ሸኽ ሓሲና፡ እታ ‘ነቓጽ መላኺት’ ስልጣን ክትለቅቕ ዝደረኻ ሰዓታት ስንብታ

ወይዘሮ ሓሲና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሸኽ ሓሲና፡ ኣብ ባንግላድሽ ዝርአ ዝነበረ ናዕቢ ደው ንምባል ብሰንበት ኣብ እዋን ‘ቅልውላው’ ዝዝቲ ኮሚቴ ጸጥታ ኣብ ዝጸውዓትሉ እዋን፡ ኣብ ድርኲኺት ውድቀት ከምዘላ ኣይኣመነትን ነይራ።

ኣብ ውሽጢ ሰዓታት፡ ብሓይሊ ህዝቢ ካብ ወንበር ክትጽረግ ምዃና ኣይፈለጠትን፤ ርግጽ፡ ቅጽበት ናይቲ ኵነታት ዝገመቱ ውሑዳት እዮም ነይሮም።

እቲ ብሰንበት ንግሆ ኣጋምሸት ዝተጸውዐ - ኣኼባ ኮሚተ ሃገራዊ ድሕነት፡ ነታ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ምስ ላዕለዎት ሰለስተ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ፣ ላዕለዎት ሰበስልጣን ጸጥታን ፖሊስን ኣራኺቡ።

እቲ ስምዒት ልዙብ እዩ ነይሩ።

ባንግላደሽ ድሕሪ 1971 ድሕሪ ኲናት ናጽነት ርእያቶ ኣብ ዘይትፈልጥ ብኣማኢት ዝቝጸሩ ሰባት ተቐቲሎም።

ብሰንበት ጥራይ፡ ብውሕዱ 90 ሰባት ህይወቶም ስኢኖም፣ መብዛሕትኦም ሰልፈኛታት ብሓይልታት ጸጥታ ብጥይት ዝተሃርሙ ኰይኖም- በቶም ሰልፈኛታት ዝተቐተሉ ፖሊስ'ውን ውሑዳት ኣይኰኑን።

ቢቢሲ ባንግላ፡ ሸኽ ሓሲና "ክልተ ኣማራጺታት" ክፉት ክኸውን ከምዝደለየት ካብ ሰበስልጣን ተረዲኡ።

ብሓደ ሸነኽ፡ ካብ ሃገር ክትወጽእ ምድላዋት ትገብር ነይራ፡ ክሳብ ናይ መወዳእታ ህሞት ብሓይሊ ኣብ ስልጣን ክትጸንሕ ወሲና።

እቶም ወተሃደራዊ መራሕቲ ኣይተሰማምዑን።

እቶም ወተሃደራዊ መኮንናት ነቲ ኵነታት ድሕሪ ምግምጋሞም፡ ነገራት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ምዃኖም ተገንዚቦም።

ኣብቲ ኣኼባ ዝነበሩ ላዕለዎት ወተሃደራዊ ሓለፍቲ ነታ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ብውልቀ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፡ ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ክተኩሱ ከምዘይክእሉ እዩ።

ላዕለዎት ሓለፍቲ ፖሊስ እውን ተተኮስቲ ይውዳእ ከምዘሎ የማርሩ ነይሮም።

ሸኽ ሓሲና ግን ወይከ - እዝኒ ኣይሃበቶን፤ ኣብ ቅድሚኣ ግን ምስኣ ዝፋጠጥ ኣይነበረን።

ድሕሪ እቲ ኣኼባ ድማ ተሪር መልእኽታ ኣመሓላለፈት። ነቶም ሰልፈኛታት "ኣሸበርቲ" ብምባል፡ ህዝቢ ነቶም ‘ኣቃጸልቲ’ ዝበለቶም ከጥፍእ ጸዊዓ።

ሓይልታት ጸጥታ፡ እታ ሃገር ናብ ኲናት ሓድሕድ ከይተንደልህጽ ስግኣት ነይርዎም።

ስእልታት ናይቲ ብሰንበት ዘጋጠመ ዓመጽ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኰይኑ ብሰፊሑ ተዘርጊሑ ነይሩ።

ብፖሊስን ኣባላት ክንፊ መንእሰያት ገዛኢ ሰልፊ ኣዋሚ ሊግን፡ ብጥይት ዝቘሰሉ መንእሰያት ዝተሳእሉ ምስልታት ዝያዳ ቍጥዐ ፈጢሩ።

ካብቶም ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እቲ ኵነታት እናበርተዐ ምስ ከደ፡ መራሕቲ ተምሃሮ ኣብ ልዕሊ ዳካ ‘ደምሳሲ’ ሰልፊ ኣብ ሓደ መዓልቲ ክካየድ ይመኽሩ ነይሮም፤ ሰበስልጣን ደንጽዩዎም።

ስለያ፡ ጠለባት ተምሃሮ ስሕበት ይረክብ ከምዘሎን፡ ንጽባሒቱ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ናብታ ርእሰ ከተማ ክወርዱ መደብ ከምዘለዎምን ይሕብር።

ሓይልታት ጸጥታ ነቶም ሰልፈኛታት ደው ከብሉ እንተፈቲኖም ካልእ ምፍሳስ ደም እዩ ክፍጠር።

ስለዚ ሓላፊ ሰራዊት ዋከር-ኡዝ-ዛማን ዳግማይ ምስታ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ክዛረብ ወሲኑ።ሰለስተ ሓለፍቲ ስለያ፡ ሰንበት ምሸት ተራኺቦም ኣብ ባይታ ዘሎ ኵነታት ብትሕትና ገሊጾምላ።

ንድሕነት መንበሪኣ ውሕስነት ክህቡ ኣይከኣሉን።

ሸኽ ሓሲና ሽዑ’ውን እዝኒ ኣይሃበቶምን፤ እንተዀነ ኣብ ዳካ ዝርከቡ ጋዜጠኛታት፡ ናይ ስልጣን ለውጢ ይግበር ከምዘሎ ክስምዖም ከምዝኸኣለ ገሊጾም።

“ነቓጽ እያ ነይራ፡ ካብ ስልጣና ኣይክትወርድን እያ፡ ክትወጽእ እውን ፍቓደኛ ኣይነበረትን። እቶም ሰለስተ ሓለፍቲ መጺኦም፡ ብዛዕባ’ቲ ኣብ ባይታ ዝፍጸም ዘሎ ክረድኡዋ ፈቲኖም፡" ይብል ጀነራል ሑሴን።

"ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምትኳስ ከቢድ ክኸውን'ዩ ኢሎምዋ። ሰራዊትና'ውን ኣካል እታ ሃገር'ዩ። ካብ ቍሸታት ዝመጹ እዮም፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ተዅሲ ኣይክኸፍቱን።”

ብዙሓት ሰባት ናብ ዳካ ገጾም ክግዕዙ ጀሚሮም ነይሮም። ጀነራል ዛማን ኣብ መንበሪ ገዛ ሓሲና ዳግማይ ክብደት ናይቲ ኵነታት ገሊጹላ።

ሰባት ነቲ ዝተኣወጀ ኣዋጅ እቶ እቶ ይጥሕስዎ ስለ ዝነበሩ፡ ድሮ ናዕቢ ተጀሚሩ ነበረ።

ፖሊስ ካብ ብዙሕ ከባቢታት ዳካ ይስሕቡ ከምዝነበሩን፣ ጀነራል ዛማን ድማ እቶም ተኣከብቲ ኣብቲ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ዝርከብ መንበሪ እታ ቀዳማይቲ ሚኒስተር ልዕሊ እዚ ንነዊሕ እዋን ክሕልዉዎ ከምዘይክእሉ ሓቢሮምዋ።

ሓደ ሰዓት ከባቢ እዩ ዘለዋ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሓለፍቲ ወተሃደራት ኣባላት ስድራቤት ክምሕጸኑ ክጽውዑ ወሰኑ።

ብድሕሪ'ዚ ሓለፍቲ ፖሊስን ወተሃደራትን ምስ ሓፍቲ ሸኽ ሓሲና- ረሓና ስዲቕ ብምዝርራብ ንዓባይ ሓፍታ፡ ክትወጽእ ክተእምና ተገይሩ።

"እቶም ሰበስልጣን ምስ ሸኽ ረሓና ኣብ ካልእ ክፍሊ ዘተ ኣካይዶም። ንሸኽ ሓሲና ነቲ ኵነታት ከተረድኣ ተማሕጺኖምዋ። ድሕሪኡ ሸኽ ረሓና ምስ ዓባይ ሓፍታ ተዘራሪባ፣ ሸኽ ሓሲና ግን ኣቕቢጻ" ይብል ብቋንቋ ቤንጋሊ ዝተጻሕፈ ጸብጻብ።

ዓወቶም ዝጽንብሉ መናእሰይ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መወዳእትኡ ደኣ ከመይ ኢላ ካብ ሃገር ወጺኣ?

ንጽባሒቱ ንግሆ ግን፡ ሸኽ ሓሲና ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ደልሂ ተራኺባ ዕቝባ ከምዝሓተተት ምንጭታት ይሕብሩ።

ካብታ ኣብ ምሉእ ነዊሕ ዕድመኣ ጽኑዕ መሓዛ ዝነበረት ህንዲ ዝተወሃባ ማዕዳ’ውን፡ ‘ብቕልጡፍ ክትወጽእ’ ከምዘለዋ እዩ።

ቅድሚ ሓደ መዓልቲ፡ ዋሽንግተን ንሰበስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ፡ ንወይዘሮ ሓሲና ግዜ ከምዘይብላ ክትገልጸላ ሓቢሮም ነይሮም፤ ኣኺሉዋ- ኣማራጺታት ስኢና።

ጥሮታ ዝወጸ ብርጋዴር ጀነራል ኤም ሳካዋት ሑሴን፡ "ሰራዊት ከምዘይድግፋ ምስ ተረድአት ጥራይ እያ ተስፋ ቀቢጻ" ይብል።

"ሰባት ነቲ ኣዋጅ እቶ እቶ ጥሒሶም፡ ብዕስለ ናብ መንበሪ ገዛኣ ገጾም ክውሕዙ ጀሚሮም።"

ሸኽ ሓሲና ስልጣና ክትለቅቕ ከይፈተወት ክትፍርም ምስ ተሰማምዐት ግን፡ ከመይ ጌርካ ካብ ሃገር ብሰላም ትወጽእ ዝብል ዛዕባ ዀይኑ።

ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓል ስልጣን ንቢቢሲ ከምዝበሎ፡ ሸኽ ሓሲና ነቲ ናይ ስንብታ ደብዳበ ፈሪማ ክሳብ ናብታ ወተሃደራዊ ሄሊኮፕተር ትስቀል፡ ሒደት መኮንናት ጸጥታ ጥራይ እዮም ዝፈልጡ ነይሮም።

ኵሉ ነገር ብስዉር እዩ ተገይሩ።

ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት ኣርባዕተን ፈረቓን፡ ብዛዕባ ምንቅስቓሳት ሸኽ ሓሲና ዝዀነ ዜና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ከይዝርጋሕ፡ ሰብመዚ ኢንተርነት ዓጽዮም።

እቲ ሰራዊት፡ ሸኽ ሓሲና ብሰላም ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ንምብጻሕ ምድላዋት ገይሩ።

መጥቃዕቲ ከይበጽሕ ስክፍታታት ስለዝነበረ፡ ምሉእ መስመር ተጸሪጉ፡ መበገሲ ቦታ ድማ ውሑስ ኰይኑላ። ኣብ መወዳእታ ግን ብጽርግያ ክትሓልፍ፡ ውሑስ ስለ ዘይነበረ ኣብ ክንድኡ ሄሊኮፕተር ተጠቒሞም።

ልክዕ ክሳብ እቲ ዝተበገሰትሉ ህሞት፡ ሸኽ ሓሲና ኣብ ልዕሊኣ ዝዀነ ሰብ ናብ ስልጣን ደዪቡ ክትርኢ ፍቓደኛ ከምዘይነበረት ወዳ ይዛረብ።

"ኣደይ ናብታ ሄሊኮፕተር ክትስቀል ኣይደለየትን ነይራ። ኣነ ስልኪ ደዊለላ ነይረ፣ ንኣደይን ንሓትነይን እናኣእመንኩ፤ ንኽልቲአን ክትከይድ ከምዘለዋ ይነግረን ነይረ።”

ሓንሳብ ምስ ኣመነት፡ ካብ ጎኖ ባባን ናብታ ትጽበያ ዝነበረት ሓይሊ ኣየር ባንግላድሽ ሲ-130 ሄርኩለስ ዝተዳለወት ነፋሪት ተበገሱ።

ሳጂብ ዋዘድ ጆይ፡ ናብታ ርእሰ ከተማ ምብራቓዊት ግዝኣት ህንዲ ትሪፑራ ዝዀነት ኣጋርታላ ከምዝኸዱን ካብኡ ድማ ናብ ደልሂ ከምዝተጓዕዙን ይዛረብ።

ካልኦት ጸብጻባት ድማ ብሄሊኮፕተር ናብ ሓደ መዓርፎ ነፈርቲ ዳካ ከምዝተወስደት፡ ድሕሪኡ ብነፋሪት ናብ ደልሂ ከምዝኸደትን ይሕብሩ።

ናዕቢ ዘስዐቦ ዕንወት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣየናይ መንገዲ ተኸቲሎም ብዘየገድስ፡ ብኣቈጻጽራ እታ ሃገር ከባቢ ሰዓት 13፡30 ሓሲና፡ ሓፍታን ላዕለዋይ ኣባል ባይቶ ኣዋሚ ሊግ ሳልማን ፋዝሉር ራሕማንን ካብታ ሄሊኮፕተር ናብታ ናብ ደልሂ ዝወሰደቶም ነፋሪት ከምዝተሰጋገሩ ክዉን ኰይኑ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ሻንጣታት ክጸዓን ኣብ መሬት ወዲቑ ይረአ።

ብዙሕ ካብቲ ዝገደፈቶ ነገራት፡ ዋላ’ውን ገና ኣብ ኣየር እንከላ፡ ንመንበሪኣ ዝወረሩ ሰለፈኛታት ብዓረብያ ይወስዱ ነይሮም።

ድሕሪ ገለ ሰዓታት፡ እታ ነፋሪት ኣብ ደልሂ ዓሊባ፡ ተጓዓዝታ ንቕድሚት ዝኸዱሉ ምኽንያት ንጹር ኣይነበረን።

ድሕሪ እዚ፡ ኣብ መላእ ባንግላድሽ ኢንተርነት ናብ ንቡር ተመሊሱ፡ ናይ 15 ዓመት ምሕደራ ሸኽ ሓሲና ምብቃዕ ዘመልክት ጽምብል ድማ ክበዓል ተጀሚሩ።

ኣብ ሓደ እዋን ከም ዲሞክራስያዊት ትርአ ዝነበረት፡ ድሒራ ግን ‘ነቓጽ ምልካዊት’ ተባሂላ ዝተጸረፈት ጓል ኣንስተይቲ ወይዘሮ ሓሲና፡ ኢንተርነት ኣብ ዘይብሉ፡ ከም ሓደ ሰራቒ ሰላሕ ኢላ ሃዲማ ክትወጽእ ተገይራ።