ኣርማ ዝዀነት ዑፍ እንተቐቲልካ ዕድመ ልክዕ እትኣስር ሃገር

ኣብ ዩጋንዳ ከም ኣርማ ተገይራ እትውሰድ ዒፍ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፍሉይ ወርቃዊ ዘውዲ፡ ቀይሕ ጎሮሮን ቀጢን ጸሊም እግርን ዘለዋ ዒፍ ኣብ ዩጋንዳ ኣመና ተፈታዊት ኰይና ባንዴራ እታ ሃገር ነዛ ዒፍ ኣብ ማእኸላ ሰቒላ እያ እትምብልበል።

ኵለን ሃገራውያን ጋንታታት ስፖርት'ዉን ብስም እታ ምልክት ዑፍ ዝተሰየማ ኰይነን፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ግን ቁጽሪ እዘን ተሃረፍቲ ኣዕዋፍ የንቆልቁል ከም ዘሎን ተወሳኺ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ እንተዘይተገይሩ ድማ ጠቕሊለን ክጠፍኣ ከም ዝኽእላን ተጣበቕቲ እተን ዓሌት ኣዕዋፍ ኣተሓሳሲቦም።

እታ ዒፍ ብሕጊ ሓለዋ ይግብረላ።

ነዛ ዒፍ ቀቲሉ ዝተረኸበ ሰብ ክኣ ናይ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ወይ ድማ 5 ሚልዮን ዶላር ይቕጻዕ።

ንዘመናት ምልስ ኢልና እንተርኢና'ውን ብባህላዊ እምነት ሕብረተሰብ ዩጋንዳ ነታ ከም ምልክት ሃብቲ፡ ሰናይ ዕድልን ነዊሕ ዕድመን እትረአ ዝነበረት ውቅብቲ ዒፍ ካብ ምጥፋእ የድሕና ከም ዝነበረ'ዩ ዝዝንቶ።

ሓደ ሰብ ነታ ዒፍ እንተቐቲሉ፡ ዘመዱን ኣዝማዱን ናብ ገዛ እቲ ቀታሊ ይኸዱ፡ እቲ ሰብ ክሳብ ዝዓብድ ወይ ክሳብ ዝመውት ድማ ኣብ ቤቱ ሓዘን ይግበር።

"ከምዚ ዓይነት ዛንታታት ፍርሒ ስለ ዘስረጸ እዘን ኣዕዋፍ ተፈሪሔን ክነብራ ይገብር ነይሩ'ዩ፡" ክብል ሰራሕተኛ ኔቸር ዩጋንዳ ኣብ ዝተባህለ ዘይመንግስታዊ ትካል ዝዀነ ላዕለዋይ ተጣባቒ ዕቃበ ጂሚ ሙሂብዋ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣብ ምዕራባዊ ዩጋንዳ ዝርከቡ ሓረስቶት ግን ብዛዕባ እቲ ነታ ዒፍ ምስ ቀተልካ ብዛዕባ ዝስዕብ መቕጻዕቲ ብዙሕ ዝፈልጡ ኣይመስሉን።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

"ረብሓ ናይዘን ኣዕዋፍ ኣይረኣየንን፤ ምኽንያቱ ግራውትና ወሪረን ዘራእቲና እየን ዝበልዓ። ኣብዚ ከባቢ ብዛዕባ ውሕስነት መግቢ ንጭነቕ ኣለና፡" ክብል ሓረስታይ ቶም ሙኩንጉዚ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ካልእ ኣብ ጥቓ ምባራራ ዝተባህለት ዓዲ እትነብር ሓረስታይ ፋውሲታ ኣሪቱዋ፡ ናብቲ ናይ ዒልቦ [ዕፉን] ግራታ ምስ ከደት ምሉእ መዓልቲ ነተን ኣዕዋፍ እናሰጐገት ከም እተሕልፎ - ኣብኡ ክትበጽሕ እንተዘይክኢላ ድማ ካልእ ሰብ ክሕሉ ደው ክብል ከም ዝግደድ ገሊጻ።

"እዘን ኣዕዋፍ ኵሉ ስለ ዝበልዓ ከም ቀደምና ምህርቲ ኣይንሓፍስን፡" ክትብል ተዛሪባ።

እዘን ዘውዲ ዝደፍኣ ዓዕዋፍ ክሬን ተባሂለን ይፍለጣ።

ብብዝሒ ክኣ ኣብ ዩጋንዳ ይርከባ። ብተወሳኺ ድማ ኣብ ኬንያ፡ ታንዛንያ፡ ሩዋንዳ፡ ብሩንዲ፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ሞዛምቢክ፡ ደቡብ ኣፍሪቃን ዚምባብወን እውን ይርከባ።

እዘን ኣዕዋፍ ዝብላዕ ዝስተ እንተዘይስኢነንን ኵነታት ኣየር እንተዘይከፊኡወንን ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝስደዳ ዓይነት እንስሳ ኣይኰናን።

ኣስታት ሓደ ሜትሮ ቁመት ዘለወን እዘን ኣዕዋፍ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ራሕሲ ኣብ ዝበዝሖ ከባቢታት ገምገም ሩባታት ከባቢ ዲጋታትን ሳዕርን ይነብራ።

ምስቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ብዝሒ ህዝቢ ደቂ ሰባት ግን፡ እቲ ልዑል ጠለብ መግቢ፡ ሓረስቶት ራሕሲ ኣብ ዘለዎ ከባቢታት ከልምዑ ይደፍኦም ኣሎ።

በዚ ምኽንያት ድማ እዘን ኣርማ ሃገር ዝዀና ኣዕዋፍ መረበትና ኢለን ዝጽዋዓሉ ከባቢታት እናነከየ ይኸይድ ኣሎ።

ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንኣህጉራዊ ትካል ክሬን ፋውንዴሽን ዝመርሕ ኣዳልበርት ኣይኖሙኩንጉዚ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ምብራቓዊ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝሓለፉ 25 ዓመታት ብዝሒ ቁጽሪ እዘን ኣዕዋፍ ብልዕሊ 80 ሚእታዊት ከም ዝነከየ ይፍለጥ" ኢሉ።

ኣብ ሰብዓታት ልዕሊ 100,000 [ክሬስት ክሬን] ዝነበራ ዩጋንዳ ሎሚ ግን እቲ ቁጽሪ ናብ 10,000 ጥራይ ከም ዝነከየ ኔቸር ኡጋንዳ ይሕብር።

ኣዘን ተሃራፎ ኣዕዋፍ ዝርባሓሉ ሰውሒ መርየት ዳግማይ ክምለስ ጸዓዕርታት ይካየድ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, International Crane Foundation

እዚ ምንቁልቋል እዚ፡ ኣህጉራዊ ሕብረት ዕቃበ ተፈጥሮ (IUCN) ነታ ክሬስት ክሬን፡ ኣብ 2012 ኣብ ዝርዝር ኣብ ሓደጋ ካብ ዝርከቡ ዓይነታት ኣዕዋፍ ኣእትይዋ።

"እዛ ዑፍ ርግኣት፡ ጽባቐን ተፈታውነትን እኳ እንተሃለዋ፡ ከቢድ ሓደጋ ኣጋጢምዋ ኣሎ። ዝዀነ ህጹጽ ስጉምቲ እንተዘይተወሲዱ፡ እተን ክሬናት ናብ ምጥፋእ ገጸን ከም ዝዀና ክንግንዘብ ይግበእ"" ክብል ዩጋንዳዊ ተመራማሪ ኣዕዋፍ ዳን ስሰሩገ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ ከባቢ ምባራራ ነተን ኣዕዋፍ ንምርካብ ኣጸጋሚ ኰይኑ ረኺብናዮ፤ ኣጋ ወጋሕታ ጥራይ ኢና እንርእየን።

ቅድሚ ሕጂ ኣብ ከባቢ ምባራራ ንምርካቦም ኣዝዮም ቀለልቲ ከም ዝነበሩ ተጣበቕቲ ዕቃበ ተፈጥሮ ሃብቲ ይዛረቡ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ክሬናት [ዓሌት ኣዕዋፍ] ኣብ ደቡባዊ ማእከላይ ዩጋንዳ ኣብ ዝርከብ ኣውራጃ ልዌንጎ ብሓረስቶት ዒልቦን ሩዝን ድሕሪ ምምራዘን ሞይተን ተረኺበን።

"ሓደ ካብቲ ኣብ ልዕሊ እዘን ኣዕዋፍ ዘንጸላለወ ሓደጋ ብሓረስቶት ተመሪዘን ስለ ዝሞታ እዩ። እዚ ዝዀነሉ ምኽንያት ድማ እተን ኣዕዋፍ ኣብ ዝራእቲ ሓረስቶት ጉድኣት የስዕባ ስለ ዘለዋ'ዩ፡" ክብል ኣብ ኣህጉራዊ ፋውንዴሽን ክሬን ICF ሓላፊ ዕቃበ ጊልበርት ታየብዋ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ታየብዋ፡ ሓረስቶት ዝተፈላለዩ መከላኸሊ ሜላታት ከም [ስካረክሮስ] ተጠቒሞም ኣእኻሎም ካብ ወራር ክሬናት ንምክልኻል ክዋፈሩ ከም ዝጸንሐ ገሊጹ።

ባንዴራ ዩጋንዳ ማእኸሉ እዘን ኣዕዋፍ ይርከባኦ

ከም በዓል ፊሊፕ ንታረ ዝኣመሰሉ ሓረስቶት፡ እተን ክሬናት ብኣግሮ-ኬሚካላትን ካልኦት ጸረ-ባልዕን ዝተነጽገ ኣእካል ድሕሪ ምብላዕ ሓደ ሓደ ግዜ ብጌጋ ከም ዝምረዛ ገሊጹ።

"ኣነ ካብ ግራውተይ ክሃድማ እየ ዝገብር፡ ምኽንያቱ እዘን ኣዕዋፍ ክቕተላ ከም ዘይብለን ይፈልጥ'የ። እንተዀነ መንግስቲ ሓረስቶት ኣብ ዘራእቶም ብሰንኪ እዘን ኣዕዋፍ ዘጋጥሞም ዕንወት ክኽሕስ ኣለዎ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ይኹን እምበር፡ ኣብ በዓል መዚ እንስሳ ዘገዳም ዩጋንዳ ዳይረክተር ዕቃበ ጆን ማኮምቦ፡ እዚ ከም ዘይከኣል ገሊጹ።

"እዚ ዓሌት ዒፍ ናብ ዝዀነ ቦታ ናይ ምኻድ ናጽነት ዘለዎም ክቡራት ዓይነት እንስሳታት'ዩ፡ ስለዚ መንግስቲ በቲ ብእዘን ኣዕዋፍ ዝወርድ ዝዀነ ይኹን ጉድኣት ተሓታቲ ኣይኰነን፡" ኢሉ።

ካልእ ኣብ ዕቃበ እዘን ኣዕዋፍ እትነጥፍ ሳራ ኩጎንዛ፡ እተን ክሬናት ካልእ ብዙሕ ሓደጋታት'ውን ከም ዘጋጥመን ገሊጻ።

መከላኸሊ ሽፋን ናይቲ ሰውሒ መርየት እንተዘይሃልዩ፡ ጫቝቶም ብንስሪ ናይ ምሓዝ ተኽእሎኦም ዝለዓለ እዩ።

ክሬናት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ ኣብ ተጻባኢ ዝዀነ ሃዋህው ይነብሩ ኣለዉ።

ሳራ፡ "ሓደ ሓደ ግዜ መፋረዪ ቦታታት ብማይ ይዕለቕለቕ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ድማ ገለ ክሬናት ኣብ ዝነፈራሉ እዋን ብመስመራት ኤሌክትሪክ ይሞታ፡" ኢላ።

ሰባት ነተን ኣዕዋፍ እንስሳ ዘቤት ክኾና ይገብሩ ስለ ዘለዉ፡ እቲ ፍሉይ ጽባቐኦም እውን ኣብ ሓደጋ ከም ዘእተዎም ኣይኖሙኩንጉዚ ይዛረብ።

ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ጥራይ ክነብሩ ዝኽእሉ ክሬስት ክሬናት ግን፡ እተን ኣዕዋፍ እሙናት ምዃነን ፍሉጣት ብምዃነን፡ ኣብ መንበሪ ገዛ ደቂ ሰባት ዳርጋ ኣይራብሓን እየን።

ብሳዕስዒት፡ ብምምብርካኽን ብምዝላልን መጻምድቶም ናይ ምስሓብ ተኽእሎ ዘለዎም እዞም ኣዕዋፍ መብዛሕትኡ ግዜ ከም መጻምድቲ ወይ ስድራቤት ኰይኖም ክጓዓዙ ይረኣዩ።

ሓደ ጽምዲ 'ናይ ገዛእ ርእስና መሬት' ኢሎም ዝሓስብዎ ግዝኣት ስለ ዘለዎም ንዕኡ ካብ ባዕዲ ንምክልኻል ድማ ኣዝዮም ቁጡዓት እዮም።

ሓደ ምስ ሓንቲ ጸኒዖም ዝዘልቑ ኣዕዋፍ ብምዃኖም ድማ ዘይተደልየ ኣቓልቦ ናይቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ባህላውያን ፈወስቲ እውን ስሒቡ'ሎ።

ገለ ክፋል እዞም ኣዕዋፍ መንጪትካ ምውሳድ በዓል ቤትካ እሙን ክኸውን ይገብር'ዩ ወይ ድማ ኣብ ቅድሜኻ ጸዓዳ ክጸንሓካ የኽእል'ዩ ዝብል እምነት'ሎ።

"ገለ ሰባት ክህብትሙ ኢሎም ገለ ክፍሊ ኣካላቶም ናብ ጠንቆልቲ ክወስዱ ክሬን ክሃድኑ ተታሒዞም እዮም። ወይ ድማ፡ ጓል ኣንስተይቲ እንተኾይንኪ፡ በዓል ቤትኪ ፈጺሙ ኣይገድፈኪን'ዩ" ይብል ሚስተር ታየብዋ።

ነቲ እናነከየ ዝኸይድ ዘሎ ቁጽሪ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ መንግስቲ ዩጋንዳን ጉጅለታት ዕቃበን ሰውሒ መርየታት ንምምላስ ጻዕርታት የካይዱ'ለዉ።

ፕረዚደንት ዮዌሪ ሙሰቨኒ፡ ወረርቲ ካብ ሰውሒ መርየታት ክርሕቁ ለበዋታት ክህብ ጸኒሑ። ብመሰረት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ድማ 2025 ዓመተ ዕቃበ ሰውሒ መሬት ምዃኑ ኣዊጁ።

ብተወሳኺ ኣይሲኤፍ፡ እቶም ኣዕዋፍ ዝራብሑሉ ቦታታት ንምክትታልን ንምርግጋጽን፡ ሓለውቲ መልሚሉ ኣሎ።

ሙሂብዋ፡ እዚ ጻዕርታት ቀስ ብቐስ ነቲ ኩነታት ንምርግጋእ ይሕግዝ ከም ዘሎን፡ ቁጽሪ ክሬናት ግን "ኣዝዩ ትሑት፡" ከም ዘሎን ገሊጹ።

ማኮምቦ ብወገኑ "ነቶም ክሬናት ዝምረዙ ዘለዉ ኣሲርና ክንከሶም ኢና፡" ኢሉ።