‘ሰልደይን ንግደት ሓጅን ከሲረ፡ እዚ ኵሉ ንከምልስ 3 ዓመታት ወሲዱለይ’

ምንጪ ስእሊ, Farouk Abdel Wahab
ፍልስጤማዊ መንእሰይ ሱሌይማኒ ኣል-ሻር ፓስፖርት ግብጺ’ዩ ዘለዎ።
ጋዜጠኛታት ቢቢሲ፡ ኣብ ውሽጢ ስንባደን ስምዒት ሕርቃንን ኰይኑ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ቤት ጽሕፈት ሃገራዊ ኮሚቴ ሓጅ ኰፍ ኢሉ ረኺቦምዎ።
ቅድሚ ሒደት ሰዓታት፡ ግዳይ ‘ምትላል’ ከም ዝዀነ ተነጊሩዎ፤ እዚ ድማ ብሓደ ‘ስኑዕ’ ኢሉ ዝገልጾ ኩባንያ ሓጂ’ዩ ተፈጺሙ ኢሉ ይኣምን።
እቲ ኵባኒያ፡ ስኑዓት ፍቓድ መንፈሳዊ ጉዕዞ - ንግደት ሓጅ- ሰዲድሉ።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን፡ ሱሌይማን ካብ ግብጺ ቪዛ ስዑዲ ዓረብ ረኺቡ ናብ መካ መጺኡ።
ኣብኡ ምስ በጽሐ፡ ነቲ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዛዕባ እቲ ሓጅ ዘጠቓልሎም ኣዝዮም ዘሀንጡዉ ዋጋታት ዘለዎ ሓበሬታ ዝወዝዐ ኵባኒያ ክረኽቦ ይፍትን።
እቲ መንፈሳዊ ጉዕዞ ከካይድ ዘኽእሎ ፍቓድ ክረክብ’የ ዝብል ተስፋ ገይሩ’ዩ መጺኡ።
እንተዀነ፡ እቲ ኣብ ሕቡራት ኢመራት ዓረብ ማእከል ከም ዝገበረ ዝገልጽ ኵባኒያ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብዝጠቅዖ “ግጉይ” መወዓውዒ ከም ዝተታለለ ፈሊጡ።
“ሓጅ ክገብር ፍቓድ ንምርካብ ሽዱሽተ ሽሕ ድርሃም (1600 ዶላር) ከፊለዮም፤ ፍቓድ ድማ ሰዲዶምለይ። ድሓር ግን፡ ኵሎም እቶም ሰነዳት ስኑዓት ስለ ዝነበሩ ከም ዝተታለልኩ ፈሊጠ” ይብል።
እዚ ማለት፡ ሱሌይማኒ ኣብዚ ዓመት ሓጅ ክገብር ኣይኽእልን ማለት’ዩ።
ወኪላት እቲ ኵባኒያ፡ ቴሌፎን ይምልሱ ስለ ዘየለው ድማ ገንዘቡ ከምልስ ከም ዘይክኣለ ይዛረብ።
“ሰንቢደን ልበይ ተሰይሩን፤ ሰልደይን ሓጅን እየ ከሲረ”።
ሰዓድ ኣል-ቑራሺ፡ ኣማኻሪ ሃገራዊ ኮሚቴ ሓጅን ዑምራን ኰይኑ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኵባኒያታት ቱሪዝምን ሓቃውነት ንሓጅ ዝወሃቡ ፍቓዳትን ይቈጻጸር።
ከም ሱሌይማኒ ዝበሉ ብዙሓት ሰባት ናብ ቤት ጽሕፈት እቲ ኮሚቴ ምስ መጽኡ እዮም ከም ዝተታለሉ ዝግንዘቡ ይብል።
“[ፍቓድ ሓጅ ዝሓዙ] ሰባት ናባና ክመጽኡ እንከለው፡ ካብ ስኑዓት ኵባንያታት ስኑዕ ሰነዳትን መለለዪ መንነትን ከም ዝበጽሖም ንግንዘብ። ከምዚ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ሰብ ካብ ሓጅ’ዩ ዝኽልከል፤ እቲ ናብቶም ኵባኒያታት ዝተመሓላለፈ ገንዘብ ኵሉ ድማ ይኸስር”።
ብዙሓት ነዚ ተግባር ዝፍጽሙ መታለልቲ፡ ኣብ እዋን ሓጅ ዝነጥፉ ኣብ ግብጺ፡ ሶርያን ዒራቕን ከም ዘለው ይጠቅስ።
ኣብ ሓደ ሰሙን ብውሑድ ሰለስተ “ምትልላላት” ከም ዘጻረየ ይዛረብ።
ኣብ “ናይ መወዳእታ ሰዓት” ከምዚኦም ዝበሉ ፓኬጃት ካብ ዘዳልው ሰባት ጥንቃቐ ክገብሩ ኣለዎም ዝብል ኣል-ቑራሺ፡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝወዓውዑ ኣዝዮም ሕሱራት ዝመስሉ ፓኬጃት ሓጅ’ውን ጥንቃቐ ምግባር ከም ዘድሊ ይምዕድ።
ሱሌይማኒ፡ ድሕረ ባይታ እቲ ኵባኒያ እንከየጻረየ ነቲ ገንዘብ ከም ዝልኣዀ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ዝዀነ ሰብ ድማ፡ ብኸምዚ ኣጋጣሚ ናብ ዝረኽቦም ኣብ ወጻኢ ናብ ዝርከቡ ኵባኒያታት ወይ ውልቀሰባት ገንዘብ ክኸፍል የብሉን ይብል።
ኣብ ብሪጣኒያ ዝነብር ሓኪም ፋሩቕ ዓብደል ዋሃብ፡ ንሱን ኣባላት ስድርኡን ኣብታ ሃገር ማእከሉ ብዝገበረ ኣወሃሃዲ ጕዕዞ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ ክንከስር ኢና ዝብል ግምት ኣይነበሮን።
መበቘሉ ፓኪስታን ዝዀነ ፋሩቕ፡ ነቲ ኣብ ባይታ ዘየለ ነገር ዝተመጻብዓሉ ኵባኒያ ክረትዕ ነዊሕ ግድል ከም ዝሓለፈ ይዛረብ።
ኣብ መስርሕ፡ ንሱን ስድርኡን ንሓጅ ኢሎም ዝኸፈሉዎ ትሸዓተ ሽሕ ዶላር ከምልሱ ከም ዝኽኣሉ ሓቢሩ።
ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ድማ ካብቲ ናይ ሓጅ እዋን ወጻእ ምስ ካልኦት ትካላት ጉዕዞ ብምዝርራብ ናብ መካ ክኸይድ ክኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፋሩቕ፡ ብ2020 እዩ ግዳይ እዚ ምትላል ኰይኑ።
ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ኣብ ኤውሮጳ፡ ኣመሪካን ኣውስትራልያን ንዝርከቡ ኣስላም ፓኬጅ ሓጅ ንምሕዛእ ዝግበር ወግዓዊ ኣገባባት፡ ኣብቲ ብሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ዝተኣታተወ መድረኽ ኑሱክ ጥራይ ዝተሓጽረ እዩ ነይሩ።
ብመንገዲ ኑሱክ ኣቢሎም፡ መንፈሳዊ ጉዕዞ ዝገብሩ ውልቀሰባት ካብ ዝተፈላለየ ፓኬጃት ሓጅ መሪጾም፡ ዘድልዩ ሰነዳት ከቕርቡ፡ ድሕሪኡ ናብ ወግዓውያን ኣካላትን እሙናት ኩባንያታት ቱሪዝምን ክፍሊት ክፍጽሙ ይኽእሉ።
ብዘይካ እዚ፡ ስዑዲ ዓረብ ኣብታ ሃገር ዝነብሩ ብወግዓዊ መርበብ ሓበሬታ ሚኒስትሪ ሓጅን ዑምራን ኣቢሎም ምስ ተመዝገቡ ጥራይ’ያ ሓጅ ክፍጽሙ ትፈቅድ።
ካብ ካልኦት ሃገራት ኣስላም ዝመጽኡ ግን፡ ኣብ ሃገሮም ብዝርከቡ ወግዓውያን ኣካላት ጉዳያት ሓጅ ኣቢሎም ቪዛ ምስ ረኸቡ ሓጅ ክገብሩ ይኽእሉ።
ስዑዲ ዓረብ ካብ ብዙሓት ሃገራት ንዝመጽኡ በጻሕቲ ኮታ ትምድብ። እዚ ድማ፡ ንነፍሲ ወከፍ ሓደ ሚልዮን እስላም ሓንቲ ሃገር ሓደ ሽሕ ሰባት እዩ።
ፋሩቕ፡ “ቅድሚ ለበዳ ኮቪድ-19 ሽዱሽተ ኣባላት ስድራይን ኣነን ሓጅ ክንገብር ደሊና። ስለዚ፡ ናብ ሓደ ዝና ዘለዎ ትካል ከይድና፡ ነቲ ናይ ሓጅ ፓኬጅ ንምውሓስ ድማ ብዙሕ ገንዘብ ከፊልና። ኣብቲ ዓመት እቲ ግን ብሰንኪ ለበዳ እቲ ሓጅ ተሰሪዙ። ስለዚ፡ ገንዘብ ክምለሰለይ ሓቲተ፤ ንሓደ ዓመት ምሉእ ግን መልሲ ኣይረኸብኩን። ድሕሪኡ ናብ ቤት ፍርዲ ክወስዶም ግድን ኰይኑኒ” ይብል።
ቤት ፍርዲ ድማ፡ እቲ ኩባንያ ገንዘብ ክመልሰሉ ኣዚዙ።
ፋሩቕ ገንዘቡ ንምምላስ መስርሕ ጀሚሩ፤ እንተዀነ እቲ ትካል ከም ዝተዓጸወ ተረዲኡ።
“ክሲ ክምስርት እንከለኹ፡ ዝርዝር ሓበሬታ እቲ ትካል ንምርካብ መዝገብ ቁጽሩን ናይ መወዓውዒ ኣድራሻኡን ክጽሕፍ እንከለኹ፡ እቲ ትካል ከም ዝደስከለ ተረዲአ”።
‘ሓወይ፡ እምነት ጥራይ’
እቲ ገንዘብ ከምልስ ክፍትን እንከሎ፡ ወከልቲ እቲ ኩባንያ “ሃይማኖታዊ ቋንቋ” ይጥቀሙ ከም ዝነበሩ ይዛረብ።
እዚ ድማ፡ “ሓወይ፡ እዚ ጕዳይ እምነት’ዩ” ዝብሉ ሓረጋት ዘጠቓለለ ኰይኑ፡ “እቲ ገንዘብ ክንመልሰልካ ኢና” እውን ይብሉዎ ከም ዝነበሩ ገሊጹ።
ፋሩቕ፡ ነዚ ዘጋጠሞ ክስተት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብምዝርጋሕ ንወነንቲ ናይቲ ኩባንያ ነበር ከሕፍር ካብ ምፍታን ብዝሰገረ ገንዘቡ ንምምላስ ዝፍትነሉ ካልእ መንገዲ ከም ዘይነበረ ይዛረብ።
ድሕሪኡ፡ ሓደ ሓድሽ ኵባንያ ገንዘቡ ክመልሰሉ ከም ዝዀነ ይሕብሮ።
“እቲ ዝሰራሕኩዎ ቪድዮ ጽልዋ ምስ ፈጠረ’ዩ እቲ ኵባኒያ ክረኽበኒ ዝጀመረ፤ ብኻልእ ትካል ኣቢሉ ድማ ገንዘበይ መሊሱለይ”።
ቢቢሲ ነቲ ገንዘብ ዝመለሰ ኵባኒያ ክረኽቦ ፈቲኑ’ዩ። ብኢሜይል፡ ቴሌፎንን ብማሕበራዊ መራኸቢታቱ መልእኽቲ ብምስዳድን መልሲ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ግን ኣይሰመረን።
ካብ ምትላላት ሓጅ ብኸመይ ምክልኻል ይክኣል?
ፖሊስ ብሪጣኒያ፡ ሰባት እቲ ጉዕዞ ንከወሃህደሎም ዝረኽቡዎ ዘለው ትካል ቱሪዝም ብጥንቃቐ ክመርጹ ከም ዘለዎም ይምዕድ።
ብዙሓት ሃገራት ከም ማሕበር ኤጀንሲታት ጉዕዞ ብሪጣኒያ ዝበሉ ትካላት ኣለወን።
ፋሩቕ፡ ድሕሪ’ቲ ዘጋጠሞ ክስተት ብማሕበራዊ ሚዲያ ወይ ኢንተርነት ዝወሃቡ እወንታዊ ርኢይቶታት ዝዀነ ትካል ጉዕዞ ዘይምእማን እየ ተማሂረ ይብል።
“ከም ተሞክሮይ እንተዀይኑ፡ ብዙሓት ስኑዓት ኵባኒያታት ብዛዕብኦም ናይ ሓሶት መብርሂታት ንክጽሓፉን ኣብ ኦንላይን ንክጥቅዑን ብዙሕ ገንዘብ ከም ዝኸፍሉ’የ ክግንዘብ ክኢለ። ብዙሓት ክኣ ግዳያት ምትላል ስኑዓት መወዓውዒታት ፓኬጃት ሓጅ ይዀኑ” ኢሉ።
ከም ስታቲስቲክስ ስዑዲ ዓረብ እንተዀይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ልዕሊ 1.8 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ሓጅ ናብ መካ ምብጻሕ ገይሮም።
90 ሚኢታዊት እዞም ተጉዓዝቲ ካብ ሃገራት ወጻእ ዝመጽኡ’ዮም።
ሰለስተ ሚኢታዊት ጥራይ ድማ፡ ግዳያት ስኑዓት ምትላላት ከም ዝዀኑን፡ ማእኸላይ ዕድመ እዞም ተቓላዕቲ 42 ዓመት ከም ዝዀነን የመልክት።
ወሃቢ ቓል ካውንስል ስዑዲ ዓረብ፡ መተግበሪ ኑሱክ ኣብ ዙርያ ሓጅ ዝፍጸሙ ምትላላት ክንክዩ ከም ዝገበረ ንቢቢሲ ገሊጹ።
ንግደት ሓጅ እንታይ እዩ?
ኣብ ስሩዕ እዋናት፡ ነዚ ንግደት ዝፍጽሙ ኣመንቲ እስልምና ካብ ምሉእ ዓለም እዮም ናብ ስዑዲ ዓረብ ዝውሕዙ።
እቲ ናብ ቅዱስ ቦታታት መካን መዲናን ዝግበር ዓመታዊ ንግደት፡ ኣስታት 2 ሚልዮናት ኣመንቲ እስልምና ክሳተፉሉ እዩ ትጽቢት ነይሩ።
እተን ሓሙሽተ አዕኑድ እምነት ምስልምና፥
- ኣብ ሃይማኖት ምስልምና ከምእትኣምንን ብኽብርታቱ ከምእትግዛእን ምእዋጅ
- መዓልታዊ ሓሙሽተ ግዜ ጸሎት ምግባርን ምስጋድን
- ኣብ ጾመ ሮሞዳን ናይ ግድን ምጻም
- ካብ ዘለካ ትሕዝቶ ንድኻታትን ነዳያንን ምጽዋት ምሃብ
- ዓቕምን ትሕዝቶን ኣብ ዝረኸብካሉ እዋን ከኣ ኣብ ዕድመኻ ሓንሳብ ናብ ቅዱስ ቦታታት መካን መዲናን ምብጻሕ ዝብላ እየን።
ስለ ዝዀነ፡ ንግደት ሓጅ ሓንቲ ካብተን ሓሙሽተ ኣዕኑድ እምነት እስልምና እያ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







