'ስልጣን እናተሓጐስኩ ከረክብ'የ፤ መራሒየይ ግን ባባ እዩ' - ኬንያታ

ኡህሩ ኬንያታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ፕረዚደንት ኬንያ ኡህሩ ኬንያታ፡ ስልጣኑ ብታሕጓስ ንተመራጺ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ከም ዘረክብ ገሊጹ።

ይዅን’ምበር፡ እታ ሃገር ብራይላ ኦዲንጋ እንተትምራሕ ምሓሸ ነይሩ ክብል ተዛሪቡ።

“ሕገ መንግስታዊ ግቡአይ ስለ ዝዀነ፡ ስልጣን እናስሓቕኩ ከረክብ እየ። ግን መራሕየይ ባባ’ዩ” ክብል ንራይላ ኦዲንግ በቲ ዝፍለጠሉ "ባባ" ዝብል ሳጓኡ ጸዊዑ ርእይቶ ሂቡ።

ወሲኹ፡ “እዛ ሃገር ናብ ሓደ እትመጽኣሉ ዕድል ኢኹም ከልኪልኩምዋ፤ ንራይላ ኣይኰነን ከልኪልኩምዎ፡” ኢሉ።

ኣብ ኬንያ፡ ብ9 ነሓሰ 2022 ፕረዚደንታዊ መረጻ ከም ዝተኻየደ ይዝከር።

ነዚ ስዒቡ፡ ውጽኢት እቲ መረጻ ዘይተቐበለ ተነሓናሒ ገዲም ፖለቲከኛ ራይላ ኦዲንጋ፡ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ምውሳዱ ኣብ ዙርያ ውጽኢት እቲ መረጻ ክትዕ ክካየድ ቀንዩ።

ኣብዚ ሰሙን ግን፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ተዓዋቲ መረጻ ዊልያም ሩቶ ምዃኑ ውሳነ ስለ ዝሃበ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሉስ እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ቃለ መሓላ ክፍጽም’ዩ።

ክሳብ ሕጂ፡ ፕረዚደንት ኬንያታ ብወግዒ ንምኽትሉ እንኳዕ ደስ በለካ ኣይበሎን ዘሎ፤ ይዅን’ምበር ትማሊ ረቡዕ ብዛዕባ ምርኽኻብ ስልጣን ብውልቂ ከም ዝተዘራረቡ ይግለጽ።

ፓርላማ ኬንያ ስራሕ ቅድሚ ምጅማሩ [ሎሚ ክጅምር’ዩ] ክልቲኦም መራሕቲ፡ ምስ ልፍንቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ክራኸቡ ጸኒሖም’ዮም።

ኬንያታ ኣቦ መንበር ልፍንቲ ኣዚሚዮ ኰይኑ፡ ኦዲንጋ ሕጹይ ፕረዚደንት ገይሩ ንመረጻ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ክልቲኦም ወገናት ድማ፡ ሕጂ ኣብ ክልቲኡ ባይቶ ንናይ ኣፈ-ጉባኤ ቦታ ዝስዕርሉ መገዲ የናድዩ ኣለው።

ብዓብላሊ ድምጺ ነቲ ባይቶ ዝተዓወተ ሰልፊ ግን የለን።

ዊልያም ሩቶ፡ ቃለ-መሓላ ምስ ፈጸመ ኣገደስቲ ኣዋጃት፡ ሕጹያት ካቢኔ ሚኒስትራ፡ ኣምባሳደራትን ላዕለዎት ኮሚሽነራትን ከቕርብ ትጽቢት ይግበር።