ትራምፕ፡ ልዉጠ-ጾታ ኣብ ናይ ደቀንስትዮ ስፖርት ከይወዳደሩ ዝእግድ ውሳነ ኣሕሊፉ

ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ልውጠ-ጾታ ዝገበሩ ሰባት ኣብ ዓዉዲታት ስፖርት ደቀንስትዮ ከይወዳደሩ ዝኽልክል ፕረዝደንታዊ ትእዛዝ ፈሪሙ።

እዚ ልውጠ-ጾታ (ትራንስጀንደር) መሰላት ሕደ-ጾታነት ዝምልከት መምርሒ፡ ደንብን ሕጋዊ ትርጓመታትን ዝሓዘ ኰይኑ፡ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ነዚ ኣብ ዘፈጽማ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ተምህርቲ መርመራ ክገብር ይእዝዝ።

ኣባላት ሪፐብሊካ ሰልፊ ኣብ ኮንግረስ፡ እቲ ዉሳነ ኣብ ስፖርታዊ ውድድራት ፍትሓዉነት ክህሉ ዝገብር እዩ ይብሉ።

ተሓለቕቲ ጕዳያትን መሰላትን ጾታ ግን፡ እዚ ዘጓኒ ዉሳነ'ዩ ክብሉ ይምጕቱ።

ትእዛዝ እቲ ፕረዚደንት ብቐጥታ ግብራዊ ዝኸዉን ኰይኑ፡ ብቐንዱ ንካልኣይ ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ፡ ዩኒቨርሲቲታትን በቢከባቢኡ ዝካየዱ ስፖርታዊ ዉድድራትን ዝምልከት'ዩ።

እዚ፡ ምሕንባስ፡ ኣትሌቲክስን ጐልፍን ሓዊሱ፡ ብርክት ዝበሉ ምምሕዳራት ስፖርት፡ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ደቂተባዕትዮ ኰይኖም ዝዓበዩን ጾታኦም ብምቕያር ደቀንስትዮ ዝዀኑን ኣብቲ ዉድድር ከይሳተፉ ኣጊዶም ኣለዉ።

ሓደ በዓል ስልጣን መንግስቲ፡ እዚ ትእዛዝ ፕረዚደንት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሚያዝያ መሰል ፍቝራት ሕደ-ጾታውያን ብሕጊ መንግስቲ ፌደራል ሓለዋ ክግበረሉ'ዩ ብዝብል ንዝተመሓላለፈ መርገጺ መንግስቲ ዝቕይር እዩ ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ዝተፈላለዩ ስፖርታዊ ዉድድራት ዘዳልዉ ኣካላት፡ ናብ ዋይት ሃዉስ ብምጽዋዕ ደቀንስትዮ ስፖርተኛታትን ወለድን ዘለዎም ስግኣት ዝምልከት ክዘራረብ መደብ ከም ዘለዎ ተገሊጹ።

ነዚ ትእዛዝ ብዝምልከት ርእይቶ ዝሃበ ሓደ በዓል ስልጣን፡ ኣብ ዉሽጢ ግዝኣታት ኣመሪካ ኣብ ዝካየዱ ዓለምለኻዊ ዉድድራት ኦሎምፒክ፡ ልዉጠ-ጾታ ዝዀኑ ሰባት ብሓባር ንክወዳደሩ ኣመሪካ ኣይትፈቅድን ኢሉ።

እዚ ዉሳነ ድማ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ንዝካየድ ዉድድር ኦሎምፒክ 2028 ዝሕዉስ ከም ዝዀነ ትራምፕ ተዛሪቡ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ዉድድር ንምስታፍ ዝመጽኡ ልዉጠ-ጾታ፡ ቪዛ ከም ዘይረኽቡ ገሊጹ።

ትራምፕ ነዚ መምርሒ ቅድሚ ፍራሙ፡ "ኣብ ስፖርት ደቀንስትዮ ዝተኸፈተ ኲናት ኣብቂዑ'ዩ፡" ብምባል ኣብ ኦሎምፒክ ሎስ ኣንጀለስ "ምምሕዳረይ ደቂተባዕትዮ ምስ ደቀንስትዮ ተወዳዲሮም፡ ደቀንስትዮ ክስዓራ ደዉ ኢሉ ኣይርእን" ከም ዝበለ ይዝከር።

ቤት ጽሕፈት ውሽጣዊ ድሕነት ድማ "ደቀንስትዮ ኣትሌታት ኢና ኢልካ ብምትላል ናብ ኣመሪካ ቪዛ ዝሓቱ ሰባት፡ ሕቶኦም ዉዱቕ ክገብር፡" መምርሒ ከም ዝወሃቦ ኣፍሊጡ።

ዓለምለኸ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኣብዚ ጕዳይ ርኢይቶ ንክህብ ተሓቲቱ ኣሎ።