዓረትሉ ጸወታ'ውን ክልተ ተወሳኽቲ ሸቶታት ኣመዝጊቡ እዩ።
ንሱ ንሃገሩ ንፈለማ ዓወታ ሓጊዙዋ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ መወዳእታ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶን ብሉጽ ተጻዋታይን ናይቲ ውድድር ኮይኑ ዛዚሙ።
ፓውሎ ሮሲ፡ ኢጣልያ – 1982
ኣብ 1982 ኣብ ስጳኛ ኣብ ዝተኻየደ ዋንጫ ዓለም ዝተሳተፈ ኢጣልያዊ ኣጥቃዓይ ፓውሎ ሮሲ፡ ኣብ ሴሪ ኣ ኣብ ዝተፈጸመ ምትዕርራይ ጸወታታት ብዝነበሮ ተራ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት እገዳ እዩ ናብ ጸወታ ተመሊሱ።
ሃገራዊ ኣሰልጣኒ ኤንዞ ቢርዞት ንፓውሎ ብምምራጹ ኣብ ማዕከናት ዜና ኢጣልያ ተነቒፉ ነይሩ።
ድሕሪ ድኹም ኣጀማምራ ግን፡ እቲ ኣጥቃዓይ፡ ኢጣልያ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ንምብጻሕ ኣንጻር ብራዚል ክትዕወተሉ ኣብ ዝነበራ ጸወታ ብሉጽ ሃትሪክ ብምምዝጋብ ደሚቝ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ኣንጻር ፖላንድ 2 ብ 0 ክትዕወት እንከላ ክልቲአን ሸቶታት፡ ኢጣልያ ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ኣብ ልዕሊ ምዕራብ ጀርመን 3 ብ 1 ኣብ ዝተዓወተትሉ ግጥም ፈላመይቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ።
ሮሲ ብዘመዝገበን 6 ሸቶታት፡ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ኰይኑ ወርቃዊ ጫማ ከምኡ'ውን ብሉጽ ተጻዋታይ ናይቲ ውድድር ኰይኑ ወርቃዊት ኩዕሶ ተሰሊሙ።
ድያጐ ማራዶና፡ ኣርጀንቲና - 1986
ሓለቓ ጋንታ ኣርጀንቲና ድያጐ ማራዶና፡ ኣብ 1986 ኣብ ሜክሲኮ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ሃገሩ ንኻልኣይ ግዜኣ ዋንጫ ዓለም ክትዓትር ኣብ ዝሓገዘሉ እዋን ጋንታኡ ብኣብነት መሪሑ።
ቀዳመይቲ ሸቶ ኣንጻር ኢጣልያ ኣመዝጊቡ ኣርጀንቲና 1 ብ 1 ማዕረ ብምውጻእ ንምድባ ክትመርሕ ሓጊዙ።
ኣብ ርብዒ ፍጻመ ክልተ ሸቶታት ብምምዝጋብ ንእንግሊዝ 2 ብ 1 ስዒራ ካብቲ ውድድር ክትግለፍ ገይሩ። እታ ቀዳመይቲ ዕልልቲ ሸቶ ማራዶና፡ እታ ንፒተር ሺልተን ሓሊፉ፣ ዘሊሉ ንዝነውሓቶ ኩዕሶ ብኢዱ ጨሊፉ ዘመዝገባ 'ኢድ ኣምላኽ' እያ ነይራ።
እታ ካልኣይቲ ግን ከም ሓንቲ ካብተን ዝበለጻ ሽቶታት ዋንጫ ዓለም እያ ትቝጸር፤ ካብ ውሽጢ ፍርቂ ሜዳኡ ኩዕሶ ሒዙ ንተኸላኸልቲ እንግሊዝ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ሺልተን ንምእማኑ ዘጸግም ሽቶ ኣመዝጊቡ።
ነዚ ስዒቡ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ንቤልጅየም 2 ብ 0 ኣብ ዝተዓወተትሉ ግጥም፡ ተወሳኺ ክልተ ዘደንጽዋ ሸቶታት ዘመዝገብ ክኸውን እንከሎ፣ ድሕሪኡ ኣብ ልዕሊ ምዕራብ ጀርመን 3 ብ 2 ኣብ ዝረትዓትሉ ናይ ፍጻመ ጸወታ ድማ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ።
5 ሸቶታት ብምምዝጋብን 5 ውዱኣት ኩዓሳሱ ብምቕባልን፡ ማራዶና ብሉጽ ተጻዋታይ ናይቲ ውድድር ብምዃን ተዓዋቲ ወርቃዊት ኩዕሶ ኰይኑ።
ዚነዲን ዚዳን፡ ፈረንሳ - 1998
ብሉጽ ኣከፋፋሊ ዚነዲን ዚዳን ኣብ 1998 ፈረንሳ ዘአንገደቶ ዋንጫ ዓለም ትእምርቲ እቲ ውድድር ነይሩ።
ኣብቲ ኣብ ልዕሊ ደቡብ ኣፍሪቃ 3 ብ 0 ኣብ ዝተዓወተትሉ ግጥም፡ ንፈለማ ግዜ ንሃገሩ ሸቶ ብምምዝጋብን ብክሪስቶፍ ዱጋሪ ንዝተመዝገበት ውድእቲ ኩዕሶ ብምቐባልን ብሉጽ ኣጀማምራ ኣርእዩ።
ድሕሪኡ ዚዳን፡ ፈረንሳ ኣንጻር ስዑዲ ዓረብ መሪሕነት ክትሕዝ ከላ ብሉጽ ተራ ነይርዎ።
ኣብቲ 4 ብ 0 ዝተዓወተትሉ ግጥም ብቐይሕ ካርድ ድሕሪ ምብራሩ ግን ኣንጻር ዴንማርክ ኣብ ዝተገብረ ሳልሳይ ናይ ምድብ ጸወታን ኣብ ኣውዲቐካ ምሕላፍ ኣንጻር ፓራጓይ 1 ብ 0 ኣብ ዝተዓወተትሉን ኣይተሳተፈን።
እንተዀነ ብብቕዓት ናብ ጸወታ ተመሊሱ፣ ኣንጻር ኢጣልያ ኣብ ፍጹም ቅላዕ ሸቶ ኣመዝጊቡ፤ ድሓር ድማ ኣብ ርብዒ ፍጻመ ፈረንሳ ንክሮኤሽያ 2 ብ 1 ክትዕወተላ ሓጊዙ።
ፈረንሳ ኣብ ልዕሊ ብራዚል 3 ብ 0 ኣብ ዝተዓወተትሉ ናይ ፍጻመ ጸወታ ዚዳን፡ ብርእሱ ክልተ ሸቶታት ኣመዝጊቡ።
ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ኣብ ዩሮ 2000 ብሉጽ ተጻዋታይ ተባሂሉ ተሸሊሙ፡ ፈረንሳ እውን ነቲ ውድድር ተዓዊታትሉ።
ሮናልዶ፡ ብራዚል - 2002
እታ ናይ ፍጻመ ጸወታ - 1998 ንኣጥቃዓይ ብራዚል ሮናልዶ ዝዓበየት ህሞት ክትከውን ትጽቢት ይግበር ነይሩ።
ይዅን እምበር ቅድሚ ጸወታ ምጭብባጥ ጭዋዳ ኣጋጢምዎ፡ ሃገሩ ብፈረንሳ 3 ብ 0 ኣብ ዝተሳዕረትሉ ግጥም ጽልዋ ከሕድር ኣይከኣለን።
ኣብ 1999 ኣብ ብርኩ ዘጋጠሞ ከቢድ ማህሰይቲ ሞያኡ ከብቅዕ ስግኣት እንተነበሮ’ኳ፡ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ግን ሓደ ካብቶም ዝዓበየ ዛንታታት ምልሶት ናብ ኩዕሶ እግሪ እዩ።
ኣብ 2002 ኣብ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር፡ ሮናልዶ፡ ኣብ 7 ጸወታታት 8 ሸቶታት ብምምዝጋብ፡ ስንባደ ዝፈጥር ተጻዋታይ ኰይኑ።
ኣብተን ሰለስተ ናይ ምድብ ጸወታታት 4 ሸቶታት ኣመዝጊቡ - ሓንቲ፡ ብራዚል ኣንጻር ቱርኪ 2 ብ 1 ኣብ ዝሰዓረትሉ ጸወታ፡ ካልአይቲ ድማ ኣንጻር ቻይና 4 ብ 0 ኣብ ዝሰዓረትሉ፡ ክልተ ድማ ኣንጻር ኮስታሪካ 5 ብ 2 ኣብ ዘመዝገበቶ ቀሊል ዓወት።
ብድሕሪኡ ኣብ ዙር 16 ኣንጻር ቤልጅየም 2 ብ 0 ኣብ ዝተዓወተትሉ ጸወታ፡ ሓንቲ ሸቶ ኣመዝጊቡ፤ ኣብ ፍርቂ ፍጻመ ድማ ኣንጻር ቱርኪ 1 ብ 0 ክትዕወት እንከላ እታ እንኮ ሸቶ ናቱ ነይራ።
ኣብ መዛዘሚ ጸወታ ንጀርመን 2 ብ 0 ኣብ ዝተዓወተትሉ ጸወታ ድማ ክልቲአን ሽቶታት ዘመዝገበ ሮናልዶ እዩ፤ ብሉጽ ኣመዝጋቢ ሸቶ ኰይኑ ድማ ዛዚሙ።
ካብኡ ንደሓር ኣብ ዋንጫ ዓለም ካብኡ ንላዕሊ ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ የለን፤ ዋላ'ኳ ክልቲኦም መሲን ምባፐን ሎሚ ዓመት ናብኡ ንምብጻሕ ገና ኣብ ውድድር እንተሃለዉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







