ለንደን፡ ኤርትራውያን ኣብ ዝፈጠርዎ ግጭት ኣርባዕተ ፖሊስ ተሃሪሞም

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ደቡብ ለንደን ኤርትራውያን ድሕሪ ዘካየድዎ ሰልፊ፡ ኣርባዕተ ኣባላት ፖሊስ ተሃሪሞም፡ ሸሞንተ ሰባት ድማ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ኣብ ካምበርወል፡ “ኣብ መንጐ ማሕበረሰብ ኤርትራ ብዝተፈጥረ ወጥሪ” ተቓውሞ ድሕሪ ምክያዱ ግጭት ከምዝተላዕለ ፖሊስ ወሲኹ ኣነጺሩ።
ዝተዘርግሐ ተንቀሳቓሲ ኣሳእል እቲ ፍጻመ ከም ዘመልክቶ፡ በትሪ ዝሓዙ ሰባት ምስ ኣባላት ፖሊስ ክጋጨዉን፡ መካይን ደው ክብላን የርኢ።
እቲ ግጭት ቅድሚ ምጅማሩ ኣስታት 50 ሰባት ኣብ ኣፍ ደገ ሓደ ናይ ብሕቲ ኣዳራሽ ከተኣኻኸቡ ከም ዝተራእዩ መግለጺ ፖሊስ የመልክት።
ኣብቲ ኣዳራሽ 'ዘ ላይትሃውስ'፡ ትማሊ ቀዳም ምሸት ብዝሒ ዘለዎ ሓይሊ ፖሊስ ተዋፊሩ ሓዲሩ።
ሸሞንተ ሰባት ብጐነጻዊ ዕግርግር፡ ዕንወት፡ ምሓዝ ሓደገኛ መሳርሒታትን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ፖሊስ መጥቃዕቲ ብምፍጻምን ዝብሉ ገበናት ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ፖሊስ ሓቢሩ’ሎ።
“ኣርባዕተ መኮንናት ቈሲሎም፡ ሓደ ካብኣቶም ናብ ሆስፒታል ከይዱ፡ ሕጂ ግን ተፋንዩ” ይብል እቲ ትማሊ ዝወጸ መግለጺ።
ተወሳኺ ወሃቢ ደገፍ ሓይሊ ፖሊስ ተዋፊሩ፡ ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፉ ሰባት ኵሎም ከምዝተበተኑ’ውን እቲ መግለጺ ጠቒሱ’ሎ።
ትማሊ ዝወጸ መግለጺ ፖሊስ እታ ከተማ ከምዘነጸሮ፡ ሓይልታት ፖሊስ ክሳብ ሰንበት ሰዓት 07፡00 [ንግሆ] ኣብቲ ቦታ ተዋፊሮም ከም ዝጸንሑን፡ ሰባት ካብቲ ቦታ ናይ ምእላይ ስልጣን ከም ዝተዋህቦምን ተፈሊጡ’ሎ።
ኣባላት ፖሊስ፡ ምስቶም ኣብ ጐደና ካምበርወል ኣብ ዝርከብ ኣዳራሽ መደብ ዘዳለዉ ሰባት ብሓባር ክሰርሑ ከምዝጸንሑ ብምግላጽ፡ እቶም ተኣሲሮም ዘለዉ፡ ካብቶም ኣብ ደገ ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰልፈኛታት ምዃኖም ፖሊስ ኣብሪሁ’ሎ።
ጠንቅን ትሕዝቶን እቲ ግጭት፡ ይዅን መንነት ወደብትን ተቓወምትን እቲ መደብን ካልእን ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ዝምልከት ፖሊስ ዛጊት ዝሃቦ መግለጺ የለን።
እንተዀነ ኣብዚ ዓመት፡ ኤርትራውያን ደገፍቲን ተቓወምቲን መንግስቲ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኣውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ካናዳን እስራኤልን ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክጋጨዉ ተራእዮም እዮም።
ከም ሳዕቤኑ፡ ሓያለ ሰባት፡ ኣብ ኣባላት ፖሊስ ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ፡ ኣብ ንብረት ብዘውረድዎ ዕንወትን ካልእ ተዛማዲ ጉዳያትን ተኸሲሶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮምን ገለ ድማ ይህደኑ ከምዘለዉን ይፍለጥ።
ብሰንኪ'ቲ ከምዚ ዝበለ ዕግርግር፡ እቲ ኣብ መፋርቕ ሓምለ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ "ፈስቲቫል ኤርትራውያን 2023 ብሪጣንያ" ከምዝተሰረዘ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







