10 ተቓወምቲ ውድባት ዝሓቖፈ ልፍንቲ፡ ቅልጡፍ ምቁራጽ ተፃብኦታት ክግበር ሓቲቱ

ኣርማ ውድባት ፖለቲካ

ምንጪ ስእሊ, SM

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወደቦ ሃገራዊ ዝርርብ ኣትሪሮም ዝነቕፉ 10 ዝኾኑ ውድባት ፖለቲካ ሓባራዊ ልፍንቲ ፈጢሮም።

እቲ ሃገራዊ ምኽክር ብዝምልከት መሰረታዊ ፍልልይ ኣለና ዝብሉ እዞም ውድባት፡ ሓቀኛ ዲሞክራሲ ንምፍጣር ዘኽእል ሓበራዊ መድረኽ (Caucus) ምቛሞም ይገልጹ።

ነቲ ሓበራዊ ልፍንቲ ዝፈጠሩ፡ መድረክ፣ ሕብሪ ኢትዮጵያ፣ ውድብ ህዝቢ ዓፋር፣ ውድብ ፍትሕን ዲሞክራስን ዓፋር፣ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፣ ፌደራሊሰት ኮንግረስ ኦሮሞ፣ ብሄራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፣ ብሄረዊ ምንቅስቐስ ዎላይታ፣ ዓረና ትግራይን ዲሞክራስያዊ ውድብ ህዝብታት ዶንጋ እዮም።

እቲ ልፍንቲ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸስቱ ንብዙሕ ህይወት ምጥፋእን ዕንወትን ጠንቂ ዝኾነ ደማዊ ኲናት ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ኣለዎ ዝብል ጽኑዕ እምነት ከምዘለዎም ይገልፅ።

ኣብ ትግራይ ብጥቅምቲ 2012 ዓ.ም.ግ ዝተወለዐ ኲናት፡ ናብ ካልኦት ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምስፍሑ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ልዕሊ 10 ሚልዮን ህዝቢ ንጥሜት ኣሳጢሑ እዩ። ልዕሊ ፍርቂ እዚ ህዝቢ ኣብ ትግራይ ዝርከብ ኮይኑ፡ እቲ ክልል ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ‘ዘይእውጅ ዕጽዋን ክባን’ ይርከብ።

እቲ ኣዝዩ ዘስካሕኽሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ዘስዐበ ደማዊ ኲናት ንገለ ኣዋርሕ ህድእ ኢሉ እንተሎ’ኳ፡ ዳግማይ ከይለዓል ስግኣታት ኣለዉ።

ገዛኢ ውድብ ሓዊሱ ብዙሓት ውድባት፡ ነቶም ኣብዛ ሃገር ዝተርአዩ ጸገማት ንምፍታሕ ሃገራዊ ዝርርብ ክግበር እንተተስማምዑ’ኳ፡ ‘ከመይ ኢሉ ኣብ ኣብ ግበሪ ይውዓል’ ኣብ ዝብል ፍልልይ ከምዘሎ እቶም ውድባት ተቓውሞ ሓቢሮም።

እቲ ሃገራዊ ዝርርብ ብኸመይ ይካየድ ኣብ ዝብል ዛዕባ ዝርርብ ይግበረሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ “መንግስቲ ነቲ ከይዲ ዝቆጻጸር ረቂቕ ሕጊ ብምንዳፍ በቲ ናይ ሓደ ፓርቲ ዝዕብለል ፓርላማ ኣቢሉ ብምጽዳቕ፡ ንተሳትፎ ውድባት ተቓውሞ ዕሸሽ ኢሉ” ክብሉ ይኸሱ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

በዚ መሰረት፡ ኣጠራጣሪ ብዝኾነን ፡ መሰረታዊ መትከላት ናይ ሓደ ሃገራዊ መድረኽ ብዝጥሕስን መገዲ፡ ኣባላት እቲ ኮሚሽን ምምራፁ ይሕብሩ።

 “ካብዚ ሓሊፉ ምስ መንግስቲ ኣብ ኲናት ንዝርከቡ ኣካላት እቲ ኮሚሽን ብኸመይ ከዘራርቦም ከምዝኽእል ዝተቐመጠ መስርሕ የለን” ይብል።

 እቲ ልፍንቲ፡ ብሓፈሽኡ፡ ቅልጡፍን ዓለም ለኸ ትካላት ዝቆጻጸርዎን ተጻብኦ ምቁራጽ ክግበር፡ ኣባላት እቲ ኮሚሽን ኣሳታፊ፣ ነጻን መንጎኛን ክኾኑ ከምኡ’ውን ተቃወምቲ ፖለቲካዊ ውድባት ዘይትካእ ግደ ክጻወቱ ክኽእሉ ሓቲቱ።

 “ፓስፖርት ኢትዮጵያ ዝሓዘ” ዝብል ዓይነት ዝርከቦም ዓንቀጻት ድማ ክለዓሉ እቲ መድረኽ ሓቲቱ።

 ኣብ ምቅራጽ ኣጀንዳ ኩሎም ክሳተፉ ከምኡ’ውን ዓለምለኸ ተዓዘብቲ ክሳተፉ’ውን ጠሊቡ።

 እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ስርሑ ክጅመር ተባሂሉ ትጽቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ ኮሚሽን፡ ብሃገራዊ ባይቶ ተወከልቲ ዝቖመ ምዃኑ ይዝከር።

 እንተኾነ ኣብ ፖለቲካ እታ ሃገር ሰፊሕ ጽልዋ ዝፈጥሩ ከም በዓል ኦፌኮ ዝኣመሰሉ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ከይዲ እቲ ኮሚሽን ዝቖመሉን ኣባላቱ ዝተመርጽሉን ብምንቃፍ፡ ንርእሶም ካብ ተሳትፎ ከምዘግለሉ ይፍለጥ።

ብተመሳሳሊ ዜና፡ ማሕበር ፖለቲካኛታት ደቂኣንስትዮ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ምልዕዓል ካልእ ዙር ኲናት ደው ክብል ሓቲቱ።

እቲ ማሕበር፡ ኣታ ሃገር ካልእ ዙር ኲናት ከይጅመር ዘጠንቀቐ ኾይኑ፡ መንግስቲ ፌዴራል፣ ህወሓትን ኦነግን ጻውዒት ሰላም ክቕበሉ ጠሊቡ። ብቀንዱ ድማ ንመንግስቲ ወቒሱ።

 “ብዝኾነ ይኹን መገዲ ዝጅመር ኲናት ቀዳሞት ግዳይ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ እየን” ዝበለ እቲ ማሕበር፡ “ዳግማይ ኲናት ከይለዓል ኣትሪርና ንቃወም” ኢሉ።

እቲ ነሓሰ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ዝተመስረተ ማሕበር፡ ካብ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ውድባት ዝተውጻጽኣ ልዕሊ 300 ደቂ ኣንስትዮ ዝሓቖፈ ምዃኑ ምፍላጥ ተኻኢሉ።