ኢትዮጵያ፡ ንነጠፍቲ ቲክቶክን ዝኣመሰሉን ግብሪ ከተኽፍል ዘዳለወቶ ረቂቕ ሕጊ እንታይ ይብል?

ቲክቶከራት ኣዶናይ - ዩቲናስ

ቲክቶክን ዩትዩብን ካብ ዝኣመሰሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዓመት ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ብር ዝረኽቡ ሰባት፡ ንጥፈቶም ከም "ንግዲ" ተቘጺሩ ግብሪ ክኸፍሉ ዝጠልብ ረቂቕ ሕጊ ተዳልዩ።

እቲ ረቂቕ ሕጊ ብሚኒስትሪ ፋይናንስ ዝተዳለወ ኰይኑ፡ ፈጠርቲ ዲጂታላዊ ትሕዝቶታት፡ ካብ "መወዓውዒታትን ስፖንሰርሺፕን" ሓዊሱ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝረኽብዎ "ኵሉ ኣታዊ" ዘነጽር "መዝገብ ሕሳብ" ክሕዙ ይሓትት።

ኣብ ሓምለ 2017 ኣብ ዝወጸ "ኣዋጅ ግብሪ ኣታዊ" ፈጠርቲ ዲጂታላዊ ትሕዝቶ፡ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ዝርዝር ከፈልቲ ግብሪ ሰፊሮም እዮም።

እቲ ሓድሽ ረቂቕ ድማ ኣብቲ ኣዋጅ ዝተቐመጡ ድንጋገታት ብዝምልከት ዝርዝር ዓንቀጻት ዝሓዘ እዩ።

እቲ ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸደቐ ኣዋጅ፡ ካብ ምፍጣር ዲጂታላዊ ትሕዝቶ ኣታዊ ዝረክብ "ውልቀ ሰብ ወይ ትካል" ግብሪ ክኸፍል ከምዘለዎ ይድንግግ።

"ፈጠርቲ ዲጂታላዊ ትሕዝቶ" ከም ዩትዩብን ቲክቶክን ካብ ዝኣመሰሉ "ኣገልግሎት ዝርገሐ ቪድዮ" ከምኡ'ውን ከም ፌስቡክ ዝኣመሰሉ "ማሕበራዊ መራኸቢታት" ተጠቒሞም ኣታዊ ዝረኽቡ ውልቀሰባት የጠቓልል።

ከም ካብ "ፖድካስት" ከምኡ'ውን "መድረኻት ቀጥታዊ ዝርግሐ" ኣታዊ ዝረኽቡ ኣካላት እውን ኣብዚ ዝርዝር ሰፊሮም ኣለዉ።

እቲ ረቒቕ ሕጊ፡ እዞም ውልቀሰባት ወይ ትካላት ካብ ዝረኽብዎ "ዝዀነ ኣታዊ" ግብሪ ክኸፍሉ ምዃኖም ይጠቅስ። እዚ ኣታዊ እዚ "ብጥረ ገንዘብ ወይ ብዓይነት" ክኸውን ከም ዝኽእል እውን ይሕብር።

እቲ ረቂቕ ሕጊ፡ ካብ ፈጠራ ዲጂታላዊ ትሕዝቶ ዝመጽእ እቶት፡ ግብሪ ክኽፈሎ ዘኽእል ሰለስተ ቅድመ ኵነት ኣቐሚጡ ኣሎ።

እቲ ቀዳማይ ቅድመ ኵነት፡ "ዓመታዊ ሓፈሻዊ እቶት ካብ ክልተ ሚልዮን ብር ንላዕሊ እንተዀይኑ" ንጥፈታቶም ከም "ኣታዊ ንግዲ" ተቘጺሩ ግብሪ ከምዝኸፍሉ ይጠቅስ።

"እቲ ኣብ ፈጠራዊ ስራሕ ዝተዋፈረ ከፋሊ ግብሪ፡ ብመልክዕ ትካል ዝተጣየሰ" እንተዀይኑ እውን ግብሪ ኣታዊ ስራሕ ንግዲ ክኸፍል ክግደድ እዩ።

እቲ ካልእ ቅድመ ኵነት ድማ "እቲ ከፋሊ ግብሪ መዛግብቲ ሕሳብ ክሕዝ ዝግደድ ወይ ድማ ዝቕነስ ወጻኢታት እንተሃልይዎ" እዩ።

ይዅን እምበር ፈጠርቲ ትሕዝቶ ኣብ ዓመት ዝረኽብዎ ኣታዊ ትሕቲ ክልተ ሚልዮን ብር ምዃኑ ወይ እውን ከም ትካል ዝተጣየሱ ዘይምዃኖም ካብ ግብሪ ነጻ ኣይገብሮምን።

ነቶም ቅድመ ኵነታት እዚ እንተዘይኣማሊኦም፡ "ካልእ እቶት" ኣብ ዝብል ተመዲቦም "ካብ ጠቕላላ እቶቶም 15 ሚእታዊት" ክኸፍሉ እዮም።

ቲክቶክ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፈጠርቲ ትሕዝቶ፡ "ካብ ውሽጢ ሃገር ይዅን ካብ ናይ ወጻኢ ምንጭታት" ብዓይነት ይዅን ብጥረ ገንዘብ ንዝርከብ እቶት፡ "ቅኑዕን ምሉእን መዝገብ ሕሳብ" ክሕዙ ኣለዎም ተባሂሉ ኣሎ።

ካብቶም ኣብ መዝገብ ሕሳብ ክምዝገቡ ዘለዎም ሓበሬታታት፡ "ምስ ስፖንሰራትን ኣቕረብቲ መወዓውዒን ዝግበር ስምምዓት" ከምኡ'ውን "ክፍሊት ከምዝተቐበለ ዘርኢ ናይ ባንክ መግለጺ" ዝብሉ ይርከብዎም።

እቲ እማመ ናብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ቀሪቡ ክጸድቕ ኣለዎ።

"ብሩክ ኒውስ" ብዝብል ስም ኣብ ቲክቶክ ብዝጽሕፎ ሓጺር ጽሑፍ ዝፍለጥ ብሩክ ጫላ፡ እቲ ስጕምቲ "ክጽበዮ ዝጸንሐ" ምዃኑ ንቢቢሲ ገሊጹ።

"መንግስቲ ነዚ ብኸመይ ከፈጽሞ ይኽእል?' ዝብል ሕቶ ኣይተረድኣንን" ይብል። ከም ውጽኢቱ ድማ ድሮ ነቶም ዝመጹሉ ናይ መወዓውዒ ፕሮጀክትታት ኣብ ስሩዕ መስመር ኣእትዩዎም ኣሎ።

"ኣነ ብውልቀይ ዝተፈላለዩ ናይ መወዓውዒ ፕሮጀክትታት እሰርሕ። እዚ እናገበርኩ ከለኹ ብኡንብኡ ናይ መወዓውዒ ፍቓድ ኣውጺአ። ሰባት ኵሉ ግዜ እዚ ብኸመይ ይዳነ ዝብል ነገር ናባና ምምጽኡ ስለዘይተርፎ [...] ድሮ ናይ መወዓውዒ ፍቓድ ኣውጺአ እየ ክሰርሕ ጸኒሐ" ይብል።

ብሩክ ኣብ መድረኽ

ምንጪ ስእሊ, Krinfud Digitals

መግለጺ ስእሊ, ብሩክ፡ ፈጠርቲ ትሕዝቶ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ቅብሊት ዘይረኽቡሎም" ከምኡ'ውን "ዘይተሓሰበ ወጻኢታትን" ከምዘለዎም ይዛረብ

ካብቶም መስረትቲ "ማሕበር ፈጠርቲ ትሕዝቶ ማሕበራዊ መራኸቢታት" ሓደ ዝዀነ ብሩክ፡ ስራሕ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ኣብ ሃገርና ዘሎ ዕድላት [ስራሕ] ኣብ ግምት ብምእታው ጽቡቕ ኣታዊ ከምዘምጽእ" ይዛረብ።

ፍርያትን ኣገልግሎታትን ትካላት ምልላይን ኣብ እዋን ቀጥታዊ ፈነወ 'ብገንዘብ ዝሽየጥ ህያባትን' ኣብ ቲክቶክ ገንዘብ ካብ ዝረኽበሉ መንገድታት ገለ ምዃኖም ይጠቅስ።

መንእሰያት፡ "ስራሕ ኣብ ዘይብሉ ኵነታት ኰይኖም [በዞም] ማሕበራዊ መራኸቢታት" ብምጥቃም ገንዘብ ይረኽቡ ከምዘለዉ ይገልጽ።

ዲጂታላዊ ትሕዝቶ ፈጠርቲ ኣብ ስርዓት ግብሪ ምስፋሮም "ዝድግፍ" ብሩክ፡ ኣብቲ ረቂቕ ዝተቐመጠ መበገሲ ክልተ ሚልዮን ብር "ኣዝዩ ትሑት" እዩ ዝብል ርእይቶ ኣለዎ።

ፈጠርቲ ትሕዝቶ ማሕበራዊ መራኸቢታት "ቅብሊት ዘይረኽብሎምን" ከምኡ'ውን "ከም ወጻኢታት ዘይቍጸሩ ተዛመድቲ ወጻኢታትን" ከም ዘለዎም ይዛረብ።

"ኣብ ዝዀነ ሚድያ ፈጣሪ ትሕዝቶ ብዙሕ ወጻኢታት ኣለዎ። ብመንጽር ፈጠራ፡ ብዙሕ ስራሕ ሰሪሑ'ዩ ተኸታሊ ዝሃንጽ። ክልተ ሚልዮን ኣዝዩ ትሑት'ዩ" ይብል።

"ልዕሊ ሓሙሽተ ሚልዮን ብር [ኣብ ዓመት] ዝረኽቡ ሰባት ኣብ ስርዓተ ግብሪ እንተዝካተቱ ዝሓሸ ይመስለኒ" ዝብል ሓሳብ የቕርብ።