እስልምና፡ ሓሙሽተ ቀንዲ ተግባራት ሓጅ

ስርዓተ ሓጅ ዝፍጽሙ ነጋድያን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሓጅ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣመንቲ ምስልምና ኣብ መካ ስዑድ ዓረብ ዘካይድዎ ዓመታዊ ቅዱስ ንግደት እዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ንግደት ካብ 4 ክሳዕ 9 ሰነ ዝፍጸም ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሓጃጆ ናብ መካ ከም ዝበጽሑ ወግዓዊ ሰነዳት እታ ሃገር ይሕብሩ።

ስርዓተ ሓጅ፡ ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ መሰረታውያን ኣዕኑድ እስልምና ኰይኑ፡ ኵሉ ኣካላውን ገንዘባውን ዓቕሚ ዘለዎ ኣስላማይ እንተ ወሓደ ኣብ ዕድመኡ ሓደ ግዜ ክፍጽሞ ግዴታ ኣለዎ።

መካ ነቢይ መሓመድ ዝተወለደላን ቀዳሞት ግልጸታት ቅዱስ ቍርኣን ዝተቐበለላን ቦታ እያ። እቲ ኣብዛ ቅድስቲ ከተማ ዝፍጸም ሓጅ ከኣ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ዓመታዊ ምትእኽኻባት ዓለምና ኰይኑ ካብ ኵሉ ኵርናዓትን ዓሌታትን ዓለም ዝመጽኡ ኣመንቲ ብሓደ ዝፍጽምዎ እዩ።

ብዘይካ'ዚ እቲ ስፍራ፡ እቲ ብጸሊም ዓለባ ዝተሸፈነ ቅርጺ ርቡዕ ኵርናዕ ዘለዎ ካዕባ ዝርከቦ ኰይኑ፡ ማእከል ናይቲ ብቕዱስ መስጊድ ወይ ዓቢይ መስጊድ መካ ዝፍለጥ መሳጊድ ኣል-ሓራም ዝርከቦ እውን እዩ።

እምበኣር፡ ምናልባት ብዛዕባ ሓጅ ዘይትፈልጥዎ ሓሙሽተ ሓቅታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

ካዕባ - ሓድጊ ነቢይ ኢብራሂም

ኣብ 2024 ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ኣመንቲ ሓጅ ከምዝፈጸሙ ሰነዳት ስዑዲ ዓረብ ይሕብር

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 2024 ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ኣመንቲ ሓጅ ከም ዝፈጸሙ ሰነዳት ስዑዲ ዓረብ ይሕብር

ዓመታዊ ንግደት ሓጅ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ኣዕኑድ እስልምና እዩ። በዚ ከኣ ዝዀነ ሰብ ነቲ ሃይማኖት ምስ ነቢይ መሓመድ ጥራሕ ከተኣሳስሮ ይኽእል ይኸውን።

ይዅን እምበር፡ ብመሰረት እስላማዊ እምነት እቲ ስርዓት ምስቲ ኣብ ህንጸት ካዕባ መሰረት ከም ዘንበረ ዝእመን ነቢይ ኢብራሂም እዩ ዝጅምር።

ስርዓታት ሓጅ፡ ነቢይ ኢብራሂም ንኣላህ ብምእዛዝ ንወዱ (እስማዒል) መስዋእቲ ዝቐረበሉ ንምዝካር እዩ ዝካየድ፤ እዚ ድሉውነት ንመስዋእቲ ድማ ኣብ መወዳእታ ብመለኮታዊ ምትእትታው ዝተዛዘመን መርኣያ ፍጹም እምነትን እዩ።

ነቢይ ኢብራሂም፡ ኣብ ክርስትናን ኣይሁድነትን እውን ብኣብርሃም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብቶም እምነታት'ውን መሰረታዊ እዩ።

ጾታዊ ምፍልላይ የሎን

ዘይከም ኣብ ካልኦት ስርዓታት እስልምና፡ ንኣብነት ኣብ መብዛሕትኡ መሳጊድ ወዲ ተባዕታይን ጓለንስተይትን ንምፍላይ ዘሎ ዝተፈላለየ ኣፍደገታት ወይ ዝተፈላለየ መጸለዪ ቦታታት - ኣብ እዋን ሓጅ እዚ የሎን። እቲ ስርዓት ጾታ ከይፈለየ ብሓባር እዩ ዝፍጸም።

ዓመታዊ ሚልዮናት ኣመንቲ ናብ መካ ይጓዓዙ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ዓመታዊ ሚልዮናት ኣመንቲ ናብ መካ ይጓዓዙ

ፍሉይ ኣከዳድና

ሓጅ ዝፍጽሙ ኣመንቲ፡ መንፈሳዊ ዕብየትን ትሕትናን ዘንጸባርቕ ፍሉይ ኣከዳድና ይኽተሉ።

ደቂ ተባዕትዮ ሓጃጆ፡ ማሕበራዊ ይዅን ቍጠባዊ ደረጃ ብዘየገድስ፡ ማዕርነት ኵሎም ኣመንቲ ዘመልክት "ኢሕራም" ዝበሃል ተራ፡ ዝዀነ ስፌት ዘይብሉን ክልተ ቍራጽ ጻዕዳ ዓለባ ይውንዘፉ።

ደቂ ኣንስትዮ፡ ከምዚ ዓይነት ጻዕዳ ክዳን ኣይክደናን እየን፤ እንተዀነ፡ ዝዀነ ፍዅስ ዝበለ ንኣካላተን ዝሽፍን ክዳን ክኽደና ይኽእላ እየን። ርእሰን ብመጐልበቢ ክሽፍና ይኽእላ፣ ኣብ ግዜ ሓጅ ግን ገጸን ኣይሽፍናን።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ሓጅ፡ ብሰንኪ ዝተመዝገበ ልዑል ሙቐት - ልዕሊ 51C (123F) ኣማኢት ሰባት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ ስነስርዓት ሓጅ፡ ብሰንኪ ዝተመዝገበ ልዑል ሙቐት - ልዕሊ 51C (123F) ኣማኢት ሰባት ከም ዝሞቱ ይፍለጥ።

ምድያብ ጐቦ

ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ፍሉጣት ስርዓታት ሓጅ፡ ጠዋፍ ኰይኑ፡ ሓጃጆ ንካዕባ ብኣንጻር ዙረት ሰዓት - ካብ የማን ንጸጋም - ሸውዓተ ግዜ ዝዘርሉ እዩ። እዚ ድማ ኣብ መጀመርታን መወዳእታን እቲ ቅዱስ ንግደት እዩ። ካልእ ቀንዲ ስርዓት ግን ኣብ መንጎ ክልተ ጐቦታት ዝግበር ጕዕዞ ምዃኑኸ ትፈልጥዶ?

ሓደ ክፋል ሓጅ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ውሽጢ መስጊድ ኣል-ሓራም ዝርከባ ጎቦታት ሳፋን ማርዋን 7 ግዜ ምብጻሕን ዘጠቓልል እዩ።

እዚ ድማ፡ ሓጀር - ብዓልቲ ቤት ነቢይ ኢብራሂም ሓጃር ነቲ ዕሸል ወዳ ማይ ንምርካብ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ጐቦታት ዝገበረቶ ዘይሕለል ጻዕሪ ንምዝካር ዝግበር እዩ።

ጫፍ ደብረ-ዓራፋት

ኣስላም ኣብ ደብረ-ዓራፋት በጺሖም ናብ ኣላህ እናጸለዩ ግዜ የሕልፉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓጃጆ ናብ ዓራፋት በጺሖም ናብ ኣላህ እናጸለዩ ግዜ የሕልፉ

ቀንዲ ማእከል ቅዱስ ንግደት ሓጅ ካዕባ ክኸውን ከሎ፡ እቲ መንፈሳዊ ጥርዙ ግን ኣብ ደብረ ዓራፋት ዝበሃል ካብ መካ ቍሩብ ውጺእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ምድረበዳ በረኻ እዩ ዝፍጸም።

ኣብዚ ቦታ፡ ካብ ብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ዓራርቦ፡ ንሓደ መዓልቲ ጽዑቕ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝገብሩን ቍርኣን ንዝቐርኡን ጻዕቂ ኣመንቲ ይእከቡ።

እዚ ቅዱስ ቦታ እዚ ኣብ እስልምና ዓሚቝ ትርጕም ኣለዎ። ብመሰረት እምነት እስልምና ነቢይ መሓመድ ናይ መወዳእታ ስብከቱ ዝሃበሉ ቦታ እዩ።