ትግራይ: ሰልፊ ተቓውሞ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ንራብዓይ መዓልቱ ቀፂሉ

ብሰኑይ 3 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም (ግ) ኣብ መቐለ ዝጀመረ ሰልፊ ተቓውሞ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ናብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሰፊሑ ንራብዓይ መዓልቱ ቀፂሉ ኣሎ።

እቲ ተቓውሞ ዝቐፀለ ኰይኑ፡ ሓሙስ 6 ጥቅምቲ፡ ናብ መቐለ መውፅኢ ዓዲግራት ኣባላት ፀጥታ መንገዲ ዓፅዮም ከም ዘርፈዱ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ቅድሚ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣብ ከተማ መቐለን ከባቢኣን ዝርከቡ ኣባላት ኣርሚ 22 ብዝብል ዝፍለጡ ኣሃዱ ሓይሊ ፀጥታ ትግራይ ነቲ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝጀመርዎ ይዝከር።

እቲ ኣብ ከተማ መቐለ ዝነበረ ሰልፊ፡ ምስ ላዕለዎት ኣመራርሓ እታ ክልል ድሕሪ ዝተኻየደ ዘተ ደው ክብል እንከሎ፡ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ትግራይ ግን ከም ዝቐፀለ ተፈሊጡ።

ብረቡዕ 5 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም [ግ]፡ ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ነቶም ዝቐረቡ ሕቶታት፡ ብፍላይ ሕቶ ደሞዝ፡ ሕቶ ጥቕማጥቕምን ሕቶ መሬትን ንምምላስ ዘኽእል ብ2017 ዓ.ም ዝወፅአ መምርሒ ንምትግባር ዘኽእሎ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።

ብሰሉስ 4 ጥቅምቲ (14 ጥቅምቲ 2025) ኣብ ዞባ ማእኸል ነበለት ናብ ሓውዜንን ዓድዋን ዝወስዱ መንገዲታት ተዓፅዮም ውዒሎም። ኣብ ነበለት ዝርከብ መዋፈሪ ኣውተቡስ'ዉን ተዓፅዩ ምንባሩ ካብቲ ከባቢ ናብ ቢቢሲ ዝተልኣኸ ብኣሳእል ዝተሓገዘ ሓበሬታ የረድእ።

ብተመሳሳሊ መንገዲ መቐለ ዓዲግራት እውን ኣብ ከተማ ኣጉላዕ ተዓፅዩ ዝወዓለ ኰይኑ ኣማስዩ ከም ዝተኸፈተ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት::

ብረቡዕ ድማ ካብ ወጋሕታ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዝተኣኻኸቡ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ መገድታት ብምዕፃው ተቓውሞኦም ይገልፁ ነይሮም።

ኣብቲ ዝቐፀለ ምዕፃው መንገዲ: ኣብ ኣጉላዕ ናይ ረድኤት እኽሊ ዝፀዓና መካይን ምሕላፍ ከምዘይከኣላ ካብቲ ከባቢ ብቪድዮ ተሰንዮም ዝወፅኡ ሓበሬታታት የመልክቱ።

ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ መኾኒን ዓዲሽሁን እውን ካብን ናብን መቐለ ዘሕልፍ መንገዲ ተዓፅዩ ነይሩ።

መስመር እንዳባጉና-ሽረ-ማይፀብሪ ተዓፅዩ'ኳ እንተነበረ ኣቦታት ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ምስቶም ሰልፈኛታት ብዝገበርዎ ዝርርብ ከምዝተኸፈተ ተሓቢሩ።

ቀንዲ ሕቶ እቶም ሰልፈኛታት እንታይ'ዩ?

መንገዲ ምዕፃው ሓዊሱ፡ እቶም ብዝተፈላለዩ መንገድታት ተቓውሞ ዘስምዑ ዘለዉ ሰልፈኛታት፡ ካብ ሕቶ መሃያ ጀሚሩ ክሳብ ሌላን ጉሌላን፡ ከቕርቡ ተሰሚዖም።

ናይ ዝሓለፈ [ኣብ እዋን ኲናት] ክፍሊትን ሕቶ መሬትን ሓሊፉ ወርሓዊ ክፍሊትና ብእዋኑ ኣይበፅሐናን ዘሎ፡ ብግቡእ ክዳንን ሳእንን ኣይተውሃበናን፡ ኣብ ጣብያታትን ከባቢያዊ ምምሕዳርን ሰማዒ ኣይንረክብን፡ብሱሩ እውን ከም መጠን ተጋደልቲ ኣይንኽበርን ዝብሉን ሕቶታት የልዕሉ።

ካብ መሃያን ጥቕማጥቕምን ወፃኢ ኣብ ፖለቲካውን እዋናውን ጉዳያት እቲ ክልል ኣመልኪቶም እውን ድምጾም ኣስሚዖም።

ኣብ ገለ ከባቢታት፡ ተቓውሞኦም ንምግላጽ ናብ ጎደናታት ዝወጹ ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ፡ 'ንሕና ተጣበቕቲ ሓደ ውድብ ኣይኮናን'፡ 'ኲናት ኣይንደልን ኢና'፡ 'ሰላም ኢና ንደሊ'፣ 'ንሞት ኣይተፈጠርናን' ዝብሉን ካልኦት ጭርሖታት ከስምዑ ተራእዮም።

ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ እቲ ተቓውሞ ብሰኑይ ኣብ መቐለ ኣብ ዝጀመሩሉ እዋን፡ ካብ ከባቢ ሰሜን እዝን ኮሌጅ ሕብረትን፡ ብእግሮም ናብ ቤትፅሕፈት ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ እዮም ኣምሪሖም ነይሮም።

ኰይኑ ግና፡ ፕረዚደንት ታደሰ ወረደ "ኣብ ካልእ ዕማም" ከምዝነበረ ስለዝተገልፀ፡ ረኺቦም ከዛርቡዎ ኣይከኣሉን።

እቶም ሰልፈኛታት ክሳብ ራብዓይ ደርቢ እቲ ቤትፅሕፈት ብምድያብ፡ ፕረዚደንት ታደሰ ኣብ ቤትፅሕፈቱ ምህላዉን ዘይምህላዉን ከረጋግፁ ከምዝፈተኑ፡ ምፍላጥ ተኻኢሉ።

ንፀሓፊት እቲ ፕረዚደንት እውን፡ "ቤትፅሕፈት ከፊትኪ ኣርእይና" ከም ዝበሉዋ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።

ብድሕሪኡ ናብ ኣደራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ክኣትዉ እሞ ዝምልከቶም ሰበስልጣን መፂኦም ክሰምዕዎም ዋላ'ኳ እንተ ተሓበሮም ነቲ ሓሳብ ክቕበልዎ ኣይከኣሉን።ነዚ ስዒቡ፡ ካብ መቐለ ዘውፅኡ ሰለስተ ኣገደስቲ መንገድታት ዓጽዮምዎም ተራእዮም።

እንተዀነ፡ ሕቶኦም ብሰላማዊ መንገዲ ስለ ዘቕረቡ፡ ኣብ ሰብ ኮነ ንብረት ዘብፀሕዎ ናይ ሓይሊ ስጕምትን ዕንወትን ኣይነበረን።

ሪፖርተር ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣባላት ሓይልታት ትግራይ፡ ዝሓለፈ ናይ 2013 ን 2014ን ክፍሊት ይወሃበና ዝብል ጥርዓን ከም ዘለዎም ይገልፁ።

ካብዚ ብዝሰገረ፡ መንበሪ ቤት እንሃንፀሉ መሬት ክንዕደል ይግባእ ዝብሉን ካልኦት ተዛመድቲ ሕቶታትን እዮም ሒዞም ተላዒሎም።

እቶም ሕቶታት ኣብ መላእ ትግራይ ናይ ዝርከቡ ኣባላት ሓይልታት ትግራይ ሕቶታት ከም ዝዀኑ እዩ ዝዝረብ።

ሓይልታት ትግራይ ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እቲ ክልል ዝተወፃፅአ ክፋል ሕብረተሰብ ዝሓዘ እዩ።

ብሰንኪ እቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ኲናት፡ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ እንከለዉ ልዕሊ 60,000 ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ከም ዝተሰደዱ ይፍለጥ።

ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝሒ ናይቶም በቲ ጐንፂን ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝሞቱ ሰባት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝበፅሕ ይሕብር።

እዞም፡ እቲ ኲናት "ንምምካት" ዝተወደቡ ኣካላት፡ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ዝነበሩ፡ ኣባላት ፌደራል ፖሊሲን ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ትግራይን ዘካተተን፣ ከምኡ'ውን እቲ ኲናት ምስ ተወልዐ ዝኸተቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውደ ስራሕ ተዋፊሮም ዝነበሩ ዝሓወሱን እዮም።

እቶም ነባራት ሰለስተ ሓይልታት ካብ ብቐደሙ ስሩዕ መሃያ ስለ ዝነበሮም፡ ዝሓለፈ ውንዙፍ መሃያ ልክዕ ከምቲ ካልእ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዋላ እውን ተቘራሪፁ ይወሃቦ ከም ዘሎ ይግለጽ።

እቶም ሕቶ ዘልዕሉ ዘለዉ፡ ድሒሮም ናብቲ ሰራዊት ከቲቶም ዝተፀምበሩ ኣባላት እቲ ሓይሊ ፀጥታ እዮም።

ዋላ'ኳ ንመሃያ ኢልና እንተ ዘይተጋደልና ናይ ዝሓለፈ (2013-2014) ዘይወሃበና እንተዀይኑ ሌላን ጉሌላን ይፍፀመና ኣሎ ዝብል ጥርዓን እዮም ኣቕሪቦም።

እዞም ዝተፈላለዩ ሕቶታት ዝተሓንገጡ ሓይልታት ትግራይ፡ ብሰኑይ ቀንዲ መንገዲ ዓፅዮም ውዒሎም።

እቲ መንገዲ ረፋድ ሰዓት 5፡00 (ብኣቋፃፅራ ናይታ ሃገር) ዝተዓፀወ ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 10:20 እዩ ተኸፊቱ።

መንገዲ ስለ ዝተዓፀወ ህዝቢ ከቢድ ሃሰያ ወሪዱዎ።

ቢቢሲ ናብ መዕርፎ ነፈርቲ ዝኸዱ ገያሾ ጕዕዞኦም ተሰሪዙ፡ ነፈርቲ ጥርሐን ከም ዝተመለሳ ካብ መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ሓበሬታ ረኺቡ ኣሎ።

ካብ መቐለ ናብ ኲሓ ዝወስድ ናይ 11 ኪሎሜትሮ መንገዲ፡ ሰባት ካብን ናብን ብእግሮም ክጓዓዙ ውዒሎም።

ንኣምቡላንስ ከይተረፈ ኣይነሕልፍን ብምባል ከቢድ ምትእጕጓል ኣጓኒፉ።

ብዕዳጋ ብዕራይን ቀልቀል ደብሪ ኣቢሉ ናብ ሳምረ፡ ግጀትን ዓዲጉዶምን ዘውፅእ መንገዲ ስለ ዝተዓፀወ፡ ሕብረተሰብ ካብ ዋኒኑ ተሰናኺሉ ውዒሉ።

ናብ መቐለ እኽልን ሸቐጥን ፅዒነን ዝኣትዋን ዝወፃን ዓበይቲ መካይን ፅዕነት ጠጠው ኢለን ውዒለን።

ሰልፈኛታት ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደ መፂኡ የዘራርበና ስለ ዝበሉ፡ ፕረዚደንት ታደሰ ናብ ከባቢ ዕዳጋ ብዕራይ ዋላ እኳ እንተ መፀአ ብመኪናኡ ክሓልፍ ስለ ዘይኣፍቀድሉ ክረኽቦምን ከዘራርቦምን ኣይከኣለን።

ብድሕሪኡ ናብ ኣደራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ክእከቡ እሞ ዘተ ክካየድ ተነጊርዎም።

ድሕሪ ቀትሪ ሰዓት 10:20 መካይን ተሰናዲአናሎም ተሳፊሮም ናብ ኣደራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ኣምሪሖም።

እቶም ኣባላት ሓይሊ ፀጥታ ኣብቲ ኣደራሽ ምስ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ሌ/ጀነራል ታደሰ፡ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረፅዮንን ኣዘዝቲ ሓይልታት ፀጥታ ትግራይን ክሳብ ምሸት ሰዓት ሓደ ተዛትዮም።

ድሕሪ እቲ ዝተኻየደ ዘተ'ውን እንተኾነ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሰልፊታት ተቓውሞ የካይዱ ኣለዉ።

ሪፖርተር ቢቢሲ ብመሰረት ካብቶም ኣባላት ፀጥታን ካብ ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዝረኸቦን ሓበሬታ፡ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ኣቕሪቦም።

ካብቲ ዝሓለፈ ክፍሊት ይወሃበናን ሕቶ መሬትን ብተወሳኺ፡ ወርሓዊ ክፍሊትና ብእዋኑ ኣይበፅሐናን ዘሎ፡ ክዳንን ሳእንን ይወሃበና፡ ኣብ ጣብያታትን ከባቢያዊ ምምሕዳርን ከይድና ዝተፈላለዩ ሕቶታት ምስ እነቕርብ ሰማዒ ኣይንረክብን፡ ብስሩ እውን ከም መጠን ተጋደልቲ ኣይንኽበርን ዝብሉን ሕቶታት ኣቕሪቦም።

ዝምልከቶም ኣካላት መንግስትን ውድብን ሕቶታት እቶም ኣባላት ኣዳሚፆም መልሲ ሂቦም።

እቲ ናይ ዝሓለፈ (2013ን 2014ን) ይከፈለና ዝበሃል ተፀኒዑን ዝተበፅሐ ዕልባትን ክንገሮም ምዃኑ ቃል ተኣትይሎም።

ምኽንያቱ፡ ኣብ ሓሳብን መደበን ዘይነበረ ምስ ምዃኑ ብኸመይ ይፍፀም ዝብል ብዕምቈት ተራእዩ ዕልባት ክረክብ ምዃኑ ተነጊሩዎም።

ንመህነፂ ኣመንበሪ ኣባይቲ ዝውዕል መሬት ይወሃበና ዝብል፡ ዝተጀመረ መስርሕ ኰይኑ፡ ኣብ ቀዳማይ ዙርያ ንስድራ ስውኣት ተዋሂቡን ይወሃብን ምህላዉ ይፍለጥ። ቀፂሉ ንጕዱኣት ኲናት ክወሃብ ኣብ መደብ ምህላዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ብድሕሪኡ ድማ ንሓርበኛታት ተጋደልቲ ከም ዝወሃብ ተገሊፁ።

መሬት ንተጋደልቲ ንምሃብ ተፀኒዑ ብካቢነ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ወሳነ ክረክብ ኣብ መንገዲ ከም ዝርከብ ተሓቢሩዎም እዩ።

ካልኦት ሕቶታቶም እውን ደረጃ ብደረጃ መልሲ ከም ዝረኽቡ ተነጊሩዎም።

እንተኾነ

ኵነታት ሓይልታት ትግራይ

ካብ ቀንዲ ኣዕኑድ ውዕል ፕሪቶርያ ሓደ ምፍታሕ ዕጥቂ ኰይኑ፡ እቶም ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ዕጡቓትን ሓይልታት ደገን ካብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝወፅሉ፡ 'ማዕረ ማዕረኡ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቂ ክፈትሑ ኣለዎም' ዝብል እዩ።

ሓይልታት ትግራይ፡ ድሕሪ እቲ ንዂናት ትግራይ ደው ዘበለ ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ዕጥቈም ብምፍታሕ ብዲዲኣር ክሰናበቱን ናብ ማሕበረሰብ ክሕወሱን ትጽቢት ይግበር ነይሩ።

እቲ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ፡ ምስንባትን ናብ ማሕበረሰብ ናይ ምፅንባርን መስርሕ ብሰንኪ ኣብ መንጎ ኣዘዝቲ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ምክልኻል ፈደራልን ብዝተፈጠረ ዘይምስምማዕ ደው ከም ዝበለ ይግለጽ።

እዚ ከምዚ እናሃለወ ኮምሽን ተሃድሶ ኢትዮጵያ ኣብ ነሓሰ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ልዕሊ 65,000 ዕጡቓት ዕጥቂ ፈቲሖም ናብ ማሕበረሰብ ከም ዝተጸንበሩ ኣፍሊጡ ነይሩ፤ ካብዚኦም እቶም 54,000 ካብ ትግራይ እዮም።

ኣብ ምፍታሕ ዕጥቅን ምስንባትን ሓይልታት ትግራይን ምምላስ ተመዛበልትን መራሕቲ ህወሓት መንግስቲ ፈደራልን ክካሰሱ ፀኒሖም እዮም።

መንግስቲ ፈደራል፡ ህወሓት ነዞም ጉዳያት ትሕጃ ገይሩዎም ኢሉ ክኸስስ ይስማዕ።

ዕጥቆም ዝፈትሑ ተጋደልቲ ነበር፡ ስነኣእምሮኣውን ማሕበራውን ደገፍን፡ ስቪካዊ ስልጠናን ከምኡ'ውን ድጂታዊ መለለዪ መንነትን ናይ ሓፂር ግዜ እግሪ መትከሊ ገንዘብን ከም ዝተዋህቦም ይግለፅ።

ኮምሽን ሃገራዊ ተሓድሶ፡ ነዚ ዕጥቂ ናይ ምፍታሕ፡ ምስንባትን ናብ ማሕበረሰብ ናይ ምፅንባርን መስርሕ፡ ብጠቕላላ 762 ሚልየን ዳላር ከም ዘድሊ ገሊፁ ነይሩ።