ጳጳስ ፍራንሲስ፡ ዝሃቦ ርእይቶ ስለምንታይ እዩ ንዩክረይን ኣቖጢዑዋ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ዩክረይን፡ ጳጳስ ፍራንሲስ ዩከረይን ምስ ሩስያ ተካይዶ ዘላ ኲናት ብልዝብ ክትፈትሖ፡ “ጻዕዳ ባንዴራ ከተለክዕል ኣለዋ” ንዝብል ርእይትኡ ብትሪ ተቃዊማቶ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዩክረይን “ንሕና ብጀካ እዛ ናይ ሃገርና ዝኾነት ሰመያዊን ብጫን ባንዴራ ዝኾነ ካልእ ባንዴራ ኣይከነልዕልን ኢና” ኢሉ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ’ውን ንርእይቶ ጳጳስ ፍራንሲስ ብምቅዋም “ናይ ማዕዶ ሽምግልና” ብምባል መሊስሉ።
ውሃቢ ቃል ቫቲካን ብወገኑ፡ ጳጳስ ፍራንሲስ ዝሃቦ ርእይቶ ነቲ ኣብ ሞንጎ ሩስያን ዩክረይንን ዘሎ ኲናት ብልዝብ ንኽፍታሕ ዝሃቦ ርእይቶ’ምበር ዩክረይን ኣላሽ ኢላ’ያ ዝስምዕ ከምዘይኮነ ገሊጹ።
ጳጳስ ፍራንሲስ ኣብ ለካቲት ምስ መደበር ቴሌቪዥን ናይ ስዊዝ ዝኾነት ኣርኤስኣይ ዘካየዶ ቃለ መሕትት 20 መጋቢት ክቃላሕ’ዩ መደብ ተታሒዝሉ ዘሎ።
ነቲ ቃለ መሕትተ ብምስማዕ ሮይተርስ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ፡ ነቲ ዩክረይን ምስ ሩስያ ተካይዶ ዘላ ኲናት ማዕልቦ ክትገብረሉ ኣለዋ ዝብል ኣካታዒ ርእይቶ ኣመልኪቱ ርእይትኡ ንክህብ ኣብ ዝተሓተተሉ “እቲ ዝበርትዐ ነገር ነቲ ነገር ምስትብሃል’ዩ፡ ብዛዕባ’ዚ ክሕሰብ ኣለዎ፡ ንልዝብን ጻዕዳ ባንዴራ ንምልዓልን ትብዓት ክህሉ ኣለዎ” ምባሉ ሮይተርስ ጠቂሱ ኣሎ።
እቲ ጳጳስ ብምስዓብ “ከምዝተሰዓርካ ምስ ፈለጥካ፡ ነገራት ብጽቡቕ ይኸይድ ከምዘየሎ ምስ ተረዳኣካ፡ ንዘተ ኮፍ ንምባል ትብዓት ክህልዋካ ኣለዎ” ይብል።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
እቲ ጳጳስ ፍራንሲስ ዝሃቦ ርእይቶ ሓያለ ነቀፌታ ኣስዒብሉ ኣሎ።
ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ትማሊ ሰንበት ብቴሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ንዘረባ ጳጳስ ፍራንስስ ከም ኣርእስቲ’ኳ ኣንተዘየልዓሎ ብኢደ-ዙር ንዕኡ ብዝመስል ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ግምባር ንዘካይዶ ዘሎ መኸተ ሞጒሱ።
እቲ ፕረዚደንት “ሰራዊትና ኣብ ግምባር ኮይኑ ህይወትን ሰብኣውነትን ኣብ ምክልኻል’ዩ ዘሎ፡ ነቶም ንሰላም ዝድግፉ ጸለይቲ ይሕግዝ ኣሎ፡ ቤተ ክረስትያን ከምዚ’ያ ክትገብር ዝግባኣ"።
እቲ ፕረዚደንት ብምስዓብ "ሰራዊትና ምስ ህዝቡ’ዩ ዘሎ፡ ኣብ ውሽጢ ህዝቡ’ምበር ክልተ ሽሕን ፈረቃን ኪሎሜተር ካብ ህዝቡ ርሑቕ ማዕዶ ኣይኮነን ዘሎ፡ ኣብ ሞንጎ ሓደ ክነብር ዝደልን ሓደ ከጥፍኣካ ዝደልን ብማዕዶ ኮይንካ ተዓረቑ ኣይብሃልን’ዩ” ኢሉ።
ሰንበት ናይ ንግሆ’ውን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ዩክረይን ዲሜትሮ ኩለባ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ “ባንዴራና ሰመያውን ብጫን’ያ፡ ነዛ ባንዴራ እዚኣ ኢና ንነብር፡ ንመውትን ንዕወትን፡ ካልእ ነልዕሎ ባንዴራ የብልናን” ኢሉ።
ኣምባሳደር ዩክረይን ኣብ ቫቲካን ጳጳስ ፍራንሲስ ዝሃቢ ርእይቶ፡ ልክዕ ከምቲ ገለ ሰባት ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ምስ ኣዶልፍ ሂትለር ዘተ ክግበር ዝጉስጉስዎ ዝነበሩ ዝዳረግ ከምዝኾነ ገሊጹ።
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ፖላንድ ራደክ ሲኮርስኪ ንርእይቶ ጳጳስ ፍራንሲስ ዝሃቦ ቃል ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ጳጳስ ፍራንሲስ ልክዕ ከምቲ ንዩክረይን ኣመልኪቱ ርእይትኡ ዝሃበ ሚዛን ንምሕላው ፕረዚደንት ቭላዲሚር ፑቲን’ውን ሰራዊቱ ካብ ዩክረይን ንኸውጽእ ተባዕ ስጉምቲ ክወስድ ከምዘለዎ ከዘኻኽሮ ይግባእ” ኢሉ።
ንርእይቶ ጳጳስ ፍራንሲስ ኣመልኪቶም ብዙሓት ዩክሬናውያን ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ተሪር ነቀፌታታት የውሕዙ ኣለዉ።
ውሃቢ ቃል ቫቲካን ማቲው ብሩኒ፡ “እታ ጻዕዳ ባንዴራ ትብል ቃል በቲ ሓታቲ’ያ ተላዒላ፡ ጳጳስ ከኣ ኲናት ደው ንኽብልን ዘተ ንምክያድ ትብዓት ንክህሉን ንምግላጽ’ዩ ነታ ቃል ተጠዊሙላ” ኢሉ።
እቲ ውሃቢ ቃል ብምስዓብ እቲ ጳጳስ “ንዘተ ኮፍ ምባል ምምራኽ ማለት ኣይኮነን” ምባሉ’ውን ጠቂሱ።
ሩስያ ቅድሚ 25 ኣዋርሕ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኲናት ካብ ትእውጅ ዩክረይን ኣብ ምክልኻል ኣድሂባ’ያ ትዋጋእ ዘላ። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰራዊት ሩስያ ንስትራተጂካዊት ከተማ ኣቭዲቭካ ምቁጽጻሮም ዝዝከር’ዩ።
ብድሕሪ እዚ ሩስያ ላዕለዋይ ኢድ ብምሓዝ ሓያለ ቦታታት ኣብ ምቁጽጻር ትርከብ።
ኣመሪካ ንዩከረይን ብዓይነት ሓገዝ ከትህቦ ዝተለመቶ 60 ቢልዮን ዲላር’ውን ባይቶ ኣመሪካ ስለዝነጸጎ ደው ኢሉ ይርከብ።
ሃገራት ኣውሮጳ’ውን ንዩክረይን ብኸመይ ኣገባብ ክሕግዛኣ ከምዘለወን ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሓ ኣይክኣላን ዘለዋ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







