ዘይሻራውያን መርመርቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ትግራይ ክኣትዉ ኣለዎም - ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, STATE DEPARTMENT
ጸሓፊ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ: ነፃ መርመርቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ትግራይ ክኣትዉ ከም ዝግባእ ገሊጹ።
ኣንቶኒ ብሊንከን ትማሊ 22 ታሕሳስ 2022 ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሃገሩ ዘይሻራውያን መርመርቲ ሰብኣዊ መሰላት ናብ ትግራይ ምእታዎም ዝያዳ ትኹረት ከም እትህቦ ሓቢሩ።
እቶም መርመርቲ ናብቲ ክልል ዝኣትዉ፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እንተሃልዩ እንተዘይሃልዩን ንምርግጋፅ ከም ዝኾነ’ውን ወሲኹ ገሊጹ።
ምምሕዳር ባይደን ንሰብኣዊ መሰላት ማእከል ናይ ወጻኢ ፖሊሲኡ ንምግባር ቃል ኣትዩ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
ብሊንከን፡ ኣሜሪካ ኣብ ትግራይ ንዝተፈፀሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ተሓታትነት ንምርግጋፅ ትሰርሕ ከም ዘላ ይገልጽ።
እቲ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ብዓል ስልጣን ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣሜሪካ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘለዋ ጸቕጥን ጽልዋን ተጠቒማ ብመንጽር ምሕደራ ሰብኣዊ መሰላት ክንደይ ዝኣክል ለውጢ ከም ኣመዝጊባ ዝብል ካብ ጋዜጠኛ ንዝቐረበሉ ሕቶ ምላሽ ኣብ ዝሃበሉ እዋን እዩ።
ንሱ፡ ኣብ ኲናት የመን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዝፍጸም ዝነበረ ግህሰት ምንካይ ከም ዝተኸኣለ ብምጥቃስ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም እውን ነዚ ሰብኣዊ ግህሰት ደው ንምባል ዝዓለመ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ኣሜሪካ፡ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ክካየድ ዝጸንሐ ደማዊ ኲናት ደው ክብል ኣብ መንጎ ክልቲኦም ሓይልታት ዝተገበረ ዘተ ሰላም ከም ዝደገፈትን በዚ ድማ ኣብ ስምምዕ ሰላም ከም ዝተበጽሐን ብሊንከን ኣመልኪቱ።
ኢትዮጵያ፡ ናብ ረብሓ ነፃ ቀረፅ ንግዲ (AGOA) ንክትምለስ፡ ነቲ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝተፈፀመ ግህሰታት ዘጻሪ ጉጅለ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ፍቓድ ከም ትህብ ተሓቢሩ’ዩ።
እቲ ጕጅለ ክኢላታት ናብ ኢትዮጵያ ኣትዩ መርመራ ምግብሩ ከም ቅድመኵነት ከም ዝተቐመጠ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ምሕባሩ ጸብጻብ ናይቲ ብእንግሊዝኛ ዝሕተም ኢትዮጵያዊ ጋዜጣ ሪፖርተር የመልክት።
መርመርቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኲናት ናብ ዝተፈፀመሎም ከባቢታት ክኸዱ ከም ዘይተፈቐደሎም እቲ ኮሚሽን ገሊጹ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ኢትዮጵያ ኣህጉራዊ መርማሪ ንምቛም ዝተወሰነ ውሳነን ዕድመ እቲ ኮሚሽን ምንዋሕን ክትቃወም ከም ዝጸንሐት ይዝከር።
ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ከም መሳርሒ ፕሮፖጋንዳ ንፖለቲካዊ ዕላማታት ይውዕል ኣሎ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ጣልቃ ምእታው እዩ ክትብል ዝኸሰሰት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ምንዋሕ ናይቲ ኮሚሽን ክቋረጽ ከም ዝሓተተት ማዕከናት ዜና ውሽጢ ዓዲ ሓቢረን።
ቅድሚ ሒደት መዓልቲ፡ እቲ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ እዋን ኲናት ሓድሕድ ዝተፈጸሙ ግህሰታት ዝምርምር ጕጅለ ክኢላታት ሓድሽ ኣቦ መንበር ምምራጹ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ቤት ምኽሪ ብ12 ታሕሳስ 2015 [ግእዝ] ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ታንዛንያዊ መሓመድ ቻንደ ዑስማን ሓድሽ ኣቦ መንበር ኰይኑ ከም ዝተመዘዘ ሓቢሩ።
እቲ ሓድሽ ኣቦ መንበር ዝተመዘዘ፡ እታ ነቲ ኮሚሽን እትመርሕ ዝነበረት ኬንያዊት ካሪ ቤቲ ሙሪንጊ ካብ ስልጣና ድሕሪ ምውራዳ ከም ዝዀነ’ውን ኣፍሊጡ።
እቲ 19 ገጽ ዝሓዘ ጸብጻብ ናይቲ ኮሚሽን፡ ኣብቲ ንክልተዓመት ዝቐጸለ ደማዊ ኲናት፡ ዓመጽ፡ ጾታዊ መጥቃዕቲ፡ ጃምላዊ ቅትለትን ጥምየት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከም ኣጽዋር ምጥቃምን ከም ዝተፈጸመ መርትዖታት ከም ዘሎን ኣቃሊዑ’ዩ።
እቲ ኮሚሽን እዞም ጥሕሰታት ገበናት ኲናት ከምኡ’ውን ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ምዃኖም ከም ዝኣምን'ውን ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







