ኣብ ዓለም ብዕድመ ዝዓበየት ሰብ ምዃና ዝእመነላ ጃፓናዊት ዓሪፋ

ቶሚኮ ኢቶካ መበል 116 ዓመታ እንክጽንበል

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ቶሚኮ ኢቶካ መበል 116 ዓመታ እንክጽንበል

ኣብ መዝገብ ክብረ-ወሰን ዓለም ዝዓበየት ምዃና ዝተመዝገበት ጃፓናዊት ሰበይቲ፡ ኣብ መበል 116 ዓመታ ዓሪፋ።

እታ ኣብ ከተማ ኣሽያ ዝርከብ መዕቈቢ ኣረጋውያን ክትናበ ዝጸንሐት ቶሚኮ ኢቶካ ዝተባህለት ኣደ፡ ስጳኛዊት ማርያ ብራንያስ ሞሬራ ኣብ ነሓሰ 2024 ኣብ መበል 117 ዓመታ ካብዛ ዓለም ድሕሪ ምፍላያ እያ ዝዓበየት ሰብ ኰይና ጸኒሓ።

27 ዝዕድመኡ ከንቲባ ኣሽያ ርዮሱከ ታካሺማ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ወ/ሮ ኢቶካ ብነዊሕ ዕድመኣ፡ ትብዓትን ተስፋን ስለ ዝሃበትና ኣዚና ነመስግና፡" ኢሉ።

እዛ ሰበይቲ ኣብ ግንቦት 1908 እያ ዝተወልደት።

እዚ ማለት፡ ቀዳማይ ኲናት ዓለም ክባራዕ ሽዱሽተ ዓመት ኣብ ዝተረፈሉ፣ ወይ ከኣ ፎርድ ዝዓይነታ መኪና ኣብ ኣመሪካ ኣብ ዝተዘርግሓትሉ ዓመት እዩ።

ቶሚኮ ኢቶካ ካብ ዓለም ዝለዓለ ዕድመ ከም ዘለዋ ዝገልጽ ምስክር ወረቐት፡ መዓልቲ ኣረጋውያን ጃፓን ኣብ ዝዝከረሉ፡ ኣብ መስከረም 2024 ተቐቢላ።

ሓንቲ ካብ ሰለስተ ኣሕዋታ ዝነበረት ኢቶካ፡ ቀዳማይን ካልኣይን ኲናት ዓለም፣ ከምኡ'ውን፡ ቴክኖሎጅያዊ ምዕባለታትን ክትርኢ በቒዓ እያ።

ተመሃሪት እንከላ ኩዕሶ መርበብ ትጻወት ነይራ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ነቲ 3,067 ሜትሮ ዝንውሓቱ እምባ ኦንታክ ከኣ ክልተ ግዜ ሓዂራቶ።

እቲ ከንቲባ ከም ዝገለጾ፡ ኣብ እዋን ሽምግልናኣ ባናናን ካልፒስ ዝተባህለ ብጸባ ዝስራሕ ልስሉስ መስተን ተስተማቕ ነይራ።

ኣብ 20 ዓመታ ተመርዕያ ክልተ ኣዋልድን ክልተ ኣወዳትን ከም ዝወለደት ዓለማዊ መዝገብ ክብረ-ወሰን ይሕብር።

ካልኣይ ኲናት ዓለም ኣብ ዝተባርዓሉ፡ ነቲ ብዓል ቤታ ዘካይዶ ዝነበረ ፋብሪካ ዓለባ መሪሓቶ ነይራ።

ብዓልቤታ ኣብ 1979 (ቅድሚ 45 ዓመት) ምስ ሞተ፡ ንብሕታ እያ ኣብ ናራ ክትነብር ጸኒሓ።

ካብ ስድራኣ ሓደ ወዳ፡ ሓንቲ ጓላን ሓሙሽተ ደቂ ደቃን ቀዲሞማ ዓሪፎም።

ሓመድ-ድበኣ ድማ ቤተሰባን ፈተውታን ኣብ ዝተረኸብሉ ከም ዝተኻየደ ሰበስልጣን ናይታ ከተማ ገሊጾም።

ጃፓን ካብ መስከረም ኣብ ዘካየደቶ ቈጸራ፡ ልዕሊ 95,000 ልዕሊ 100 ዝዕድመኦም መዝጊባ።

ካብዚኦም እተን 88 ሚእታዊት ደቀንስትዮ እየን።

ካብ 124 ሚልዮን ህዝቢ ጃፓን፡ ዳርጋ ሓደ ሲሶ 65ን ልዕሊኡን ዝዕድመኦም እዮም።

ድሕሪ ኢቶካ 16 መዓልታት ድሒራ ዝተወልደት 116 ዝዕድመኣ ብራዚላዊት ፈላሲ ኢና ካናባሮ ሉካስ፡ ኣብዚ ግዜ'ዚ ዝዓበየት ሰብ ኣብዛ ዓለም ምዃና ይእመነላ።

ብ2023 ዓ.ም [ኣ.ኤ] ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ጃፓን ካብ 10 ሰባት ልዕሊ ሓደ ዕድሚኦም 80 ዓመትን ልዕሊኡን ከም ዝዀነ ተረጋጊጹ ነይሩ።

ጃፓን ኣብ ዓለም ካብተን ዝወሓደ መጠን ወሊድ ዘለወን ሃገራት ኰይና፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ምንባይ ንሓያሎ ዓመታት ክትቃለስ ጸኒሓ እያ።

ብብዝሒ ዕድሚኦም 65 ዓመትን ልዕሊኡን ዝዕድሚኦም ሰባት ብምሓዝ ድማ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ብዕድመ ዝደፍአ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ከም ዝዀነት ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።