እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
"ካብተን ምሳና ዝነበራ 26 ኣዋልድ እተን 23 ተዓሚጸን" ኤፍሬም ሱራፊኤል
"ካብተን ምሳና ዝነበራ 26 ኣዋልድ እተን 23 ተዓሚጸን" ኤፍሬም ሱራፊኤል
ኤፍሬም ሱራፊኤል ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ ኣብ ሽረ እንዳስላሰ ዝዓበየ መንእሰይ'ዩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ጀርመን ዝቕመጥ ኰይኑ በረኻታት ሰሃራን ሊብያን ሰጊሩ ናብቲ ዝቕመጠሉ ዘሎ ሃገር ንኽኣቱ ኣብ ጕዕዞኡ ካብ ኣእምሮኡ ዘይሃስስ ፍጻመ ከምዘለዎ ንቢቢሲ ገሊጹ።