ኣባል ኮንግረስ ሚነሶታ ኢልሃን ዑመር ብ 'ዘይተፈለጠ ፈሳሲ' ተጠቒዓ
ኣባል ኮንግረስ ሚነሶታ ኢልሃን ዑመር፡ ብሰሉስ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ መደረ እናስመዐት እንከላ፡ ብሓደ መንእሰይ እንታይነቱ ብዘይተፈለጠ 'ፈሳሲ' መጥቃዕቲ ተፈጺሙዋ።
እቲ ኣብ ማእከል ተዓዘብቲ ዝነበረ መንእሰይ ሲሪንጋ ተጠቒሙ ነቲ ፈሳሲ ናብኣ ከምዝነጸጎ ፖሊስ ከተማ ምንያፖሊስ ኣፍሊጡ።
ኢልሃን ዑመር ድሕሪ ፍጻመ ዝዀነ ጉድኣት ከይበጽሓ መደረኣ ክትቅጽል እንከላ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ መንእሰይ ብቕጽበት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ።
ፖሊስ'ውን እንታይነት ናይቲ ፈሳሲ ንምፍላጥ ካብቲ ቦታ ቅምሶ ከምዝወሰደ ኣፍሊጡ።
ጃክሊን ጎስሊን ዝተበሃለት ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፈት ውልቀሰብ ብዛዕባ እቲ ንኢልሃን ዑመር ብፈሳሲ ዘጥቅዓ መንእሰይ ብዝምልከት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል "ሓደ ካብቶም ሓገዝታ ተመሲሉ ገለ ክህባ ዝደየበ'ዩ መሲሉኒ ነይሩ" ትብል።
ኢልሃን ድሒራ ኣብ ኤክስ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ "ደሓን እየ። ኣነ ካብ ሞት ዝወጻእኩ ስለዝዀንኩ እዛ ንእሽቶ ናዕቢ ካብ ስርሐይ ኣይተብኵረንን'ያ፣ ዓያሹን መናሸውትን ክዕወቱ ኣይፈቅድን እየ፡" ኢላ።
ድሕሪ እቲ ፍጻመ፡ ኢልሃን ነቶም ኣብቲ ኣዳራሽ ዝነበሩ ሰባት "ክንቅጽል ኢና... ንሕና ሚነሶታ ሓያላት ኢና" ኢላ።
ካልእ ኣብቲ ኣኼባ ኢልሃን ዝተሳተፈ ኣልፍረድ ፍላወርስ ጁንየር ዝተበሃለ ውልቀ ሰብ'ውን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ነቲ ኣኼባ ንምቕጻል ዝነበራ ኒሕን፡ በቲ ዝተፈጸማ መጥቃዕቲ ዘይምድሃላን ንትብዓታን ሓይላን" ከምዘኽብሮ ገሊጹ።
ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ቪድዮ፡ እቶም ኣካላት ጸጥታ ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ መንእሰይ ብቕጽበት ብምኽባብ ኣብ መሬት በጥ ኣቢሎምዎ እንከለው'ዩ ዘርኢ።
እቲ ፈጻሚ መጥቃዕቲ ካብቲ ክፍሊ ተታሒዙ ክወጽእ እንከሎ፡ "ንሓድሕድና ከም እንናቘት ይግብር ኣሎ" ኢሉ፤ ንመን ምዃኑ ግን ኣየነጸረን።
እቲ ኣብ ልዕሊ ኢልሃን ዝነጸጎ ፈሳሲ ምስ ፍርያት ኬሚካል ዝመሳሰል መጺጽ ጨና ከም ዝነበሮ'ውን ኣብቲ ክፍሊ ዝነበረ ጋዜጠኛ ቢቢሲ ሓቢሩ።
ከንቲባ ከተማ ሚንያፖሊስ ጃኮብ ፍረይ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ኣብ ምንያፖሊስ ጎንጽን ታህዲድን ቦታ የብሉን፣ ንህይወት ሰብ ኣብ ሓደጋ ብዘየእቱ መንገዲ ዘይክንሰማማዕ ንኽእል ኢና፡ ኣብዛ ከተማና ንኸምዚ ዓይነት ተግባራት ተጻዋርነት የብልናን" ብምባል ነቲ ተግባር ኰኒኑ።
ኢልሃን - ኣብ 2019 - ቀዳማይቲ ሶማላዊት ኣመሪካዊት፡ ቀዳመይቲ ኣብ ኣፍሪቃ ዝተወለደት ኣመሪካዊት ከምኡ ከኣ ሓንቲ ካብተን ክልተ ተኸተልቲ እምነት እስልምና ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ዝዀነት እያ።
ኢልሃን ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ ብዙሕ ግዜ ተመሳሳሊ ኣኼባታት ኣካይዳ'ያ፣ ኣብቲ ናይ ትማሊ ኣኼባ'ውን ኣስታት 100 ዝዀኑ ተሳተፍቲ ነይሮም።
ኣብቲ ኣኼባ ኸኣ ብዛዕባ እቲ ብሰብመዚ ፈደራል ኢመግረሽን ኣብታ ከተማ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝግበር ዘሎ ግፋን፡ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ብሰብ መዚ ዝተቐተለ ኣመሪካውን ኣብ ዝምልከት ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐርብ ሕቶታት ንምምላስ'ያ ነቲ ኣኼባ ወዲባቶ።
ኣብ መጀመርታ ጥሪ ሰብመዚ ኢመግረሽን ንሓንቲ ሬን ጉድ ዝተበሃለት ኣመሪካዊት ብጥይት ክቐትልዋ እንከለዉ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ውን ንሓደ ኣሌክስ ፕሬቲ ዝተበሃለ ኣመሪካዊ፡ ኣባላት ሓለዋ ዶብ ደው ኣቢሎም ብጥይት ቀቲሎምዎ።
እዚ ኵሉ ተደማሚሩ ከቢድ ህዝባዊ ተቓውሞ ኣለዓዒሉ ይርከብ።
ኢልሃን፡ ኣብቲ ኣብ ኣዳራሽ ምምሕዳር ከተማ ትገብሮ ዝነበረት ኣኼባ 'ኣይስ' ፈጺሙ ክዕጾን ጸሓፊት ክፍሊ ውሽጣዊ ጉዳያት ክሪስቲ ናኦሚ "ካብ ስልጣና ክትወርድ ወይ ክትክሰስ" ድሕሪ ምጽዋዓ'ዩ፡ እቲ መንእሰይ ብምትሳእ ብፈሳሲ ኣጥቂዕዋ።
ሰብመዚ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ነቲ ኣኼባ ደው ከተብሎ'ኳ እንተ ተማሕጸኑዋ፡ ንሳ ግን ነቲ ኣኼባ ቀጺላቶ።
"ኣኼባና ክንቅጽል ኢና፣ ዓሰርተ ደቂቕ ጥራይ ሃቡኒ፡ በጃኹም ፈጺምና ዕድል ኣይንሃቦም" እናበለት'ውን ተሰሚዓ።
ብዙሓት፡ እቲ ኣብ ምንያፖሊስ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ዝግበር ዘሎ ግፋ፡ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ በቲ ኣብ ልዕሊ ኢልሃን ዑመር ዘለዎ ጽልኢ ዝተበገሰ ከምዝዀነ'ዮም ዝኣምኑ።
ድሕሪ እቲ ብሰሉስ ብኣባላት ሓለዋ ዶብ ኣብ ልዕሊ ሓደ ኣመሪካዊ ዝተፈጸመ ሞት ዘስዓብ መጥቃዕቲ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ነቲ ኣብ ምንያፖሊስ ዝገብሮ ዘሎ ግፋ ቅሩብ ከፍኵሶ ምዃኑ ተዛሪቡ'ሎ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







