ኣፍሪቃውያን ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ነይሮም ይፈልጡ ድዮም? ኣፍሪቃዊ ክምረጽ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

ኣፍሪቃውያን ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ካብ 2013 ኣትሒዞም መራሒ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዓለም ኰይኖም ከገልግሉ ዝጸንሑ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ መበል 88 ዓመት ዕድመኦም ድሕሪ ምዕራፎም፡ ኣፍሪቃዊ ሓድሽ ርእሰ-ሊቀ-ጳጳሳት ከዎይኑ ክስየም ተኽእሎ ከም ዘሎ ግምታት የመልክቱ።

ቅድሚ ሕጂ ነታ ቤተክርስቲያን ዝመርሑ ኣፍሪቃውያን ከም ዝነበሩ ታሪኽ ይጠቅስ።

ምስ ኣፍሪቃ ምትእስሳር ዘለዎም ሰለስተ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ከም ዝነበሩ ጸሓፍቲ ታሪኽ ይኣምኑ። እዚ ግን ቅድሚ ልዕሊ 1,500 ዓመታት እዩ።

ኵሎም እቶም ሰለስተ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት መበቈሎም ሰሜን ኣፍሪቃ ከም ዝዀኑ ይግለጽ።

ሃጸያዊ ግዝኣት ሮማ፡ ክሳብ ቱኒዝያ፡ ሰሜናዊ ምብራቕ ኣልጀርያን ገማግም ምዕራባዊ ሊብያን ተዘርጊሑ ነበረ።

ኣብ ሻብዓይ ክፍለ ዘመን እስልምና ቅድሚ ምምስራቱ፡ ክርስትና ኣብቲ ዞባ ሓያል ህላወ ነበሮ።

"ሰሜን ኣፍሪቃ መሰረት መጽሓፍ ቅዱስ ጥንታዊ ክርስትና እያ ነይራ፡" ክብል ካብ ኣመሪካ ዩኒቨርሲቲ ኪን ፕሮፌሰር ክሪስቶፈር ቤሊቶ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ብዛዕባ ውልቃዊ ህይወትን ድሕረባይታን ናይቶም ሰለስተ ኣፍሪቃውያን ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ብዙሕ ዘይፍለጥ እኳ እንተዀነ፡ ኵሎም ኣብ ፈላማይ ታሪኽ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ልዑል ተራ ከም ዝነበሮም ጸሓፍቲ ታሪኽ ይሰማምዑ።

ካብዚ ሓሊፉ፡ ሰለስቲኦም ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ካብታ ቤተክርስትያን ከም ቅዱሳን ኣፍልጦ ተዋሂቡዎም እዩ።

ቪክቶር ቀዳማይ፡ (ካብ 189 ክሳዕ 199 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ)

ቪክቶር ቀዳማይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ቪክቶር ቀዳማይ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መበቈል ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ቪክቶር ቀዳማይ ካብ በርበር ከም ዝዀነ ይሕሰብ። ክርስትያናት ንኣማልኽቲ ሮማ ምቕባልን ምምላኽን ብምእባዮም ሰፊሕ ስቓይ ኣብ ዘጋጥመሉ ዝነበረ እዋን፡ ንቤተክርስትያን ካቶሊክ መሩሖም።

ምናልባት ክርስትያናት ፋሲካ ኣብ ዕለተ ሰንበት ከም ዘብዕሉ ብምርግጋጽ ዝያዳ ስሞም ይለዓል።

ኣብ ካልኣይ ክፍለ ዘመን ኣብ እስያ ብዝብል ኣብ ዝጽዋዕ ዝነበረ ዞባ ሮማ (ኣብ ዘመናዊት ቱርኪ) ዝነብሩ ገለ ክርስትያናዊ ጕጅለታት ፋሲካ ምስ ኣይሁድ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ የብዕሉ ነበሩ።

እዚ ድማ ኣብ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለየ መዓልቲ ዝውዕል እዩ ዝነበረ።

ይዅን እምበር ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ኣብ ትሕቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ዝነበሩ ክርስትያናት፡ የሱስ ብሰንበት ከም ዝትንስእ ይኣምኑ ብምንባሮም፡ ፋሲካ ወትሩ ሰንበት መዓልቲ ክበዓል ይግባእ ነይሩ።

እቲ ትንሳአ መዓስ ከም እተፈጸመ ብዝምልከት ሰፊሕ ክትዕ ነበረ።

እዚ ክትዕ ምልክት ናይቲ ኣብ መንጎ ምብራቕን ምዕራብን ዝነበረ ዝዓበየ ግርጭታት እዩ ነይሩ። ክርስትያናት ንልምድታት ኣይሁድ ክኽተሉ ኣለዎምዶ የብሎምን ኣብ ዝብል ስምምዕ ኣይነበረን።

ቪክቶር ቀዳማይ ነዚ ንምፍታሕ ነቲ ናይ መጀመርታ ሮማዊ ሲኖዶስ ጸውዑ።

ሓሳቦም ዘየኽብሩ ጳጳሳት ካብ ቤተክርስትያን ከም ዝውገዙ እውን ኣፈራርሑ።

"ቃል ብቓሉ ኵሉ ሰብ ንኽሰማማዕ ሓያል ጸላዊ እዮም ነይሮም፡" ይብል ፕሮፌሰር ቤሊቶ።

እዚ መስተንክራዊ ቅያ እዩ ነይሩ ዝብል ቤሊቶ፡ "ክርስትና ኣብ ግዝኣት ሮማ ዘይሕጋዊ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ጳጳስ ሮማ እዩ ነይሩ፡" ብምባል ምኽንያቱ የብርህ።

ካልእ ኣገዳሲ ክፋል ሕድሪ ቪክቶር ቀዳማይ፡ ላቲን ከም ሓባራዊ ቋንቋ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ምትእትታዎም እዩ። ቅድሚ ሽዑ ቀንዲ ንካቶሊካዊ ቅዳሴ ከምኡ'ውን ንመስተራኽብ ዘገልግል ዝነበረ ወግዓዊ ቋንቋ ግሪኽ እዩ ዝነበረ።

ቪክቶር ቀዳማይ ባዕሎም ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ብሰፊሑ ዝዝረብ ብዝነበረ ላቲን ይጽሕፉን ይዛረቡን ነበሩ።

ሚልትያደስ (ካብ 311 ክሳዕ 314 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ)

ሚልትያደስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሚልትያደስ

ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሚልትያደስ ኣብ ኣፍሪቃ ከም ዝተወልዱ ይእመን።

ኣብ ዘመኖም ክርስትና ብተኸታተልቲ ሃጸያት ሮማ ተቐባልነት እናረኸበ ብምኻዱ፡ ኣብ መወዳእታ ወግዓዊ ሃይማኖት እቲ ሃጸያዊ ግዝኣት ኰነ።

ቅድሚኡ ግን ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ኣብ ልዕሊ ኣመንቲ ክርስትና ዝበጽሕ ዝነበረ ስደት ዓቢይ እዩ ዝነበረ።

እንተዀነ፡ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሚልትያደስ ግን እዚ ንኽኸውን ልዑል ኣበርክቶ ከም ዘይገበሩ ፕሮፌሰር ቤሊቶ ይገልጽ።

ሚልትያደስ ብሃጸይ ሮማ ቆስጠንጢኖስ ቤተመንግስቲ ተዋሂቡዎም፣ ወግዓዊ መንበሪ ገዛ ዝነበሮም ፈላማይ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኰኑ።

ብዘይካ`ዚ፡ ነታ ሕጂ ኣብ ሮማ እትርከብ ታሪኻዊት ቤተክርስትያን ላተራን ባዚሊካ ንምህናጽ እውን ካብ ቆስጠንጢኖስ ፍቓድ ተዋህቦም።

ዘመናውያን ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣብ ቫቲካን ክነብሩን ክሰርሑን እንከለዉ፡ ቤተክርስትያን ላተራን ግን ሓድሓደ ግዜ "ኣደ ኵለን ኣብያተ ክርስትያን፡" ተባሂላ ትጽዋዕ።

ገላስዮስ ቀዳማይ (ካብ 492 ክሳዕ 496 ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ)

ገላስዮስ ቀዳማይ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ገላስዮስ ቀዳማይ

ካብቶም ሰለስተ ኣፍሪቃውያን ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዘይተወልዱ ገላስዮስ ቀዳማይ ከም ዝዀኑ ጸሓፍቲ ታሪኽ ይኣምኑ።

"ተወላዲ ሮማ ምዃኖም ዝገልጽ መወከሲ ኣሎ። ስለዚ ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ [ዝነብሩ] እንተ ነይሮም ኣይንፈልጥን፣ መበቈሎም ግን ሰሜን ኣፍሪቃ ምዃኑ ንጹር ይመስል፡" ክብል ፕሮፌሰር ቤሊቶ ይገልጽ።

ካብቶም ሰለስተ ኣፍሪቃውያን መራሕቲ እታ ቤተክርስትያን፡ ገላስዮስ ቀዳማይ ኣገዳሲ ምንባሮም ፕሮፌሰር ቤሊቶ ይጠቅስ።

ገላስዮስ ቀዳማይ ብወግዒ "ቆሞስ ክርስቶስ" ዝብል ኣፍልጦ ዝተወሃቦም ፈላማይ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ምዃኖም ብሰፊሑ ይፍለጥ።

እዚ ቃል እዚ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣብ ምድሪ ከም ወኪል ክርስቶስ ዘለዎም ተራ ዘመልክት'ዩ።

'ክልተ ኣስያፍ' ዝበሃል ካልእ ግን ከኣ ማዕረ ስልጣን ቤተክርስትያንን መንግስትን ዘጕልሕ ትምህርቲ እውን ኣማዕቢሎም እዮም።

ገላስዮስ ቀዳማይ፡ ስልጣን ካብ ኣምላኽ ንቤተክርስትያን ከም ዝተዋህበን ብምግላጽ፡ ምድራዊ ስልጣን ንመንግስቲ ከም ዝሃበን እቲ ዝለዓለ ስልጣን ናይ ቤተክርስትያን እዩ ዝብል ሓሳብ ይነቕፉ።

"ድሒሩ ኣብ ማእከላይ ዘመን ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ሓድሓደ ግዜ ኣምላኽ ነዚ ስልጣን ሂቡና እዩ ብዝብል ንሃጸይ ወይ ንጉስ ንምምራጽ ቅወፋ ክፍጽሙ ይፍትኑ ነይሮም፡" ይብል ፕሮፌሰር ቤሊቶ።

ኣብቲ እዋን፡ ገላስዮስ ቀዳማይ ልዕልና ሮማን ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳትን ኣብ ልዕሊ መላእ ቤተክርስትያን ምብራቕን ምዕራብን ኣረጋጊጾም። እዚ ድማ ካብ ዝዀነ ቅድሚኦም ዝነበሩ ንላዕሊ ዝኸደ ከም ዝዀነ ክኢላታት ይኣምኑ።

ገላስዮስ ቀዳማይ፡ ኣብ መንጎ ምብራቓውያንን ምዕራባውያንን ክርስትያናዊ ኣብያተ ክርስትያን ካብ 484 ክሳዕ 519 ኣብ ዝነበረ ምፍንጫል ዝተሰውኡ ንምዝካር በብዓመቱ ኣብ 14 ለካቲት ንዝኽበር መዓልቲ ፍቑራት (ቫለንታይንስ ደይ) እውን ኣበርክቶ ገይሮም እዮም።

ገለ ጸብጻባት ከም ዝሕብሩዎ፡ ቫለንታይን ብሃጸይ ገላስዮስ ዳግማዊ ዝተኣገደ መርዓ ብሕቡእ ምፍጻም ዝቐጸለ ካህን እዩ።

ጸሓፍቲ ታሪኽ፡ መዓልቲ ፍቑራት ካብቲ ሮማውያን ዝካየድ ብዓል ፍቕርን ፍርያምነትን ዝብገስን ገላስዮስ ቀዳማይ ንኣረማዊ ትውፊታት ክርስትያናዊ ንምግባር ዝወሰዱዎ ስጕምቲ ምዃኑን ይኣምኑ።

ኣፍሪቃውያን ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት እንታይ ይመስሉ ነይሮም?

ድሕሪ ገላስዮስ ቀዳማይ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጹ ካልኦት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣይነበሩን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ድሕሪ ገላስዮስ ቀዳማይ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ካልኦት ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣይነበሩን

ፕሮፌሰር ቤሊቶ እቶም ሰለስተ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት እንታይ ይመስሉ ከም ዝነበሩ ብትኽኽል ዝፍለጠሉ መንገዲ ከም ዘየሎ ይሕብር።

"ኣብ ግዝኣት ሮማ ዝነበሩ ሰባት ምስ ዓሌት ዘይኰነስ ምስ ብሄር እዩ ነይሩ ርክቦም፡" ይብል።

ፕሮፌሰር ፊሎሜና ምዋራ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኬንያታ ተሓጋጋዚት ፕሮፌሰር ሃይማኖታዊ መጽናዕቲ እያ።

ሮማዊት ኣፍሪቃ ኣዝያ ብዙሕ ባህልታት ዝነበራ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝነበራ ጕጅለታት በርበርን ፑኒክን፡ ሓራ ዝወጽኡ ባሮትን ካብ ሮማ ዝመጽኡ ሰባትን ይነብሩ ከም ዝነበሩ ትገልጽ።

"ማሕበረሰብ ሰሜን ኣፍሪቃ ኣዝዩ ዝተሓዋወሰ እዩ ነይሩ፣ ንብዙሓት ኣብቲ ቀዳማይ ጥንቲ ኣብ ንግዲ ዝነጥፉ ሰባት'ውን መስመር ንግዲ እዩ ነይሩ፡" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።

ንገዛእ ርእሶም ምስ ዝዀነ ብሄር ካብ ምትእስሳር፡ "መብዛሕትኦም ኣብ ውሽጢ ግዝኣት ሮማ ዝነበሩ ሰባት ንነብሶም ከም ሮማውያን ይቘጽሩ ነበሩ፡" ትብል።

ካብ ሽዑ ጀሚሩ ስለምንታይ ኣፍሪቃውያን ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣይነበሩን?

ድሕሪ ገላስዮስ ቀዳማይ ካብ ሮማ ዝመጽኡ ካልኦት ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ኣፍሪቃ ኣይነበሩን።

"ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝነበረት ቤተክርስትያን ብኣዝዮም ብዙሓት ሓይልታት ተዳኺማ ነበረት። ንኣብነት፡ ውድቀት ግዝኣት ሮማ ከምኡ'ውን ኣብ ሻውዓይይ ክፍለ ዘመን ምስፍፋሕ እስልምና [ናብ ሰሜን ኣፍሪቃን] ነበረ፡" ትብል ፕሮፌሰር ምዋውራ።

እንተዀነ፡ ክኢላታት ዝርግሐ እስልምና ኣብ ዝሓለፉ 2,000 ዓመታት ኣፍሪቃዊ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ንዘይምህላዎም ምኽንያት ከም ዘይኰነ ይምጕቱ።

ፕሮፌሰር ቤሊቶ እውን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት መስርሕ ምምራጽ ሓድሽ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት፡ "ብቐንዱ ብኢጣልያ ዝተዓብለለ፡" ኰይኑ ይብል።

እንተዀነ፡ ኣብ ደቡባዊ ንፍቀ ክቢ ዝርከቡ ካቶሊካውያን፡ ካብቶም ኣብ ሰሜን ዝርከቡ ካቶሊካውያን ስለዝበዝሑ ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተታት ዓመታት ካብ እስያ ወይ ኣፍሪቃ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ክምረጽ ዘሎ ተኽእሎ ልዑል ምዃኑ ይውስኽ።

ሓቂ ካቶሊክነት ሎሚ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ካብ ካልእ ቦታታት ንላዕሊ ብቕልጡፍ ይዝርጋሕ ኣሎ።

ኣሃዛት ከም ዘመልክቱዎ፡ ኣብ 2023 ኣብ ኣፍሪቃ 281 ሚልዮን ካቶሊካውያን ነይሮም። እዚ ድማ 20 ሚእታዊት ካብ ዓለምለኻዊ ኣመንቲ እዩ።

ፕሮፌሰር ምዋውራ ግን፡ "ዋላ'ኳ ክርስትና ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዩ ሓያል እንተዀነ፡ ሓይሊ ቤተክርስትያን ግን ገና ኣብቲ ጸጋታት ዝርከበሉ ሰሜን እዩ ዘሎ፡" ክትብል ትምጕት።

"ምናልባት እታ ኣህጉር ኣዝያ ሓያልን ንነብሳ እትድግፍን ኣብ እትዀነሉ እዋን፡ ሽዑ ኣፍሪቃዊ ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ክህልዉ ዝኽእልሉ ግዜ ክመጽእ ይኽእል እዩ፡" ትብል እታ ፕሮፌሰር።