ንብዙሓት ዘዋጥጥ ዘሎ ውጥን ትራምፕ እንታይ ዝሓዘ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘቕረቦ እማመ ቢል (ባጀት) ኣብ ኣገዳሲ ደረጃ ከም ዝበጽሐን ሕጊ ንምዃን ከም ዝተቓረበን ተገሊጹ።
እቲ እማመ፡ "ዓቢን ጽቡቕን ናይ ቢል ሕጊ፡" ዝበሎ ኰይኑ፡ ትማሊ ሰሉስ ናብ ሰኔት ሓሊፉ ሎሚ ረቡዕ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክርአ እዩ።
እቲ እማመ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ሪፓብሊካን ዘይምርድዳእ ፈጢሩ ኣሎ፣ እዚ ድማ ንኽልተኦም ሰኔትን ባይቶን ዝቈጻጸር እዩ።
ኣብ ሰኔት፡ ምክትል ፕረዚደንት ጀይዲ ቫንስ እቲ እማመ ክሓልፍ እንተዀይኑ ንምውሳን ድምጺ ክህብ ነይሩዎ። ኣብ ባይቶ ክጸድቕ ድዩ ኣይጸድቕን ዛጊት ርግጸኛ ኣይኰነን። እቲ እማመ ብዙሕ ግዜ ተቐይሩ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ፡ ቅድሚኡ ኣብ ዝነበረ ዳርጋ ብሓደ ድምጺ ጥራይ እዩ ናብ ባይቶ ሓሊፉ።
እዚ ሓድሽ እማመ፡ እቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ዳግማይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ዝተጀመረ ዓቢይ ምጕዳል ግብሪ ቀዋሚ ክገብር እዩ። ኣብ ጸጥታ ዶባት፡ ምክልኻልን መፍረ ጸዓትን ዝውዕል ወጻኢታት'ውን ክውስኽ እዩ።
እቲ መንግስቲ ብሰንኪ ምጕዳል ግብሪ ክኸስሮ ዝኽእል ገንዘብ ንምሽፋን፡ ሪፓብሊካን ኣብ ሓያሎ ዝካየዱ ዘለዉ ዕማማት ወጻኢታት ንምቕናስ መደብ ኣለዎም - ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም ኣብ ዝግበር ሓገዝ መግብን መድሕን ጥዕናን ከይተረፈ።
ቤት ጽሕፈት ባጀት ኮንግረስ እቲ እማመ ኣብ ውሽጢ 10 ዓመታት ኣብ ልዕሊ ሃገራዊ ዕዳ 3.3 ትሪልዮን ዶላር ክውስኽ ምዃኑን ብዙሓት ሰባት ንጥዕናኦም ዝሽፈነሎም ዝነበረ ክስእኑዎ ከም ዝኽእሉን ይገልጽ። ዋይት ሃውስ ምስዚ ግምታዊ ኣሃዝ'ዚ ኣይሰማማዕን እዩ።
መራሕቲ ሪፓብሊካን ምእንቲ ትራምፕ ከጽድቘን ሕጊ ክገብሮን፡ ነዚ እማመ ቅድሚ 4 ሓምለ ኣብ ኮንግረስ ንምሕላፍ ኣበርቲዖም ይሰርሑ ኣለዉ።
ገለ ካብቲ ቀንዲ ነጥብታት ናይቲ እማመ እነሆ፤
ግብሪ ማሕበራዊ ድሕነት
ትራምፕ ኣብ እዋን ጐስጓሱ፡ ኣብ ኣታዊ ማሕበራዊ ድሕነት (Social Security) ዝኽፈል ግብሪ ክእለ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ነይሩ፣ እዚ ድማ ኣብ ዕድመ ጥሮታ ንዝርከቡ ኣመሪካውያንን ስንኩላንን ዝወሃብ ወርሓዊ ክፍሊት እዩ።
እቲ እማመ ባይቶ፡ ነዚ መብጽዓ ምሉእ ብምሉእ ኣይፈጸመን። ይዅን እምበር፡ 65 ዓመትን ልዕሊኡን ንዝዕድመኦም ሰባት ክሳብ 4,000 ዶላር ስሩዕ ምጕዳል ኣካዪዱ። እዚ ምጕዳል ድማ ካብ 2025 ክሳብ 2028 ዝጸንሕ እዩ።
ሪፓብሊካን ሰኔት ኣብ ዓመት ካብ 75,000 ዶላር ዘይበዝሕ ኣታዊ ንዘለዎም ኣረጋውያን ኣመሪካውያን ገለ ምጕዳል ግብሪ ምንዋሕን እቲ ምጕዳል ናብ 6,000 ዶላር ክውስኽን ኣጽዲቖም።
ተወሳኺ መለክዒታት ኣብ ሕክምናዊ ሓገዛት
ሪፓብሊካን ካብ ግብሪ ገንዘብ ንምቝጣብ፡ ንብዙሓት ስንኩላንን ትሑት ኣታዊ ዘለዎምን ኣመሪካውያን ዝኸውን መደብ ሓገዝ ጥዕና 'ሜዲኬይድ' ሓድሽ ሕግታት ወሲዀምሉ። እቲ ዝተገብረ ለውጢ ድማ ብዙሕ ፖለቲካዊ ክትዕ ኣስዒቡ።
ሓደ ካብቲ ዝተገብረሉ ለውጢ፡ ቈልዑ ዘይብሎምን ዘይስንኩላንን ዓበይቲ ሰባት፡ ሕክምናዊ ሓገዝ ክረኽቡ እንተዀይኖም፡ ካብ ታሕሳስ 2026 ጀሚሩ ኣብ ወርሒ እንተ ወሓደ 80 ሰዓታት ክሰርሑ ኣለዎም ይብል።
ካልእ ለውጢ ድማ ሰባት ኣብ ክንዲ ኣብ ዓመት ሓደ ግዜ፡ ኣብ ነፍሲወከፍ ሽዱሽተ ወርሒ ንሕክምናዊ ሓገዝ ክምዝገቡ ይጠልብ። ብተወሳኺ፡ ብዛዕባ ኣታዊኦምን ኣበይ ከም ዝነብሩን ዝያዳ መርትዖ ከርእዩ ከድልዮም እዩ።
ሰኔት ነቲ ሕግታት ዝያዳ ኣትሪሩዎ እዩ። እተን ግዝኣታት ዝስልዓኦ ግብሪ ክሳዕ 2032 ኣብ ዘለዉ ዓመታት ካብ 6% ናብ 3.5% ከጕድሉዎ ይደሊ። ገለ ግዝኣታት ብፍላይ እተን ኣብ ገጠር ሆስፒታላት ዘለወን ኣብዚ ግብሪ ስለ ዝምርኰሳ፡ ሰኔት ነቲ ምጕዳል ደው ኣቢሉ ንሆስፒታላት ገጠር ንምሕጋዝ 50 ቢልዮን ዶላር ምወላ ገይሩ።
ብተወሳኺ፡ ዓቕሚ ዘለዎም ልዕሊ 15 ዝዕድመኦም ኰተቴታት ሓገዝ ሕክምና ንኽረኽቡ እንተ ወሓደ ኣብ ወርሒ 80 ሰዓታት ክሰርሑ ወይ ወለንታዊ ኣገልግሎት ክህቡ ይጠልብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምውሳኽ ምጕዳል ግብሪ ግዝኣታትን ከባቢታትን
እቲ ሓድሽ እማመ፡ ሰባት ንግዛኣታትን ከባቢኦምን ግብሪ ንምኽፋል፡ ካብ ናይ ፈደራል ግብሮም ክቘርጹ ዘኽእል እዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ክሳዕ 10,000 ዶላር ክትቈርጽ ከም እትኽእል ዝተቐመጠ ገደብ ኣሎ። እዚ ድማ ኣብዚ ዓመት ከብቅዕ እዩ።
እቲ ናይ ሰኔት እማመ፡ ነዚ ገደብ ካብ 10,000 ዶላር ናብ 40,000 ዶላር ክብ ክብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ኣሎ። ይዅን'ምበር፡ ድሕሪ ሓሙሽተ ዓመት እቲ ገደብ ናብ 10,000 ዶላር ክምለስ እዩ።
ግብሪ ግዝኣታትን ከባቢታትን (Salt)፡ ብፍላይ ኣብተን ደሞክራትስ ዝቈጻጸሩወን ከተማታት ንሪፓብሊካውያን ኣጸጋሚ ጉዳይ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ። እቲ ባይቶ ዘቐመጦ እማመ፡ ገደብ ሓሙሽተ ዓመት ስለ ዘየንበረ፡ እቲ ብሰኔት ዝተገብረ ለውጢ ነቶም ሪፓብሊካውያን ኣባላት ባይቶ ጸገም ክፈጥረሎም ይኽእል እዩ።
ሓገዛት ኣብ መግቢ
ኣብ መግቢ ዝነበረ ሓገዛት ተቐዪሩ ኣሎ። እቲ 'SNAP' ዝበሃል መደብ ንልዕሊ 40 ሚልዮን ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ኣመሪካውያን ይሕግዝ።
እቲ ናይ ሰኔት እማመ፡ ግዝኣታት ነቲ መደብ ዝኸውን ዝያዳ ክኸፍላ ከም ዘለወን ይገልጽ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ፈደራል እዩ ንዅሉ ዝሽፍኖ ዘሎ።
ሓንቲ ግዝኣት ትሑት መጠን ጌጋ (ትሕቲ 6%) እንተ'ለዋ፡ መንግስቲ ገና ኵሉ ወጻኢታት ክኸፍል እዩ። ዝለዓለ መጠን ጌጋ እንተ'ልዩዋ ግን ካብ 5% ክሳብ 15% ናይቲ ወጻኢታት ክኸፍል ክግደድ እዩ።
እዞም ሓደስቲ ሕግታት ካብ 2028 ኣትሒዞም ተግባራውያን ክዀኑ እዮም።
ኣብ ርእሲ እዞም ልዕል ኢሎም ዝተዘርዘሩ፡ ኣብ ልዕሊ ብሞቝሽሽ ዝተዋህቡ፡ ተወሳኺ ሰዓታት ስራሕን ካልኦት ተዛመድቲ መሃያታትን ግብሪ ኣይክስላዕን እዩ። እንተዀነ፡ እዞም ረብሓታት'ዚኣቶም ነቶም ልዑል ኣታዊ ዘለዎም በብቝሩብ ኣብ 2028 ከም ዘብቅዕ ይገልጽ።
ብተወሳኺ ሰኔት ዘይከም ባይቶ፡ ኣብ ትኪ-ኣልቦ ጸዓት ዝነበረ ምጕዳል ግብሪ ቀስ ኢሉ ከልግሶ ይደሊ። እንተዀነ፡ ክልተኦም ነቶም ምስ ከም ብዓል ቻይና ዝኣመሰላ ናይ ወጻኢ ሃገራት ኩባንያታት ንግዳዊ ምትእስሳር ዘለዎም ደው ከብሉዎ ይደልዩ።
እቲ ባይቶ ነቲ ኣብ ትኪ-ኣልቦ ጸዓት ዘሎ ምሕረት ግብሪ ንእለቱ ደው ከብሎ እዩ ዝደሊ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







