ኣቡነ ፍራንሲስ 'ኣጽዋር ሰላም ኣየምጽእን'፣ ኣሜሪካ ኣጽዋር ትልእኽ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣቡነ ፍራንሲስ ክብረ በዓል ፋሲጋ ኣመልኪቶም ኣብ ዘሕለፍዎ መልእኽቲ፡ ኣብ ቓዛ ተዅሲ ደው ክብልን ብሓማስ ተታሒዞም ዝጸንሑ እስራኤላውያን ጅሆ ክምለሱን ጸዊዖም።
እቶም ወዲ 87 ዓመት ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፡ ብዛዕባ ጥዕናኦም ስክፍታታት እኳ እንተሃለዎም፡ ኣብ ቫቲካን ኣብ ቅድሚ ኣሽሓት ምእመናን ቅዳሴ ፋሲካ መሪሖም።
ኣብ መላእ ዓለም ዝፍጸሙ ንዘለዉ ግጭታት ዘዘኻኸሩ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለም “ብስነ መጐት ኣጽዋርን ዕጥቅን ከይትግዛእ" ተማሕጺኖም።
"ሰላም ብቅልጽም ፈጺሙ ዝርከብ ኣይኰነን፡ ብዝርጉሕ ኣእዳውን ብኽፉት ልብን'ዩ" ኢሎም።
ብዓሰርተታት ኣሽሓት ኣመንቲ፡ መልእኽቲ እቶም ኣቡን ንምስማዕ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ተኣኪቦም።
ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ሓድሽ ናይ ዕርቂ ልዝብ ክጅመር ኣብ ዝቐረበሉ እዋን፡ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ “ኣብ ቓዛ ተበጻሕነት ሰብኣዊ ሓገዝ ክረጋገጽ ደጊመ እጽውዕ። እቶም ብ7 ጥቅምቲ ዝተታሕዙ ጅሆታት ብቕልጡፍ ክፍትሑን ኣብ ቓዛ ተኹሲ ደው ክብልን እምሕጸን” ኢሎም።
እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ዘስዓቦ ጽልዋ ብምጥቃስ፡ ካብ ህጻናት ጀሚሩ፡ "ኣብ ኣዒንቶም ብዙሕ ሓሳረ መከራ ንርኢ ኣለና። ካብ ኣዕንቲ እቶም ህጻናት ስለምንታይ እዚ ኵሉ ሞት? ስለምንታይ እዚ ኵሉ ዕንወት? ኲናት ኵሉ ግዜ ዕሽነትን ስዕረትን ከምዝዀነ ኢና እንርዳእ” ክብሉ ሃስያ እቲ ኲናት ከቢድ ከምዝዀነ ገሊጾም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ መንጐ ኣሜሪካን እስራኤል ወጥሪ ኣብ ዘለወሉ፡ ምምሕዳር ባይደን ሓያለ ዝተፈላለየ ከበድቲ ኣጽዋራትን 25 F35A ዝዓይነተን ነፈርቲ ኲናት ናብ እስራኤል ክለኣኻ ኣጽዲቝ።
እቶም ዝለኣኹ ከበድቲ ቦምባታት ቅድም ክብል ምስ ኣብ ቓዛ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ ዝተኣሳሰሩ ኰይኖም ጃምላዊ ህልቂት ከምዘውረዱ ይጥቀስ።
ኣሜሪካ ንእስራኤል ዓመታዊ 3.8 ቢልዮን ዶላር ወተሃደራዊ ሓገዝ ትህብ።
እዚ ዳሕረዋይ ናይ ሕጂ ኣብ ቓዛ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ሞት ሲቪላትን፣ ከቢድ ሓደጋ ጥሜት ኣንጸላልዩ ከም ዘሎ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን እዩ።
ምምሕዳር ባይደን፡ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተመዛበልቲ ኣብ ዝርከበሉ ኣብ ዶብ ግብጺ ኣብ ዝርከብ ራፋሕ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ኣጋር ሰራዊት እስራኤል ከምዘይድግፍ ገሊጹ'ሎ።
ኣብ ራማላ ዝርከብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ፍልስጤም፡ ኣሜሪካ ንእተርእዮ ዘላ ተዋላዋሊ መርገጽ ነቒፉ።
"ነቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ምቕታል ሲቪላት ደው ከብል እናሓተትካ፣ በቲ ካልእ ድማ ኣጽዋር ምዕጣቝ ሞራላዊ ተገራጫውነት ዘለዎ ዘይግመት ተግባር እዩ፡" ክብል እቲ ሚኒስተር ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።
እዚ ንእስራኤል ዝወሃብ ኣጽዋር ብገለ ላዕለዎት ኣባላት ዲሞክራስያዊ ሰልፊ እቲ ፕረዚደንት’ውን ብትሪ ክነቀፍ ጸኒሑዩ፣ ወተሃደራዊ ሓገዝ ኣመሪካ ክድረት ወይ ድማ እስራኤል ወተሃደራዊ ስርሒታት ብኸመይ ከም እተካይዶ ቅድመ ኵነት ክህልዎም ክጽውዑ ጸኒሖም’ዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







