መካ፡ ኣብ ንግደት ሓጅ እዚ ዓመት ኣማኢት ዝሞቱሉ ሽዱሽተ ምኽንያታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንግደት ሓጅ እዚ ዓመት፡ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ክስተት ዘተኣናገደ’ዩ ነይሩ።
ልዑል ሙቐት ከም ዘንቀሎ ብዝእመን ሓደጋታት፡ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝዀኑ ብውሑድ 922 ሃይማኖታዊ ተጕዓዝቲ ከም ዝሞቱ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ የመልክት።
ንግደት ሓጅ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ምትእኽኻብ ኣመንቲ ዝርኣየሉ ኰይኑ፡ ዓመታዊ ሚሊዮናት ናብ ስዑዲ ዓረብ ይውሕዙ።
እዚ ሃይማኖታዊ ግዴታ፡ ፋይናንሳውን ኣካላውን ዓቕሚ ዘለዎም ኣመንቲ እስልምና እንተውሓደ ኣብ ህይወት ዘመኖም ሓደ ግዜ ክፍጽሙዎ ዝግባእ ሓደ ካብ ሃይማኖታዊ ኣዕኑድ እቲ እምነት እዩ።
ንግደት እዚ ዓመት ድማ፡ ብሮቡዕ ተዛዚሙ ኣሎ።
ቢቢሲ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ከረጋግጽ ኣይክኣለን።
ካብ 19 ክሳብ 20 ሰነ ቢቢሲ ሰብ መዚ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዙርያ እቲ ዘጋጠ ሞትን ኣብ ልዕሊ ኣወሃሃድቲ ዝቐረቡ ነቐፌታታትን ዝምልከት ምላሽ ክህቡ’ኳ እንተሓተተ፡ ወግዓዊ መልሲ ኣይረኸበን።
ይኹን’ምበር፡ ንግስነት እታ ሃገር ኣብዚ ዓመት ንዝተኻየደ ንግደት ሓጅ ዘዳለዎ መደባት ጥዕና ኣዝዩ ዕውት ከም ዝነበረ ሓቢሩ።
“ሓዚ እዚ ዓመት፡ ዋላ’ውን ልዑል ቁጽሪ ዘለዎም ሃይማኖታዊ ተጕዓዝቲ እንተመጽኡን ብሰንኪ ልዑል ሙቐት ብድሆታት እንተኣጋጠመን፡ ካብ ዝዀነ ለበዳ ወይ ንጥዕና ሕብረተሰብ ስግኣት ዝዀኑ ክስተታት ናጻ’ዩ ነይሩ” ክብል ሚኒስትሪ ጥዕና ሃፋድ ኣል-ጃላኅ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።
ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ኣስታት 1.83 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ኣብቲ ንግደት ከም ዝተሳተፉ ይሕብሩ፤ ካብዚኦም እቶም 1.6 ሚሊዮን ካብ ሃገራት ወጻእ ዝመጽኡ’ዮም።
መብዛሕትኦም ድማ፡ ዜጋታት ፓኪስታን፣ ዮርዳኖስን ቱኒዝያን እዮም።
ቢቢሲ፡ ኣብዚ ዓመት ንዘጋጠመ ሞት ምኽንያት ክዀኑ ይኽእሉ’ዮም ዝበሎም ክርኢ ፈቲኑ ኣሎ።
ክቱር ሙቐት
ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነበረ ክሳብ 51.8 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝዓረገ ሙቐት፡ ቁጽሪ ምኽንያት ሞት ተጕዓዝቲ ከም ዝዀነ ይእመን።
ሚኒስትሪ ጥዕና፡ ሰባት ንጽልዋ እቲ ክቱር ሙቐት ንከይቃልዑ ብብዝሒ ማይ ክሰትዩ ከም ዘለዎም እኳ እንተተማሕጸነ፡ ብዙሓት ሃይማኖታዊ ተጕዓዝቲ ግዳያት ጸቕጢ ሙቐትን ወቕዒ ሙቐትን ኰይኖም’ዮም።
ሓደ ዲፕሎማት ዓረብ ዳርጋ ኩሎም እቶም ኣብቲ እዋን ምሟቶም ዝተነግረ 658 ግብጻውያን፡ ብሰንኪ እቲ ብርቱዕ ዋዒ ምዃኑ ገሊጹ።
ብዙሓት ካብዞም ተጕዓዝቲ፡ ግቡእ ፍቓድ ሓጅ ስለ ዘይነበሮም፡ ውዱብ ደገፍ ዝረኽብሉ ዕድላት ድሩት ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
“ብምሕረት ኣምላኽ ጥራይ እየ ብህይወት ተሪፈ፤ ምኽንያቱ ንምእማኑ ዘጸግም ዋዒ’ዩ ነይሩ” ትብል ናይጀርያዊት ተጕዓዚት ሓጅ ዓይሻ እድሪስ።
“ኩሉ ማዕጾታት ናይቲ ካዕባ (ኣብ ማእከል እቲ ኣገዳሲ መስጊድ እስልምና ዝርከብ ህንጻ እምኒ) ዓጽዮምዎ። ናሕሲ ክንጥቀም ተገዲድና፤ የቃጽል ነይሩ። ብብዝሒ ጽላልን ማይ ዛምዛምን (ቅዱስ ማይ) ይጥቀምን ነብሰይ ይእዘኽን ነይረ። ኣብ ገሊኡ ውነይ ክጠፍኣኒ ምስ በለ ሓደ ሰብ ጽላል ገይሩ ሓጊዙኒ፤ እቲ ዋዒ ክንድኡ ብርቱዕ ክኸውን'ዩ ዝብል ትጽቢት ኣይነበረንን” ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካልእ ናይም ዝተባህለት ተጕዓዚት ድማ ኣብቲ ቦታ ሞይታ።
“ምስ ኣደይ ዝነበረ ርክብ [ቴሌፎን] ሃንደበት ተቛሪጹ። ንመዓልቲታት ክንደልያ ጸኒሕና፤ ኣብ ሓጅ እንከላ ከም ዝሞተት ግን ተረዲእና” ክብል ወዳ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
በጻሕቲ፡ ብሰንኪ ዘይተላመዱዎ ዓቐን ሙቐት፣ ኣድካሚ ኣካላዊ ምንቅስቓስ፣ ሰፊሕ ቅሉዕ ቦታታት ምህላው ከምኡ’ውን ብዙሓት ኣረጋውያን ወይ ጥዕና ዘይብሎም ሰባት ብምህላዮም ንሓደጋ ተቓላዕቲ ክዀኑ ይኽእሉ።
ኣብ እዋን ሓጅ ብሰንኪ ሙቐት ዘጋጥም ሞት ሓድሽ ኣይኰነን፤ ካብ 1400ታት ጀሚሩ ድማ ሞት ተጕዓዝቲ ክምዝገብ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሰብመዚ እታ ሃገር፡ ልዕሊ 2000 ሰባት ጸቕጢ ሙቐት ከም ዘጋጠሞም ገሊጾም ነይሮም።
ተመራመርቲ፡ ምውሳኽ ሙቐት ዓለም ነዚ ኵነታት ከጋድዶ’ዩ ክብሉ የጠንቅቑ።
“ንግደት ሓጅ ንልዕሊ ሓደ ሽሕ ዓመት ኣብ ውዑይ ክሊማ እዩ ክካየድ ጸኒሑ፤ እንተዀነ ቅልውላው ክሊማ ነዚ ኩነታት የጋድዶ ኣሎ” ክብል ተንታኒ ክሊማ ካርል-ፍሪድሪክ ሽሉስነር ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ገሊጹ።
ሙቐት ዓለም ልዕሊ እቲ ቅድሚ ኢንዱስትሪ ዝነበረ ደረጃ ብ1.5 ዲግሪ ሴልሽየስ ምስ ዝውስኽ፡ ኣብ እዋን ንግደት ሓጅ ዘጋጥም ሓደጋ ወቕዒ ሙቐት ብሓሙሽተ ዕጽፊ ክውስኽ ከም ዝኽእል እቲ ክኢላ ዘካየዶም መጽናዕቲታት የመልክቱ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣብ 2030ታት መጠን ሙቐት ዓለም 1.5 ዲግሪ ሴልሽየስ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይግለጽ።
ምጭንናቕን ጕዳያት ጽርየትን
ብመሰረት ሓያሎ ጸብጻባት፡ ምጕዳል ግቡእ ምሕደራ ሰበስልጣን ስዑዲ ዓረብ ነቲ ጽንኩር ኵነታት ኣጋዲድዎ፤ ኣብ ብዙሓት ንተጕዓዝቲ ዝተሓዝአ ከባቢታት ድማ ቅልውላው ኣስዒቡ።
መዕረፊ ኣጋይሽን መናጽህን ተባሂሎም ዝተዳለው መሳለጥያታ ብግቡእ ከም ዝተመሓደሩን፡ ልዕሊ ዓቐን ዝተጨናነቑ ቴንዳታት እኹል መዝሓሊን ጽሬትን ከም ዘይነበሮምን ብዙሓት ይዛረቡ።
ካብ ኢዝላማባድ ዝመጽአት ጓል 38 ዓመት ኣሚና (ትኽክለኛ ስማ ኣይኰነን)፡ “ኣብቶም ድኳናት መዝሓሊ ኣየር ኣይነበረን፤ እቶም ማይ ንከዝሕሉ ዝተቐመጡ መብዛሕትኡ ግዜ ማይ ኣይነበሮምን” ኢላ።
ካብ ጃካርታ ዝመጽአት ፋኡዛ ብወገና፡ “ኣብቲ ድኳናት ኣዝዩ ልዑል ዕብሰት ስለ ዝነበረ ብርሃጽ ተኣዚኽና ኢና ነይርና። እቶም ዝተተኽሉ መዝሓሊታት ዝበዝሕ ግዜ ማይ ኣይነበሮምን፤ ኣብዞም ቴንዳታት ኣዝዩ ምሕንካኽ ስለዝነበረ ረሃጽ ንነጥብ ስለዝነበረ፡ ዘስካሕክሕ ተመክሮ'ዩ ነይሩ” ኢላ።
ካብ ጃካርታ ዝመጸት ፋውዝያ ብወገና፡ “ብሰንኪ ኣብ ውሽጢ እቶም ድኳናት ዝነበረ ልዕሊ ዓቐን ምጽቕቓጥን ሙቐትን ውኒኦም የጥፍኡ ነይሮም። ድራር ክመጽኣና ክሳብ ለይቲ ንጽበ ስለ ዝነበርና፡ ኣብተን ድኳናት ዝነበሩ ሰባት ይጠምዩ ነይሮም” ክትብል ተዛሪባ።
ጸገማት መጓዓዝያ
እቶም ሃይማኖታዊ ተጕዓዝቲ፡ ኣብ ርእሲ እቲ ክቱር ሙቐት ነዊሕ ርሕቀት ብእግሮም ክጓዓዙ ይግደዱ ነይሮም፣ ገሊኦም ድማ ጽርግያ ብምዕጻውን ድኹም ምሕደራ መጓዓዝያን ብምንባሩ የማርሩ።
ሓንቲ ሽማ ክግለጽ ዘይደለየት ፓኪስታናዊት፡ “ማይን ጽላልን ዘይብሉ ሸውዓተ ኪሎ ሜተር ንውሓት ኣብ ዘለዎ መስመር ተወዚዕና፤ ፖሊስ ኣብ መገዲ መከላኸሊታት ኣቐሚጦም ስለ ዝነበሩ፡ ዘየድሊ ነዊሕ ርሕቀት ብእግርና ክንከይድ ኣገዲዶምና ነይሮም” ትብል።
ከምቲ ንሳ እትብሎ እንተዀይኑ፡ መንግስቲ ዘዳለወን መካይን’ኳ እንተነበራ፡ ብሰንኪ ዋዒ እቶም ዝሓመሙን ውኒኦም ዘጥፍኡን ክጥቀሙለን ኣይክኣሉን።
“ኣብቲ መዓስከራት ሰባት ከም ደርሆ ወይ ኣብ ሕርሻ ዘለው እንስሳ እዮም ዝገድፉዎም ነይሮም። ዓራት ሒዝካ ክትሓልፈሉ እትኽእል መገዲ ኣይነበረን፤ እተን ዝተዳለዋ ውሑዳት መናጽሂ ክፍልታት ድማ ንኣማኢት ሰባት እኹል ኣይኰናን”።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰራሕተኛ ጕጅለ ኣወሃሃዲ ንግደት ሓጅ መሓመድ ኣቻ፡ በዚ ርኢይቶ ይሰማማዕ።
“ኣብ ሓጅ ንመበል 18 ግዘ እየ ዝሳተፍ ዘለኹ፤ ኣብ ተሞክሮይ ድማ ተቘጻጸርቲ ስዑዲ ዓረብ ኣወሃሃድቲ ኣይኰኑን። ይቈጻጸሩ ግን ኣይሕግዙን” ኢሉ።
ኣቻ ከም ዝብሎ፡ ሓደ ሰብ ኣብ መዓልቲ ብውሑድ 15 ኪሎ ሜትር ብእግሩ ክኸይድ ክግደድ ይኽእል። እዚ ድማ ንወቕዒ ዋዒ፣ ድኻምን ሕጽረት ማይን ከም ዘቃልዕ ይዛረብ።
“ኣብ ሕሉፍ፡ ናብተን ድኳናት ዝወስድ መገዲ ክፉት ነይሩ፤ ሕጂ ግን ኩሎም ተዓጽዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ ሓደ ሓጃጂ ናብቲ ዝዓርፈሉ ቦታ ንምብጻሕ 2.5 ኪሎ ሜትር ብእግሩ ክኸይድ ይግደድ ነይሩ። ኣብ መንጐ እዚ መገዲ ህጹጽ ኩነታት እንተጋጢሙ፡ ን30 ደቓይቕ ዝበጽሐልካ ሰብ የለን። ህይወት ሰባት ንምድሓን ዝግበር ምድላዋት የለን፤ ኣብዞም መንገድታት'ውን ናይ ማይ ቦታታት ኣይነበሩን” ኢሉ።
ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ልዕሊ 27 ሽሕ ኣውቶብሳት ከም ዘዳለው ይገልጹ።
ምዝንጋዕ ሕክምናዊ ሓገዝ
ብዙሓት ሓጀጅቲ፡ እኹል ሕክምናዊ ረድኤት ከም ዘይረኸቡ ይግለጽ።
ብርክት ዝበሉ ሰባት ከም ዝበሉዎ እንተዀይኑ፡ እቶም ብሙቐት ድኻም ወይ ካልእ ናይ ጥዕና ጸገማት ዘጋጠሞም ኣምቡላንስን ቀዳማይ ረድኤትን ብቐሊሉ ክረኽብዎ ከም ዘይከኣሉ ይሕብሩ።
ኣሚና፡ ሓደ ተጓዓዚ ብሰንኪ ክላውስትሮፎብያ ኦክስጅን ኣብ ዝደለየሉ እዋን፡ ኣምቡላንስ ንክትመጽእ ልዕሊ 25 ደቓይቕ ከም ዝወሰደት ትዛረብ።
“ኣብ መወዳእታ ኣምቡላንስ መጺኣ፤ እቲ ሓኪም ንኽልተ ካልኢት’ውን ከይረኣዮ ‘ዝዀነ ነገር ኣየጋጠሞን’ ኢሉ ከይዱ” ክትብል ወሲኻ ገሊጻ።
ኣብታ ሃገር ዝነበረ 51.6 ዲግሪ ሴልሽየስ ሙቐት ሓጀጅቲ በቲ ዋዒ ንኽስዓሩ ኣበርክቶ ገይሩ።
ይኹን’ምበር ሚኒስተር ጥዕና ስዑዲ ዓረብ፡ ጥዕና እቶም ተጕዓዝቲ ንምርግጋጽ ንምርግጋጽ ጻዕሪ ከም ዝገበረ ይገልጽ።
መንግስታዊ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ ብድምር ልዕሊ 6,500 ዓራውቲ ዘለወን 189 ሆስፒታላት፡ ማእከላት ጥዕናን ተንቀሳቐስቲ ክሊኒካትን ከምኡ’ውን ልዕሊ 40,000 ሕክምናዊ፡ ቴክኒካዊ፡ ምምሕዳራዊ ሰራሕተኛታትን ወለንታውያንን ኣዳልዩ’ዩ።
እዚኦም፡ ብልዕሊ 370 ኣምቡላንሳት፣ 7 ናይ ኣየር ኣምቡላንሳት፣ ከምኡ እውን 12 ቤተ ፈተነ፣ 60 ናይ ቀረብ መካይን፣ ከምኡ እውን ሰለስተ ተንቀሳቐስቲ መኽዘናት ሕክምና ዘጠቓለለ ድልዱል መርበብ ሎጂስቲክስ ኣብ መላእ ቅዱሳት ቦታታት ብስትራተጂካዊ ኣገባብ ከም ዝተቐመጠ እቲ መግለጺ ኣመልኪቱ።
በዓል መዚ ክላስተር ጥዕና መካ፡ ንግደት ሓጅ ዝካየደሉ እዋን እናቐረበ ምስ መጽአ ድልውነት ከምዝወሰኸ ገሊጹ።
“ኣብ ኩለን ናይ ደገ ሕሙማት ክሊኒካት ኣብ ኩለን ሆስፒታላትን ማእከላትን ቀጻልነት ስራሕ ንምርግጋጽ ኩሉ ዓቕምታት ተጠቒሙ፡ 654 ዓራውቲ ንጽኑዕ ክንክን ሓዊሱ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ትካላት ጥዕና 3,944 ዓራውቲ ተመዲቡ”።
ዘይተሰነዱ ተጓዓዝቲ
ንግደት ሓጅ ንምፍጻም፡ ፍሉይ ናይ ሓጅ ቪዛ ይሕተት። ገለ ውልቀ ሰባት ግን ብዘይ ግቡእ ሰነድ ናብ ንግደት ክኸዱ ይፍትኑ።
እዚ “ዘይወግዓዊ ሓጅ”፡ ቑጽሪ ኣብቲ ሓጅ ዘጋጠመ ሞት ክውስኽ ከም ዝገበረ ይእመን።
ግቡእ ሰነዳት ዘይብሎም ተጕዓዝቲ፡ ዋላ’ውን ሓገዝ ኣብ ዘድልዮም እዋን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ሰብመዚ ይሕብኡ።
ሰብ መዚ እታ ሃገር ድማ፡ ንገለ ኣብቲ ድንኳናት ዘጋጠመ ልዕሊ ዓቐን ምጽቕቓጥ ነዞም ሰነድ ዘይብሎም ተጕዓዝቲ ነቒፎም።
ኣቦ መንበር ሃገራዊ ኮሚሽን ሓጅን ዑምራን ኢንዶኔዥያ (ኮምናስ ሃጂ) ሙስቶሊህ ሲራጅ፡ “እቶም ካብ ቪዛ ሓጅ ዘይተጠቕሙ ሰባት ናብ ከባቢታት ሓጅ ሰሊዀም ከም ዝኣተዉ ንጥርጥር” ይብል።
ኤኤፍፒ ንሓደ ዲፕሎማት ዓረብ ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርግሖ ጸብጻብ፡ ኣብዚ እዋን ብውሕዱ 658 ግብጻውያን ከም ዝሞቱ ክገልጽ እንከሎ፡ ካብዚኦም እቶም 630 ፍቓድ ሓጅ ዘይነበሮም እዮም።
ኣማኻሪ ሃገራዊ ኮሚቴ ሓጅን ዑምራን ዝዀነ ሳዓድ ኣል-ቁራሺ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ዝዀነ ሰብ ናይ ሓጅ ቪዛ ዘይብሉ ሰብ ኣይጻወሮን’ዩ፤ ናብ ሃገሩ ድማ ክምለስ ኣለዎ” ይብል።
ዘይስሩዓት ተጕዓዝቲ ንወግዓውያን ተጕዓዝቲ ብዝወሃብን ናብ ቅዱሳት ቦታታት ንምእታው ዘኽእል ባርኮድ ዝሓዘን ኑሱክ ካርድ ብምጥቃም ከም ዝፍለዩ ይሕብር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣረጋውያን፡ ድኹማት ወይ ዝሓመሙ ሓጀጅቲ
ብዙሓት ሓጀጅቲ፡ ኣብ መወዳእታ ዕድሚኦም ወይ ንዓመታት ገንዘብ ድሕሪ ምዕቛር ወይ ድማ ክሞቱ እንከለው ኣብኡ ንክሞቱ ብዝብል ተስፋ ናብ ሓጅ ይኸዱ።
ንኣብነት ማሕበረሰብ ኣስላም ባንግላድሽ ሓጅ እናገበርካ ምሟት ከም ዕድል ይቘጽሩዎ፤ ፍሉይ ደረጃ ዝህብ ኰይኑ’ውን ይስምዖም።
እዚ ሓደ ካብቲ ዓመታዊ ሓጅ ሞት ዘጋጥመሉ ምኽንያት እዩ። ኣብ ዓመተ 2022-23 ኣስታት 200 ሰባት ሞይቶም።
ሓደ ተጓዓዛይ ኣብ ሓጅ ምስ ሞተ እንታይ ይፍጸም?
ሓደ ሰብ ኣብ ግዜ ሓጅ ብዝዀነ ምኽንያት እንተሞይቱ እቲ ሞት ምስ ተልእኾ ሓጅ እዩ ዝተኣሳሰር።
መንነት ናይቲ ዝሞተ ሰብ በቲ ኣብ ኢድ ወይ ኣብ ክሳድ ዝንጥልጠል መለለዪ መንነት እዩ ዝልለ። ጠንቂ ሞቱ ብሓኪም ምስተረጋገጸ ከኣ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ናይ ሞት ምስክር ወረቐት ይህብ።
ነቲ ህይወቱ ዝሓለፈ ሰብ ድማ ኣብቶም ኣብ እምነት እስልምና ዝለዓለ ቦታ ዝወሃቦም ኣብ መካ ዝርከብ መስጊድ ኣልሓራም ወይ ኣብ መዲና ዝርከብ መስጊድ ነብይ ሶላት ይግበረሉ።
መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ንሙሉእ ወጻኢታት ሸፊኑ እቲ ሬሳ ተሓጺቡን ተጠቕሊሉን ኣብ መጽንሒ (መዝሓሊ) ክቕመጥን ይግበር።
ስነ-ስርዓት ቀብሪ እውን መንነት መዋቲ ምስ ዝገልጽ ጽሑፍ ይፍጸም። ስድራቤት መዋቲ ድልየት እንተሃልይዎም ናብቲ መቓብር ክበጽሑ ይፍቀደሎም።
ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ድማ እቶም ኣብ ሓጅ ዝሞቱ ሰባት "ብኽብሪ ከም ዝቕበሩ" ናይ ምርግጋጽ ተገዳስነት ከም ዝወስድ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







