ንጋዜጠኛ ብጎዞሞ ዘፈራርሐት ፕሮፌሰር ካብ ስራሕ ተባሪራ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሓንቲ ፕሮፌሰር ኮሌጅ ሃንተር፡ ንጋዜጠኛ ኒውዮርክ ፖስትን ምስኡ ንዝነበረ ሰኣላይን ብጎዞሞ ድሕሪ ምፍርራሓ ካብ ስርሓ ተባሪራ።
እቶም ጋዜጠኛታት ነታ ሸሊን ሮድሪገዝ ዝተበሃለት ፕሮፌሰር ኣብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ንዝርከቡ ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ዝኾኑ ደለይቲ ፍትሒ ዘስምዓቶ ነቐፌታ ብዝምልከት ቃለ ምሕትት ክገብሩላ ይፍትኑ ምንባሮም ጸብጻብ ኒውዮርክ ፖስት ሓቢሩ።
ይኹን እንበር ሮድሪገዝ ነቲ ጎዞሞ ሒዛ ደድሕሪኦም ናብ ጽርግያ ብምውጻእ ነቶም ውልቐሰባት ከምዘፈራርሓቶም እቲ ዝወጸ ተንቀሳቃሲ ሰእሊ የርኢ።
ኣካል ዩኒቨርሲቲ ከተማ ኒውዮርክ ዝኾነ ኮሌጅ ሃንተር፡ "እታ ፕሮፈሰር ካብ ስርሓ ከምዝተኣልየት" ኣፍሊጡ ኣሎ።
ፕሮፌሰር ሮድሪገዝ ነቶም ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዝርከቡ ጸረ ምንጻል ጥንሲ ዝኾኑ ተማሃሮ ክትነቅፍ ዘርእይ ብሰፊሕ ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ጋዜጠኛ ሮቨን ፈንቶን ምስ ሓደ ሰኣላይ ኮይኑ፡ ከዘራርብዋ ናብ ኣድራሻኣ ከይዶም።
ሽዑ "ካብ ኣፍደገይ... ርሓቕ፡ እንተዘይኮይኑ በዚ ጎዞሞ ክቖርጸካ እየ" ኢላ ከም ዝጨደረት ኒውዮርክ ፖስት ዘውጾኦ ሓበሬታ የረደእ።
ኒውዮርክ ፖስት ብዛዕባ እቲ ፍጻመ ዝጸሓፎ ጽሑፍ፡ ማዕጾ ድሕሪ ምኽፋታ "ነቲ ጎዞሞ ናብ ኣንፈት ክሳድ እቲ ጋዜጠኛ ሒዛቶ" ይብል።
ብድሕርዚ እቶም ጋዜጠኛታታት ብቕጽበት’ኳ እንተኸዱ፡ ሮድሪገዝ ግን ደድሕሪኦም ናብ ጽርግያ ከም ዝሰዓበቶም እዮም ገሊጾም።
እዚ ፍፃመ ድማ ብካሜራ ሓንቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረት መኪና ዝተቐድሐ ኮይኑ ኒውዮርክ ፖስት ነቲ ቪድዮ ናብ ተኸታታልቱ ብማሕበራዊ መራኺቢታቱ ዘርግሕዎ ኣሎ።
ወሃቢ ቃል ሃንተር ኮሌጅ ቪንስ ዲሚሰሊ ንቢቢሲ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ሃንተር ኮሌጅ ነቲ ዘይቅቡል ተግባራት ሸሊን ሮድሪገዝ ብትሪ ብምኹናን ቅልጡፍ ስጉምቲ ወሲዱ'ሎ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣስዒቡ "ሮድሪገዝ ኣብ ሃንተር ኮሌጅ ካብ ዝነበራ ስራሕ ብቕጽበት ተኣልያ'ላ። ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ክትምህር'ውን ኣይክትምለስን'ያ" ክብል ነቲ ውሳነ ገሊፁ።
እቲ ብ 'ስቱደንትስ ፎር ላይፍ' ዝተባህለ፡ ጸረ ምንጻል ጥንሲ መርገፂ ዘለዎም ልዕሊ 120 ሽሕ ኣሜሪካውያን መንእሰያት ዝሓቖፈ ጉጅለ፡ እቲ ተግባር ከብቅዕ ዝጽውዕ ሰልፊ እዮም ኣካይዶም ነይሮም።
ኣቡኡ ድማ እያ ረድሪጎዝ ነቲ ሰልፊ ብምቅዋም "ትምህሩ ኣይኮንኩምን ዘለኹም ... እዚ... ፕሮፖጋንዳ እዩ ። እዚ ዓመጽ እዩ። ንተማሃሮይ ትቐስቅስዎም ኣለኹም" ክትብል ነቶም ኣብቲ ቦታ ዝነበሩ ተማሃሮ ነቒፋቶም።
ብድሕሪኡ ቅድሚ ምኻዳ ብጸርፊ ብዝተመልእ ኣንደበት፡ ንኽእለዩ እናተዛረበት መልእክቲ ዝሓዘ በረርቲ ፅሑፋት ካብ ጠረጴዛ ክትኣልዮ እንከላ እቲ ዝተዘርግሐ ቪድዮ የርኢ።
ወሃቢ ቃል ክፍሊ ፖሊስ ኒውዮርክ፡ እቲ ፍጻመ ከምዘጋጠመ ብምርግጋጽ ገና ኣብ ምጽራይ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።
ሮድሪገዝ ርእይቶ ክትህብ ዝተገበረ ጻዕርታታት ኣይሰለጠን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







