እስልምና፡ ሓሙሽተ ቀንዲ ተግባራት ሓጅ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓጅ፡ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣመንቲ ምስልምና ኣብ መካ ስዑድ ዓረብ ዘካይድዎ ዓመታዊ ቅዱስ ንግደት እዩ። ናይ ሎሚ ዓመት ንግደት ካብ 4 ክሳዕ 9 ሰነ ዝፍጸም ኰይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሓጃጆ ናብ መካ ከም ዝበጽሑ ወግዓዊ ሰነዳት እታ ሃገር ይሕብሩ።
ስርዓተ ሓጅ፡ ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ መሰረታውያን ኣዕኑድ እስልምና ኰይኑ፡ ኵሉ ኣካላውን ገንዘባውን ዓቕሚ ዘለዎ ኣስላማይ እንተ ወሓደ ኣብ ዕድመኡ ሓደ ግዜ ክፍጽሞ ግዴታ ኣለዎ።
መካ ነቢይ መሓመድ ዝተወለደላን ቀዳሞት ግልጸታት ቅዱስ ቍርኣን ዝተቐበለላን ቦታ እያ። እቲ ኣብዛ ቅድስቲ ከተማ ዝፍጸም ሓጅ ከኣ ሓደ ካብቶም ዝዓበዩ ዓመታዊ ምትእኽኻባት ዓለምና ኰይኑ ካብ ኵሉ ኵርናዓትን ዓሌታትን ዓለም ዝመጽኡ ኣመንቲ ብሓደ ዝፍጽምዎ እዩ።
ብዘይካ'ዚ እቲ ስፍራ፡ እቲ ብጸሊም ዓለባ ዝተሸፈነ ቅርጺ ርቡዕ ኵርናዕ ዘለዎ ካዕባ ዝርከቦ ኰይኑ፡ ማእከል ናይቲ ብቕዱስ መስጊድ ወይ ዓቢይ መስጊድ መካ ዝፍለጥ መሳጊድ ኣል-ሓራም ዝርከቦ እውን እዩ።
እምበኣር፡ ምናልባት ብዛዕባ ሓጅ ዘይትፈልጥዎ ሓሙሽተ ሓቅታት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤
ካዕባ - ሓድጊ ነቢይ ኢብራሂም

ምንጪ ስእሊ, EPA
ዓመታዊ ንግደት ሓጅ፡ ሓደ ካብ ቀንዲ ኣዕኑድ እስልምና እዩ። በዚ ከኣ ዝዀነ ሰብ ነቲ ሃይማኖት ምስ ነቢይ መሓመድ ጥራሕ ከተኣሳስሮ ይኽእል ይኸውን።
ይዅን እምበር፡ ብመሰረት እስላማዊ እምነት እቲ ስርዓት ምስቲ ኣብ ህንጸት ካዕባ መሰረት ከም ዘንበረ ዝእመን ነቢይ ኢብራሂም እዩ ዝጅምር።
ስርዓታት ሓጅ፡ ነቢይ ኢብራሂም ንኣላህ ብምእዛዝ ንወዱ (እስማዒል) መስዋእቲ ዝቐረበሉ ንምዝካር እዩ ዝካየድ፤ እዚ ድሉውነት ንመስዋእቲ ድማ ኣብ መወዳእታ ብመለኮታዊ ምትእትታው ዝተዛዘመን መርኣያ ፍጹም እምነትን እዩ።
ነቢይ ኢብራሂም፡ ኣብ ክርስትናን ኣይሁድነትን እውን ብኣብርሃም ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብቶም እምነታት'ውን መሰረታዊ እዩ።
ጾታዊ ምፍልላይ የሎን
ዘይከም ኣብ ካልኦት ስርዓታት እስልምና፡ ንኣብነት ኣብ መብዛሕትኡ መሳጊድ ወዲ ተባዕታይን ጓለንስተይትን ንምፍላይ ዘሎ ዝተፈላለየ ኣፍደገታት ወይ ዝተፈላለየ መጸለዪ ቦታታት - ኣብ እዋን ሓጅ እዚ የሎን። እቲ ስርዓት ጾታ ከይፈለየ ብሓባር እዩ ዝፍጸም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፍሉይ ኣከዳድና
ሓጅ ዝፍጽሙ ኣመንቲ፡ መንፈሳዊ ዕብየትን ትሕትናን ዘንጸባርቕ ፍሉይ ኣከዳድና ይኽተሉ።
ደቂ ተባዕትዮ ሓጃጆ፡ ማሕበራዊ ይዅን ቍጠባዊ ደረጃ ብዘየገድስ፡ ማዕርነት ኵሎም ኣመንቲ ዘመልክት "ኢሕራም" ዝበሃል ተራ፡ ዝዀነ ስፌት ዘይብሉን ክልተ ቍራጽ ጻዕዳ ዓለባ ይውንዘፉ።
ደቂ ኣንስትዮ፡ ከምዚ ዓይነት ጻዕዳ ክዳን ኣይክደናን እየን፤ እንተዀነ፡ ዝዀነ ፍዅስ ዝበለ ንኣካላተን ዝሽፍን ክዳን ክኽደና ይኽእላ እየን። ርእሰን ብመጐልበቢ ክሽፍና ይኽእላ፣ ኣብ ግዜ ሓጅ ግን ገጸን ኣይሽፍናን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምድያብ ጐቦ
ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ፍሉጣት ስርዓታት ሓጅ፡ ጠዋፍ ኰይኑ፡ ሓጃጆ ንካዕባ ብኣንጻር ዙረት ሰዓት - ካብ የማን ንጸጋም - ሸውዓተ ግዜ ዝዘርሉ እዩ። እዚ ድማ ኣብ መጀመርታን መወዳእታን እቲ ቅዱስ ንግደት እዩ። ካልእ ቀንዲ ስርዓት ግን ኣብ መንጎ ክልተ ጐቦታት ዝግበር ጕዕዞ ምዃኑኸ ትፈልጥዶ?
ሓደ ክፋል ሓጅ ኣብ መንጎ እቶም ኣብ ውሽጢ መስጊድ ኣል-ሓራም ዝርከባ ጎቦታት ሳፋን ማርዋን 7 ግዜ ምብጻሕን ዘጠቓልል እዩ።
እዚ ድማ፡ ሓጀር - ብዓልቲ ቤት ነቢይ ኢብራሂም ሓጃር ነቲ ዕሸል ወዳ ማይ ንምርካብ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ጐቦታት ዝገበረቶ ዘይሕለል ጻዕሪ ንምዝካር ዝግበር እዩ።
ጫፍ ደብረ-ዓራፋት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቀንዲ ማእከል ቅዱስ ንግደት ሓጅ ካዕባ ክኸውን ከሎ፡ እቲ መንፈሳዊ ጥርዙ ግን ኣብ ደብረ ዓራፋት ዝበሃል ካብ መካ ቍሩብ ውጺእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ምድረበዳ በረኻ እዩ ዝፍጸም።
ኣብዚ ቦታ፡ ካብ ብራቕ ጸሓይ ክሳዕ ዓራርቦ፡ ንሓደ መዓልቲ ጽዑቕ ጸሎትን ኣስተንትኖን ዝገብሩን ቍርኣን ንዝቐርኡን ጻዕቂ ኣመንቲ ይእከቡ።
እዚ ቅዱስ ቦታ እዚ ኣብ እስልምና ዓሚቝ ትርጕም ኣለዎ። ብመሰረት እምነት እስልምና ነቢይ መሓመድ ናይ መወዳእታ ስብከቱ ዝሃበሉ ቦታ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







