ቫቲካን፡ ቀጻሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ኣፍሪቃዊ ዶ ይዀኑ፣ ማዕረ ክንደይከ የገድስ?

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ቀጻሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳስ ካበይ ይመጹ ዝብል ጉዳይ፡ እቲ እንኮ መለክዒ ዕብየት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን እንተዝኸውን፡ እቶም ዝቕጽሉ ኣቡን ኣፍሪቃዊ ከምዝዀኑ ዳርጋ ርጉጽ እዩ።
ኣፍሪቃ ቅልጡፍ ዕብየት ካቶሊካውያን ዝረኣየላ ኣህጉር ኰይና፡ ልዕሊ ፍርቂ ናይቲ ዓለማዊ ወሰኽ ትሽፍን።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ካብ ቫቲካን ዝተዘርግሐ ኣሃዛት ከምዘመልክቶ፡ ኣብ 2022፡ ዳርጋ 20 ሚእታዊት ካቶሊካውያን ዓለምና ኣብታ ኣህጉር ይነብሩ። እዚ ድማ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዓመት ብ0.32 ሚእታዊት ዕብየት ከምዘርኣየን ካብ ዝዀነ ዞባ ዝለዓለ ዕቤት ከምዝዀነን ይግለጽ።
ብኣንጻሩ ኤውሮጳ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ብ0.08 ሚእታዊት ምንካይ ኣርእያ። ከምኡ'ውን ካብ 1910 ክሳብ 2010 ኣብ ዝነበረ ሚእቲ ዓመት ቍጽሪ ካቶሊካውያን ብልዕሊ 63 ሚእታዊት ምጕዳል ከምዘርኣየ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ማእከል ምርምር 'ፒው' ይሕብር።
ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ላቲን ኣመሪካ ገና ጽልዋ ዘለዋ እኳ እንተዀነት፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት እቲ ዞባ ግን ብወንጌላዊ ክርስትና ትዕብለል ኣላ። ኣብ 2022 ኣብ 18 ሃገራት እቲ ዞባ ዝተገብረ መጽናዕቲ ከም ዘመልክቶ፡ ቍጽሪ ናይቶም ካቶሊካውያን ምዃኖም ዝገልጹ ሰባት ኣብ 2010 ካብ ዝነበሮ 70 ሚእታዊት ኣብ 2020 ናብ 57 ሚእታዊት ወሪዱ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስለዚ እቶም ዝቕጽል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዝመርጹ ካርዲናላት - 'ካርዲናል መረጻ' - ንፖፕ ፍራንሲስ ዝትክኡ ር.ሊ.ጳ. ንምምራጽ ኣብ ቫቲካን ኣብ ዝእከቡሉ እዋን፡ ካበይ ከባቢ ይኹኑ ዝብልከ ኣካል ውሳነኦም'ዶ ይኸውን?
ናይጀርያዊ ካቶሊካዊ ካህንን ኣብ ዲፖል ዩኒቨርሲቲ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰርን ስታን ቹ ኢሎ፡ ከምኡ ከም ዝኸውን ይግምቱ።
"ኣፍሪቃዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት እንተዝሽየም ጽቡቕ እመስለኒ" ብምባል መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን ንኣቃውማ ዓለማዊ ጉባኤ ብዝበለጸ ከንጸባርቕ ከምዘለዎ ይምጕቱ።
ኣቡነ ፍራንሲስ ኣብ 2013 ክምረጹ ከለዉ፡ ር.ሊ.ጳ ኣብ ምምራጽ ዝሳተፉ ካርዲናላት ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ኣብ 2013 ካብ ዝነበርዎ 9 ሚእታዊት፡ ኣብ 2022 ናብ 12 ሚእታዊት ከዕብይዎ ክኢሎም። ኣባ ቹ ኢሎ ግን እቶም ካርዲናላት ትሕተ ሳህራ፡ ካብ ኣፍሪቃ ዝመጽእ ሰብ ክመርጹ እዮም ማለት ከምዘይኮነ ይዛረቡ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ካርዲናላት ልዑል ሽም ንዘለዎ ሰብ ክመርጹ ተኽእሎ ከምዘሎ ብምሕባር፡ "ካብ ቀደሙ ጽልዋ ዘለዎ ሰብ እዩ ዝምረጽ፡" ይብሉ።
"እቲ ብድሆ፡ ሎሚ ኣብ ቫቲካን ዝዀነ ወሳኒ ቦታ ዝሓዙ ላዕለዎት ኣፍሪካውያን ኣቕሽሽቲ ዘይምህላዎም'ዩ። እዚ ድማ ጸገም የስዕብ" ክብሉ ይውስኹ።
ኣስዒቦም፡ "ብዛዕባ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክዀኑ ዝኽእሉ ኣፍሪቃውያን ካርዲናላት እንተሓሲብና ሎሚ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ካቶሊክ መን ጐሊሑ ይረአ ኣሎ? የለን'ዩ እቲ መልሲ" ኢሎም።
ኣብ 2013 ጋናዊ ካርዲናል ፒተር ቱርክሰን ነቲ ሃይማኖታዊ ሽመት ሓደ ካብ ቀንዲ ተወዳደርቲ ኰይኖም ምቕራቦምን ኣብ 2005 ድማ ናይጀርያዊ ካርዲናል ፍራንሲስ ኣሪንዘ ኣብቲ ንር.ሊ.ጳ. በነዲክት 16 ዝመረጸ ጉባኤ ካርዲናላት ኣባል ምንባሮምን ዝርሳዕ ከምዘይኰነ የዘኻኽሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
'መንነት ዘገድስ ኣይኮነን'
ካብ ኣፍሪቃ ብውሕዱ ሰለስተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክህልዉ እንከለዉ፡ እቶም ናይ መወዳእታ - ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ገላስዮስ ቀዳማይ - ቅድሚ ልዕሊ 1500 ዓመት ሞይቶም።
ገለ ኣፍሪቃውያን ካቶሊካውያን ቀጻሊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ካበይ ክኸውን ከምዝኽእል ልዕሊ መጠን ትኹረት ይወሃቦ ከምዘሎ ይሓስቡ። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኖትረደም ፕሮፌሰር ዝኾኑ ኣብ ናይጀርያ ዝተወልዱ ካቶሊካዊ ካህን ፓውሊነስ ኢከቹኩ ኦዶዞር ሓደ ካብኣቶም እዮም።
"ካብ ኣፍሪቃ ስለ ዝመጻእካ ጥራይ፡ ወይ ካብ ኤውሮጳ ስለ ዝዀንካ፡ ቀንዲ ሕጹይ ኢኻ ዝብል ሓሳብ ዝኣምን ሰብ ኣይኰንኩን" ይብሉ።
"ካበይ መጺእካ ብዘየገድስ፡ ምስ ተመረጽካ ሽዑ ንሽዑ ጉዳይ ኩሉ ሰብ ጉዳይካ ይኸውን። ሓደ ዋኒን ይህልወካ ንሱ'ውን ስም ክርስቶስ ምህናጽ እዩ። ክንደይ ህዝቢ ኣሎ? ኣበይ ኣሎ? ብዘየገድስ" ክብሉ የረድኡ።
እቲ ኣገዳሲ ነገር ድማ እቶም ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ "ናይ ቤተ ክርስቲያን ዋና ስነ መለኮታዊ ምሁር ክዀኑ ኣለዎም" ይብሉ።
ኦዶዞር፡ "ኣፍሪቃውያን ጉዳዮም ከምቲ ዝግበኦ ቦታ ይረክብ ከምዘየለ ኣብ ዝስምዖም፡ ሽዑ ምሕታት ክጅምሩ ይኽእሉ። ምናልባት ኣብኡ ናይ ገዛእ ርእስና ሰብ እንተሃልዩና ጥራይ ኢና ክንስማዕ ወይ ክንረአ ንኽእል ክብሉ ይኽእሉ" ክብሉ ሓሳቦም የረድኡ።
ዓሌታውነት ኣብታ ቤተ ክርስቲያን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቹ ኢሎ፡ ቍጽሪ ካብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝመጽኡ ካርዲናላት እኳ እንተወሰኸ፡ ኣብታ ቤተ ክርስቲያን ግን ጸላዊ ሓይሊ ከምዘይብሎም ይስምዖም።
"ኣቡነ ፍራንሲስ ንዝሸምዎም ካርዲናላት ኣይኰንኩን ዘነኣእስ ዘለኹ፡" ይብሉ።
ግን ከኣ "ድሕሪ ምሻም ጽልዋ ዘሕድሩሉ ኵነታት ትህቦም ዲኻ? ነቶም እትሸሞም ሰባት ስልጣን ትህቦም'ዶ? በቲ ስራሕ እምነት ኣሕዲርካሎም ክሰርሕዎ ተፍቅደሎምዶ?" ክብሉ ሕቶታት የልዕሉ።
ክልቲኦም ሃይማኖታዊ ኣቦታት - ቹ ኢሎን ኦዶዘርን - ኣቡነ ፍራንሲስ መሪሕነት ቤተ ክርስቲያን ዝያዳ ውክልና ንኽህልዎ ንዘገበርዎ ጻዕሪ ክዕንቅፍ ኣብ ዝኽእል ጉዳይ የተኵሩ።
"ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤተክርስትያን ብዛዕባኡ'ውን ፈጺምና ዘይንዛረበሉ ጉዳይ ዓሌትነት ኣሎ" ይብሉ ኦዶዞር።
"እዚ [ዓሌታውነት] ኣብ ዝዀነ ደረጃ ጵጵስና ይሃሉ ወይ ዝሰርሖ ስራሕ ብዘየገድስ ንዝዀነ ይዅን ሰብ ከዳኽሞ ይኽእል እዩ። ከም ኣፍሪቃዊ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጥራይ እዩ ክረአ" ክብሉ የረድኡ።
ዘይግመት ውጽኢት
ንኣቡነ ፍራንሲስ ንምትካእ መን ከም ዝምረጽ ንምግማቱ ዘጸግም ቀንዲ ረቛሒ ከምዘሎ ቹ ኢሎ ይዛረቡ።
"ካቶሊካውያን፡ እግዚኣብሄር - መንፈስ ቅዱስ - ንመራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምምራጽ ከም ዝሕግዝ እምነት ኣለዎም" ይብሉ።
እዚ ማለት ከምቲ ኣብ 2013 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝተመርጹሉ ዘገርም ውጽኢት ክህሉ ይኽእል እዩ።
"ንሶም ከምዝምረጹ ዝገመተ ዝዀነ ሰብ ኣይነበረን" ይብሉ ቹ ኢሎ።
እቲ ዝምረጽ ሓድሽ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ መራሒ ራእይ ከቐጽል ወይ ካብ ኣፍሪቃ ንክኸውን? እንታይ እዩ ዝያዳ ኣገዳሲ? ዝብል ሕቶ ቀሪቡሎም ነይሩ።
"ከም ቅኑዕ ካህን ኰይነ መልሲ ክህብ እየ" በሉ እናሰሓቑ።
ኣስዒቦም፡ "እግዚኣብሄር ንኣካይዳ ኣቡነ ፍራንሲስ ዘቐጽል ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ክህበና ምጸለኹ፤ ከምዚ ዓይነት ሰብ ድማ ካብ ኣፍሪቃ ክመጽእ ክጽሊ እየ" ክብሉ መልሲ ሂቦም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







