ብሰንኪ ብርቱዕ ዋዒ ብውሕዱ 14 ተጓዓዝቲ ሓጅ ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, Getty
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ እዋን ንግደት ሓጅ ብውሕዱ 14 ዜጋታት ዮርዳኖስ ብሰንኪ ብርቱዕ ዋዒ ከምዝሞቱ ሰበስልጣን እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዮርዳኖስ 14 ዜጋታቱ "ብርቱዕ ማዕበል ዋዒ ዘስዓቦ ወቕዒ ጸሓይ ጎዲእዎም" ከምዝሞቱን ካልኦት 17 ድማ ደሃዮም ከምዝጠፍኡን ገሊጹ።
ማዕከን ዜና ኤኤፍፒን ቀይሕ ወርሒ ኢራንን ከምዝጸብጸቦ ሓሙሽተ ኢራናውያን ሃይማኖታዊ ገያሾ’ውን ህይወቶም ከምዝሰኣኑ ኣረጋጊጾም ኣለው።
ሰበስልጣን ዮርዳኖስ ዝጠፍኡ ሰባት ምድላይ ይቕጽል ከምዘሎ ሓቢሮም።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዮርዳኖስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብመሰረት ድሌት ስድራቤት ግዳያት፡ ሬሳታት ንምቕባር ወይ ንምጉዕዓዝ ዘኽእል ኣገባብ ምስ ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ይተሓባበር ከምዘሎ ሓቢሩ።
ሓጅ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ብዕብየቶም ዝፍለጡ ምትእኽኻባት ሰባት እዩ። ኣብዚ ዓመት ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ነጋድያን ኣብቲ ሃይማኖታዊ ስርዓት ይሳተፉ ከምዘለዉ ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ይገልጹ።
ኣብ እዋን ሓጅ ኣብ ዳሳት ዘጋጥሙ ባርዓትን ምጽቕቓጥን ዘስዕብዎም ቀተልቲ ሓደጋታት ነዊሕ ዝጸንሑ እኳ እንተኾኑ፡ መብዛሕትኡ ዓመታት ግን እቲ ቀንዲ ብድሆ ካብ ብርቱዕ ሙቐት ዝመጽእ እዩ።
ኣብዚ ሰሙን እቲ ዋዒ ልዕሊ 46C ብምብጽሑ ንብዙሓት ካብቶም ኣብ ደገን ብእግርን ዝፍጸሙ ስርዓታት ብፍላይ ንኣረጋውያን በዳህቲ ገይርዎም ኣሎ።
ሓላፊ ሃገራዊ ማእከል ሜትሮሎጂ ስዑዲ ዓረብ ዝሓለፈ ሰሙን "ኣብዚ ዓመት ኣብ ሓጅ ትጽቢት ዝግበር ኩነታት ኣየር፡ ኣብ መካን መዲናን ካብቲ ንቡር ንላዕሊ ካብ 1.5 ክሳብ 2 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝበጽሕ ክውስኽ እዩ" ክብል ኣጠንቂቑ ነይሩ።
እዘን ክልተ ከተማታት ማእኸል ናይቲ ንሓሙሽተ መዓልታት ዝጸንሕ ንግደት ሓጅ እየን።
ኣብ ጥቓ እምባ ዓራፋት ዝርከብ ማእከል ሕክምና 225 ሰባት ብሰንኪ ሙቐት ንጸገም ጥዕና ከምዝተቓልዑ ምምዝጋቡ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ስዑዲ ዓረብ ሓቢራ።
ኔሮን ካን ዝተባህለት ካናዳዊት ሃይማኖታዊ ገያሺት "ብኣካል ኣድካሚ'ኳ እንተኾነ ኣዝዩ መንፈሳዊ ሓይሊ ዘለዎ'ዩ" ክትብል ንኤኤፍፒ ተዛሪባ።
ወሲኻ ድማ ገለ ካብቲ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን "ዝኾነ ዓይነት ናይ ሙቐት ድኻም ይስምዓ" ከምዝነበረት ገሊጻ።
እቲ ንግደት ረቡዕ ክዛዘም እዩ። ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ከም ኣካል ናይቲ ዋዒ ንምቅላል ዝወሰድዎ ስጉምትታት ብዙሓት ካብ ክሊማዊ ለውጢ ንምክልኻል ዝሕግዙ ቦታታት ከምዘቖሙ ይሕብሩ።
ማይ ይዕድሉ፤ ኣጋይሽ ንነብሶም ካብ ጸሓይ ብኸመይ ከም ዝከላኸሉ ምኽሪ ይህቡ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ስዑዲ ዓረብ እውን፡ ተጓዓዝቲ ማይ ካብ ኢዶም ከይፈልዩን ዋዒ ኣብ ዝብርትዓሉ ሰዓታት ኣብ ደገ ከይጸንሑን ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውሕዱ 240 ሰባት ከምዝሞቱ ይዝከር። እቲ ዝኸፍአ ተባሂሉ ዝተመዝገበ ሓደጋ ሓጅ ድማ ኣብ 2015 ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ኣዝዩ ሓደገኛ ጽቕጥቕጥ ልዕሊ 2000 ሰባት ሞይቶም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







